ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ "ዕምቈት ዘይብሎም መቓብራት"

"ዕምቈት ዘይብሎም መቓብራት"

ምንጪ ስእሊ, Richard Reid

እዛ 'ዕምቆት ዘይብሎም መቓብራት' ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ፡ ኣብ ውጽኢታትን ተዘክሮታትን ዶባዊ ግጭት ኢትዮ-ኤርትራን (1998-2000) ብምምርኳስ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተኸሰተ ሞትን ጥፍኣትን፡ ከምኡ'ውን ነቲ ጌና ብግቡእ ዘይተፈወሰ ቍስሊ ብምትንታን፡ ኣንባቢ፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ሓያሎ ሕቶታት ኬልዕልን ክሓስብን ትድርኾ።

ነቲ ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ወጥሪ ኣብ ነሓሰ 2018 ንዝተበጽሐ ዕርቂ'ውን፡ ምልክት ሕቶ ኣንቢራ ኣብ ላቔባ-ጽሑፍ ኣስፊራቶ ኣላ።

"እዛ መጽሓፍ ክጽሕፋ ምስ ጀመርኩ" ይብል ደራሲ፡ "ብሃንደበት ዕርቂ-ዕርቂ ተባሂሉ ምስ ተኣወጀ ብሓቂ ገረመኒ። ነቲ ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓሚቝ ፍልጠት ዘሎዎ፡ ብሉጽ ተንታኒ፡ ርእሱ ከም ዝሓክኽ ዝገበረ ክስተት ምንባሩ እናፈለጥኩ ነቲ ዉሳኔ ከም መዛዝሚ ንክጥቀመሉ ወሰንኩ" ይብል ደራሲ።

ጸሓፊ እዛ ዓንቀጽ ነታ መጽሓፍ ቅድሚ ምንባቡን ገምጋም ምሃቡን ነቲ ደራሲ ፕሮፈሶር ሪቻርድ ሪድ፡ ንመጽሓፍካ ስለምንታይ "ዕምቈት ዘይብሎም መቓብራት" ኢልካ ሰሚኻያ ክብል ተወኪሱዎ። ፕሮፉሰር ሪቻርድ ሪድ ይምልስ፦

"እቲ ኣርእስቲ ኣብ ክልተ ነገራት/ጕዳያት ዝተመርኰሰ'ዩ። ሓደ እቲ ዉግእ እናተኻየደ እንከሎ ዘስተብሃልኩሉ ጕዳይ ነይሩ። እቲ ካልኣይ ከኣ፡ ነቲ ብዕምቆት ክረአን ክምርመርን ዘለዎ ገና ፍታሕ ዘይተረኽበሉ ድርብራብ ቀጸላታት ታሪኽ፡ ፈቲገ ክርእዮም ስለዝደለኹ እየ" ይብል። ብትግርኛ "እሉኽ" ዝጸንሐ ዛዕባ ወይ ፍሕሶ፡ ተባሂሉ ክትርጎም ይከኣል።

እቲ ዉግእ ምስተጀመረ ኣቓልቦይ ናብኡ'ዩ ኸይዱ። ናብ ዲቕ ዝበለ ዉግእ ዝደፍኡ መዳያት / ቍስልታት ኣየኖት'ዮም እናበልኩ ንነብሰይ ክሓታ ጀመርኩ። እቶም ሕቶታት ንሓሳበይ ጸሚዶም ሓዝዎ፣ መልስታትቶም ኸኣ እናተጋህዱ መጽኡ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መናእሰይ ኣብ ግንባራት ባድመን ቡሬን ወዲቖም ክቕበሩ፡ ንዓይ 'ካልኦት መቓብራት' - ናይ ህዝብን ኣምራትን - ንናይ ቀረባ ታሪኽ ኤርትራ ዝጸለዉ እሉኻት ምንባሮም ተጋህደለይ።

ከምዚ ክብል እንከሎኹ ንብረታዊ ቃልሲ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝተጠናነጉ ቀጸላታት ታሪኽ፡ ከምኡ'ውን ምስኦም ዝተኣሳሰሩ በሰላታት ማለተይ'ዩ" ብምባል ናብቲ ካልኣይ ምኽንያት ሰገረ።

