ኢትዮጵያ፡ ከተማ ኣምቦ 'ካብ ናጽነት ናብ ጭቆና ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኣብይ ኣሕመድ'

መንእሰያት ከተማ ኣምቦ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነበረ ስርዓት ብምእላይ፡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝብን ኣስታት 80 ብሄርብሄረሰባትን ህዝብታትን ንዘለዋ ሃገር ሰላም ከስፍን ቃል ኣትዩ ነይሩ

ምልክት ናጽነት ዝነበረት ከተማ ኣምቦ ናብ ምልክት ጭቆና ክትቅየር ጀሚራ ኣላ።

ነቲ ኣብታ ከተማ ዝምዕብል ዝነበረ ኣብ ቀቢላውነት ዝተደረኸ ምንቅስቓስ ዕጡቓት ሓይልታትን ውድባት ፖለቲካን፡ ንኣተሓሳስባ "ምድማር" ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ስግኣት ዝኾኑ ምልክታት ኣርእዩ'ዩ።

ሓይልታት ጸጥታ እዚ ዝንባለ ንምግታእ ስጉምታት ክወስዱ ምስ ጀመሩ፡ ግን ኣምቦ ኣይ ከም ቀደማን፤ ይብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቋንቋ ኦሮምኛ በቀለ ኣቶማ።

ኣምቦ ሓደ ካብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እታ ሃገር ዝርከበላ ከተማ ብምዃና፡ ዝለዓለ ቑጽሪ ተመሃሮ ኣለዋ፤ ሕመረት ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ናብ ስልጣን ዘምጽአ ህዝባዊ ተቓውሞ ድማ ነይራ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ፡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝብን ኣስታት 80 ብሄርብሄረሰባትን ህዝብታትን ንዘለዋ ሃገር ሰላም ከስፍን ቃል ኣትዩ ነይሩ።

መብዛሕትኦም ተቐማጦ ከተማ ኣምቦ ኦሮሞቶት'ዮም። እንተኾነ፡ ካብኦም ዝወጽአ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይነበሮምን።

ህዝቢ ኦሮሞ እቲ ዝበዝሐ ብሄር ኢትዮጵያ ክንሱ፡ በቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ስርዓት ግን ካብ ፖለቲካውን ቑጠባውን ሓለፋታት ተጓንየ እየ ብማለት፡ ኣንጻር'ቲ ስርዓት ተቓውሞ ኣስሚዑ።

ከተማ ኣምቦ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ለውጢ ንምምጻእ ንዝነበራ ተራ ኣፍልጦ ንምሃብ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ናብታ ከተማ ብምኻድ "ኣምቦ ናትና ኒውዮርክ'ያ፤ ሓወልቲ ሓርነትና ድማ ክንሃንጸላ ኢና" ክብል ተዛሪቡ።

ነታ ከተማ ንምሕጋዝ ኣብ ዝተገብረ መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ድማ፡ ኣብ ኢዱ ኣሲሩዋ ዝነበረት ሰዓት ብሓሙሽተ ሚልዮን ብር [ኣስታት 155,000 ዶላር] ሸይጡ ኣወፍዩ።

እዚ፡ ኣምቦ ክንደየናይ ኣገዳሲት ከተማ ፖለቲካ ምዃና ዘርኢ'ዩ ነይሩ።

እታ ከተማ፡ ብርቱዕ ምንቅስቓስ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ] ኮይና፡ እዚ ሰልፊ ኣብ ኤርትራ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ጸኒሑ ምስ መንግስቲ ኣብዪ ናይ ሰላም ዝርርብ ድሕሪ ምክያድ ብረቱ ኣውሪዱ እዩ።

ይኹን'ምበር፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት እታ ከተማ ዘርኣየቶ ምዕባለ ዝሕቱል'ዩ።

ጭካነ ስጉምታት ፖሊስ ዘስካሕከሖም ነበርታ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ዝፍጽሙዎ ማህረምትን ማእሰርትን ምኽኣል ስለ ዝኣበዮም፡ ድሮ ተቓውምኦም ከስምዑ ጀሚሮም።

ተምሃሮ ኣብ ኣምቦ ዩኒቨርሲቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

'ዕድለኛ ኢየ'

እዚ ኹሉ፡ ኣምቦ ምስ ኣተኹ ዝተዓዘብኩዎ እዩ።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሽዱሽተ ዝኾኑ ኣባላት ፖሊስ ንኽልተ ሰባት ኣብ ቅድሚ ሰባት ክንብርከኹ ድሕሪ ምግዳዶም፡ ብርግሒትን ኣባትርን ክሃርሙዎም ተዓዚበ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ንክልተ መንእሰያት ኩሩንኩሪት ብምእሳር ናብ መደበር ፖሊስ ብሓይሊ ክወስድዎ ርእየ።

