ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ 'ጊልያነት ትግረ ዜጥፍኡን ንኤርትራ ኣብ ክልተ ካብ ምምቃል ዜድሓኑን ሓርበኛ'

ኢብራሂም ሱልጣን

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ኢብራሂም ሱልጣን

ኣቦይ ኢብራሂም ስልጣን ሓደ ካብ ብሃራት ኣርካናት ሰውራ ኤርትራ እዮም። ቅድሚ 32 ዓመታት ከኣ ልክዕ ድሮ እዛ ዕለት ብባሕቲ መስከረም ብሞት ተፈልዮም። ኣቦይ ኢብራሂም "ሓደ ኩኑ- ሕበሩ" ብእትብል ታሪኻዊት ቃል ሕድርን፡ ዓወት (ቪክትሪ) ብዘመልክት ኣጻብዕቲ ኢዶምን እዮም ዝዝከሩ። ንዝኽሮም ዝገልጽ ዓንቀጽ እነሆ ንንባብ በቒዑ።

ሸኽ ኢብራሂም ሓደ ካብ'ቶም ንናጽነት ኤርትራ ካብ መጀመርያ 40'ታት ክሳብ መዓልቲ ዕረፍቶም ተጊሆም ብትብዓት ዝተቓለሱ ኤርትራዊ ኣቦ እዮም።

ሸኽ ኢብራሂም ብ 1909 ኣብ ከረን ተወሊዶም ኣብ ስደት እንከለው ኸኣ (ኣብ ካይሮ) ብ 1987 ዓሪፎም። ሬሳኦም ከኣ ኣብ ከሰላ (ሱዳን) ተቐብረ። ድሕሪ ናጽነት፡ ሓደ ካብ'ቶም ቀንዲ ኣቦታት ኤርትራ ክነሶም፡ ሬሳኦም ንምንታይ ንኤርትራ ከም ዘይሰገረ ንብዙሓት ዘተሓሳሰበ ጕዳይ'ዩ።

ሸኽ ኢብራሂም ካብ ቀቢላ ርግባት ሳሕል እዮም ዝውለዱ።

ብተፈጥርኦም ሓያል ስለ ዝነበሩ፡ ምስ ኣሕሉቖም (ጣልያን) ብምግርጫው ካብ ስራሕ ዝተሰጐጕሉ እዋን'ውን ነይሩ'ዩ።

ሸኽ ኢብራሂም በሊሕ፡ መጓቲ፡ ሰፊሕ ፍልጠት (ብኵነታት ሃገሮምን ክንዮ-ሃገሮምን) ዝነበሮም ሰብ'ዮም ነይሮም። ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትንትኑ፡ ግዝኣተ ግብጽን ቱርክን ክገልጹ፡ ኵነታት ግዝኣተ ጣልያንን ኣተኣታትትዋ እንግሊዝን ክገልጹ ዝኽእሉ ፈላጥ ሰብ ነበሩ። ካብቲ ኣብ 1982 ኣብ ሮማ ዝገበሩዎ ቃለ-መጠይቕ ብዛዕባ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ፍልጠትን ዕዙዝ ተገዳስነት ከም ዝነበሮም ምርዳእ ይከኣል።

ንሶም ብመሰረቱ ብጕስነት'ዮም ዓበዮም፡ ጸኒሖም ከኣ ኣብ ንግዲ ዓለም ኣተዉ። ትምህርቶም ኣብ እንዳ ጣልያን ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ ድሕሪ ምጥንቓቕ፡ ቋንቋ ዓረብኛ ኣብ ትሕቲ ሸኽ ዑስማን ሓሰበላ ብምምሃር ወሰኽሉ።

ብጎበዞም ኣብ ፈሮቭያ ኣቑርደት ንኣርባዕተ ዓመታት ድሕሪ ምስራሕ፡ ቋንቋታት ዓረብን ጣልያንን (ከምኡ'ውን ትግረን/ትግርኛ) ኣጽርዮም ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ ኣብ ብዙሕ ስርሓት ይድለዩ ነበሩ። ኣብ ምምሕዳር ግዝኣት ጣልያን'ውን ከም ኣማኻርን/ተርጓምን ናይ ጕዳያት ደቀባት ኣስላም ኰይኖም ካብ1926 ጀሚሮም ክሳብ እንግሊዝ ዝኣቱ (1941) ሰሪሖም። ምስ ወትሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ'ውን ብኸምኡ ቀጸሉ። ኰይኑ ድማ ብምኽንያት ስራሕ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ኤርትራ ክበጽሑ ከኣሉ።