"እቲ ካልኣይ ነቲ መጽሓፈይ "ዕምቈት ዘይብሎም መቓብራት" ኢለ ዝሰምኹሉ ምኽንያት ብዙሕ መግለጺ ዜድልዮ ኣይኰነን። ብ 2000፡ ብድሕሪ ናይ ኣልጄርስ ዉዕል ምፍርራም፡ ኣብ ድፋዓት ብምኻድ ዑደታት ገይረ ነይረ'የ። ሽዑ ኣብ ፈቐዶኡ ዝረኣኽዎ ኣጸድ-መቓብር ከቶ ክርስዖ ኣይክእልን። እቶም ኣብ ዓሚቝ ዘይኰኑ ጐደጕድ ብድፍን-ድፍን ዝተቀብሩ ሬሳታት ነቲ ታሪኽ ናይቲ ዞባ ተምሳሌት ኰይኖሞ'ዮም ክብል እኽእል" በለ።

ሪቻርድ ሪድ መን'ዩ?

ፕሮፈሶር ሪቻርድ ሪድ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ታሪኽ ኣፍሪቃ ዝምህር ተመራማሪ'ዩ። ብጊዜ ውግእ ባድመ ድማ ኣብ ኤርትራ - ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ - ይምህር ነበረ። ስለዚ ነቲ ሽዑ ዝተኻየደ ዉግእ ብቐረባ ዝረኣየን ሓበሬታት ዝኣከበን ተመራማሪ'ዩ።

ሪቻርድ ብዩጋንዳ ኣቢሉ'ዩ ንኤርትራ ኣትዩ። ኣብ ዩጋንዳ ዝከታተሎ ዝነበረ ምርምር ምስ ኣብቅዐ ንእግረ-መገዱ፡ ነቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቀረባ ንኽዕዘብ ኢሉ ንኤርትራ ኣላገሰ። "ብኣጋጣሚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ክፉት ቦታ ስለ ዝነበረ ወኸሳ ኣቕሪበ ተዓወትኩ" ይብል።

ብተወሳኺ፡ "ኣብቲ እዋን'ቲ ዝነበረ ሃዋሁው ላዕለዋይ ትምህርቲ ኤርትራ ምዕሩይ ኣይነበረን። ብግቡእ ኣይተደራጀወን'ዩ ነይሩ፣ በቲ ሽዑ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ ከኣ ኣብ ኣስመራ ዝጸንሕ'ውን ኣይመሰለንን፡ ክብል-ክብል ግን ንሒደት ዓመታት - ብግዜ ዉግኣ ማለት'ዩ - መሃርኩ፣ ኣብቲ እዋን'ቲ ዝተኸሰቱ ተርእዮታት ከኣ ብቐረባ ክከታተሎም ጀመርኩ" በለ። ሕጂ ኸኣ እንሆ ዉጽኢት ናይቲ ሽዑ ዝኣከቦም ሓበሬታታት ብመጽሓፍ መልክዕ ኣቕሪቡዎም ይርከብ።

ብሓፈሽኡ፡ ፕሮፈሶር ሪቻርድ ሪድ ክሳብ ሕጂ ዘሕተሞም ጽሑፋት ብዛዕባ ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ ክዀኑ ከሎዉ፡ ኣትኵሮኡ ግን ኣብ ምብራቕን ሰሜንን ኣፍሪቃ'ዩ - ዩጋንዳ፡ ዞባ ዓበይቲ-ቀላያት፡ ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ኤርትራ። ንኣብነት ሓንቲ "ዘመናዊ ታሪኽ ኣፍሪቃ - ካብ 1800 ክሳብ ሕጂ" ዘርእስታ መጽሓፉ ኣገዳሲት ስለ ዝዀነት ብተደጋጋሚ ተሓቲማ'ያ። ብዛዕባ ኤርትራ ድማ ሓያሎ ጽሑፋት ኣብ መድርኽ ተመራመርቲ ኣቕሪቡ'ዩ።

