ቢንያም፡ ''ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ሰላም ተነፊግዎ እዩ''

ቢንያም ተስፋጋብር

ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ዝዓበዩሉ ናብ ካልእ ዘይፈልጥዎ ቦታ ክሰደዱ ንቡር ኮይኑ ኣሎ።

ሓያሎ ካብቶም ዝተሰዱ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ብዘጓንፎም ግፍዒ፣ ኣብ ዝዓለቡዎ ቦታ ብዘጋጥሞም ማሕበራውን ባህላውን ብደሆታት፣ ሻቕሎትን ጭንቀትን፡ ኣእምሮኣዊ ነውጺ ስለ ዘስዕበሎም ግዳይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ኮይኖም ኣብ ጸገም ዝወደቑ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ስደት፡ ናይ ግድን ምስ ሓድሽ ጂኦግራፍን ከባብን፡ ባህሊን ኣነባብራን፡ ኩነታት ኣየርን ኣመጋግባን ክትላለን ክትወሃሃድን የገድድ። ካብ ዝዓበኻሉን እትፈልጦን ሕብረተ-ሰብ ምስተፈለኻ ጽምዋ ክስመዓካን ዘዕበየካን ዘታተየካን ባህልን ኣነባበርራን ክትናፍቕ ባህሪያዊ እዩ።

ቢንያም፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ብዙሕ ሽግርን መከራን ዝረኣዩን ብፈተና ዝሓለፉን ዓሰርተታት ኣሻሓት ኤርትራውያን ኮይኑ፡ በቲ ዝተጓነፎ ሽግራት ከይደነነ ኣብ ጉዕዞኡ ንዘጋጠሞ ተጻብኦ ተጻዊሩ ርእሱ ኣቕኒዑ ህይወቱ ከመሓይሽ ዝጸዓረን ዝሰለጦን ህርኩት መንእሰይ'ዩ።

ኣብ ዓዲ-ቐይሕ ዞባ ደቡብ ተወሊዱ፣ ዓብዩን ተማሂሩን። ኣብ ድሮ ናጽነት 1989 ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ንኪጋደል ናብ ሜዳ ከይዱ። እንተኾነ ብዕድመ ንእሽቶ ስለ ዝነበረ ህዝባዊ ግንባር ኣይተቐበሉዎን - ንገዝኡ ክምለስ መኺሮምዎ። ሎሚ'ዶ ጽባሕ ይቕበሉኒ ክብል ጸኒሑ ምስ ቀበጸ ኣብ ፈለማ 90ታት ድማ ናብ ሱዳን ኣምሪሑ።

ኣብ ሱዳን ክሕግዞ ዝኽእል ሰብ ስለ ዘይነበረ ድማ፡ ኣብ ፖርት ሱዳን ከም ፖምፒስታ ኮይኑ ክሰርሕ ጀሚሩ። ብኡ ኣቢሉ ናይ መካኒክ ትምህርቲ ቀሲሙ፤ ኣብ መወዳእታ 1994 ብሞይኡ ንኽሰርሕ ናብ ካርቱም ከይዱ።

ኣብ 2003 ከኣ ናብራ ካርቱም ከምቲ ዝሓሰቦ ስለ ዘይጠዓሞ ብሳሃራ ኣቢሉ ንሊብያ ኣትዩ።

"ኣብቲ እዋን፡ ኣብ መገዲ ሊብያ ደሓን እዩ ነይሩ። ከምዚ ሕጂ ብዙሕ ሰብ ይጠፍእን ይሳቐን ኣይነበረን" ዝበለ ቢንያም፡ ብዘይካ ማዕበል ባሕርን ናይ ሒደት ኣዋርሕ ምክልባትን፡ ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጹ ናብ ዓዲ ጥልያን ኣትዩ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኒ ዕድሎም ዘየጸበቐሎም ዝፈልጦም ብጾቱ ኣብ ባሕሪ ከም ዝጠሓሉ ይዝክር።

"ሓያሎ ምሳይ ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም። ኣብ ጉዕዞ ኣብ ዝተፈላለያ መራክብ ስለ ዝተሰቐልና ናይ ዕድል ነገር ኮይኑ ንሕና ብደሓን ኣቲና፤ እቶም ኣብ ካልእ መርከብ ዝነበሩ ብጾትና ግን ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ጥሒሎም" ብምባል ነቲ ሕማቕ እዋን ብሓዘን ይዝክሮ።

