'ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካልእ ዝርርብ ዝበሃል የለን' - ግብጺ

ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ምስ ኢትዮጵያ "ካልእ ዝርርብ" ከምዘይህሉ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ምኒስተር ምስ ቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ን13 ዓመታት ዝጸንሐ ዝርርብ "ዝዀነ ፍታሕ ከምጽእ ኣይከኣለን" ኢሉ።
ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ዝምረቕ ኣትሒዙ ዝምድና ኢትዮጵያን ግብጺን "ዝያዳ ወጥሪ" ይዓስሎ ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ምኒስተር፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ'ዚ "ሻቕሎት" ክስምዖ ከምዘለዎ'ውን ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ዝሓለፉ 13 ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ዝዀነ ፍረ ስለዘየፍረየ ድማ፡ ግብጺ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ "ውሕስነት ማያ ከምእተኽብር" ኣመልኪቱ። ስለዝዀነ "ካልእ ዝርርብ" ኣድላዪ ኣይኰነን ኢሉ።
ጉዳይ እቲ ግድብ፡ "ምስ ኢትዮጵያ ምስ ዘለና ክልተኣዊ ርክብ ዝተኣሳሰረ እዩ" ብምባል ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጕምቲ "ብተናጸል" ምዃኑ ጠቒሱ። እቲ ስጕምቲ "ዘይሕጋዊ'ዩ" ክብል ድማ መርገጺ መንግስቲ ግብጺ ኣንጸባሪቑ።
እቲ ግድብ "ምስ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዘይቃዶ" ክብል ዝገለጸ እቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ "ዝዀነ ስግረ-ዶባዊ ሩባ ብመትከላት ዓለምለኻዊ ሕጊ ክምራሕ ከምዘለዎ ዓለምለኻዊ ሕግታት የነጽሩ። እዚ ማለት ጉድኣት ከምዘየስዕብ ምርግጋጽ ኣድላዪ እዩ" ኢሉ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣል ሲሲ ግብጺ ሃገራዊ ረብሓታታን ድሕነት ማያን ንምሕላው "ኵሉ ኣድላዪ ስጕምትታት ክትወስድ እያ" ክብል ምጥንቃቑ ዝዝከር'ዩ።
ኢትዮጵያ ብወገና፡ ግብጺ ንሩባ ኣባይ "ብዘይሕጋውን ዓብላሊ ኣገባብን" ክትቈጻጸሮ ትጽዕር ከምዘላ'ያ ገሊጻ።
ኣልሲሲ፡ ግብጺ ኣብ ዲፕሎማሲን ከም ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ዓለምለኻዊ ትካላትን ምትእምማና ከም ድኽመት ክረአ ከምዘይብሉ ገሊጹ ነይሩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕዳር ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ትኽተሎ ዘላ ኣገባብ "ዘይሓላፍነታዊ" ስለዝዀነ ሃገሩ "ኢዳ ኣጣሚራ" ከምዘይትርኢ ወሲኹ ሓቢሩ።
ምኒስትሪ ማይን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ "ኢትዮጵያ ፈለግ ናይል ናይ ምጥቃም መሰላ ኣሕሊፋ ኣይትህብን" እዩ ኢሉ። "ካብ ጸላእቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ጸቕጢ እንተሓየለ'ውን" ምዕባለ ኢትዮጵያ "ንድሕሪት ኣይምለስን" ክብል ኣብ ምላሹ ኣስሚሩ።
ምኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ኣብ ቃለ መሕትቱ፡ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ "ካብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ወጻኢ ብሓደ ወገን ዝተወሰደ ስጕምቲ እዩ፣ እዚ ዘሕዝን እዩ። ስለዘይተወከሱና ኣይንቕበሎን ኢና" ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ መስከረም፡ ኣብ እዋን ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ "ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከቡ ህይወት ሚልዮናት ኣብ ትሕቲ ሓደጋ ኣእትያቶ" ብምባል፡ ሃገሩ ነቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ክትወስዶ ምዃና ምግላጹ ይዝከር።
ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽበ ተወካሊ ኢትዮጵያ ዮሴፍ ካሳየ፡ "ግብጺ ብዛዕባ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ዘስማዓቶ መደረ መሰረት ዘይብሉን መደናገሪን'ዩ" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ግብጺ "ብዛዕባ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ብተደጋጋሚ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት "ጭብጢ ዘይብሉ ክስታት" ከምዘቕረበት እውን ወሲኹ ገሊጹ።
ግብጺ እውን ድሕሪ ምምራቕ ግድብ ህዳሰ፡ እቲ ግድብ "ብዘይ ኣግባብ ስለዝመሓደር ኣብ ሱዳን ውሕጅ ኣስዒቡ" ኢላ ከሲሳ ነይራ።
ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ዘቕረበቶ ክስታት "ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝዓለመ'ዩ" ብምባል ነቲ ክሲ ነጺጋቶ።
ብኣንጻሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ከበሳታት ኢትዮጵያ ዝዘነበ "ብርቱዕ ዝናብ" እቲ ግድብ እንተዘይነብር ነይሩ "ኣብ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ህይወት ደቂ ሰባትን መሰረተ ልምዓትን ታሪኻዊ ጉድኣት ከብጽሕ ይኽእል ነይሩ" ክብል ምኒስትሪ ማይን ኢነርጂን መጒቱ።
ን13 ዓመታት ዝቐጸለ ዘተ
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ "ኣብ ዝዀነ ስምምዕ ከይበጻሕና ንልዕሊ 13 ዓመታት ክንዘራረብ ጸኒሕና። ንሕና ብቕንዕና ንዛተ ስለ ዝነበርና ዘሕዝን'ዩ" ኢሉ።
"ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ እቲ ካልእ ወገን ግን ነዚ ግዜ ተጠቒሙ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ንምልዋጥ ተጠቒሙሉ።"
"እቲ መስርሕ ዘተ ክቕጽል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ከምዝበጽሐ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብንጹር ገሊጽና ነይርና" ብምባል ቀጻሊ ዝርርብ ከምዘይህሉ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ዝምድና ግብጽን ኢትዮጵያን "ደው ኢሉ'ሎ" ዝበለ እቲ ምኒስተር፡ "እቲ [ግድብ] ጉድኣት ዘስዕበልና እንተዀይኑ፡ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ሃገራዊ ረብሓናን ድሕነት ማይናን ንምሕላው ምሉእ መሰልና ክንጥቀም ኢና" ክብል ሓቢሩ።
ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ'ቲ ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ፈላማይ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳን ግብጽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ግብጺ ብሰንኪ "ሕጽረት ማይ" "ኣብ ሩባ ኣባይ ዘለዋ ልዑል ጽግዕተኛነት ከምዝፈልጥ" ኣመልኪቱ።
"ውሕስነት ማይን ኣኽብሮት ዓለምለኻዊ ሕጊን" ብዝምልከት ንግብጺ ዘለዎ ደገፍ ዝገለጸ ሕብረት ኤውሮጳ፡ እዚ መርገጺ'ዚ "ንግድብ ኢትዮጵያ'ውን ዘጠቓልል'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኤውሮጳ "ምስ ግብጺ ኰይኑ ንመግዛእታውን በይናዊ መሰላትን" እታ ሃገር ኣፍልጦ ሂቡ" ክብል ነቒፉ ነይሩ።
ሕብረት ኤውሮጳን ግብጽን ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ "ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ግጉይ፡ ወገናዊን ትንኰያን ዘለዎ መርገጺ" ዘርኢ እዩ ብምባል ተቓውሞኡ ገሊጹ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ምስ ቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ "ግብጺ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ እታ እንኮ ኣብ ሩባ ጽግዕተኛ ዝዀነት ሃገር ኰይና፡ 98 ሚእታዊት ማያ ካብ ፈለግ ኣባይ እያ ትረክብ" ኢሉ።
"ካልእ ምንጪ ማይ የብልናን" ብምባል ኣብ ዓመት ካብ ሩባ ኣባይ "55.5 ቢልዮን ሜትሮ ኲቢክ ማይ" ከም ዝረኽቡን ግብጺ ግን ኣብ ዓመት "ልዕሊ 80 ቢልዮን ሜትሮ ኲብ" ማይ ከም እትጥቀምን ኣመልኪቱ።
"ስለዚ ኣብ መንጎ ቀረብ ማይናን ጠለብናን ዘሎ ክፍተት ንምምላእ ዳግመ-ምጥቃም ማይ ኢና እንትግብር። ኣብ ዓለምና ማይ ኣርባዕተ ግዜ ዳግመ-ምጥቃም እትገብር እንኮ ሃገር ኢና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ግብጺ ኣብ ቀጻሊ እንታይ ክትገብር ትኽእል?
ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ሩባ ኣባይ፡ ልዕሊ 85 ሚእታዊት ማዩ ካብ ኢትዮጵያ እዩ ዝረክብ።
ዝበዝሕ ማይ እቲ ሩባ እትጥቀም ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ግድብ ብምህናጻ እትረኽቦ መጠን ማይ ኣጕዲላ ክትብል ብተደጋጋሚ ክትከስስ ጸኒሓ እያ። ኢትዮጵያ ብወገና ነዚ ክስታት ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።
እቲ ምኒስተር ግብጺ "ብመንጽር ማይ ትሕቲ ድኽነት ኢና ዘለና። ብመሰረት [መምርሒታት] ሕቡራት ሃገራት፡ መስመር ድኽነት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ 1000 ሜትሮ ኲብ እዩ። ብጽሒት ግብጺ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ 500 ሜትሮ ኲብ እዩ። ብዘይ ማይ ስልጣነ የለን፡ ፒራሚድ የለን፡ ዋላ ሓንቲ የለን" ኢሉ።
እቲ ሚኒስተር፡ ሃገሩ ኣብ ቀጻሊ "ኣብ ዓለምለኻዊ ሕግታትን ስምምዓት ሕቡራት ሃገራትን ዝተመርኮሰ" ስጕምቲ ክትቕጽል ምዃና ኣኣንፊቱ።
ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ንዘተ ድልውቲ ምዃና ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።
እቲ ምኒስተር ግን፡ "ን13 ዓመታት ክንዛረብ ጸኒሕና፡ ኣብ ዝዀነ ስምምዕ ኣይበጻሕናን፡ ኣብ ዝዀነ ምርድዳእ ኣይበጻሕናን፡ ስለዚ እቲ ካልእ ወገን በዚ መወዳእታ ዘይብሉ መንገዲ ክቕጽልን ኣብ ባይታ ነገራት ክቕይርን ኣይንፈቅድን ኢና" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኢትዮጵያ፡ ግብጺን ሱዳንን ኣብ ምሕደራን ምምላእን ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ንዓመታት ክዘራረባ ጸኒሐን እየን። ይዅን እምበር ኵለን ሃገራት ኣብ ዝቕበልኦ ስምምዕ ከይተበጽሐ ህንጸት እቲ ግድብ ተዛዚሙ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ።
ግብጺ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጉዳይ እቲ ዝዓበየ ግድብ ኣፍሪቃ ናብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሊግ ዓረብን ምውሳድ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክትገብር ፈቲና'ያ።
"መስርሕ ሰላም መፍትሕ ሰላምን ድሕነትን ዓለም ስለዝዀነ እዚ ጉዳይ ንሰላምን ድሕንነትን ዓለም ብንጹር ስግኣት ስለዝዀነ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክንውሰዶ ኢና" ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣብ ለካቲት 2020 ብሽምግልና ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ባንኪ ዓለምን ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ከምዝነበረን፤ ዋላ'ኳ ግብጺ ተሰማሚዓ እንተነበረት ኢትዮጵያ ግን ምፍራም ከምዝኣበየት ኣመልኪቱ።
"[እቲ ስምምዕ] ንዓና ዝምችእ ኣይነበረን። ንሱዳንን ኢትዮጵያን ግን ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ምኒስትር ጉዳያት ወጻኢና ንምፍርራም ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ይኸይድ ነይሩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣይተረኸበን።"
ግብጺ ኣብ ሶማልያ ሰራዊት ምውፋራ ንኢትዮጵያ የስግኣ ድዩ?
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሎ ወጥሪ እናተጋደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ዝምድና ሶማልያን ግብጽን እናተጠናኸረ ይመጽእ ኣሎ።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኸተመ ወተሃደራዊ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ስዒቡ፡ ጀነራላትን ናውትን ዝጸዓና ክልተ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ግብጺ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማል ሞቃድሾ ዓሊበን እየን።
እዚ ምውፋር ሰራዊት ግብጺ ኣብ መሬት ሶማልያ ግን ብወገን ኢትዮጵያ ብጽቡቕ ኣይተረኣየን።
ግብጺ ብወገና ንልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ (ኣሚሶም) ንምትካእ ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝካየድ ሓድሽ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም 10 ሽሕ ሰራዊት ንምውፋር መደብ ከምዘለዋ እያ ገሊጻ።
ግብጺ ኣብ ሶማልያ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ምውፋር ምስቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ወጥሪ ምትእስሳር ኣለዎ ድዩ ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ዝቐረበሉ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ በድር፡ "ምትሕውዋስ ዘይመሳሰሉ ክልተ ነገራት'ዩ" ኢሉ።
"ኣብ ሶማልያ ሽበራ ንምምካት ኣብ ዝሕግዝ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ንሳተፍ ኣለና፤ ብሕቶ ሶማልያን ሕብረት ኣፍሪቃን ኢና ተዋፊርና።"
ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ስግኣት ደጊሙ ምስ ተሓተተ ድማ፡ "...ንጹር ንዅን። ብሕቶ ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን መንግስቲ ሶማልያ ብጽሑፍ ብዘቕረቦ ዕድመን ኢና ተዋፊርና። ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ሶማልያ ንምሕላውን ካብ ኣልሸባብን ካልኦት ግብረሽበራዊ ጕጅለታትን ንክንከላኸለሎምን ንክንሕግዞምን እዮም ዓዲሞሙና" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







