ኢትዮጵያ ምስ ግብፅን ሱዳንን ከሰሓሕባ ዝፀንሐ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ - ቀንዲ ፍፃመታት

ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ
ንባብ: 11 ደቓይቕ

ኢትዮጵያ ህንፀት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ከም ዝተዛዘመ ብምፍላጥ፡ መራሕቲ ሃገራት ተፋሰስ ናይልን ካልኦት ኣጋይሽን ዓዲማ፡ ሎሚ መዓልቲ ተመርቖ ኣላ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ካብ ዝጀመረትሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ምስ ግብፅን ሱዳንን ኣብ ዘይምስምማዕ እያ ፀኒሓ።

ግብፂ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይ ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ክደራደራ'ኳ እንተ ፀንሓ፡ ዛጊት ንሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዘሰማምዕ ሓቛፋይ ስምምዕ ምብፃሕ ኣይተኽኣለን።

ኣብ 2003 (ኣቈፃፅራ ግእዝ) ህንፀቱ ዝተጀመረ እዚ ግድብ፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ንህንፀት 233 ቢልዮን ብር ከም ዝወድአ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ በይናዊ ስጕምቲ ብምውሳድ ህንፀት እቲ ግድብ ዝወድአት ክትከውን እንከላ፡ እዚ ድማ ኵሉ ግዜ ስግኣት ሃገራት ታሕተዎት ተፋሰስ ኰይኑ ፀኒሑ።

ህንፀት ህዳሰ ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ዘለዉ ዓመታት፡ ግብፅን ሱዳንን ዝምድናአን እናኣጐልበታ መፂአን። ንዘየወላውል መርገፂ ኢትዮጵያ ንምብዳህ ክሳዕ ወተሃደራዊ ስምምዕ ምኽታም በፂሐን እየን።

ግብፂ ኵሉ ግዜ ንመጠን ብፅሒት ማይ ብዝኾነ መንገዲ ከም እትከላኸል ክትገልፅ ዝፀንሐት ኰይና፡ ናይል "ጉዳይ ህልውና'ዩ" እያ ትብል።

ኣብ ሱዳን ይካየድ ዘሎ ኵናት ሓድሕድ፡ ኵናት ትግራይን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተፈጠረ ዶባዊ ምስሕሓብን ኣብ ዝርርብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ቀሊል ዘይበሃል ፅዕንቶ ፈጢሩ'ዩ።

ሱዳን ሓንሳብ ኣብ ጐድኒ ኢትዮጵያ ከም ዝዀነት ትርአ'ሞ፡ ካልእ እዋን ድማ ኣንፃር ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ምስ ግብፂ ክትስለፍ ተራእያ።

ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝርከበሉ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ'ውን፡ እቲ ህንፀት ኣብ ዝካየደሉ ዓመታት ብዕጡቓት ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ክፍፀሙ ፀኒሖም እዮም።

ኢትዮጵያ፡ ምስ ጐረባብታ ሶማልያን ኤርትራን ዝነበራ ዝምድና ምዝሕታሉ፡ ግብፂ ኣብ ግድብ ህዳሰ ንዘለዋ ቅሬታ ተጠቒማትሉ።

ኣብ ዝሓለፉ 14 ዓመታት፡ ምስ ህንፀት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝዛመድ ዝነበሩ ቀንዲ ክስተታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

ካብ 2003 ክሳዕ 2005

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መጋቢት 2003፡ ብቐዳማይ ምኒስተር መለስ ዜናዊ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሩባ ኣባይ ክሃንፆ ዝተለሞ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ናይ ማይ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ግድብ ወግዓዊ ገይሩ፣ ኣብ ሚያዝያ ድማ ህንፀቱ ተጀሚሩ።

ኣብ ግንቦት፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ግብፅን ኣብ ጉዳይ ህንፀት እቲ ግድብ ቴክኒካዊ ኮሚቴ ብምጥያሽ መፅናዕቲ ጀሚረን።

መስከረም 2004፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ንብፅሒት ማይ ግብፂ ዝጐድእ ኣይኰነን ኢሉ። ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ኣብ ካይሮ ምብፃሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ድማ ቀደማይ ምኒስተር ግብፂ፡ እቲ ግድብ ንኽልተአን ሃገራት ክጠቅም ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