ሪቻርድ ሪድ

ምንጪ ስእሊ, Richard Reid

መግለጺ ስእሊ, ሪቻርድ ሪድ

ትሕዝቶ መጽሓፍ

ኣብ ዓምዲ መቕድም ሰፊሩ ዝርከብ ቀንዲ ሓሳብ፡ እቲ ብ 1998 ዝተወልዐ ዉግእ ብዶባዊ ምስሕሓብ ዝተወልዐ ይምሰል'ምበር ካልእ እሉኽ ክርክራትን ምትህልላኽን ነይሮሞ'ዩ ኢሉ'ዩ ዝጅምር።

እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ'ዛ መጽሓፍ'ዚኣ ኣብ ክቢ ኤርትራ'ዩ ዝዀልል። ሓያሎ ፍጻሜታት ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን'ውን ተሓዊሱዎ ኣሎ። እቲ ቀሪቡ ዘሎ ዛንታ ዋላ'ኳ ካብ'ቲ ደራሲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረሉ እዋን ከም ቀንዲ ምርኵስ ይጠቐመሉ ንቅድምን ድሕርን ናጽነት ዝተኸሰቱ ፍጻሜታት ኔው-ነጀው እናበለ ብእኹል ሓበሬታን መረዳእታትን ኣሰንዩ ንኣንባቢ ኣቕሪቡዎም ኣሎ።

"ካብ ኤርትራ ምስ ወጻእኩ፡ እቲ ምስ ኤርትራውያን ዝነበረኒ ርክባት - ኣብ ዉሽጢ ይዅን ወጻኢ - ኣዝየ ተጠቒመሉ'የ፣ እዚ ነጸብራቕ ናይ'ቶም ዝዓቀብኩዎም ርክባት'ዩ" ይብለ ሪቻርድ።

እቲ መቕድም 30 ገጽ እዩ ዘለዎ። ሕመረት ናይቲ መጽሓፍን ባዕላዊ ታሪኹን ከኣ ኣብኡ ሰፊሩ ይርከብ። "ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮ ከሎኹ ኣብ ብዙሓት ሸነኻት እቲ ዉግእን ሳዕቤናቱን ዕቃቤታት ከም ዝነበረኒ ብምርዳእ፡ እቲ ሓቁ ግን ክንገር ኣሎዎ፤ ካብ ዝብል ሓሰብ ተበጊሰ ምስ ነብሰይ ተኻቲዐ'የ" ብምባል ብጸብጻባት ዝተሰነየ ሓይለ-መጐት የቕርብ።

ፕሮፈሶር ሪቻርድ ብጥምዘዛን ምዝመዛን-ታሪኽ ክዛረብ ከሎ፡ ታሪኽ ብዉጹእ ስምዒት ክቕባእ ምርኣይ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተኸሰተ ጐነጽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ማሕበራውን ባህላውን ፖለቲካውን ዘንበሮ ጽላሎት ተመሊሱ ንባህሪ ታሪኽ ክልውጥ ይርአ'ዩ ይብል።

"ኣብ መጠረሽትኡ" ይብል ፕሮፈሶር ሪቻርድ ሪድ፡ "ሕሉፍ ታሪኽ ኤርትራ ጠላሕታ ዘሕድር ታሪኽ'ዩ፣ በቶም ዝሞቱን በቶም ዕምቈት ዘይብሎም መቓብራትን ከኣ ክግለጽ ይከኣል" ይብል።

ኣብ ጕዳያት ኣፍሪቃ እተተኩር ጸሓፊትን፡ ኤዲተር ኣፍሪቃ ጋዜጠኛን ቢቢሲ ሜሪ ሃርፐር ነታ መጽሓፍ "ብሓቂ ዘተሓሳስብን ካብቲ ዞባ ወጻኢ ንዝነብሩ ሰባት ድማ ኣዝዩ መሃርን'ዩ" ክትብል ትገልጾ።

"ዕምቈት ዘይብሎም መቓብራት"

