ግብጺ፡ ንሩቶ ኣብ ምረቓ ግድብ ህዳሰ ተቐይማቶ፣ ኬንያኸ እንታይ ትምልስ?

ፕረዚደንት ሩቶ

ምንጪ ስእሊ, PMO/FB

ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ሩባ ኣባይ፡ ሱዳን ዘላቶ - ስሉሳዊ ይዅን ክልተኣዊ ስምምዕ ንፍጣር ንብዙሕ ዓመታት ዝተገብረ ጻዕሪ ዛጊድ ኣይሰመረን።

እቲ ድሕሪ 13 ዓመት ተዛዚሙ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተመረቐ ዓብይ ግድብ ህዳሰ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝፀንሐ ዘይምርድዳእ ኣጋዲዱዎ ይርከብ።

እቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝጸንሐ ወጥሪ ሓሓሊፉ ካልኦት ሃገራት እቲ ተፋሰስ ዝጽንበራኦ ኰይኑ፡ ብፍላይ ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ምረቓ እቲ ኣዘራራቢ ግድብ ቀንዲ ጋሻ ኰይኑ ምርካቡ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ቍጥዐ ፈጢሩ እዩ።

ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ኬንያ ኣሰይድ ሓትም ዮስሪ ሑስኒ ንኣፈ-ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ኬንያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ቅሬታ ሃገሩ ኣስሚዑ።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኬንያ ሙሴ ዋታንጉላ ብወገኑ፡ ግብጺ ምስ ማይ ሩባ ኣባይ ብዝተኣሳሰር "ዘለዋ ስክፍታታት" ብዝምልከት፡ ክልተኣዊ ክኸውን ከምዘይግባእ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኬንያ ኣብ ምትዕራቕ ክልቲአን ሃገራት ክትነጥፍ መደብ ከምዘለዋን፡ ግብጺ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ካብ እተተኵር፡ ምስ ኵለን ሃገራት እቲ ተፋሰስ ክትመክር ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሰብስልጣን ብረቡዕ 14 መስከረም 2017 [ግ] ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ብዝርዝር ካብ ዝተዘተዩሎም ጉዳያት እቲ ቀንዲ፡ ኣብ መንጎ ካይሮን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ርክብ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ኬንያ ገሊጸን።

ኣምባሳደር ግብጺ ብዛዕባ'ቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ዘመረቐቶ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ዝተሰመዖ ቅሬታ ኣቕሪቡ።

እቲ ኣምባሳደር፡ እቲ ግድብ "ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስን ነቲ ዘሎ ሕጋዊ መትከላት ዘየኽብርን'ዩ" ክብል ምዝራቡ ጋዜጣ ዘ ስታር ኬንያ ኣቃሊሓ።

ኣምባሳደር ሑስኒ ወሲኹ፡ እታ ሃገር ምሉእ መሰላታ ዘኽብር ኣጠቓቕማ ማያት ሩባ ኣባይ ዘረጋግጽን ቀያዲ ስምምዕ ንምፍራም ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ክትጽዕር ምጽንሓ ሓቢሩ።

"ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ቀዳማይ እብረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ድሕሪ ነዊሕ ልዝብ ኣብ ዋሽንግተን ስምምዕ ክንፍርም ቀሪብና ኢና ነይርና። ኣብ መወዳእታ ግን ኢትዮጵያ ክትርከብ ኣይከኣለትን። ነቲ ግድብ ንምዝዛም ግዜ ጥራይ እዮም ዝገዝኡ ነይሮም" ክብል ንኢትዮጵያ ከሲሱ።

ግብጺ፡ ኵለን ሃገራት ተፋሰስ ኣባይ፡ ነቲ ማይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍራይ ናይ ምጥቃም መሰለን ከምእተኽብር ኣነጺሩ። ይዅን'ምበር፡ ኬንያ ኣብ ምረቓ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብምስታፋ ሃገሩ ከምዘይተሓጐሰት ኣምባሳደር ሑስኒ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብቲ ብ 4 ጳጕመ 2017 [ግ] ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ "ቀንዲ ጋሻ" ኰይኑ እዩ ተረኺቡ።

ብዘይካ ፕረዚደንት ኬንያ፡ መራሕቲ ሃገራት ሶማልያ፡ ጅቡቲ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ባርባዶስን ከምኡ'ውን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ኬንያ ኣቶ ሃተም ዮስሪ ሑስኒ ንኣፈ-ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, Speaker Moses Masika Wetang'ula

መግለጺ ስእሊ, ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ኬንያ ኣቶ ሃተም ዮስሪ ሑስኒ ንኣፈ-ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ኬንያ

መርገጺ ኬንያ ግን እንታይ እዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ሩቶ ኣብቲ ስነስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብምንኣድ፡ "ሃገራዊ ፕሮጀክት ጥራይ ዘይኮነስ መግለጺ ፓን-ኣፍሪቃ [ምሕዝነት ኣፍሪቃ] 'ዩ" ኢሉ።