2004 ግንቦትት፡ ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተዋፅኡ ኣባላት ሓዊሱ ካልኦት ኣርባዕተ ናይ ወፃኢ ኣካላት ዘካተተ ዓለምለኻዊ ጕጅለ ሰብሞያ ፅልዋ እቲ ግድብ ክግምግም ጀሚሩ። እቲ ጕጅለ ኣብ ጥቅምቲ 2005 ንፈለማ እዋን ህንፀት እቲ ግድብ ኣብ ዝካየደሉ ቦታ ዑደት ገይሩ።

2005 ግንቦት፡ ኢትዮጵያ ህንፀት እቲ ግድብ ንምጥጣሕ ኣንፈት ሩባ ኣባይ ቀይራ። ኣብ ሰነ ድማ እቲ ጕጅለ ሰብሞያ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኢትዮጵያን ግብፅን ኣብ ኣተረጓጕማ እቲ ሪፖርት ክሰማምዓ ኣይከኣላን።

ፕረዚደንት ግብፂ መሓመድ ሙርሲ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ተረርቲ ሓሳባት ከሰጕም ጀሚሩ። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብተለቪዥን ኣብ ዝገብሮም ዝርርባትን ልዝባትን፡ ሓይሊ ምጥቃም ዝብል ሓሳብ ብተደጋጋሚ የልዕል ነይሩ።

ግብፂ ብተደጋጋሚ እዚ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ከም እትወስዶ እንተ ገለፀት'ውን፡ ብዙሕ እንከይፀንሓ እተን ሃገራት እቲ ጕጅለ ሰብሞያ ዘቕረቦ ሓሳብ ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ፖለቲካውን ቴክኒካውን ስምምዕ ንምብፃሕ ተሰማሚዐን።

 ዓብይ ግድብ ህዳሰ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2003 ህንፀቱ ዝተጀመረ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ 233 ቢልዮን ብር ፈሰስ ተገይርሉ

ካብ 2006 ክሳዕ 2008

2006 መስከረም፡ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ክልተአን ሃገራት ኣብ ዘካየድኦ ጐድናዊ ኣኼባ፡ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ዘተ ክቕፅላ ተሰማሚዐን።

ኣብ ሕዳርን ታሕሳስን፡ ምኒስተራት ማይ ኢትዮጵያን ግብፅን፡ ኣብ ካርቱም ተኣኪቦም ነቲ ሰብሞያ ዘቕርብዎ ሓሳብ ተግባራዊ ንምግባር ዘተ ኣካይዶም። እንተዀነ፡ እቲ ኣኼባ ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ።

2006 ጥሪ፡ ምኒስተራት ማይ ኢትዮጵያ፡ ግብፅን ሱዳንን ንሳልሳይ እዋን ኣብ ካርቱም ተኣኪቦም። ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዝተረፉ ጉዳያት ክሰማምዑ ስለ ዘይከኣሉ፡ ካብዚ ንደሓር ኣኼባ ንዘይ ምግባር ተሰማሚዖም።

ኣብ ለካቲት ድማ ምኒስተራት ማይ ኢትዮጵያ፡ ግብፅን ሱዳንን ጥራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዋላ'ኳ እንተ ተኣከቡ፡ ከይተሰማምዑ ተሪፎም።

ኣብ ሚያዝያ፡ ኢትዮጵያ፡ ግብፂ ኣብቲ ግድብ ዝጀመረቶ ጐስጓስ ደው ከተብልን ናብ ስሉሳዊ ዘተ ክትምለስን ሕቶ ኣቕሪባ።

ኣብ ሰነ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ግብፅን ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናውን፡ ኣብ ኢኳቴርያል ጊኒ አብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምዝርራብ፡ እቲ ስሉሳዊ ኮሚቴ ዳግማይ ስርሑ ክጅምር ተሰማሚዖም።