ቤት-ብልዒ ዙላ

ብድሆታት ስደት

ቢንያም፡ ኣብ 2009 ኢዩ ንሚላኖ ኣትዩ። ካብ ሸዓ ጀሚሩ ድማ ኣብዛ ከተማ ሓዳሩ ገይሩ ናብሩ ይመርሕ ኣሎ። ኣብ ከተማ ሚላኖ ወናኒ ባር ኤርትራን፡ ቤት-ብልዒ ዙላን እዩ።

እዚ ቤት-ብልዕን ቤት-መስተን ብመንፈዓት በዓልቲ ቤቱ ክምስርቶ ከም ዝኸኣለ ይዛረብ። ብዓልቲ ቤቱ ተመኩሮ ኣከሻሻን ኣብ ምቕባል ኣጋይሽን ብዙሕ ክእለት ስለዘለዋ፡ ነቲ ዝጀመርዎ ትካላት ሓቢሮም ብፍቕርን ውህደትን ከም ዝመርሕዎ ይገልጽ።

ኣብ ሚላኖ፡ መግቢ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ተፈታዊ ብምዃኑ ጸዓዱን በጻሕቲ ሃገርን እውን ስለዝለመዱዎ ዓቕሚ ነብሶም ከም ዝሰርሑ ዝገልጽ ቢንያም ብፍላይ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ንኽራኸቡን ክዘናግዑን ከም ዝመጽኡዎም ይገልጽ።

ኣብ 2005 ንጥልያን ምስ ኣተወ ግን፡ ካብ ሊብያ ሰባት ተምጽእ ኣለኻ ተባሂሉ ምስ ካልኦት ብጾቱ ተኸሲሱ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ጥልያን ንኽልተ ወርሒ ተኣሲሩ።

ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ክከታተል ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ኣብ ሻብዓይ ወርሒ ብቤት-ፍርዲ ነጻ ተባሂሉ። ካልኦት ምስኡ ዝተኸሱ እውን ገሊኦም ናጻ ተባሂሎም ገሊኦም ከኣ ፍርዶም ወዲኦም ከም ዝወጽኡ ይሕብር።

ክልተ ካብቶም ካብቶም ምስኡ ዝተኣስሩ ሰባት ግን ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከም ዝኣተዉ ደሃዮም ከም ዘይፍለጥን ብኦኦም ብዙሕ ከም ዝሳቐን ይዛረብ።

"ሓደ ዓርከይ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ተሪፉ። ድሓር ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ሞይቱ ኢሎምና። መርሃዊ ዝብሃል ቆልዓ'ውን፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ተሪፉ፡ ንሱ'ዉን ተሓኒቑ ነፍሱ ቀቲሉ ኢሎምና። ሓደሽቲ ስለ ዝነበርና እቲ ቋንቋ ይኹን ካልእ ኣፍልጦ ብዙሕ ኣይነበረናን። ንሕና ጠበቓ ጌርና፡ ብዙሕ ጽዒርና፤ ኣይሰለጠናን። ሕጂ እዚ ክስምዓኒ ከሎ፡ የሳቕየኒ ማለት እዩ። …ከቢድ እዩ''

ሽግር ቢንያም በዚ ኣይተወደኣን። ሓው ኣብ ሲና ተታሒዙ ነይሩ። እቲ ናቱ ምትሓዝ ድማ ንብምልኡ ስድራ ኣብ ዝኸበደ ሽግርን ስቃይን ኣውሪድዎም። እቶም ሰምሰርቲ ንስድራ ብተሌፎናት እንዳጨነቑ ስለ ዝርብሹ ብዙሕ ጉሂና ይብል።

"እቲ ሽግር ዝተሞኮረ ጥራሕ'ዩ ዝፈልጦ። ብዙሓት አሕዋትና ምንም ዘይብሎም፡ ሰሚዖሞ ዘይፈልጡ ኣሻሓት ዶላራት ክፈሉ ተባሂሎም ኣብ ክንደይ ሽግር ዝወደቑ ኣለው። ሓወይ እውን ብተመሳሳሊ ጸገም ክንደይ ማህረምትን ግፍዕን ወሪዱዎ እዩ" ብምባል ስቓዩ እናሰምዐ ክድቅስ ስለ ዘይከኣለ ተለቂሑን ተመርቂሑን 33 ሽሕ ደላር ከፊሉ ካብ ሸፋቱ ሲናይ ከም ዘናገፎ ይዛረብ።