ብተወሳኺ ሃገሩ ካብቲ ግድብ ዝምንጩ ሓይሊ ኤሌክትሪክ "ክትረክብ " ውዕል ዕድጊ፡ ክትፍርም ድልውቲ ምዃና'ውን ኣፍሊጡ።

እዚ ጥራይ ኣይኰነን፤ "ዝዀነት ሃገር ነዚ ሃብቲ ናይ ምጥቃም ዕድል ክትክልከል የብላን፡" ይብል ሩቶ።

ኣጠቓቕማ ማያት ሩባ ኣባይ "ኣብ መትከላት ፍትሓውነት፡ ቀጻልነት፡ ምትሕግጋዝን ሓድሕዳዊ ምክብባርን" ዝተመርኮሰ ክኸውን ትጽቢት ከምዝግበር'ውን ተዛሪቡ ነይሩ።

ብተሳትፎ ፕረዚደንት ኬንያ ሃገሩ ከምዘይተሓጐሰት ዝገለጸ ኣምባሳደር ሑስኒ፡ "ኬንያ ኣብቲ መደብ ምርካባ ገሪሙና። ካልእ ኣብቲ ተፋሰስ እትርከብ ሃገር ኣይነበረትን - ኬንያ ጥራይ። ጅቡትን ሶማልያን ኣካል ተፋሰስ ናይል ኣይኰናን" ክብል ተዛሪቡ።

"[ኬንያ] ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ምጥቃማ ኣይጎድኣናን እዩ። ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ጉዳይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍራይ ኣይኰነን፤ ብዛዕባ ማይ ሩባ ኣባይ እዩ። ኣብ መንጎ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክልተኣዊ ወይ ስሉሳዊ ስምምዕ ክንበፅሕ ኣለና፡ እዚ ድማ ብመሰረት ዓለማዊ ሕጊ ቀያዲ [ክኸውን ይግባእ]።"

እዚ ብዝምልከት፡ ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኬንያ ሙሴ ዋታንጉላ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ መንግስቲ ግብጺ "ኣብ ሩባ ኣባይን ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ንዅሉ ዝሓቁፍ ዘተ ክቕበል" ተማሕጺኑ።

ኣብ ጽሑፉ "ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ኵለን ሃገራት ተፋሰስ ኣባይ ክትማኸር" ዝብል ሓሳብ ፕረዚደንት ሩቶ'ውን ከምዝድግፍ ገሊጹ።

"ምኽሪ [ፕረዚደንት ሩቶ] ብምኽታል፡ ማይ ናይ ሓባር ሃብቲ ስለዝዀነ፡ ሃገራት ካብ ክመቓቕለን ክጥርንፈን ከምዝግባእ ጻውዒተይ ደጊመ እገልጽ" ኢሉ።

ኬንያ ክትሸምግል ትኽእል ድያ?

ነዚ ብዝምልከት ዘ ስታር ሒዙዎ ዝወፅአ ጸብጻብ፡ እቲ ኣፈ-ጉባኤ፡ "ምሳኻቱም፡ ምስ ግብጺ ኰነ፡ ምስ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ዝዀ ጸገም የብልናን፡ ብሓቂ ንምዝራብ እኳ ደኣ ካብ ግድብ ህዳሰ ንጥቀም ኢና፡ ምኽንያቱ ካብኡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለ እንዕድግ" ከምዝበለ ይሕብር።

እቲ ፕረዚደንት፡ ግብጺ ብዛዕባ ጉዳይ ኣባይ ስክፍታ እንተሃልይዋ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ትዅረት ኣይትግበሩ ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

"ንዅሉ ናብ መኣዲ ዘተ ኣምጺእና፡ ነቲ ጸገማት ብሓባር ንምፍታሕ ክንሕግዝ ኢና።"

እቲ ኣፈጉባኤ፡ ኣብቲ ኣብ ፌስቡክ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "እቲ ምስ ኢትዮጵያ ክብ ለጠቕ ዝብል ዘሎ ኵነታት፡ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዝያዳ ዝጸሉ እዩ" ክብል ስክፍታኡ ገሊጹ።

"ኬንያ ብቐላይ ቪክቶርያ ኣቢላ ንማይ ሩባ ኣባይ ኣበርክቶ እትገብር ሃገር ብምዃና፡ መፍትሒታት ብምርካብን ናይ ገዛእ ርእሳ ብድሆታት ናይ ምፍታሕን ዓቕሚ ከምዘለዋ እያ እትኣምን።"

ኣፈጉባኤ ሙሴ ዋታንጉላ፡ ኬንያ ምስ ኣዲስ ኣበባን ካይሮን ዘለዋ ጽቡቕ ዝምድና ብምጥቃስ፡ "ዕርቂ ኣብ ምፍጣር ተራ ክትጻወት ድልውቲ ምዃና" ሓቢሩ።

ንሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ናብ ሃገሩ ምስ ተመልሰ ነቲ ጉዳይ ክምልከቶ ምዃኑ'ውን እቲ በዓል ስልጣን ኣሚቱ።

"ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ምእንቲ ክንበጽሕ ምስ መሪሕነት ግብጽን ካልኦት ሃገራት ተፋሰስ ኣባይን ከዘራረብ ከምዝዀነ እኣምን።"

ኢትዮጵያን ግብጽን ብዛዕባ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዓመታት ክዘራረባ'ኳ እንተጸንሓ፡ ኣብ ምሉእ ስምምዕ ክበጽሓ ግን ኣይከኣላን።

ምኒስተር ማይን ጸዓትን ኢትዮጵያ ዶክተር ሃብታሙ ኢተፋ፡ ንቢቢሲ ኣፍሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ሕጂ እውን እንተዀነ ንዘተን ልዝብን ኣፍደገኣ ክፉት እዩ ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።