ኣብ ነሓሰ ድማ ምኒስተራት ማይ ሰለስተአን ሃገራት ኣብ ካርቱም ዳግማይ ዘተ ጀሚሮም። ብእማመ እቲ ጕጅለ ሰብሞያ መሰረት፡ ብዘይሻራዊ ዓለምለኸ ትካል ዝምራሕን ካብ ሰለስተአን ሃገራት ዝተዋፅኡን ኣባላት ዘለዎ ኮሚቴ ንምጥያሽ ተሰማሚዐን።

2007 መስከረም፡ ምኒስተራት ማይ ግብፅን ሱዳንን ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ዑደት ድሕሪ ምግባሮም ከኣ ኣባላት እቲ ስሉሳዊ ኮሚቴ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዘራሪቦም። ኣብ ጥቅምቲ ድማ ጠቕላላ መፅናዕቲ እቲ ግድብ ዘካይድ ዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ኣማኻሪ ትካል ንምምራፅ ኣብ ካይሮ ተኣኪቦም።

2007 ጥሪ፡ ግብፂ 74 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትር ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ እቲ ግድብን ንውሓቱን ኣይቅበሎን ኢላ። ኣብ መጋቢት ድማ ሳልሳይ ዙር ኣኼባ እቲ ስሉሳዊ ኮሚቴ ኣብ ካርቱም ተኻይዱ።

ኣብዚ፡ ሰለስተአን ሃገራት ብመትከል ደረጃ ኣብ ዘሰማምዕወን ጉዳያት ተፈራሪመን። ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ድማ ኣብ ቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተረኺቡ ተዛሪቡ።

2007 ሚያዝያ፡ እቲ ስሉሳዊ ኮሚቴ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምርኻብ፡ ሓፈሻዊ መፅናዕቲ እቲ ግድብ ዘካይዱ ክልተ ናይ ኤውሮጳ ኣማኸርቲ መሪፆም። ኣብ ሓምለ ድማ ኣባላት እቲ ኮሚቴ፡ ኣብ ካይሮ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ናይ ክልተኦም ናይ መጀመርታ እማመ ገምጊሞም።

2008 ሕዳር፡ እቲ ስሉሳዊ ኮሚቴ ኣብ ካይሮ ተኣኪቡ። ኣብዚ ኣኼባ ኣብ መንጎ ክልተኦም ኤውሮጳውያን ኣማኸርቲ ትካላት ዘይምርድዳእ ከም ዝተፈጥረ ተገሊፁ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ ድማ ጠቕላላ መፅናዕቲ እቲ ግድብ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንምዝዛምን ካብ ምምኻር ንርእሱ ኣብ ክንዲ ዘግለለ ትካል ሓድሽ ኣማኻሪ ንምምራፅን ተረዳዲአን።

2008 ጥሪ፡ ፕረዚደንት ግብፂን ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምርኻብ፡ ንስምምዕ ካርቱም ንምኽባርን ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕን ተሰማሚዖም።

ኣብ ለካቲት ድማ እቲ ስሉሳዊ ኮሚቴ ኣብ ካርቱም ብምእካብ፡ እቲ ግድብ ኣብ ግብፅን ሱዳንን ብዛዕባ ዝህልዎ ፅልዋ ብፈረንሳዊ ኣማኻሪ ትካል ኣብ ዝተዳለወ መፅናዕቲ ብምዝርራብ ገምጊሙ።

ሩባ ናይልን ተፋሰስ ሃገራትን ዘርኢ ካርታ

ካብ 2009 ክሳዕ 2011

2009 መስከረም፡ ሰለስቲአን ሃገራት ብዓለምለኻውያን ጕጅለ ሰብሞያ ዝቐረበ እማመ ንምፍፃም 'ቢኣርኤልኣይ' ምስ ዝተባህለ ፈረንሳዊ ትካል ተፈራሪመን።

2009 ለካቲት፡ ክልተኦም ፈረንሳውያን ኣማኸርቲ ትካላት ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ፈላማይ ጸብጻቦም ኣቕሪቦም። ግብፂ ነቲ ጸብጻብ ክትቅበሎ እንከላ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ግን ነፂገንኦ።

