ሓድሽ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ብዛዕባ ወጥሪ ኢትዮ-ኤርትራ እንታይ ይብል?

ሓድሽ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ብዛዕባ ወጥሪ ኢትዮ-ኤርትራ እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወጽአ ሓድሽ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ኣብ እተካይዶ ሽርክነት፡ ተኽእሎ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ንምዅላፍ ከም እትሰርሕ ገሊጹ።

እቲ 33 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ፡ "ቀዳምነት ኣመሪካ" ንዝብል መትከል ትራምፕ ዘራጕድ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ድሌታ እንታይ ክኸውን ኣለዎ፣ ድሌታ ንምርካብ እንታይ መንገድታት ኣለዉ፣ ከምኡ'ውን ውጽኢታትን መስርሓትን ብኸመይ ምስ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ግብራዊ ምትእስሳር ይህልዎም ንዝብል ሓባራዊ ርድኢት ንምፍጣር ዝወጽአ እዩ።

ኣብዚ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ካብቶም ቅድመኡ ዝነበሩ ስርዓታት ዝኽተሉዎ ዝነበሩ ብዝተፈልየ ሓድሽ ኣሰላልፋታት ዘንጸባረቐ ሰነድ፡ ርክብ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ኣብ ረድኤት ዝተመርኰሰ ከም ዝጸንሐ ብምንቃፍ፡ ናብ ርክብ ንግዲን ወፍሪን ከም ዝቕየር የብርህ።

ኣመሪካ፡ ነቲ ምስ ኣፍሪቃ ክትገብሮ እትደሊ ሽርክና ርግኣት ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ኣብታ ኣህጉር ንዘሎ ኲናትን ተኽእሎ ግጭታትን ንምእላይ ከም እትሰርሕ ይገልጽ።

ከም ኣብነት፤ ኣብ ሱዳን ዘሎ ውግእ ሓድሕድ፡ ኣብ መንጎ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ሩዋንዳን ንዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ዘተ ከም ዝካየድ ይሕብር።

ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመን ፕረዚደንት ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ፌሊክስ ቲሺሴኬዲን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 4 ታሕሳስ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ውዕል ሰላም ከም ዝኸተሙ ይፍለጥ።

ትራምፕ ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ "ንዓለምን ኣፍሪቃን ዓቢይ መዓልቲ እዩ። ክልተአን ሃጋራት ክኽበሩ ዝግብኦም ብዙሕ ነገራት ኣለወን፡" ድሕሪ ምባሉ፡ ኣመሪካ ምስ ክልተአን ሃገራት ወሰንቲ ዝዀኑ ማዕድናት ክትጥቀም ዘኽእላ፡ "ሓደስቲ ማዕጾታት ዝኸፍት ዕድላት፡" ዝተባህለሉ ስምምዓት ከም ዝፈረመት ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ምስ መሻርኽታ ሃገራት 'ኳድ' ብምዃን ኲናት ሱዳን ንምፍታሕ ተበግሶታት ከም ዝወሰደት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ መፋርቕ ናይዚ ወርሒ ናብ ዋሽንግተን ዑደት ዘካየደ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ግጭት ሱዳን ኢዱ ከእቱ ብዝሓተቶ መሰረት፡ ትራምፕ፡ "ኣብ ጉዳይ ሱዳን ክንሰርሕ ኢና፡" ኢሉ ነይሩ።

ሓድሽ ሰነድ ስትራተጂ ድሕነት ኣመሪካ ቀጺሉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን (ከምኡ'ውን ሶማልያ) ክውላዕ ንዝኽእል ኲናት ንምእላይ ከም ዝሰርሕ ገሊጹ ኣሎ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ማሳድ ብሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ከምኡ'ውን ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ካይሮ ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ሃዋሁ 'ኣይኲናት ኣይሰላም' ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝቐጸለ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ንውዕል ኣልጀርስ ከም ዘተግብሮ ብቐጥታ ድሕሪ ምግላጹ፡ ዝምድና ክልተአን ሃገራት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለስ ተራእዩ ነይሩ።

ኣብ 2020 ኣብ ኲናት ትግራይ ብሓባር ዝወፈሩ ኰይኖም፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ ዝምድናኦም ክሕርፍፍ ተራእዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ካብ ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዞም፡ ብዛዕባ ተጠቃምነት ባሕሪ ሕቶ ካብ ዘልዕሉ ክሕሽክር ንዝጸንሐ ዝምድና እዘን ክልተ ሃገራት ንቓልዕ ክወጽእ ገይሩዎ።

ክልተኦም መንግስታት ዘካይዱዎ ዘለዉ ናይ ቃላት ምምልላስ ናብ ኲናት ተሰጋጊሩ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ሓድሽ ግጭት ከይለዓል ድማ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

እዚ ሰነድ፡ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ለውጢ ከም ዝገበረ ዘርኢ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ፡ "ኣብ ምሃብን ሊበራላዊ ስነሓሳብ ኣብ ምዝርጋሕን፡" የተኵር ከም ዝነበረ ይገልጽ።

ኣመሪካ ኣብ ክንድኡ ምስ 'ዝተመርጻ ሃገራት' ብምሽራኽ ግጭታት ብምእላይ፡ ንኣመሪካን ኣፍሪቃን ዝጠቅም ንግዳዊ ዝምድናታት ንምዕባይ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ልዑል ተፈጥራዊ ሃብትን ዕቝር ቍጠባዊ ተኽእሎን ኣፍሪቃ ናብ ወፍርን ዕብየትን ክቕየር ዘለዎ ድሌት ይገልጽ።

እቲ 'ዝተመርጻ ሃገራት' ዝብል ሓሳብ ምስቲ ምምሕዳር ጆርጅ ቡሽ "መልሕቕ ሃገራት" ዝብሎ ዝመሳሰል ኰይኑ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንመን ሃገራት እዩ ክመርጽ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን 'መልሕቕ ሃገራት' ዝበሃላ ዝነበራ ሃገራት ኰይና፡ ኤርትራ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ንፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መወዳእታ ሓምለ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ብፍላይ ድማ ምስቲ ዳግማይ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ዶናልድ ትራምፕ፡ "ሓድሽ ጽምዶ" ንምፍጣር መደብ ከም ዘለዋ ገሊጹ ነይሩ።

ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ እትገብሮ ቍጠባዊ ሽርክነት፡ ምስቲ ምምሕዳር ባራክ ኦባማ ቀረብ ጸዓት ንምስፋሕ ናብ ኣፍሪቃ ዝገበሮ ጠመተ ዝርሓቐ ከም ዘይኰነ ተንተንቲ ይገልጹ። ነቲ ብ 'ኣግዋ' ዝፍለጥ ምህርትታት ኣፍሪቃ ብዘይቀረጽ ናብ ዕዳጋ ኣመሪካ ዝኣትወሉ ስምምዕ ከመሓይሾን ከዕብዮን መደብ ከም ዘሎ ይገልጹ።

ተጠቃሚት ናይዚ ውዕል ዝነበረት ኢትዮጵያ ንዂናት ትግራይ ስዒቡ ምህርታ ናብ ኣመሪካ ካብ ምስዳድ ተኣጊዳን ኣብ ኢንዳስትሪታታ ጽልዋ ከም ዝገበረን ይንገር።

እዚ ሰነድ ብተወሳኺ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ "ኲናት ግብጽን ኢትዮጵያን" ደው ከም ዘበለ ይገልጽ። እዚ መግለጺ'ዚ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣዘራራቢ ኰይኑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።