ኣብ ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ዝተረጋገጹ ሰባት ኩሎም ሓውዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ካብ ዝጸንሑ ሕሙማት እታ ናይ መወዳእታ: ብዝተገበረላ መርመራ ካብቲ ሕማም ናጻ ስለዝኾነት ሎሚ ካብ ሆስፒታል ከም ዝተፋነወት ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
በዚ መሰረት ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣብ ሆስፒታል ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 39 ሰባት፡ ኩሎም ጥዕንኦም ናብ ንቡር ኩነታት ተመሊሱ ናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለው።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እዚ ውጽኢት'ዚ ዘተባብዕ'ኳ እንተዀነ፡ ከዛንየና ግን ኣይግባእን" ኢሉ።
ወሲኹ'ውን "ዝርግሐ ናይ'ቲ ለበዳ ኣብ መላእ ሃገር ብምልኣት ንምፍላጥ ዝካየዱ መርመራታት ክሳብ ዝዛዘሙ፡ ብመንግስቲ ዝወጹ መምርሒታት ብምልኣት ክትግበሩ ወሳንን ኣገዳስን" ምዃኑ ገሊጹ።
ኤርትራ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ምሉእ ዕጸዋ ብምእዋጅ፡ ምንቅስቓሳት ንኣገዳሲ ምኽንያታታ እንተዘይኮይኑ ኣጊዳ እያ ዘላ።
እታ ሃገር 18 ሚያዝያ ሰለስተ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝረኸበት ድሕሪ ምግላጻ ንዝሓለፈ 27 መዓልትታት ሓድሽ መልከፍቲ ከም ዘይመዝገበት ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና ይገልጽ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