"ኢትዮጵያ ወይ ሞት"

መብዝሕትኡ ህዝቢ ክርስትያን ብጐስጓሳት ኢትዮጵያ ተታሊሉ 'ኢትዮጵያ ወይ ሞት' እናበለ 'ሆ' ክብል ከሎ ሸኽ ኢብራሂም ግን ብጽንዓት ከም ዝተቓለሱ ይንገር። ምናዳ ህዝቢ መታሕት ክዋሰንን፡ ኤርትራውያን ኣስላም ብጥርጣረ ክጥመቱን እንከለው ሸኽ ኢብራሂም ደው ኢሎም መከቱ።

ርግጽ'ዩ ደረጃ ትምህርትን ዓቕሚ ህዝብን ትሑት ስለዝነበረ ብዉዲታት ጣልያን፡ እንግሊዝ ዀነ ኣሜሪካ ይታለል ነበረ፣ ብዓቢኡ ግን ብዉዲት ኢትዮጵያ። ኣባላት ሰልፊ ኣንድነት ብጕልባብ ሃይማኖት ብዙሕ ጐስጐሱ - በዓል ኣቡነ ማርቆስ 'ብኣስላም ክንጉበጥ ኢና' እናበሉ ከኣ ነቲ ኵነታት የናህርዎ ነበሩ።

ብኣንጻሩ ግን፡ ኣስተዋጽኦ ህዝቢ ኣስላም ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብህድኣት እንተ ዝምመ እቲ ናይ ሽዑ ተግባር ብንጹር ምተራእየ። ካብ ቃልሲ ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም ጀሚሩ ህዝቢ መታሕት ክሳብ ክንደይ ከም ዝተቓለሰን ከም ዝተበጀወን ብ ጆሰፍ ቨኖሳ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ (Paths toward the Nation) ብግልጺ ሰኒዱዎ ኣሎ።

ከም ሓቁ፡ እቲ ናይ ሽዑ ሰብ ገሊኡ ብገንዘብ፡ ገሊኡ ብስልጣን፡ ገሊኡ ብምፍርራሕ፡ ገሊኡ ብሓሶት፡ እንተ ገሊኡን ድማ ስኣን ምፍላጥ ተታሊሉ፡ ኣብ ልዕሊ ኣስላም እንጽርጽሮቱ ዘውጽኣሉ ዝነበረሉ እዋን'ዩ ነይሩ። ጸላእቲ ሸኽ ኢብራሂም ከኣ ከም ጠንቂ ናይቲ ምፍሕፋሕ ገይሮም ይርእይዎም ነበሩ። ሸኽ ኢብራሂም ግን ብእኡ ከይሰልከዩ ኤርትራ ንኣስላም ዘይኮነትስ ንኤርትራውያን እናበሉ ጐስጐሱ።

ኢብራሂም ሱልጣን ኣብ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ኢብራሂም ሱልጣን ኣብ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት

ፖለቲካዊ ጐስጓሶም ምስ "ማሕበር ፍቕሪ ሃገር" እዮም ጀሚሮምዎ። እቶም ቀንዲ ኣባላት መሪሕነት "ማሕበር ፍቕሪ ሃገር" በዓል ገብረመስቀል ወልዱ፡ ዓብዱልቃድር ከቢረ፡ ኣብርሃ ተሰማ፡ መሓመድ ዖመር ቃዲ፡ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ከምኡ'ውን ኢብራሂም ሱልጣን'ዮም ነይሮም። ከምኡ'ውን በዓል ሓጎስ ኣበራ፡ ደግያት ሓሰን፡ ብላታ ደምሳስ እዉን ኣብቲ ክቢ'ቲ ነይሮም'ዮም።

ስርሓት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ምስ ዘንበለ ግን ሸኽ ኢብራሂም ነቲ ክርስትያናዊ ዝንባለ ንምግጣም ኣ'ራቢጣ ኣል-እስላምያ ንኽምስርቱ ተገደዱ።

