ናይ ወርሒ ምዕባለ ቅልውላው ትግራይ - ኢትዮጵያ

ልዕሊ 40 ሽሕ ስደተኛታት ብምክንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝቅጽል ዘሎ ኲናት ናብ ሱዳን ተሰዲዶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፖለቲካዊ ጉዳይ ክሰሓሓቡ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ 04 ሕዳር 2020 ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኲናት ካብ ዝጅምሮ እነሆ ሓደ ወርሒ ኮይኑ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ፍሉያት ሓይልታትን ምሊሻን ኣብ ልዕሊ እቲ ን21 ዓመታት ዶባት ሃገር ክሕሉ ኣብ ሓለዋ ተዋፊሩ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ ሓደጋ ብምውዳቕ ጥልመት ፈጺሞም ኢሉ ይኸስስ።

መራሕቲ ህወሓት ግን ፈደራል መንግስቲ ንከጥቅዓና ምድላዋቱ ወዲኡ ኣሎ ክብሉ ምኽሳሶም ይዝከር።

ቢቢሲ ትግርኛ እምበኣር ንቐንዲ ፍጻሜታት እቲ ናይ ወርሒ ኵናት ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቕሪቡዎ እነሆ።

Short presentational grey line

03 ሕዳር 2020

ኣብ መቐለን ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይን ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ ተገይሩ። መስመር ተለፎንን ኢንተርነትን ኤሌክትሪክን እውን ተቛሪጹ።

04 ሕዳር 2020

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ሰሜናዊ እዚ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ብምሕባር ኣድላዪ ዘበለ ዝጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

ኤምባሲታት ኣመሪካን እንግሊዝን ኣብ ትግራይ ንዝተፈጥረ ጎንጺ ክሃድእ ተማሕጺኖም።

05 ሕዳር 2020

ሓይሊ መብራህቲ ንግዝይኡ ተመሊሱ። እንተኾነ ክይድ ምጽእ ይብል ስለ ዝነበረ ህዝቢ ኣይቀሰነን።

ኣብታ ዕለት ከኣ ነፋሪት ውግእ ኣብ ሰማያት መቐለ ዘምብያ ከይዳ።

06 ሕዳር 2020

ብፍሉይ ፍቓድ ፖሊስ ትግራይ ነቲ ሃንደበት አኣብ ዝገሾ ዝነበረ ህዝቢ ነናብ ደቁን ስድርኡን ክኸይድ ካብን ናብን ትግራይ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ጀሚሩ።

ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ

08 ሕዳር 2020

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ኣደም መሓመድ ካብ ስልጣኑ ኣልዩ ኣብ ክንድኡ ምኽትሉ ንዝነበረ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክኸውን ሸይሙዎ።

መራኸቢ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ከኣ ጸብጺበንኦ።

09 ሕዳር 2020

ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ቅልውላው ብኣላይነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብሰላማዊ ዘተ መዕለቢ ክረክብ ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ሕብረት ኣውሮጳ "እቲ ጎንጺ ብቕልጡፍ እንተዘይተፈቲሑ ንኢትዮጵያ ኮነ ነቲ ዞባ ሓደገኛ'ዩ" ክብል ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

10 ሕዳር 2020

ካብ ከተማ መቐለ 28 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ክትድብድብ ዝመጽአት ነፋሪት ብሚሳይል ተሃሪማ ምውዳቓ 'ርእየን ሰሚዐን' ዝብል ኣብ ከተማ ወጺኡ ሓጎሱ ክገልጽ ተራእዩ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ፈደራል ዝወደቐት ነፋሪት ከም ዘየላን እቲ ወረ ሓሶት ምዃኑን ሓቢሩ።

ኣብቲ ዕለት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ምዕራባዊ ከባቢታት ትግራይ ደብዳብ ከበድቲ ብረታት ኣካይዱ ክብል መራሒ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከሲሱ።

ይኹን እምበር ኤርትራ፡ ሰራዊታ፡ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ዶቡ ሰጊሩ ኣብ ትግራይ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ንዝብል ብመራሒ ትግራይ ዝቐረበ ክሲ ነጺጋቶ።

11 ሕዳር 2020

ሕቡራት መንግስታት ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክግበር መገዲ ክኽፈት ሓቲቱ።

12 ሕዳር 2020

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ትዊተር ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ክሳብ ዝዕወት ምስ ህወሓት ዝርርብ ከም ዘይህሉ ኣነጺሩ።

ኣብቲ ዕለት፡ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል መመንጨዊ ጸዓት ተከዘ ከም ዝተደብደበ ሓቢሩ።

