ኢትዮጵያ-ስደት፡ ልዕሊ 400 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ የመን ክኣተዉ እዮም

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, IOM Ethiopia

ትማሊ ምሸት 102 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብታ ብኲናት ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ የመን ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም።

እዞም ስደተኛታት ብሓገዝ ትካል ስደተኛታት ዓለም (ኣይኦኤም) እዮም ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ክኢሎም።

ትካል ስደተኛታት ዓለም፡ ኣብዚ ሰሙን 400 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ብነፈርቲ ካብ የመን ናብ ኢትዮጵያ ከውፅእ መደብ ሒዙ'ሎ።

ሎሚ መዓልቲ፡ ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ኢትዮጵያውያን፡ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ ኣብ ዝሸባሸብሉ እዋን፡ ቢቢሲ ንገሊኦም ብስልኪ ኣዘራሪቡ።

ናይ መቓብር ናብራ !

ሃይሉ በርሀ ካብ ትግራይ ከባቢ ራያ ነይሩ ስራሕ ክረክብ ተስፋ ብምግባር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ የመን ዝተሰደደ።

ካብ ባሕሪ ምስ ወፅአ ግን፡ ኣብቲ ከባቢ ኩናት ይካየድ ስለዝነበረ፡ ብጥይት እግሩ ከምዝተወቕዐ ይዛረብ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ብድሕሪኡ ኣብ ከተማ ሰንዓ ሕክምና ክከታተል ፀኒሑ። ኣብ የመን ንዝነበሮ ጻንሒት ድማ "ናይ መቓብር ናብራ" ክብል ይገልጾ።

ሃይሉ መሬት ዓዱ ክረግፅ ጥራሕ ተሃንጥዩ ከምዘሎ ናብ ነፋሪት ቅድሚ ምእታዉ ሓቢሩልና። ናብ ዓዲ ምስተመለሰ እንታይ ከምዝሰርሕ ግን ሕዚ'ውን ፀልሚትዎ እዩ ዘሎ።

ነታ ሃይሉ ዝረኸባ ዕድል ንምርካብ ተሃንጥዮም ዝፅበዩ ስደተኛታት እውን ግን ውሕዳት ኣይኮኑን።

ስምረት መሓሪ ሓንቲ ካብኦም እያ። ኣብ ሰንዓ፡ ትካል ስደተኛታት ዓለም ኣብ ዘዳለዎ መዕቆቢ ኮይና፡ ናብ ኢትዯጵያ እትምለሰሉ መዓልቲ ትቖፅር ኣላ።

ኣለሻ እንጀራ ንስዑዲ ዓረብ ክትሰግር፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ካብ ዓዲ ምስ ምሉእ አካላታ ዝወጸት ስምረት፡ ኣካላ ኣጉዲላ እያ ትምለስ ዘላ።

"ናብ ስዑድያ እንትሰግር እየ ኣብ ሑዱድ ተወቒዐ፤ እግረይ ተቖሪፀ" ትብል። ሕዚ ሰብ-ሰርሖ እግሪ ክሳብ ዝግጠመላ ትፅበይ ኣላ።

ስምረት በይና ኣይኮነትን እዚ ፀገም ኣጋጢሙዋ። ኣብቲ ዘላትሉ መዕቆቢ ምስኣ ብዛዕባ ዘለዉ ሰባት ክትገልጽ እንከላ "ሓንቲ ኣካላ ለሚሱ'ሎ። ቁሩብ ሕዚ'ኳ ሓደ እግራ ወስ ክብል ጀሚሩ'ሎ። ካልእቲ እውን እግራ ዝተወቕዐት ኣላ" ትብል።

ኣብ 2015፡ ኩናት የመን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንየመናውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ንብዙሓት ስደተኛታት እውን ምኽንያት ሞትን ኣካላዊ መጉዳእትን ኮይኑ እዩ።