ጐስጓስ ማዕርነት ትግረ (1943-45)

ቅድሚ ኣ'ራቢጣ ኣል-እስላምያ ምምስራቶም፡ ኢብራሂም ስልጣን፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ትግረን ሽማግለን ዝነበረ ናይ ታሕታይን ላዕለዋይን፡ ወይ ከኣ ናይ ጊላን ጐይታን ፍልልያት ኣብ ምጥፋእ ልዑል ተራ ተጻወቱ። እቶም ፍልልያት ካብ ብንእሽትኦም ጀሚሮም ኣዝዮም ዜስተብሃልሉ ጕዳይ ነበረ።

ንሶምን ከምኦም ዝኣመሰሉ ሰባትን ብጊዜ ጥልያን ብምምሃሮም ንህላወ ናይቲ ታሕተዋይ ደርቢ (ትግረ) ክብ ከብልዎ ብምኽኣሎም ነቲ ጸቢባ ኣተሓሳስባ ልዕልና ዝስምዖም ዝነበረ ደርቢ ሽማግለ ብሞያዊ ክእለቶም መከትዎ። ሽዑ እቶም ፈላጣት ወይ ከኣ ምሁራት ዝበሃሉ ዝነበሩ መብዝሕትኦም ቋንቋ ጣልያን ብምምላኽ (ኣብ ፈቐድኡ ናይ ቤት ጽሕፈት ስርሓት ተወዚዖም ስራሕ ዝነበሮም ሰባት ማለት'ዩ) በቲ ዝደለብዎ ትምህርቲ ድማ ካብቲ ደርቢ-ድኻ ነቒሖምን ተወዲቦምን ክወጹ ክኣሉ።

ሸኽ ኢብራሂም ካብ ትግረ ስለ ዝውለዱ እቶም ንሕና-ኢና በሃልቲ ሽማግለ "ቅንቅነ" (ነቐዝ) እናበሉ ክጸርፍዎም ይዝከሮም። ካብ ናብታብ (ሽማግለ) ቖልዓ ምስ ዚውለድ፡ ዕትብቲ ቅድሚ ምቝራጹ፡ ሓደ ትግረ ስሒቦም የምጽኡ'ሞ እቲ ዕትብቲ ክቝረጽ ከም ዝርኢ ይገብርዎ፣ ሽዑ እቲ ተዓዛቢ ትግረ ኣገልጋሊ ናይቲ ዝተወልደ ቖልዓ ከም ዝዀነ ይሕሰብ ነበረ። ብንእሽትኦም እዝን-ወድዝን ኣዝዩ የሕርቖም ነበረ።

እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተወ ሸኽ ኢብራሂም ንማዕርነት ትግረ ኣወዓውዕዎ፣ ንስርዓት ጣልያን ድማ፡ በቲ ናይ ጐይታን ጊላን ዝሕብሕብዎ ዝነበሩ ርክባት ኰነንዎ። ብዘበን ጣልያን ትግረ ዝሓርሱዎ መሬት ተነፊጉዎም ስለ ዝነበረ እዚ ድርብ ጭቖና'ዩ ብምባል ገጠምዎ፣ ክኢላ ስለ ዝነበሩ ድማ እንግሊዝ ኣብ ጐኖም ከም ዚጽጋዕ ገበሩ። ብ 1946 ከኣ ካብ 700 ዝበዝሑ ወከልቲ ትግረ ብምእካብ (ንሽማግለ ብምንጻል) ዓቢ ኣኼባን ወሰንቲ ዉሳኔታትን ከሕልፉ ከኣሉ።

ካብ'ቶም ዉሳኔታት፡ ትግረ ንግራት ሽማግለ ከይሓርስ፡ ከብቲ ሽማግለ ከይሓልብ ዘኣመሰሉ ትእዛዝ ኣመሓላልለፉ፣ ከምኡ እናበሉ ድማ እቲ ኣንጻር ሽማግለ ዜቕንዐ ምንቅስቓስ ከም ዝድንፍዕ ገበሩ።