ኣብ ሚያዝያ ከኣ ፕረዚደንት ግብፅን ምኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያን ኣብ ካይሮ ተራኺቦም። ኣብዚ፡ ፕረዚደንት ግብፂ ኣብ ካርቱም ንዝተፈረመ ስምምዕ ተግባራዊ ብምግባር ኣብ ምምላእ እቲ ግድብ ኣብ ስምምዕ ምብፃሕ ከም ዝግባእ ገሊፁ።

2010 ጥቅምቲ፡ እቲ ስሉሳዊ ኮሚቴ ኣብ ካይሮ ብምእካብ ብኽልተኦም ፈረንሳውያን ኣማኸርቲ ትካላት ኣብ ዝቐረበ እማመ ዝተፈጠሩ ዘይምርድዳኣት ዝምልከት ተዘራሪቦም።

ኣብ ሕዳር ከኣ እቲ ስሉሳዊ ኮሚቴ ዳግማይ ኣብ ካይሮ እኳ እንተ ተኣከበ ኣብ ስምምዕ ኣይተበፅሐን። ኣብዚ ምኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ግብፂ ፀገም ትፈጥር ኣላ ብምባል ከሲሱ።

2010 ጥሪ፡ ፕረዚደንት ግብፂ እቲ ዘተ ተስፋ ዝህብ ነገር ከም ዘይረኣዮን ከም ዘሻቐሎን ብምግላፅ፡ ባንኪ ዓለም ኣብዚ ጉዳይ ንምእታው ሓሳብ ኣቕሪቡ። እንተዀነ ኢትዮጵያ ንሓሳብ ግብፂ ምሉእ ብምሉእ ነፂጋቶ።

ኣብዚ ወርሒ፡ ኢትዮጵያ፡ ግብፂን ሱዳንን ዓመታዊ ሰለስተኣዊ ኣኼባ ንምክያድን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ምስቲ ግድብ ዝዛመድ ምወላ መሰረተ-ልምዓት ብምጥያሽ፡ ምኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ሰለስተአን ሃገራት ዘካተተ ኮሚቴ ንምጥየሽ ተሰማሚዐን።

ኣብ ሚያዝያ ድማ ምኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሰለስተአን ሃገራት፡ ምኒስተራት ማይን ሓለፍቲ ደሕንነትን ኣብ ካርቱም ተኣኪቦም። ይዅን'ምበር፡ እቲ ኣኼባ ፍረ እንከየፍረየ ተበቲኑ።

ምኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ፡ ደሕንነትን ማይን ሰለስተአን ሃገራት ኣብ ግንቦት፡ ዳግማይ ኣኼብኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዶም። ግብፂ እቲ ኣኼባ ውፅኢታዊ ከም ዝነበረ ገሊፃ።

ኣብ ሰነ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ንፈለማ እዋን ኣብ ግብፂ ምብፃሕ ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝህነፅ ግድብ ንብፅሒት ማይ ግብፂ ከም ዘይጐድእ ተዛሪቡ።

2011 መስከረም ፡ ምስ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብዝዛመድ፡ ግብፂ ነቲ ስምምዕ ኣይፍርምን ኢላ።

2011 ጥሪ፡ ግብፂ፡ ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ይካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ ምኽንያት እቲ ድርድር ከም ዝተቛረፀ ኣፍሊጣ።

ፕረዚደንት ግብፅን ምኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያን፡ ሓምለ ኣብ ካይሮ ተራኺቦም። ኣብዚ፡ ነቲ ሰለስተኣዊ ዘተ ንምቕፃል ተሰማሚዖም።

ግድብ ህዳሰ
መግለጺ ስእሊ, እቲ ግድብ ህንፀቱ ቅድሚ ምዝዛሙ እዩ ሓይሊ ምምንጫው ጀሚሩ

2012

2012 መስከረም፡ ምኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ግብፂ ምጉታት እቲ ዘተ ከም ዘየሐጐሶ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ድማ ግብፂ ምስ ምምላእ እቲ ግድብ ብዝዛመድ ንዘቕረበቶ ሓሳብ ዳግማይ ነፂጋቶ። ግብፂ ብወገና፡ ኢትዮጵያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከይትጅምር ኣጠንቂቓ።

ቤትፅሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ጥቅምቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ መግለፂ ኣውፂኡ። ግብፂ ከኣ ኣመሪካ ኣብ ዘተ እቲ ግድብ ኢዳ ከተእቱ ሓቲታ። ኢትዮጵያ ድማ ንፃውዒት ግብፂ ተቓዊማ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ዝዀነ ይዅን ሓይሊ ንኢትዮጵያ እቲ ግድብ ካብ ምህናፅ ከም ዘይገትኣ ተዛሪቡ። ግብፂ ድማ ንዘረባ እቲ ቀዳማይ ምኒስትር ብምንቃፍ፡ ኣብ ዋሽንግተን ንምዝርራብ ዝቐረበ ሓሳብ ከም ትቕበሎ ተዛሪባ።

ኣብ ሕዳር ድማ ብኣሸማጋልነት ኣመሪካ ዝርርብ ተጀሚሩ። ምኒስተራት ማይን ጉዳያት ወፃእን ኣብ ዋሽንግተን ድሕሪ ምዝታዮም፡ ብተዓዛብነት ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ካልኣይ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዶም።

ኣብ ታሕሳስ እቲ ስሉሳዊ ኮሚቴ ኣብ ካይሮ፡ ዋሽንግተንን ካርቱምን ብተዓዛብነት ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ሰለስተ ኣኼባታት ኣካይዶም። ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣኼባ ውፅኢታዊ ከም ዝነበረን ግብፂ ምስ ምምላእ እቲ ግድብ ብዝዛመድ ዘቕረበቶ ሓሳብ ከም ዝገደፈቶ ኣፍሊጡ። እንተዀነ፡ ግብፂ ኣይገደፍክዎን ብምባል ምላሽ ሂባ።

2012 ጥሪ፡ ምኒስተራት ጉዳያት ወፃኢን ማይን እተን ሃገራት፡ ኣብ ዋሽንግተን ክልተ ግዜ ዝተራኸቡ ክዀኑ እንከለዉ፡ ምኒስተራት ማይ ጥራሕ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ግዜ ተራኺቦም።

ኣብ ሕጋውን ቴክኒካውን ጉዳያት ጥራሕ ዝሰርሕ ጕጅለ ከኣ ኣብ ካርቱም ተራኺቡ። ኣብዚ እዋን ኣብ ዙርያ ዝተበፅሑ ስምምዓት ግብፅን ኢትዮጵያን ንሓድሕዱ ዝፃረሩ መግለፅታት ኣውፂኡ።

ኣብ ሕጋውን ቴክኒካውን ጉዳያት ዝሰርሕ ጕጅለን ምኒስተራት ማይን ጉዳያት ወፃኢን ኣብ ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ተዘራሪቦም። እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ዝነበሩ ክልተ ኣኼባታት ኣይተሳተፈትን። ግብፂ ድማ ምስ ምምላእ እቲ ግድብ ብዝዛመድ ብኣሻማጋላይነት ኣመሪካ ንዝቐረበ ሓሳብ ተቐቢላ ነቲ ስምምዕ ፈሪማ።

ሓለፍቲ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ግድብ ዝፍፀም ዝዀነ ዓይነት መጥቃዕቲ ንምምካት ድሉዋት ከም ዝዀኑ ኣብ መጋቢት ኣፍሊጦም። ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ'ውን፡ ኣመሪካ ኣብቲ ዘተ ናብ ሓደ ወገን ዘዘንበለ መርገፂ ከም ዝሓዘት ብምግላፅ ቅረትኣ ኣስሚዓ።

ግብፂ ብወገና ናብ ሃገራት ዓረብ ብምኻድ፡ መርገፂኣ ክርድኣን ክድግፋኣን ጐስጕሳ። ኢትዮጵያ ድማ ብሊግ ዓረብ ዝቐረበ ሓሳብ ኣይቅበሎን ኢላ።

ኣብ ግንቦት፡ ግብፂ፡ ኣብ ምምላእ እቲ ግድብ ዝምልከት ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሓሳብ ከም ዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ። ኢትዮጵያ ድማ ህንፀት እቲ ግድብ ንምዝዛምን ስራሕ ምምላእ ማይ ብግቡእ መንገዲ ንምፍፃምን፡ ፍቓድ ግብፂ ከም ዘይትደሊ ብምግላፅ ናብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ፅሒፋ።