ንኽፈትሕዎም እንተተማሕጸኑ'ውን ሰማዒ ኣይረኸቡን፤ ነቲ ፍጻመ ዝከታተል ዝነበረ ህዝቢ'ውን እቲ ክወርዶ ዝኽእል ኣደራዕ ብምሕሳብ ዓገብ ክብል ኣይደፈረን።

ኣብ ኣምቦ ኣብ ዝነበረኒ ዑደት፡ ገለ ኣባልት ፖሊስ መቐስ ሒዞም ክንቀሳቐሱን ነዊሕ ወይ ድማ ኣፍሮ ጸጉሪ ርእሲ ዘለዎም መናእሰይ ድማ፡ ብሓይሊ ክቕምቕሙዎም ተዓዚበ።

ጸጉሪ ርእሰይ'ውን ኣፍሮ ስለ ዝነበረ፡ ባዕለይ ክቕምቕሞ መጠንቀቕታ ሂቦም ሰንዮምኒ፤ ዕድለኛ ኢየ።

ኣምቦ ክሰናበታ ክልተ መዓልታት ተሪፉኒ ስለ ዝነበረ ግን ጸጉረይ ኣይቆረጽኹን።

እቶም ፖሊስ፡ ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ እዮም። ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኻየደ ምረቓ ሓደስቲ ተዓለምቲ ፍሉይ ሓይሊ ድማ ቁጽሮም ወሲኹ ኢዩ።

እዚ ምስቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2019 ክካየድ መደብ ወጺኡሉ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ተተሓሒዙ፡ ነቲ ህዝቢ ካልእ ራዕዲ ፈጢሩ'ሎ ኣሎ።

ኣብ እዋን እቲ ሃገራዊ ምርጫ፡ እቲ ብተቓውሞ ህዝቢ ናብ ስልጣን ዝደየበ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ህዝቢ [መረጽቲ] ፊት ንፊት ክገጥም እዩ።

ኢንቴርኔት ክጥቀም ኣይከእልኩን

ፖሊስ፡ ነቶም ነዊሕ ወይ ድማ ኣፍሮ ጸጉሪ ርእሲ ዘለዎም ሰባት ከም ፈጠርቲ ህውከትን ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝነጥፍ ዕጡቕ ሓይሊ መራሒ ዝኾነን ኩምሳ ድሪባ'ዮም ዝርእዩዎም።

ኩምሳ ድሪባ ዝመርሖ ሓይሊ ቀንዲ ስግኣት ጸጥታ ምዕራብ ክፋል ኦሮሚያን ራኢይ 'ምድማር' ኣብዪ ኣሕመድን ተገይሩ ይውሰድ።

እዚ 'ጃል መሮ' ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ መራሒ ፍንጫል ሰራዊት ኦነግ ብምሓዝ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኮእኑ ንሓርነት ኦሮሚያ ይቃለስ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዕጡቓት ኩምሳ ሸሊኾም ናብ ከተማ ኣምቦ ከም ዝኣትዉ ይጥርጥር፤ ኣብታ ከተማ ኣብዪ ንምድጋፍ ዝተኻየደ ሰልፊ ንምዝራግ ብቦንባ ኢድ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ'ውን ንሶም እዮም ኢሉ ይኣምን።

እቶም ዕጡቓት ድማ፡ በመንገዲ ደገፍቶም ስም ኣልቦ ገጻት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምኽፋት ህዝቢ ኣንጻር መንግስቲ ንምልዕዓል ኣስማት ናይቶም ብሓይልታት ጸጥታ ዝተጋፍዑ ይዝርግሑ ኣለው።

መንግስቲ ተቓውሞ ህዝቢ ንምዕፋን ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ገለ ምዕራባዊ ከባቢታት ኦሮምያ ብተደግጋሚ ኣገልግሎት ኢንቴርኔት ከቋርጽ ገይሩ ብዝብል ይንቀፍ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ሰባት ቴሌፎን ክድውሉ ወይ ድማ ክቕበሉ ኣይክእሉን።

እዚ ድማ ኣብዪ ንኣገልግሎት ኢትዮ-ቴሌኮም ካብ ዋንነት መንግስቲ ብምውጻእ ንኣውፈርቲ ንምሻጥ ምስ ተመባጽዐ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ።

ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጲያ ጀኔራል ብርሃኑ ጁላ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ምኽንያት ምቁራጽ ኢንተርኔትን ኣገልግሎት ቴሌፎንን፡ ነቲ መዓስከር ሓይልታት ኩምሳ ንምዕናው ዝካየድ ዝነበረ ወተሃደራዊ ስርሒታት ንምዕዋት ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ጃል ሜሮ ዝፍለጥ ኩምሳ ዲሪባ