ምንጪ ስእሊ, Richard Reid

እቶም ምዕራፋት

እቲ 226 ገጻት ዘሎዎ መጽሓፍ ብነዊሕ መቕድምን፡ ሸውዓተ ግዙፋት ምዕራፋትን ላቔባ-ሓበሬታን እዩ ቀሪቡ።

እቲ ትንታኔ ን 'ቖልዑ ስሳታት' ብምጥቃስ'ዩ ዝጅምር። እዚ ማለት እቲ ኣብ ሞንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ዝነበረ ህልኽን ትርኽን፡ ቝስልን ግጭትን ትንክፍ ኣቢሉ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ይሰግር። ብጕያ ኸኣ ኣብ ረፈረንዱም ይበጽሕ፡ እቲ ታሪኽ ብጸብለልነት ሻዕብያ ተዓብሊሉ፡ ብምሕዝነት ኢሳያስ ኣፈወቅን መለስ ዜናውን እናተደፍአ ኣብ ፈለማ ጽንብል ናጽነት ይበጽሕ።

"እቶም ንታሪኽ ናይቲ ዞባ ክንከታተል ዝጀመርና ሓደስቲ ተመራመርቲ ክንደየናይ እኹል ኣፍልጦ ከይነብረና - ካብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ናይ ሩት ኢዮብ፡ በረኸት ሃብተስላሴ፡ ዳን ኮነል፡ ላዮነል ክሊፍ፡ ሮይ ፐይትማን ኢና ክንመሃር ጀሚርና" ይብል ሪቻርድ ... እዚ ማለት ብናታቶም መለክዒታት ምስ ኤርትራ ከም እተፋለጠ ንምግላጽ። ከምኡ ክብል ከሎ፡ ባዕሉ ኣብ ኤርትራ ክቕመጥ ምስ ጀመረ ግን እቲ ኵነታት ከመይ ከም ዝነበረን ብቐረባ ከም ዝተዓዘቦን ንምግላጽን ባይታ ንምንጻፍን ዜልዓሎ ሓተታ ይመስል።

ኣብቲ ጽንብል ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዝበሎ ብምጥቃስ - ቍስልና ኣይንሕከሕ - ተባሂሉ ናይ ሰላሳ ዓመት ቃልስን ኣቝሳልን ብምስጋር እቲ ጕዳይ ንታሪኽ ከም ዜጸግዕሉ ደራሲ ይእምት። ክልቲኦም መራሕቲ ግን ናይ ብሓቂ ልቢ ንልቢ ዝተዋህቡ ኣይመስልን ይብል ፕሮፈሶር ሪድ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ መጽሓፉ።

ደራሲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ናይ ምንዳፍ መደብ ኣትዩ ከም ዝነበረ ግና'ኸ ናይቲ መደብ ከንቱነት ድሒሩ ከም ዝተረድኦ ኣስሚሩ፡ ዝጸሓፎም ሕጡባት ምንባብ ዜገርም'ዩ። ህዝባዊ ግንባር ነቲ ኤርትራ መንነት ምስ ብረታዊ ቃልስን ኣበርክቶኡን ብፍላይ ከኣ ምስ ታሪኽ እቲ ግንባር እዩ ክጠምሮ ዝፍትን ነይሩ። ስፍሕ ዝበለ ዘይምንባሩ ከኣ ሓደ ሓደ ስምዒታትሲ ይፈጥር ነይሩ እዩ።

እቲ ዚስዕብ ምዕራፍ ባዕሉ ደራሲ ብ2000 ኣብ ኵሎም ድፋዓት ብዘካየዶም ዑደታት'ዩ ዘውክእ። ዑደቱ ግን ኣብ ሸነኽ ኤርትራ ጥራይ ስለ ዝተኻየደ፡ እሞ ኸኣ ብኣባላት መንግስቲ ሚኒስትሪ-ዜና ዝተሰነየ ዑደት ስለ ዝነበረ ሚዛናዊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ክበሃል የሸግር። ይዅን'ምበር፡ እቲ ምዕራፍ ብመግለጺታት ሞትን ቅዝፈትን ጭካኔን ኵነኔን'ዩ መሊኡ።