ግብፂ ድማ ኣቐዲማ፡ ክልተአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ እንከይበፅሓ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ናይ ምምላእ ስራሕ ከይትጅምር ናብ ባይቶ ፀጥታ ደብዳበ ኣቕሪባ። ሕቡራት ሃገራት ክልተአን ሃገራት ዘለወን ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሓ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ሱዳን ኣብ ሰነ ንባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝፀሓፈቶ ደብዳበ፡ ዝርርብ እንከይተኻየደ ክልተአን ሃገራት ዝዀነ ዓይነት ውሳነ ከየሕልፋ ሓቲታ።

ኣብቲ ጉዳይ ንምሽምጋል ሩስያ ሓሳብ ኣቕሪባ ነይራ። ኢትዮጵያ፡ ግብፂን ሱዳንን ሓሙሽተ ተኸታተልቲ ዘተታት ኣካይደን። ግብፂ እቲ ዘተ ተስፋ ዝህብ ኣይኰነን ክትብል ከላ፡ ኢትዮጵያ ድማ ፍረ ዘይተረኸቦ ብሰንኪ ግብፂ እዩ ብምባል ከሲሳ።

26 ሰነ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃን ናይቲ እዋን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ሲሪል ራማፎዛ፡ ምስ መራሕቲ ሰለስተአን ሃገራት ብቪድዮ ኮንፈረንስ ተዘራሪቡ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ዝተሰማምዓ ክዀና ከለዋ፡ ኢትዮጵያ ግና ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብተኸታታሊ ኣብ ዝነበሩ ሰሙናት ከም እትጅምር ብምግላፅ፡ ስራሕ እቲ ግድብ ንምፍፃም ናይ ካልኦት ፍቓድ ከም ዘይትሓትት ኣፍሊጣ።

ኣብ ሓምለ፡ ምኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ግብፂ፡ ምስ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝዛመድ ወተሃደራዊ ኣማራፂ ከም ዝኽተሉ ገሊፁ። ብኣተሓባባርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ንሰለስተአን ሃገራት ብምስታፍ ዝተኻየደ ዘተ ብዘይ ገለ ስምምዕነት ተዛዚሙ።

ነዚ ስዒቡ ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከም ዝተጀመረ ወግዓዊ ገይረን። ግብፂ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መብርሂ ክወሃባ ሓቲታ። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ነዚ ሓበሬታ ቀዲሙ ዘቃልሐ ተለቪዥን እታ ሃገር ነቲ ዜና ካብ ገፁ ኣልይዎ።

ሱዳን ብወገና እቲ ምምላእ ማይ ተጀሚሩ ካብ ዝበሃል፡ ናይ 90 ኪዩቢክ ሜትር ምንካይ ከም ዝረኣየት ኣፍሊጣ።

ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ
መግለጺ ስእሊ, ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምዝዛም 14 ዓመታታት ወሲዱ

2013 -2014

ጥሪ 2013፡ ኣብ ዙርያ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ብኢንተርነት ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ሱዳን እንከይተረኸበት ተሪፋ። ድሕሪኡ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ'ውን ኢትዮጵያ፡ ግብፂን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ የካይድኦ ኣብ ዝነበራ ዝርርብ እቲ ዘተ ንምቕፃል ዝቐረበ ሓሳብ ሱዳን ከይተሰማምዐት ተሪፋ።

እቲ ዘተ ክቕፅል ንምኽኣል እተን ሃገራት ምስ ሰብሞያ ሕብረት ኣፍሪቃ ክልተኣዊ ኣኼባ ድሕሪ ምክያደን፡ እቲ ውፅኢት ንኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ንኽቐርብ ኣብ ዝብል ኢትዮጵያን ግብፅን ክሰማምዓ እንከለዋ፡ ሱዳን ከም ዘይተቐበለቶ መግለፂ ኣኼባ ሰለስተኦም ምኒስተራት ኣመልኪቱ።