ግን ከኣ ብዙሓት ኤርትራውያን ጸግዕን ሰብን ስኢኖም "ክፈሉ፡ ሓውሉ" እናተባህሉ፡ ብነዳዲ ፕላስቲክ ብሓዊ ዝተለብለቡ ከም ዘለዉ ብምዝካር ከቢድ ቃንዛ ይስመዖ።

"ናይ ህይወትን ስንካለን ክሳራ እምበር ናይ ገንዘብ ክሳራ ይትካእ እዩ" ዝብል ቢንያም ዋላ እውን እቲ ዝኸፈሎ ገንዘብ ብዙሕ እንተኾነ ኣምላኽ ጥዕና ሂቡዎ ክሰርሕ ክሳብ ዝኸኣለ ምንም ከም ዘይተሰመዖ ይነግር። ምኽንያቱ፡ ለይትን ቀትርን ብቓንዛ ኣሕዋትካ ዝተሰነየ ናይ ርድኡና ደወል ክድወለካ ኣየደቅስን እዩ።

ሽዑኡ፡ ገዛኻ ዲኻ ክትሸይጥ፡ ነፍስኻ ዲኻ ክትሸጥ፡ ኣብቲ ሰዓት ትገብሮ እውን ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ጂሆ ተታሒዙ ዝጸንሐ ሰብ ካብ ኢድ ነጋዶ ሰባት ወጺኡ ኣብ ውሑስ ቦታ በጺሕ ኣለኹ ምስ በለካ ዝስመዓካ ሩፍታ ንዘልኣለም ኣይርሳዕን እዩ ብምባል በቶም ተመሳሳሊ ናይ ድሕነት ዕድል ዘይረኸቡ ስድራን በቲ ንኤርትራዊ መንእሰይ ዘጋጥሞ ሓፈሻዊ ናይ ስደት ሃለዋትን ኣዝዩ ይጭነቕ።

ከባቢ ፖርታ ቨነስያ

ኣብ 2014 ዞማይ ንበዓልቲ ቤተይ ንእሽቶ ሓዋ፡ ከም ብዙሓት ደሃይ ዘጥፍኡ ኤርትራውያን ጠፊኡ፤ ክሳብ ሕጂ ደሃዩ የብልናን።

እቲ ዝኸፍአ ዝረኣየን ዘይረኣየን፡ ዝፈልጥን ዘይፈልጥን ንስድራ-ቤት እንታይ ዓይነት ቃንዛን ስቅያትን ይስመዖም ዘይርድኦም ሕልና ዘይብሎም ሰባት ደዊሎም፡ ገሊኦም ኣብ ቱኒዝያ ተራእዮም፡ ገሊኦም ኣብ ኣብ የመን ተራእዮም ይብሉዋ'ሞ ደሃይ ሓዋ ክትሰምዕ ብጭንቀት ትሳቐ።

ዋላ እውን መርድኡ ዝነግሩ፡ ርኢናን ቀቢርናን ዝብሉ፡ ዝነበረን ዝተገብረን ዝፈልጡ ሰብ ሕልና፡ እቲ ዝኾነ እንተዝነግሩና ምቐበጽናን ምቐሰንናን። ዝቐበጸን ዝነቐጸን ሓደ ስለዝኾነ፡ ንብዓትና ወዲእና ምዓረፍና።

ሰብካ ሞይቱ እዩ ኢሎም ሬስኡ እንተረኪቦሙኻ፡ ወይ ዝቐበሩዎ፡ እንተርዲኦሙኻ ቅባጸት እዩ - ቅባጸት ከኣ ዕረፍቲ እዩ። ካብኡ ተረፈ፡ በዚኣ ተራእዮም፡ ኣብዚኣ በጺሖም፡ ኣብ ሶማል ተኣሲሮም ኣለው እናበልካ ብዘይተጨበጠ ወረ ቁስሊ ሰባት ምጉዳእ ብሕግን ብሕልናን ነውሪ እዩ - ጽያፍ እዩ ብምባል ነቶም ዘየሎ ተስፋ ዘናፍሱ ሰባት ክእደቡ ይመክር።

ነቲ ኩሉ ስቓይ ክሰግር ብገንዘብን ሞራልን ዘተባብዑዎን ዝደገፉዎን ኩሎም "ሳለኦም ኢና ነቲ ጸገም ወጺእናዮ" ብምባል ንኹሎም ሰባት የመስግን።