ብድሕሪኡ ዝስዕብ ምዕራፍ ("ሕልሚ ሓበሻ" ዘርእስቱ) ናብ ዘበን ግዝኣት ጣልያን ተመሊሱ፡ እቲ ዘበን ብኸመይ ምስ ምፍጣር ኤርትራ ዚበሃል ኣምር ብምትሕሓዝ ናብ መግዛእቲ እንግሊዝ ይሰግር። ብሓጺሩ፡ ዝተፈላለዩ መግዛእትታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተጻወትዎ ተራ ጸሚቑ ብምቕራቡ ዝመስገን ስራሕ ኣቕሪቡ ክበሃል ይከኣል። እዚ ዚስዕብ ዜተሓሳስብ ሕጡብ ከኣ ኣብ መዕጸዊ ምዕራፉ ኣስፊሩዎ ይርከብ።

"ሓደ ካብ ስርሑ ዝደስከለ ዓርከይ ንኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም ዘልዓልዎ ጕዳይ ጠቒሱ ኣዕሊሉኒ ነይሩ" ይብል ደራሲ። "ኤርትራውያን ይሓዝኑን ይጠዓሱን፡ ምስኡ ኸኣ ጸሎት ካብ ምግባር ኣየቋርጹን፣ ኵነታቶም ንክመሓየሽ ድማ ወትሩ ጊዜ ይትስፈዉ" ክብል ይዝከረኒ። "ዝን ድሕሪ ምባሉ እቲ ዓርከይ ቁሊሕ ኢሉ ብጎቦ ዓይኑ ይርእየኒ'ሞ ከምዚ በለ - ብመጀመርታ ጣልያን፡ ድሓር እንግሊዝ፡ ጸኒሖም ከኣ ኢትዮጵያውያን፡ ብድሕሪኦም ከኣ ንሕና መጺእና። ኣምላኽ ይኽደኖም - ክብል ይዝከረኒ" ብምባል ሪቻርድ ነቲ ምዕራፍ ይድምድሞ።

ሓንቲ ካብ'ተን ኣዝየን ኣገደስቲ ምዕራፋት እታ "ኤምበራጦር" ዘርእስታ ከይኰነት ኣይተርፍን። እቲ ስርዓት ከመይ ኢሉ ከም ዝተተኽለ፡ ምስ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ብኸመይ ከም ዝተኣሳሰር፡ ድሕሪ ናጽነት ኵነታት ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ፡ ኣብ ጊዜ ዉግኣ ባድመ እንታይ ከም ዘጓነፈ፡ ኣብዚ ዘሎዎ ደረጃ ከመይ ኢሉ ከም ዝበጽሐ ይገልጽ።

ኣብቲ ምዕራፍ፡ ተቐይሮታት፡ ጽልእን ኣምልኾትን፡ ጌጋታት፡ ምድፍፋር፡ ምጥልላም፡ ምጭኽኻን ከምኡ'ውን ከመይ ኢሎም ሃጓፋት ከም ዝተፈጥሩ ኣሉታውያን ስምዒታት ከምዝማዕበሉ ኣስፊሩ ኣሎ።

ሓደ ካብ'ቶም ብልጫታት'ዛ መጽሓፍ'ዚኣ ደራሲ ንሰብ-ቀደምን ሰብ-ሎምን ማዕረ-ማዕረ ሰሪዑ ፍልልያቶም ክገልጽ ብምኽኣሉ'ዩ። ሰብ ስሳታት እናበለ ንተጋደልቲ ክገልጾም፡ ብማዕሪኦም ድማ ባህርያት ናይ'ቶም ብዋርሳይ ይከኣሎ ዝፍለጡ ሰብ-ዘበን ብምፍታሹ ኣገዳሲ'ዩ። ምኽንያቱ፡ ደራሲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረሉ እዋን ብዙሓት ኣዕሩኽ ስለዘጥረየ፡ ንዛንትኦም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ስኢሉ፡ ናይ ካልእ ብዙሓት ንእግረ መገዱ ዝረኸቦም እሞ ብኵነታቶምን ኵነታት ሃገርን ዘይቀሰኑ ዘዕለልዎ ኣኪቡ፡ ክሳብ ሎሚ ጸሓፍቲ ዘይተንከፍዎ ድንግል ዛዕባታት ትማልን ሎምን እናዛመደ ኣብ መጽሓፉ ኮፍ ኣቢሉዎ ኣሎ።