ኣብ ሰሜናውን ምዕራባውን ቆላ ኢብራሂም በዚ ጕዳይ'ዚ ጸብለል ኢሎም ብምውጻእ ንማዕርነት ትግረ ተጊሆም ተቓለሱ። እቲ ዝደለብዎ ሓይሊ-ተሰማዕነት ከኣ ናብ ሰልፊ ራቢጣ ቐየርዎ። ሰልፊ ራቢጣ ብ 1946/47 እግሪ ክተክል እንከሎ ጐስጓስ ሕብረተሰብ ትግረ ብ 1949 ኣብቅዐ - ኵሉ ትግረ ካብ ባርነት ሓራ ከም ዝወጽእ ገበሩ።

ሰልፊ ኣ'ራቢጣ ኣል እስላምያ

ሸኽ ኢብራሂም ስልጣን ንህዝቢ ኣስላም ኣንጻር ክርስትያን ንክልዓል ኣይኰኑን ንሰልፊ ኣ'ራቢጣ መስርቲቶምዎ። ነቲ ሽዑ ዝግበር ዝነበረ ፈላላዩ ተግባራት፡ ንኣስላም ፈሊኻ ኣብ እንዳ ማርያም ዝካየዱ ዝነበሩ ናይ ክርስትያን ኣኼባታት፡ ማሕበር ኣንድነታውያን ንምምስራት ዝካየዱ ዝነበሩ ጻዕርታት (ብሕቡእ ዘይኰነስ ብግሁድ) ምስ ረኣዩ፡ ነቲ ጸይቂ ሚዛን ንምትሓዝ ዝወሰድዎ ግብረ-መልሲ ነበረ።

ሰላማዊ ሰልፊ ኣ'ራቢጣ ኣብ ኣቑርደት - 1947

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ሰላማዊ ሰልፊ ኣ'ራቢጣ ኣብ ኣቑርደት - 1947

ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ንጕዳይ ኤርትራ ንክዕዘቡ ብ 1949 ክመጽኡ ከለዉ፡ ሸኽ ኢብራሂም ቀዳማይ ተጸዋዓይ ሕብረተ-ሰብ ኣስላም ኰይኖም ቀሪቦም። " ናጽነት ኢና ንደሊ" ብምባል ድምጾም ብዓውታ ኣስሚዖም። ኣንድነታውያን ግን ሰልፊ ኣ'ራቢጣ ብምምስራታ "ኤርትራ ናይ ኣስላም ሃገር ክገብሩዋ እዮም ደልዮም" እናበሉ ንክጕስጕሱ ጠዓመሎም። ሽዑ ዕግርግር ኰይኑ፡ እቶም ወክልቲ ዉድብ ሕብራት መንግስታት በቲ ዕግርግር ሰኪሖም ተመልሱ።

ብመጋቢት 1949 ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ን ሸኽ ኢብራሂምን ምስ ካልኦት መራሕቲ ሰልፍታት ብጾቶም ብምዕዳም ኣብ ናይ ሌክ-ሳክሰስ ኣኼባታት ንክሳተፉ ናብ ኒውዮርክ ኣምርሑ። ቅድሚ ናብ ኒውዮርክ ምኻዶም ግን ኣንድነታውያን ንዓብዱልቃድር ከቢረ፡ የማናይ ኢዶም ንሸኽ ኢብራሂም፡ ብ 27 መጋቢት 1949 ቀተልዎም። ሸኽ ኢብራሂም ጎቦ ልቦም ኮይኖም እዮም ናብ ኒውዮርክ ዝኸዱ።

ይኵን'ምበር፡ ሸኽ ኢብራሂም ብዛዕባ ዝግደስሉ ዛዕባ ሒዞም፡ ደኺመ ከይበሉ ንኽቃለሱ ፍሉይ ክእለትን ሓይልን ነበሮም። ኣብቲ ግዝያት ምስ ካልኦት መሰልቶም ሰልፍታት ብምሕባር ዝዓበየን ዝዓዘዘን ቀጽሪ ናጽነት መስሪቶም ነበሩ። እንግሊዝ ግን ንኤርትራ ዜዳኽም በብዓይነቱ ብልሓት ክጥቀሙ፡ ብኢደ ኣዙር ምስ ኣንድነታውያን ክወሃሃዱ፡ ንናጽነታውያን ገጽ ከልእዎም። ኣግድዕዎም ከኣ!

