ኢትዮጵያ፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ስለምንታይ ተናእሶ ኣላ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ

ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister

ኢትዮጵያ ኣብ ምስረታ ኣህጉራዊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበራ መሪሕ እጃም ዝፍለጥ'ዩ። እንተኾነ ተንታኒ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣሌክስ ደ ዋል እታ ሃገር ኣብዚ ሕዚ ጊዜ እቲ ሕብረት ንዝቖመሎም መሰረታዊ መትከላት ናብ ሓደጋ ተእትው ከምዘላ ይሕብር።

ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነበሩ ኣባላት ፍሉይ ልኡኽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፤ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ሰላማዊ መፍትሒ ንምድላይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ምእታዎም፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ "ሕጊ ንምኽባር ዝፍጸም ናይ መወዳእታ ወፍሪ" ዝበሎ መምርሒ ሂቡ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ድማ ጉሉህ ዝኾነ ንጽገት ጻውዒት ንሰላማዊ ፍታሕ ነይሩ።

ፕረዚደንታት ነበር ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ካብ ላይቤሪያ፣ ጆኣኪም ቺሳኖ ካብ ሞዛምቢክ ከምኡ'ውን ክጋሌማ ሞትላንቴ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዓርቢ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ተራኺቦም'ኳ እንተነበሩ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዝቕጽለሉ እዩ ተነጊርዎም።

እቲ ቀዳማይ ሚንስትር፡ ምስ ዝኾነ ይኸን ተወካሊ ናይቲ ንሱ "ጉጀለ ገበነኛት" ክብል ዝገልጾም መራሕቲ ህወሓት ክራኸቡ ከምዘይክእሉ'ውን ነቶም ልኡኻት ገሊጹሎም'ዩ።

በዘይካ'ዚ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ከምእትርከብ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ሰፊሩ ዝርከብ መትከላት ጣልቃ ዘይምእታው ጠቒሱ ኣብ ጉዳይ ሉኣላዊት ሃገር ከይኣትዉ ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ይዝከር።

ናይጀያዊ ምሁር ሕጊ ቺዲ ኦዲንካሉ ግን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ቻርተር ኲናት ንምጉህሃር ትጥቀመሉ ምህላዋ'ዩ ዝገልጽ።

ኲናት ጠጠው ኣብል-ጭርሖ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ንሱ፡ ኤርትራ'ውን ናብቲ ኲናት ኢዳ ከምዝሓወሰት ይግለጽ ብምህላዉን ስደተኛታት ናብ ሱዳን እናሰገሩ ብምዃኖምን እቲ ኲናት ዓለምለኻዊ መልክዕ ከምዝሓዘ ይዛረብ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኩለን ሃገራት ንመትከላት ዘይምትእትታው [ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሉኣላዊት ሃገር] ከም ጉልባብ ብምጥቃም ግፍዕታት ከይፍጽማ ንምክልኻል ዘኽእል መሰረታዊ ሕጊ ኣታኣታትዩ'ዩ።

ካብ 1981 ጀሚሩ ጎንጺ ናይ ምፍታሕ ግቡእን መሰልን ዘለዎ ኮይኑ፤ ካብ 2005 ንደሓር ድማ ሃገራት ዜጋታተን ካብ ጎንጽታት ክሕልዋ ሓላፍነት ክወስዳ ይግደዳ።

ስግኣታት ገበናት ኲናት

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ንኣፍሪቃውያን ሸምገልቲ ብምንጻጉ፡ ንሰላም ዘሎ ተበግሶ ጥራይ ኣይኮን ዓጽዩ፤ እኳ ደኣስ ንመሰረታውያን መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ተፈታቲኑ'ሎ።

ኢትዮጵያ ኣብ 2002 ዝተሰማማዐትሉ ገዛኢ ሕጊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከብ ዓንቀጽ 4 (ጂ)፡ 'ዝኾነት ኣባል ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልእ ኣባል ሃገር ምትእትታው ዘይትገብረሉ" ኩነታት ብንጹር ኣስፊሩ ይርከብ።

እንተኾነ ዓንቀጽ 4 (ኤች) ነቲ ልዕል ክብል ዝተገለጸ ዓንቀጽ ይስዕቦ።

እዚ ድማ "ብዝርዝር ዝተገለጹ ከም ገበናት ኲናት፣ ዓሌታዊ ምጽናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝበሉ ሕሱም ኩነታት ኣብ ዝህልዉ ናብ ጉዳይ'ታ ኣባል ሃገር ኢዱ ክሓውስ" ንሕብረት ኣፍሪቃ መሰል ይህቦ።

እዚ ሕጋዊ መስርሕ ብድሕሪ'ቲ ኣብ ሩዋንዳ ብ1994 ዘጋጠመ ዓሌታዊ ምጽናት ዝተኣታተወ ኮይኑ፤ ኣፍሪቃ ኣብ መጻኢ ንኸምኡ ዝበለ ግፍዕታት ብኸመይ ክትከላኸሎ ከምዘለዋ ኣንፈት ንምንጻር ብሓባር ዝተወሰነ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግፍዕታት ብምፍጻም ንህወሓት ይኸስስ'ኳ እንተሃለወ እቲ እኹል ሓበሬታ ንምርካብ ዝሕግዝ ተዓጽዩ ዘሎ ሜላታት መራኸቢ ምስዝኽፈት ግን ብኽልቲኦም ወገናት ዝተፈጸሙ ገበናት ኲናት ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ይገልጹ ተዓዘብቲ።

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከቡ መዓስከራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምእታው ዝጨወይዎም ሰባት ከምዘለዉ ዝገልጹ ሓበሬታታት ይወጽኡ ኣለዉ።

እዚ ድማ ንውዕሊ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ከምዝኸውን ይፍለጥ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብኸመይ'ዩ ዝሕግዝ?