እቲ ካብ ኣፍ ሞት ዝወጽአ፡ ካብ ነጋዶ ሰባት ዓሰርተታት ኣሻሓት ዶላር ተኸፊሉዎ ዝወጽአ ሓው ኣብ ሃገረ ኖርወይ ህይወቱ ይመርሕ ኣሎ።

መግለጺ ቪድዮ, "ሰባት ዝስደዱ እኹሉ ሓበሬታ ስለዘይብሎም'ዩ"

ፖርታ ቨነስያ

ኣብ ከተማ ሚላኖ ከባቢ ፖርታ ቨነስያ ትካላት ዝውንኑ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣለው። መራኸቢ ቦታኦም ከኣ እዩ። ኩሎም ባሕሪ ዝሰገሩ ስደተኛታት ኣሕዋትና ኣለው ብምባል ንፖርታ ቨነስያ እዮም ዝመጽኡ።

ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ኣብ ሚላኖ ኣዝዩ ዝድነቕን ዝምስገን ዝበለ ቢንያም፡ ኤርትራዊ ጥዑም፡ ተሓጋጋዛይ፡ ደላይ ሰብ፡ ደላይ ህዝቡ እዩ። ብዘይካ ገለ ውሑዳት ንሰብ ዘታልሉ ግቡዛት እንተዘይኮይኑ፡ ኤርትራዊ ዘይናቱ ዘይደሊ ህርኩትን ጻዕረኛን እዩ ይብል።

"እንድሕሪ ጽቡቕ ጌርካ ጽቡቕ እዩ ዝጸንሓካ። እቲ ባህልና ከኣ ጽቡቕ ስለ ዝኾነ፡ ሰብ እንዳተሓጋገዘ፡ ነቲ ሽግር ክሰግሮን ኣብ ዝብጻሕ ክብጽሕን ክኢሉ። ክሳብ ሕጂ'ውን ዘርጠብጠብ እንዳበሉ ዝመጽኡ ኣሎዉ። ይጽግሞም፡ ይጽልምቶም፡ ግን ንተሓጋገዝ ከኣ ኢና" ይብል።

ኣብ ቤት-ብልዒ ዙላ ዘሎ ስእሊ ኣብራሃም ኣፈወርቂ

ጠንቒ ስደት

"ሓደ ሰብ እንድሕሪ ጓሳ ዘይብሉ ኮይኑ፡ ተማሂሩ ኣብ ዝብጻሕ እንተዘይበጺሑ፡ ትምህርቱ ወዲኡ በቲ ሞይኡ ስራሕ እንተዘይረኺቡ ክስደድ ግድን ኢዩ። ሓደ ሰብ ወዲ 18 ዓመት ኮይኑ፡ ኣብ ውትህድርና ዝበሊ እንተኾይኑ፡ መነባብሮ ስድራቤቱ ከመሓይሽ ዘይክእ እንተኾይኑስ ክስደት ይግደድ" ይብል ቢንያም።

ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ እቲ ዘሎ ስርዓት ንኽትመሃርን፡ ክትሰርሕን ባይታ እንተፈጢሩልካ፡ ስለምንታይ ትስደድ? ሰብሲ ነቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ጽቡቕ ባይታ ናይ ስራሕን ትምህርትን ገዲፉ ክስደድ ኣይትጽብዮን ኢኻ" ብማለት ከኣ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ኮይኑ ዘሎ፡ እቲ መንእሰይ ንኸሰርሕ ባይታ ሰለ ዘይረኸበ እዩ መስለኒ፡ ባይታ ሰለዝሰኣነ ከኣ እዩ ብሳሃራ ኣቢሉ፡ ንማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቑ ንኤውሮጳ ክኣቱ ዝደሊ" ይብል።

ንህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ሰላም ተነፊግዎ እዩ። ሰላም ዘይደሊ ኤርትራዊ የሎን። ዶብ ተሓንጺጹ፡ ቅዋም ተተግቢሩ፡ ኣብ ፈቐዶ ቦታ ተበቲኑ ኣላዩ ዘይብሉ ኤርትራዊ ንዓዱ ክምለስ ከኣ ተስፋ ይገብር ይብል።

ብክብደትን ምረትን ናብራ ስደት እናስተንተነ። ስለዚ፡ ኣብ ዓድና ለውጢ እንተመጺኡስ፡ ናብ ዓደይ ተመሊሰ ክሰርሕን ብዓቕመይ ዓደይ ከማዕብልን እዩ ድልየተይ" ከኣ ይብል።

መግለጺ ቪድዮ, ስደት በክራሩ እናዜመ ይሓልፎ'ሎ