ሰልፊ ዘካይዱ

ምንጪ ስእሊ, DM

ሸኽ ኢብራሂም፡ ነፍሲ-ወከፍ ሰልፊ ናቱ ጸግዒ ከም ዝነበሮ፡ ሰልፊ ኣንድነት ገንዘብ ከምኡ'ውን ትእዛዛት ብቐጥታ ካብ ኢትዮጵያ ትቕበል ከም ዝነበረት፡ እታ ካብ ሰልፎም ዝተነጸለት "ኣ'ራቢጣ-ኣልእስላሚያ - ምዕራባዊ-ቖላ እትበሃል፡ ካብ እንግሊዝ፡ እታ ንሶምን ብጾቶምን ዝመስረቱዋ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ብኣንድነታዊ ኣጀንዳ ተዋሒጣ ብእንግሊዝ ይሕገዛ ከም ዝነበራ ይገልጹ። ስለዚ፡ እንግሊዝ ሰላሕ ኣብ ምብትታንን ምድኻምን ናጽነት ዝደልያ ዝነበራ ሰልፍታት ብሕቡእ ኢድ የእትዉ ከም ዝነበሩ ይሕብሩ።

"ንዓና እትሕግዝ ወይ እተተባብዕ ሃገር ኣይነበረትን። ህዝብና'ዩ ዓንዲ ሕቘና ነይሩ። ካብ ህዝቢ ኣግማል፡ ከብቲ፡ ኣጣል፡ ኣባጊዕ፡ ቆርበት፡ ገንዘብ ንቕበል ኔርና። ኣብ በዓል ኣስመራን ከረንን ከሰላን ሸይጥና ድማ ንጥቀመሉ ነይርና ... እሱ'የ ነይሩ ምንጭና" ድማ ይብሉ።

ዝዓበየ ህያብ ንኤርትራ ...

ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን እቲ ንኤርትራ ዜበርከትዎ ዝዓበየ ህያብ፤ ንኤርትራ ካብ ምምቕቓል ከድሕንዋ ምኽኣሎም'ዩ።

ብድሕሪ እቲ ተልእኾ ናይቲ ናብ ኤርትራ ዝተላእከ ልኡኽ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ምስ ፈሸለ፡ እቲ ብልኡኽ 'ኣርባዕተ-ሓያላን' ዝፍለጥ ማለት'ዩ፡ ዕጫ ኤርትራ በቲ ዉድብ ክውሰን ተገብረ። ሽዑ'ዩ እቲ ብ በቪን-ስፎርዛ ዝፍለጥ ሓሳብ ዝቐረበ።

እማመ በቪን-ስፎርዛ ብእንግሊዝን ጣልያንን'ዩ ብ 1949 ናብ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ቐረበ፣ ድሕሪ ነዊሕ ክትዕ ኸኣ እቲ እማመ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ዳርጋ ክውን ኮይኑ ነበረ። ዉጥን ናይ'ቲ ዉዕል ንኤርትራ ኣብ ክልተ ብምምቃል ምድረ-ከበሳ ንኢትዮጵያ ክወሃብ፡ ምዕራባዊ ምድረ-መታሕት ድማ ንሱዳን።

ኣንጻር'ዚ እማመ ተጊሆም ዝሰርሑ እምበኣር ሸኽ ኢብራሂም'ዮም፣ እቶም ካልኦት ዘልሓጥሓጥ ኢሎም ነይሮም'ዮም። ድሕሪ ሓያል ውረድ-ደይብ ኤርትራ ኣብ ክልተ ካብ ምምቃል ደሓነት። ኣቦይ ወልደኣብ ንሸኽ ኢብራሂም በቲ ሽዑ ዜካየድዎ ንጥፈታት ብምምስጋን "ኢብራሂም ንኤርትራ ካብ ምምቃል ኣድሒኑዋ" ክብሉ በቲ ኣብ 1982 ኣብ ሮማ ዝገበሩዎ ቃለ-መጠይቕ መስከሩሎም።

