ኤርትራውያን ነበርቲ ኖርወይ፡ ንዶክተር ኣብዪ ንዝሸለመት ኮሚተ ኖቤል ተቓውሞኦም ኣስሚዖም

ምንጪ ስእሊ, T.T
ኤርትራውያን ነበርቲ ኖርወይ ትማሊ 09 ታሕሳስ 2019 ንቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ሰላም ንዝሃበ ኮሚተ፡ "ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝግባእ ስለ ዘይተረጋገጸ" ሽልማት ኖቤል ክወሃቦ ኣይግባእን ነይሩ ክብሉ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።
እቶም ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኖርወይንን ሽወደንን ዝመጽኡ ኣስታት 250 ዝኾኑ ሰልፈኛታት፡ ካብ ማእከል ከተማ ኦስሎ "ብስም ሰላም ህዉኽ ሽልማት ኣይግባእን፤ ግብራዊ እምበር ናይ ዘረባ ሰላም ኣይንቕበል" ዝብል ጭርሖ እናስምዑ፡ ንትካላት መንግስቲ ኖርወይ ናብ ዝርከቡሉ ህንጻ ኣምሪሖም።
ባይቶ ኮሚተ ይኣክል ኖርወይን ከባቢኣን፡ ናብ ሰለስተ ኣካላት ደብዳበ ከም ዝጸሓፈ ዝገለጸት ኣደ መንበር እቲ ባይቶ ቲቲ ሃይለ፡ ንባይቶ መንግስቲ ኖርወይ ብኣካል ንኮሚተ ሽልማት ኖቤል ድማ ብኣድራሽኦም፡ ንዶክተር ኣብዪ'ውን ብኢሜይል መልእኽቲ ክበጽሖም ከም ዝገበረ ተዛሪባ።
ጸሓፊ ባይቶ 'ይኣክል' መንእሰይ ይብራህ ዘውደ ዋላ'ካ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም እንተተፈረመ ኣብ ባይታ ግን ብግብሪ ዝተሰርሐ ነገር የለን ኢሉ።
ወሲኹ፡ እቲ ህዝቢ ዝተጸበዮን ዝተመነዮን ምምሕያሽን ለውጥን ከም ዘይመጽአ ብምግላጽ፡ እቲ ብስም ሰላም እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተዋህበ ሽልማት ኖቤል ርትዓዊ ኣይኮነን ይብል።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብይን ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ብዘይ ቅድመ ኩነት ድሕሪ ምቕባሉ፡ ወጥሪ 20 ዓመት ዶባት ቅሂሙ፣ ተቛሪጹ ዝነበረ ርክብ ቴሌፎንን ነፈርትን ተጀሚሩ።
ንሓጺር እዋን እውን እንተኾነ፡ ዶባት ተኸፊቱ ሰባት ክራኸቡ ጀሚሮም ምንባሮም፡ ብእዎንታ ዝጥቀስ ምዃኑ ፖለቲከኛታት እዚ ዞባ ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, T.T
ይኩን'ምበር፡ መሪሕነት እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር "ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝተጻወቶ ተራ" ተባሂሉ ሽልማት ኖቤል እንተተበርከተሉ'ውን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ግን ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራ ዝተፈጥረ ንቡር ሰላም ከም ዘየለ ክርድኦ ይግባእ ትብል መንእሰይ ለይላ ኻልድ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ኤርትራ ኩነታት ይኸፍእ እምበር ይመሓየሽ ከም ዘየሎ፣ ዝተኸፍተ ዶባት ዳግም ከም ዝተዓጽወ፣ ተወንዚፉ ዝጸንሐ ትግባረ ቅዋምን ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ከም ዘይተመልሰ ንምርዳእን ንምብራህን ድማ፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተወደበ ሓቢራ።
ዶክተር ኣብዪ ሽልማት ኖቤል ኣብ ዝቕበለሉ ዕለት፡ ምስ ሚድያ ዝገብሮ ንቡር ጸኒሕ ቃለ-መሕትት ኣይገብርን'የ ምባሉ ኣብ ማዕከናት ዜና ኖርወይ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቐንዩ።
መንእሰይ ለይላ ኻልድ፡ ኖርወይ እትርከበን ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ብስም ሰላምን ምርግጋእን ንኤርትራ ዝተፈለላየ ሓገዛት ይገብራላ ብምህላወን እቲ ዝወሃብ ዘሎ ረድኤት ኣብ ግቡእ መዓልኡ ዝውዕል እንተኾይኑ ከረጋግጻን እቲ ኣብ ኤርትራ ንዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ንኽብል ተረአን ንኽጻወታ ንምዝኽካር እውን ኣካል እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝነበረ ኣረዲኣ።
መንእሰይ ይብራህ እውን "ህዝቢ ኤርትራ ደላይ ሰላምን ፍቕርን ኢዩ። ይኹን እምበር እታ ዝናፍቓን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለላን ሰላም ጌና ኣይረኸባን ዘሎ" ብምባል፡ እቶም ሰልፈኛታት "ግብራዊ ሰላም እምበር ናይ ዘረባ ሰላም ኣይንቐበልን" ዝብል ጭርሖ ከም ዘቃልሑ ሓቢሩ።
ቲቲ ሃይለ ብወገና፡ ዝምልከቶም ኣካላት ነቲ ድምጺ ህዝቢ ግቡእ ቆላሕታ ክህቡሉ ይግባእ ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