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ንባዕሉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጉዳይ እታ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘጋጠማ ሱዳን ምትእትታው ከምዝገበረ ይዝከር።

እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ጎንጺ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ንምግባር ዝከኣሎ ገይሩ ነይሩ።

ሱዳን ናብ ዴሞክራሲ እትገብሮ ስግግር ኣብ ኢድ ሕብረት ኣፍሪቃ እንተወደቐ፡ እቲ ሕብረት ግን ጥንኩር ኣይኮነን።

ዝተሓተ ዓቕሚ በጀት'ዩ ዘለዎ። ውሳነታቱ ከፈጽም'ውን ኣይክእልን።

ሓይሊ ኣብ ዘይተመልኦ ኣካይዳታት ዝምስረት እቲ ሕብረት፤ ንልምድታት ሰላምን ምትሕብባርን ኣጥቢቑ ብምሓዝ፤ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብሓባር ክዓብዩስ ወይ ብሓባር ክወድቁ እንተኾይኖም ኣብ ሓበራዊ ጉዕዞኦም ከምዝምስረት'ዩ ዘእምኖም።

ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ብሰላማዊ ዝርርብ ከብቅዕ'ዩ ጸዊዑ።

እንተኾነ ኣካይድኡ ነቶም ክማልኡ ዝነበሮም ዲፕሎማሲያዊ ረቛሕታት ኣብ ግምት ዘየእተወን ትርር ዘይበለን ከምዝኾነ ይግለጽ።

ምስቲ ኣብ ጉዳይ ሊብያን ሱዳንን ዝነበረ ኩነታት ክነጻጸር ከሎ፤ ኣብቶም እዋናት መራሒ ሕብረት ኣፍሪቃ ንመራሕቲ ሃገራት ዘሳተፈ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣካይዱ ነይሩ። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ምግባር ኣይተኽኣለን።

እታ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ንኣፍሪቃ ካብ ዝወከላ ሰለስተ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪቃ፤ ነቲ ሕቡራት ሃገራት ብሰኑይ ከካይዶ ሓሲቡ ዝነበረ ኣኼባ ኣተኣጓጒላቶ'ያ።

ነዚ ዘቕረበቶ ምኽንያት ድማ ፈለማ ንጸብጻብ እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝኸዱ ሰለስተ ኣባላት ፍሉይ ልኡኽ ክንሰምዕ ዝብል'ዩ።

ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምዃና፤ ኣብ መዓልታዊ ጉዳያት እቲ ሕብረት ሰፊሕ ጽልዋ'ያ ትገብር።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ግን ልክዕ ከምቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኢትዮጵያ ተዋሂቡ ዘሎ መላወሲ ዕድል ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ ዘተሓሳሰበን ሃገራት ኣይተስኣናን።

"ሕብረት ኣፍሪቃ ንኻልኦት ሃገራት እምበር ንኢትዮጵያ ኣይኮነን"

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስዝተዋፈሩ ዓቀብቲ ሰላም ዝተልኣኹ ተወለድቲ ትግራይ ይስሕብ ከምዘሎ ንሰነድ ሕቡራት ሃገራት ዝጠቅስ ጸብጻብ መጽሔት ፎረይን ፖሊሲ የመልክት።

ሕብረት ኣፍሪቃ ተወላዲ ትግራይ ንዝኾነ ሓላፊ ጉዳያት ጸጥታ ካብ ስርሑ ክስጎግ እውን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶ ብምቕራቡ ተፈጻሚ ኮይኑ'ዩ።

ኣብዚ ሰሙን ድማ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ንላዕለዎት ሸምገልቲ ኣፍሪቃ ነጺጉ'ዩ።

ትማሊ ሰራዊቱ ንከተማ መቐለ ከምዝተቖጻጸሩን እቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዝተዛዘመን ዝገለጸሉ መገዲ ድማ፡ ንሰለም ዝሽምግሉ ኣካላት ከምዘየድልዩ ንምሕባር ከምዝደለየ የመልክት።

እንተኾነ ሸምገልቲ ኣፍሪቃ ግን በዚ ዝተኣማመኑ ኣይመስሉን።

ሓደ ላዕለዋይ ሲፕሎማሰኛ ሕብረት ኣፍሪቃ "ኣብዪ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኻልኦት ሃገራት እምበር ንኢትዮጵያ ከምዘይኮነ እዩ ዝሓስብ" ክብል ብዓርቢ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ንዝቐረበ ሽምግልና ምንጻጉ፤ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጥሙ ዝነበሩ ኲናት ሓድሕድ ብሓይሊ ኣጽዋርን ሰላማዊ ዝርርብ ብዘይብሉ መገዲን ናብ ዝፍትሑሉ መገዲ ዘዘኻኽር'ዩ።