እቲ ኣብ ክልተ ዘይምምቃል ግን ንኤርትራ ካብ ቀጻሊ ዕግርግር ኬድሕና ኣይከኣለን። ኣንድነታውያን መሊሶም ገርገሩ፣ ነገር ከኣ ተዃተኹ። ብየካቲቲ 1950 ኣስላምን ክርስትያንን ኣብ ኣስመራ ተዋድኡ፡ 50 ሰባት ከኣ ሞቱ። ሸኽ ኢብራሂም በዚ ጕህዮም ምስ ወልደኣብ ወልደማርያም ኰይኖም ገዛ-ገዛ እናኸዱ ንህዝቢ ክዓርቁ ፈተኑ። ዝዀነ ዀይኑ ኵነታት እናኸፍአ ብምኻዱ፡ ደለይቲ ናጽነት ብኢትዮጵያ ብዝዓጠቑ ሸፋቱ ይህድኑ ነበሩ።

ኣብቲ ዓመት'ቲ ከም በዓል ሸኽ ኢብራሂም ዘይተሓወስዎ ጕዳይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት በቲ ኣሜሪካ ዜቕረበቶ እማመ መሰረት ፌደራላዊ ስምምዕ ምስ ኢትዮጵያ ንክትግበር ዉሳኔ ኣሕለፉ። ካብኡ ንንየው ጕዳይ ኤርትራ ካብ ኢድ ደለይቲ ናጽነት ወጽአ፣ ሰልፊ ኣንድነት ከኣ መሲሉዎም ዓንደሩ።

ፈደረሽን እናተባሕጐጐ ከደ፣ ፓርላማ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣንድነታውያን ኣተወ። ሽዑ ሸኽ ኢብራሂም ዋላ'ኳ ኣብቲ ፈለማይ ምርጭ (1952) ተዓዊቶም ኣብ ፓርላማ እንተ ኣተዉ፡ ነቲ ብሕጐጓ ውዕላት ፈደረሽን ግን ደው ከብልዎ ኣይከኣሉን። ሰላሕታዊ ኤምበራጦርያዊ ሽ'ነና ኸኣ እናተጋህደ ኸደ። ኣብቲ ካልኣይ ምርጫ (1956) ኸኣ ኣይተመርጹን። ጕዳይ ኤርትራ ሰለሎ እናኣተዎ ብምኻዱ እቶም ተቓለስቲ ብጥልመት እናተጠቕዑ ኸዱ፣ መቃለሲ ባይታኦም ከኣ ቀስ እናበለ ስለ ዝተወስዶም ሓደ-ብሓደ ክጠፍኡ ጀመሩ። ኰይኑ ድማ ሸኽ ኢብራሂም ብ 1959 ሃገሮም ንድሕሪት ገዲፎም ንስደት ኣምርሑ።

ኣብ ስደት እቲ ዝነበሮም ዝና እናሃሰሰ'ኳ እንተኸደ ኤርትራ ብኢትዮጵያ ንከይትወሓጥ በብዓይነቱ ጥርዓናት ብምቕራብ፡ ነቶም ሓደስቲ ተቓልስቲ ምኽሪ ካብ ምልጋስ ዓዲ ኣይወዓሉን። እንተዀነ ግን ኤርትራ ብዓመጽ ኣብ ኢድ ኢትዮጵያ ኣተወት፣ ኤርትራውያን ከኣ ነቲ ዓመጽ ብብረት ክሰሃልዎ ተበገሱ።

ብርግጽ፡ እዞም ዓቢ መራሒ፡ ልክዕ ከም ኣቦይ ወልደኣብ፡ በቶም ናእሽቱ ተቓለስቲ ተዋሲኖም'ዮም። በዓል ኢድሪስ መሓመድ ኣደም ኰነ ሳልሕ ሳበ፡ እቶም ናይ ስሳታትን ሰብዓታትን መራሕቲ ብረታዊ ቃልሲ፡ ንግርማ ሸኽ ኢብራሂም ኣዳኸሙዎ። ዝተረፈ ዕድሚኦም ከኣ ኣብ ስደት ኰይኖም ንናጽነት እናማዕደዉ ኣሕለፍዎ።

ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ብ 1987 ኣብ ሃገረ ግብጺ ዓረፉ፣ ሬሳኦም ድማ ኣብ ከሰላ (ሱዳን) ተቐብረ። እዚ ዅሉ ጻዕሪ፡ መስጐጕቲ፡ ስደት፡ ከልበትብት ሓደ ወዶም ኣብ ግብጺ ኣሎዎም፣ እቶም ዝተረፉ ግን ኵሎም ሞይቶም እዮም።