13 ሕዳር 2020

ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ፈደራል ንኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ትግራይ ክከታተል ዝቖመ ሓይሊ ዕማም፡ መመንጨዊ ጸዓት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ተከዘ ተሃሪሙ ዝብል ብመራሕቲ ህወሓት ዝቐረበ ክሲ ሓሶት ምዃኑ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ ሓይልታት ክልል ትግራይ ናብ ሓይልታት ፈደራል ኢዶም ክህቡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዕድል ሂቡ።

ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ደብዳብ ሮኬት ተካይዱ።

ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ግጭት፡ ብዓሰርተታት ምናልባት'ውን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ብጃምላ ከም ዝተቐትሉ ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ።

እቲ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጃምላዊ ቅትለት ሓቂ ምዃኑ እንተድኣ ተረጋጊጹ፡ "ገበናት ኲናት ክኸውን ከም ዝኽእል" ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

14 ሕዳር 2020

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ማይ ካድራ ንዝተፈጸመ ሰብኣዊ ቅልውላው ብቅልጡፍ ዘጻሪ ጉጅለ ናብቲ ቦታ ከም ዝልኣኸ ገሊጹ።

ኣብ ኣስመራ ሰለስተ ተኸታታሊ ሓያል ነቱጕ ከምዝተሰምዐ ነበርቲ እታ ከተማ ሓቢሮም።

ንጽባሒቱ ከኣ በቲ ዘጋጠመ ናይ ሚሳይል ደብዳብ ክልተ ሰባት ከምዝተሃርሙን ካልእ ዝሰዓበ ጉድኣት ከም ዘይነበረን ተሓቢሩ።

15 ሕዳር 2020

ኣፈኛ መንግስቲ ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣስመራ ሮኬት ከም ዘወንጨፉ ገሊጹ።

16 ሕዳር 2020

ፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታን ፕረዚደንት ኡጋንዳ ኡወሪ ሞሰቬኒን ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ቅልውላው ሰላማዊ ፍታሕ ክናደየሉ ጻዊዖም።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ነፋሪት ውግእ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ኣካይዳ።

17 ሕዳር 2020

ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ትግራይ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኢዶም ብምሃብ ነብሶም ከድሕኑ ዝተወሃቦም መዓልታት ከምዘብቐዐ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝጠቀዖ ጽሑፍ ገሊጹ።

ሰራዊት ኢትዯጵያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

18 ሕዳር 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ቀጥታዊ ርክብ ኣለዎም ንዝበሎም ጀነራላት ዝርከብዎም 76 ወተሃደራውያን መኮንናት ኣብ ዝተታሕዝዎ ክእሰሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ዶክተር ደብረጽየን ራያን ከተማ ሽረን ብሓይልታት ፈደራል ከም ዝተትሓ ገሊጹ።

19 ሕዳር 2020

ነፈርቲ ንከተማ መቐለ ደብዲበን። ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብቲ ደብዳብ ቆሲሎም ናይ ዝበሎም ተመሃሮ ስእልታት ኣቕሪባ።

ኣብ ባህርዳር ንካልኣይ ግዜ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠመ ነበርትን ምምሕዳር እቲ ክልልን ኣፍሊጦም።

ህንጸዓ ዩኒቨርሲቲ መቐለ

ምንጪ ስእሊ, MU

20 ሕዳር 2020

ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ፡ ኣብ ትግራይ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ህጻናት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ሓቢሩ።

22 ሕዳር 2020

ህዝቢ ከተማ መቐለ ነቶም ብሕጊ ዝድለዩ ዘለው ኣካላት አሕሊፉ ክህብ፤ እንተዘይክኢሉ ከኣ ነታ ከተማ ንምቁጽጻር ብታንክታትን ከቢድ ብረትን ኣብ ዝግበር ኵናት መታን ከይልከም ነብሱ ከግልል ተሓቲቱ።

መራሒ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኢዶም ንክህቡ ዳግማይ ዝተዋህቦም ናይ 72 ሰዓታት መጠንቀቕታን ጻውዒትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብምንጻግ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መንግስቲ ትግራይ ቃልሱ ከም ዘሐይል ተዛሪቡ።

ድሕሪ'ቲ ናይ 72 ሰዓታት መጠንቀቕታ ምብቅዑ፡ ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊት ምክልኻል ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ዝበሎ መጥቃዕቲ ክካይዱ ኣዚዙ።

27 ሕዳር 2020

መራሕቲ ህወሓት ምስ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝዛተ ሰብ ምምዛዞም ኣፍሊጦም። ቶዅስን ተጻብኦን ደው ክብል'ውን ጸዊዖም።

ብኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ዝተሓጽዩ ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ነበር ፕረዚደንት ነበር ጆኪዩም ቺሳኖ ካብ ሞዛምቢክ፣ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ካብ ላይቤሪያ ከምኡ'ውን ጋሌማ ሞትላንቴ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተዘራሪቦም።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣስመራ ንኻልኣይ ግዜ ከቢድ ድምጺ ሚሳይል ተሰሚዑ። ብዛዕባ ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት ግን ኣይተገልጸን።

28 ሕዳር 2020

ከተማ መቐለ ብሓይልታት ፈደራል ተታሒዛ።

29 ሕዳር 2020

ሓላፊት ስርሒት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ርኡይ ሕጽረት ናውቲ ሕክምና ከም ዘሎ ሓቢራ።

ኣምቡላንስ ቀይሕ መስቀል

ምንጪ ስእሊ, MU

30 ሕዳር 2020

ቀዳማይ ምኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱ።

ኣብቲ ናይ ልዕሊ ሰለስተ ሰዓት መደርኡ፡

  • መራሕቲ ህወሓት ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ናይ ጽገና ለውጢ ክዕንቅፉ ዝከኣሎም ውዲት ከም ዝገበሩ
  • እቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ግን እኹል ዕጥቅን ምድላውን ስለ ዘይነበሮ ክሳብ ወተሃደራውን ጸጥታውን መዋቕር ዘደላድል ብዝከኣሎ ከምእተጸመመ
  • ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመትን መንፍቕን ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ሰብን ንብረትን ዘዕነወ ኣስታት 113 ግጭታት ኢድ መራሕቲ ህወሓት ከም ዝነበሮ
  • ንሰራዊት ሰሜን እዝ ብቃጻ ኣጥቂዖም ኣብ ዝሓለፈ 21 ዓመታት ዘኻዕበቶ ዕጥቅን ሚሳይልን ምስ ሓዙዎ ሕጊ ንምኽባር ስጉምቲ ከም ዝወሰዱ
  • ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንኤርትራ ዝኣተወ ሰራዊት ሰሜን እዝ ዘደንቕ ምትሕግጋዝ ከም ዝገበረሉ፡ ከምዘብልዖ፣ ከምዘስተዮን ብዝግባእ ከም ዘዕጠቖን
  • ኣብቲ ሰለስተ ሰሙን ወሲዱ ዝበሎ ወፍሪ ኣብ ከተማታት ትግራይ ብሰራዊት ፈደራል ዋላ ሓደ ሰላማዊ ሰብ ከም ዘይሞተ
  • መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ንሱዳን ተሰዲዶም ዘለው 30 ሽሕ ዜጋታት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከጣይሶም ከም ዝኽእልን ምሉእ ዓቕሚ ከምዘለዎን
  • ካብዞም ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ የለዋን፤ ህጻናት የለዉን። መናእሰይ ጥራይ እዮም ስደተኛታት ተባሂሎም ዘለዉ። እዞም መናእሰይ መን እዮም ዝብል ጉዳይ፡ ግዜ ዝምልሶ እዩ ኢሉ
  • እቶም ካብ መቐለ ሃዲሞም ኣብ ሃገረ ሰላምን ዓቢይ ዓድን ኮለል ዝብሉ ዘለው መራሕቲ ህወሓት ሕጂ እውን ሰባት ከይለከሙ ኢዶም ክህቡ ጸዊዑ።

ብኻልእ ወገን፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ጸጥታዊን ሰብኣውን ውሕስነት እቶም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝዩ ከምዝተሻቐለ ገሊጹ።

መንግስቲ ትግራይ ሓይልታቱ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ነፋሪት ውግእ ፌደራላዊ መንግስቲ ወቒዖም ከምዘውደቑ ገሊጾም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ሓሶት እዩ ክብል ምላሽ ሂቡ።

01 ሕዳር 2020

ሓንቲ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኬርያ ኢብራሂም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ 'ኢዳ ሂባ' ተባሂሉ።

መራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን፤ ሓይልታት ፌደራል ናብ መቐለ እንተኣተዉ'ኳ ናይቲ ክልል ሓይልታት ግን ቃልሶም ይቕጽሉ ኣለው ኢሉ።

ንሱን ካልኦትን ኣብ ጥቓ መቐለ ኮይኖም ነቲ ቓልሲ ይምርሑዎ ምህላዎም ድማ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ጠጠው ክብልን ብዘተ ክፍታሕን ጸዊዑ

02 ሕዳር 2020

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኲናት ዝካየደላ ዘሎ ክልል ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሕ ምስ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰማምዐ ኣፍሊጡ።

04 ሕዳር 2020

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ብዝካየድ ዘሎ ኩናት ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሕ ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ሓይልታት ትግራይ ቃልሶም ይቕጽሉ ከም ዘለው ምስ ቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ተዛሪቡ።