ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ሰላም ተቐቢሉ

ምንጪ ስእሊ, Nobel Prize/Youtube
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ኦስሎ ተረኺቡ ናይ ኖቢል ሰላም ሽልማቱ ተቐቢሉ።
ኣደመንበር ኮሚተ ሽልማት ኖቤል ሰላም፡ በሪት ረይስ አንደርሰን ኣብቲ ስነስርዓት ኣብ ዘስምዓቶ ቃል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብዘመዝገቦም ሰለስተ ቀንዲ ነጥብታት ተዓዋቲ ኖቤል ሰላም 2019 ክኸውን ከም ዝተመረጸ ኣፍሊጣ።
ንሳተን ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብፍላይ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዓመታት ዝጸንሐ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ብዘርኣዮ ተበግሶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ህንጸት ደሞክራሲ ብዝተጻወቶ ተራን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ምርግጋዕ ንምምጻእ ክመጽእ ብዝተጻወቶ ተራ ምዃኑ እታ ኣደመንበር ገሊጻ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ነቲ ሽልማት ድሕሪ ምቕባሉ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ኮሚተ ኖቤል ኖርወይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ንምስፋን ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ግምት ብምእታው፤ ነቲ ሽልማት ስለዝሃቦ ዝተሰምዖ ሓጎስ ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ ነቲ ሽልማት "ብስም ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብፍላይ ድማ ነቶም ምእንቲ ሰላም ዝኸበረ ዋጋ ዝኸፈሉ ኩሎም፡ ከምኡውን ኣብቲ ዕርቀ-ሰላም መሻርኽተይ ብጻይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወኪለ እቕበል ኣለኹ" ኢሉ።
ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢለ ብዛዕባ ሰላም ክዛረብ ዝኸኣልኩ ብዕድል እዩ ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ኣብ ግንባር ተሰሊፉ ንኣዕናውነት ኲናት ብዓይኑ ምርኣዩ ገሊጹ።
ኣብ ባድመ ናይ ሬድዮ ኦፕሬተር ኮይኑ ዝተሳተፈሉ ጉጅለ፡ ንሒደት ደቓይቕ እልይ ኢሉ ድሕሪ ምምላሱ፡ ኣባላቱ ምሉእ ብምሉእ ምምዋቶም ተዛሪቡ።
ኲናት ንክፉኣት፡ ንተረርትን፡ ንጨካናትን እዩ ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ በታ መዓልቲ ብዂናት ዝሰኣኖም ብጾቱ ሎሚ'ውን ከም ዝዝክሮም ሓቢሩ።
ኣሸሓት ወትሃደራትን ንጹሃንን በዚ ኲናት ሞይቶም እዮም ብምባል ብወገን ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝበጽሐ ሰብኣዊ ዕንወት ገሊጹ።
ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ኣይ ኲናት ኣይ ሰላም ኩነታት ንኽልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ስድራቤታት ተበታቲነን ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ።
ቅድሚ 18 ኣዋርሕ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ምምጻእ ከም ዝከኣል ሓያል እምነት ከም ዝነበሮን ፕረዚደንት ኢሳይያስ'ውን እቲ እምነቱ ከም ዝነበሮ ተዛሪቡ።
ሎሚ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈላለዩ ስድራቤታት ተራኺቦም፡ ናይ ኣየር ቴለፎንን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ተጀሚሩ ኣሎ ኢሉ።
ብዘይካ'ዚ ንሰላም ዘሎና ተበግሶ ልዑል እዩ ድሕሪ ምባል፡ እቲ ኣተሓሳስባ 'መደመር' ኣብ ዝብል መረዳእታ ዝተሰረተ ምዃኑ ገሊጹ።
ሓያላን ሃገራት ዓለም ከምኡውን ጡሩፋት፡ ናይ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋዕን ኣብ ፈተና ኣእትየምዎ ምህላዎም እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዘስምዖ መደረ ሓቢሩ።
ሓያላን ሃገራት ወተሃደራዊ ሓይለን ኣብቲ ዞባ ንምስፋር፡ ሓይልታት ግብረ-ሽበራ ድማ ኣብቲ ዞባ ኣእጋሮም ንምርጋጽ ይጽዕሩ ምህላዎም ተዛሪቡ።
እቲ ዞባ ዓውደ ኲናት ሓያላን ሃገራት ክኸውን ከም ዘይደልይ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







