ግብጺ፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረበቶ ጥርዓን

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣብ ግድብ ህዳሰ መደረ እናስምዐ፡ ብድሕሪኡ ገለ ክፋል ናይቲ ግድብ ይርአ ብባንዴራ ኢትዮጵያ ዝተኸለለ ዝቘመ ካርታ ኢትዮጵያ ድማ ብድሕሪኡ ይርአ።

ምንጪ ስእሊ, PMO/FB

ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ 14 ዓመታት ክትሃንጾ ዝጸንሐት ግድብ ኣብ ዘመረቐትሉ ዕለት፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ንዝወሰደቶ በይናዊ ስጕምቲ ኣመልኪቱ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪቡ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ብዛዕባ ኣገባብ ኣመላልኣ ማይን ምሕደራን ናይቲ ግድብ ንዝሓለፉ ዓመታት ብተደጋጋሚ እኳ ዝርርብ እንተ ተኻየደ፡ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐ ግን እቲ ግድብ ብወግዒ ተመሪቑ።

ድሕሪ'ቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጽኡ መራሕትን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ዝተሳተፍዎ ምምራቕ ናይቲ ግድብ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደላቲ፡ ተቓውሞ ሃገሩ ዝገልጽ ናብ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ልኢኹ።

ግብጺ ብዛዕባ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ብተደደጋጋሚ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓና ኣቕሪባ እያ። እቲ ግድብ ብ9 መስከረም 2025 ኣብ ዝተመረቐሉ መዓልቲ ድማ ንተቓውሞኣ ዝገልጽ ተወሳኺ ደብዳበ ልኢኻ።

እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝዀነ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምዝዛሙ 14 ዓመታት ዝወሰደ ኰይኑ፡ ግብጺ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሕ ግዜ ምስ ኢትዮጵያ ክትዘራረብ ጸኒሓ እያ።

እዚ ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ዝወድአ ግድብ፡ 'ቀረብ ማይና ከጕድል እዩ' ዝብል ስግኣት ዘለወን ሱዳንን ግብጽን ንኣገባብ ኣመላልኣኡን ምሕደራኡን ዝምልከት ኢትዮጵያ ቀያዲ ስምምዕ ክትፍርም ክደፍኣ ጸኒሐን እየን።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኢትዮጵያ ህንጸት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ "ኣህጉራዊ ሕግን ንተፋሰስ ናይል ዝምልከት ሕግታትን ዝጥሕስ ሓደ ወገናዊ ፕሮጀክት'ዩ፡" ኢሉ።

ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ንዝወሰደቶ በይናዊ ስጕምቲ ከም ዘይትቕበልን "ንመነባብሮን ረብሓን ህዝብታት ናይ ክልቴአን ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከባ ሃገራት [ሱዳንን ግብጽን] ዝጸሉ እዩ፡" ክትብል ጸኒሓ እያ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ይዅን'ምበር፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስነስርዓት ምረቓ እቲ ግድብ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ንዝርከባ ሃገራት ንምጕዳእ ከም ዘይሃነጸቶን "ምክፋልን ብሓባር ንምብላዕን" ዒላማ ዝገበረን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ቀጺሉ፡ ብድሕሪ ሕጂ ንዝህነጹ ዓበይቲ ዕማማት ግብጽን ሱዳንን ክተሓባበራን ብሓደ ክቘማን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ግብጺ ኣብ መዓልቲ ምምራቕ እቲ ግድብ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ምትሕብባር ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተመርኰሰ ክኸውንን ስክፍታታት ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ኣብ ግምት ዘእተወን ክኸውን ኣለዎ ኢላ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ "ንልምዓታዊ ረብሓ ዘይኰነስ ንፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ትጥቀመላ ኣላ፡" ብምባል፡ "ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ ደረቕ መርገጺ ሒዛ፡ ነቲ ዘተ ኣደናጒያ፡ ነቲ ግድብ ንምዝዛም ኣማራጺ ዘይብሉ ኵነታት ፈጢራ ኣላ፡" ክብል ከሲሱ።

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ምሕደራ ሩባ ኣባይ ብሕታዊ ቍጽጽር ክትረክብ ንእትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ሃገሩ ሸለል ከም ዘይትብሎ'ውን ኣጠንቂቑ።

"ግብጺ ኣብ ኣህጉራዊ ሕግን ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ከም ዝተቐመጠ፡ ልኡላውነትን ረብሓን ህዝባ ንምሕላው ኵሉ ዘድሊ ስጕምትታት ናይ ምውሳድ መሰላ ዝተሓለወ'ዩ፡" ክትብል ጋዜጣ ኣል-ኣህራም ነቲ ደብዳበ ብምጥቃስ ሓቢራ።

ግብጺ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሊግ ዓረብን ብምቕራብ ንኢትዮጵያ ጸቕጢ ክትገብር ፈቲና እያ። እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ መስርሕ ህንጸቱ ቀጺላ ኣብ መመረቕታኡ ኣብቂዓቶ ኣላ።

ኣብ ዓለም ብንውሓቱ ዝፍለጥ ሩባ ናይል ልዕሊ 85 ሚእታዊት ማይ ካብ ኢትዮጵያ እዩ ዝቕበል።

ዝበዝሐ ማይ'ቲ ሩባ እትጥቀም ግብጺ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሃንጸ ግድብ፡ ነቲ ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት መጠን ማይ ከይትስእኖ ስክፍታታት ኣለዋ።

ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ነቲ ብ1959 ዝተፈረመ መግዛእታዊ ውዕል ብምጥቃስ ንዝበዝሐ ብጽሒት ማይ ክትግብቶ ከም እትደሊ ትገልጽ። ግብጺ ግን እዚ ክቕየር ከም ዘይብሉ እያ ወትሩ እትማጐት።

ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ኣብ ፍትሓውን ርትዓውን ኣጠቓቕማ ሩባ ናይል ስምምዕ ክግበር ከም እትደሊ፣ እዚ ድማ ብጽሒት ናይቲ ሩባ ዘረጋግጽን እቲ ህንጸት ንውሕስነት ማይ ግብጺ ኣብ ሓደጋ ዘየእቱን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ገሊጻ እያ።