ሪቻርድ ንዛንትኡ ኣብኡ ደው ኣየበሎን። ድሕሪ ዉግእ ናይ ኢትዮጵያ ብምጕዓዝ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ኵነታት ክዕዘብ ከደ። እታ ብ"ተገላቢጦሽ" ኢሉ ዝሰመያ ሻድሸይቲ ምዕራፍ ብምልእታ ኤርትራ ብኣረኣእያ ኢትዮጵያውያን ከመይ ትመስል ካብ ዚብል ዛዕባ ተበጊሱ ብዙሕ ከም ዝፈተሸ ተርኢ። እቶም ርእይቶታት ብሸነኽ ኣባላት ወያነ ትግራይ፡ ኣምሓራ ከምኡ'ውን ኤርትራውያን ስደኛታት እንታይ ከምዝበሃል ተዘንቱ።

እቲ ዜገርም ግን ብ 1998 ካብ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝተጠረዙ ኤርትራውያን፣ ድሕሪ ዉግእ ድማ ንኢትዮጵያ ዝተመልሱ፡ መሳጢ ትሕዝቶ ዘሎዎ ታሪኽ ዉልቀ-ሰባት ስለ ዘስፈረሉ ነቲ መጽሓፍ ፍሉይ ይገብሮ።

ነቶም ሓበሬታ ዘስንቕዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ መገዲ፡ ኣብ ባራት፡ ኣብያተ መግብታት ... ኣበየ መሸጓሹግ እናኣተወ ዛንትኦም ይሰምዕን ይእክብን ብምንባሩ ነታ መጽሓፍ ንምስንዳእ ክሳብ ክንደይ ከምዝደኸመ የርኢ።

"ኢትዮጵያውያን ንኤርትራ ዳርጋ ኣይፈልጥዋን'ዮም" ዝበለሉ እዋን ነይሩ። ይዅን'ምበር፡ ኣብ መደምደምታ እቲ ምዕራፍ፡ ናቱ ቃላት ብምጥቃም፡ "ኢትዮጵያ ንቕድሚት ክትስጕም ኤርትራ ግን ግልልቲ፡ ነዳር፡ ብስጭውቲ ኰይና ተሪፋ" ክብል ይገልጻ።ብተወሳኺ "ኣብ ኤርትራ እንርእዮ ዘሎና ደራቲ ኵነታት ውጽኢት ወተሃደርነት (ሚሊታሪነት'ዩ)" ብምባል ነታ "ተገላቢጦሽ" ኢሉ ዝሰመያ ምዕራፍ ይድምድም።

ኣብ መወዳእትኡ'ኸ?

ደራሲ፡ እቲ ብድሕሪ ዉግኣ ባድመ ዝተኸሰተ ኵነታት - ምናዳ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ኤርትራ ዝተራእየ መቐይሮ - ኣብዛ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኣስፊሩዎ ይርከብ።

እቲ ዉግኣ ኣድላዪ ከም ዘይነበረ፣ 'ንምንታይ መንእሰያትና ተሰዊኦም?' እናበሉ ዝሓቱ ሰባት ኣብ ፈቐድኡ ይስምዑ ከም ዝነበሩ፣ ናይ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ሓለውቲ-ሰላም ንኤርትራ ክውሕዙ፣ ሰባት ሃለዋቶም ክጠፍእ ዝጀመረሉ፣ ቍጠባ ክወድቕን ከምኡ'ውን ካልኦት ማሕበራውን ፖለቲካውን ዝርግርጋት ክሰፍኑ ዝተራእየሉ እዋን ከም ዝነበረ ደራሲ ብሰፊሑ ገሊጹዎ ኣሎ።

እቲ 'ብሳላ ስዉኣትና፡ ብሳላ ሰውራና' ብዝብል ሰጢሙ ዝነበረ ስምዒታት እናማህመነ ስለ ዝኸደ እቶም ዝፈልጦም ሰባት ዕላሎም ተለወጠኒ - ኣብ ኵሉ ኵርንዓት 'ካብ ኤርትራ ምውጻእን/ዘይምውጻእን' ጥራይ እየ ዝሰምዕ ነይረ" ይብል ሪቻርድ።