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA

መግለጺ ስእሊ, ጃል ሜሮ ዝፍለጥ ኩምሳ ዲሪባ

ነበርቲ ምዕራብ ኦሮሚያ ድማ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ዘካይዱዎ ዝነበሩ ስርሒት ንጹሃት ዜጋታት ግዳያት ይገብሩ ኣለው ዝብል መረረ የስምዑ ነይሮም።

እንተኾነ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ኣቶ ታየ ዴንድኣ፡ ንጹሃት ዜጋታት ግዳያት ናይቲ ሓይልታት ጸጥታ ዘካየድዎ ስርሒታት ነይሮም ዝብል ክሲ ነጺጉዎ'ዩ።

"መንግስቲ በርጌሳት ዒላማ ንኽገብር ዝድርኾ ዝኾነ ምኽንያት የለን፤፡ ዳሕራይ ድማ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ንሕና [መንግስቲ] ንህዝቢ ንሓሊ" ኢሉ።

ንሰለስተ ሳምንታት ኣብ ኣምቦ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣብ ቴሌፎነይ ኣገልግሎት ኢንቴርኔት ክረክብ ኣይከኣልኩን።

ክልተ ግዜ ናብ እንዳ ኢንቴርኔት [internet café] ከይደ፡ እንተኾነ ከምቲ ዝድልዮ ቅልጡፍ ኣይነበረን።

ኤሌትሮኒካዊ ደብዳቤታተይን ገለ ማሕበራዊ መረኸቢታተይ ንምርኣይ ጥራይ ሰዓታት ወሲዱለይ።

እንተኾነ፡ ነበርቲ ከተማ ኣምቦ እቲ ምዕጻው ኣገልግሎት ኢንቴርኔት ከምቲ መንግስቲ ዝበሎ፡ ነቶም ዕጡቓት ከረኻኽብ ኢሉ ዝገበሮ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ንምድራትን፡ መንእሰያት ድማ ቅድሚ ምርጫ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ዝኾነ ዜና ንምሕራምን ዝዓለመ'ዩ ይብሉ።

እቲ ምዕጻው ኢንቴርኔት ምስቲ ኣብዚ እዋን ንቀዳማይ ምኒስተር ኣብዪ ድቃስ ከሊኡዎ ዘሎ ፖለቲከኛን ንጡፍ ማሕበራዊ ሚዲያን ጃዋር መሓመድ ምትእስሳር ክህልዎ ከም ዝኽእል'ውን ይዛረቡ።

ፖለቲከኛ ጃዋር፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ብምጥቃም መናእሰይ ኦሮሞ ኣንጻር'ቲ ዝነበረ ስርዓት ኽቃለሱ ጎስጒሱ ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ ናብ ኢትዮጵያ ብምምጻእ፡ ንሓጺር እዋን ደጋፊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነይሩ። ሕጂ ግና ሓያል ተቓዋማይ ኮይኑ ኣሎ።

ጀዋር፡ ኣብ ስደት ኣብ ኣሜሪካ ኣብዝነበረሉ እዋን፡ መራኸቢ ብዙሓን - ፌስቡክ ብምጥቃም ደቂ ኦሮም ኣንጻር`ቲ ዝነበረ መንግስቲ ንኽቃለሱ ጎስጒሱ ኢዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጀዋር፡ ኣብ ስደት ኣብ ኣሜሪካ ኣብዝነበረሉ እዋን፡ መራኸቢ ብዙሓን - ፌስቡክ ብምጥቃም ደቂ ኦሮም ኣንጻር`ቲ ዝነበረ መንግስቲ ንኽቃለሱ ጎስጒሱ ኢዩ።

ተሸላሚ ኖቤል ተቓውሞ ገጢምዎ

ጃዋር መሓመድ፡ መንግስቲ ነቶም ሓለውቱ ካብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባብ ዝርከብ ገዝኡ ክስሓቡ ፈቲኑ ብማለት፡ እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊኡ መጥቃዕቲ ንኽፍጸም ዝኣለሞ ውዲት ኢዩ ነይሩ ክብል ኣብ ፌስቡክስ ቪድዮ ብምዝርጋሕ ንመንግስቲ ከሲሱ ነይሩ።

ዋላ'ኳ መንግስቲ ከምኡ ዓይነት መደብ የብልናን ኢሉ እንተነጸጎ፡ ደገፍቲ ጃዋር ግን ኣብ ገለ ከባቢታት ኦሮምያ ኣንጻር ኣብዪ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣካይዶም።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ብርክት ዝበለ ቅዳሕ ሕታም መጽሓፍ 'መደመር' ኣቃጺሎም።

ብድሕሪኡ፡ ኣብይ ኣብ ከተማ ኣምቦ ምስ ምሩጻት ሰባት ኣብ ሓንቲ ሆቴል ኣብ ዝተራኸባሉ ድማ ደገፍቲ ጀዋር ዝኾኑ መንእሰያት፡ ኣብ ቅድሚ'ታ ሆቴል ኣንጻር እቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝነበራ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ንምፍታሕ "ወሳኒ ተበግሶ" ብምውሳዱን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ "ኣገዳሲ ልወጢ" ብምትእትታውን "ዴሞክራሲ ኣብ ኢትዮጵያ ከደልድል" ቃል ብምእታዉ ናይ ኖቤል ሽልማት ዝተሸለመ ቀዳማይ ምኒስተር ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ፖለቲከኛ ጃዋር፡ ሕጂ ኣባል ምስ ውድብ ሓርነት ኦሮሞን ሃገራዊ ሰልፊ ኦሮምን ክዳን ዝመስረተ ሰልፊ ፌደራሊት ኮንግረስ ኦሮሞ'ዩ።

እዚ ኪዳን ዝመስረት ጉጅለ፡ ኣብ ኦሮሚያ እቲ ዝዓበየ ተወዳዳራይ ብውህደት ትሽዓተ ሰልፍታት ዝቖመ ኣብዪ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና ክኸውን'ዩ።

ኣቶ ኣብይ፡ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ሓድነት ክፈጥርን ኣብ ቀቢላዊነት ዝተሰረተ ሃገራውነት ክገትእ ተስፋ ይገብር።

ቀዳማይ፡ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝመርሖ ሰልፊ ሃገራዊ ውህደትን ብልጽግናን ንምምጻእ ከም ዝሰርሕ እዩ ዝገልጽ።

እንተኾነ፡ እዚ ንኣብዪ ዘዋጽእ መገዲ ኣይክኸውንን። ምኽንያቱ እቲ ናብ ስልጣን ዘደየቦ ህዝባዊ ተቓውሞ ንፖለቲካዊ ሓርነት ጥራይ ዝዓለመ ኣይነበረን።

እንታይ ድኣ ኩለን ብሄራት ብናጽነት ብሄራዊ መንነተን ክገልጻን መሰል ርእሰ-ውሳንአን ከረጋግጻን ዝዓለመ'ዩ ነይሩ።

ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኦስሎ ሽልማቱ እክቕበል

ምንጪ ስእሊ, NOBEL PRIZE/YOUTUBE

በዚ ምኽንያት፡ እቶም ኣብ ኣምቦ ዘለው ብሄርተኛታት ኦሮሞ [ethno-nationalist]፡ ብጉዳይ ኣብዪ ብዙሕ ስክፍታ ኣለዎም።

ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ዝያዳ ዘጨንቖ ድማ፡ እቲ ከምኡ ኦሮሞ ዝኾነን ኣብ ኦሮሚያ ዓብዪ ተቐባልነት ዘለዎ ኣካል እቲ ኣብዪ ዝመርሖ ለውጢ ዝኾነ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ምስረታ ሰልፊ ብልጽግና ዘለዎ ጥርጣረ ዝገለጸን ሚኒስትር ምክልኻል ኣቶ ለማ መገርሳን እዮም።

ገለ ሓለፍቲ እቲ ሰልፊ ግን፡ ክልቲኦም ዝነበሮም ኣፈላላይ ብሰላማዊ መገዲ ፈቲሖሞ ኢዮም ይብሉ።

"ኣብ ግዘ ልቓሕን ናይ ስግግር እዋን ስለ ዘለና፡ እቲ ውህደት ቅኑዕን ኣብ ግዚኡ ዝሓለወን ኣይኮነን። ህዝቢ ሕቶታቱ ክንምልስ ዝሃበና ክልላዊ ፓርቲታት ምፍራስ ድማ ጥልመት'ዩ" ክብል ኣቶ ለማ መገርሳ ተዛሪቡ ነይሩ።

ንደገፍቲ ኣብዪ ግን፡ ሰልፊ ብልጽግና ዝተፈላለያ ብሄራዊ ውድባት ኣብ ሓደ ብምጥማር ሃገር ካብ ምብትታን ንምድሓንን እቲ ዝበለጸ ተስፋ ዝህብ እዩ።

ደገፍቲ ኣብዪ፡ ሰልፊ ብልጽግና ኣብቲ ዝመጽእ ምርጫ ተዓዊቱ ብምውጻእ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ፡ ህቡብነቱ ኣብቲ ህዝቢ ዳግማይ ከምስክር ኢዩ ይብሉ።

እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ኣምቦ ዝተጀመረ ምግፋዕ እንተቐጺሉ ቀጺሉ ሕጋዊ ተቐባልነቱ ኣብ ናይ ሕቶ ምልክት ክኣቱ ኢዩ።