"ጕዳይ ናይ'ቶም ንሃገሮም ገዲፎም ንስደት ዝወጽኡ ዘሎዉ መናእሰይ ዘተሓሳስብ'ዩ። ጽባሕ ሓላፍነት-ሃገር ክስከሙ ዝግበኦም መናእሰይ ክሰደዱ ምርኣይ ንሕሉፍ ታሪኽ ኤርትራ ብኸመይ ኣገባብ ኮን ክጸልዉዎ'ዮም?" ብዜስምዕ ፍልስፍናዊ መጐተ ኣብ ስፍሕ ዝበለ ዛዕባ ይሰግር።

ኣስተንትኖ ደራሲ

"ኣብ ዞባ ኤርትራ/ ኢትዮጵያ ኵነታት ብሃንደበት ክልወጡ ምርኣይ ኣየገርምን። ካብ ዉግኣ ባድመ ጀሚሩ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መንግስታት ዝነበሩ ዝተጠናነጉ ኵነታት፡ ዝነበረ ምፍጣጥ፡ ከምኡ'ውን ዝተለዋወጥዎም ክስታትን ጸርፍን ሕንገዳን ብሃንደበት ተረሲዖም ሰላምን ስሓቕን ኰነ። ቅድሚኡስ ብ 1993 'ኣቝሳልና ኣይንሕከሕ' ተባሂሉ'ንዶ ኣይነበረን?" እናበለ ሪቻርድ ነገራት ክጽብጽብ ይጅምር።

ቀጺሉ፡ "ዉግእ ባድመስ ንባዕሉ ብሃንደበት'ዶ ኣይኰነን ተወሊዑ? ሰላም ምስኮነስ ኵሉ ተረሲዑ ማለት ድዩ? እቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝሞቱ መናእሰይ'ከ ድሮ ተረሲዖም ማለት'ድዩ? እቶም ዝሰንከሉ፡ ዝጠፈሹ፡ ዓዶም ገዲፎም ዝተሰዱ ሰባት'ከ እንታይ ይዅኑ? እቶም ብሰንኪ እቲ ውግእ ህይወቶም ፋሕ-ፋሕ ዝበሎም ሰባት'ከ?" እናበለ ኣትሪሩ ሕቶታት የልዕል።

"ዜቃጭጭ ሓሳድ ድኣ ከይትብሉኒ'ምበር እዚ እንርእዮ ዘሎና ዳም-ዳም ምስ ምንታይ ይቝጸር?" እናበለ ኣስተንትኖኡ ይቕጽል። "መራሕቲ ክስሕቁን ሰባት ድማ ክጽንብሉን ክርኢ ከሎኹ ሓሳበይ ናብ'ቶም ገና ዶባት ጥሒሶም ዝስደዱ ዘሎዉ መናእሰይ ይግዕዝ" ይብል ሪቻርድ።

ደራሲ "እቲ ዝተኻየድ ዉግእ ምእንቲ ከይድገም፡ መን'ዩ ነቲ ሱር ናይቲ ግጭት ዝምርምር? ዜስዓቦ ክሳራታት ዝጽብጽብ? እቶም ጽባሕ እቲ ውግእ ዝተሰላሰሉ ጌጋታት ዝመዝን?" እናበለ ኣዕሚቝ ይጽሕፍ። "ዝገበርካ ጌርካ፡ ንህዝቢ፡ ንዕስራ ዓመታት ከርተት ድሕሪ ምባል ብ 'ሕጂ ሰላም ኰይኑ' ዝብል ዘረባሲ ነገራት ክዕጾን ዘላቒ ፍትሒ መጺኡ ማለት'ድዩ?" እናበለ ሕቶ የልዕል። ናይ 1998 ዉግእ ንብዙሓት ኤርትራውያን ብዙሕ ነገራት ንክሕቱ ክደፋፍኦምን፡ ንሕሉፍ ታሪኾም ንክፍትሹ ክድርኾምን'ዩ ብምባል ጽሑፉ ይድምድም።

መግለጺ ቪድዮ, ነጥብታት ብዛዕባ ኢትዮ ኤርትራ