መጋቢት፡ ንዂናት ትግራይ ስዒቡ ይግበአኒ እዩ ንእትብሎ ግዝኣት ብሓይሊ ዝሓዘት ሱዳን፡ ምስ ግብፂ ዘለዋ ርክብ ምጥንኻር ቀፂላ። ኣንፃር እቲ ግድብ ተመሳሳሊ መርገፂ ብምሓዝ፡ ክልተአን ሃገራት ወግዓዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ ጀሚረን። ኣብዚ እዋን ክልተአን ሃገራት ዝተቛረፀ ዘተ ከም ዘሻቐለን ገሊፀን።

ሚያዝያ - ግብፂ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ዘካይዶ ዘተ ብዘይ ውፅኢት ከም ዝተበተነ ኣፍሊጠን። እዚ ዝርርብ እንከይ ተሳኽዐ ምስ ተረፈ፡ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ንኽጥዕም ሱዳንን ግብፅን ሰብሞየአን ከፍልጣ ሓቲታ። ኣብዚ ወርሒ ኢትዮጵያ፡ ግብፅን ሱዳንን ናብቲ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ስሉሳዊ ድርድር ንኽምለሳ ፀቕጢ ንኽገብር ንባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ሓቲታ።

ግንቦት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ብስልኪ ከም ዝተዘራረቡ፡ ካብ ቤትፅሕፈት ፕረዚደንት ባይደን ዝወፅአ መግለፂ ኣመልኪቱ። እቲ መግለፂ፡ ኣብዚ ብስልኪ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ "ፕረዚደንት ባይደን ግብፂ ኣብ ማይ ኣባይ ዘለዋ ስግኣት ከም ዝርዳእ ገሊፁ፡" ኢሉ።

ሓምለ፡ ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ምጅማራ ስዒቡ፡ ግብፂ ንዞባዊ ርግዓት እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ብምባል፡ ተቓውሞኣ ናብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ከም ዝፀሓፈት ኣፍሊጣ።

መስከረም 2014፡ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ስሉሳዊ ዘተ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኰይኑ ክቕፅልን ብህፁፅ ኣብ ሕጋውን ኣስገዳድን ስምምዕነት ክበፅሓ መግለፂ ኣውፂኡን። ኢትዮጵያ'ውን፡ እቲ ኵነታት ከም ዘሕዘና ገሊፃ።

ጥቅምቲ፡ ምስ ህንፀት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ፡ ምስ ምምላእ ማይን ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ግድብ ምስ ዝተኻየዱ ዝርርባት ብዝዛመድ ግኑን ስም ዘትረፈ ምኒስተር ማይን መስኖን ዶ/ር ስለሺ በቀለ፡ ብመዓርግ ምኒስተር ናይ ዶብ ተሳገርቲ ሩባታት ዋና ተደራዳርን ኣማኻርን ኰይኑ ተሸይሙ።

ሕዳር፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ግድብ ፈላማይ ምምንጫው ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም እትጅምር ኣፍሊጣ። ሮይተርስ ንሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን እታ ሃገር ፀሪሑ ከም ዝፀብፀቦ፡ እቲ ግድብ ኣብ ናይ መጀመርታ ደረጃ 700 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከመንጩ እዩ ተባሂሉ። እዚ ድማ እታ ሃገር ተመንጭዎ ንዘላ ሓይሊ ኤለክትሪክ ብ14 ሚእታዊት ሓፍ ከም ዘብሎ ተገሊፁ።

ለካቲት፡ ለካቲት 13/2014 እቲ ግድብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከመንጩ ጀሚሩ፤ እዚ ቀንዲ ምዕራፍ እቲ ፕሮጀክት ነይሩ። እዚ እቲ ግድብ ካብ ዘለዎ 13 ተርባይናት፡ እቲ ሓደ ድሕሪ ዝተሳኽዐ ተኸላን ፈተነን፡ ዘመንጨዎ ሓይሊ እዩ።

መጋቢት፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ግብፅን ድሕሪ ናይ ኮንጎ ዘተ ንፈለማ እዋን ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተመርሐ ምስጢራዊ ኣኼባ ከም ዘካየዳ ተሰሚዑ።

ሓምለ፡ ፕረዚደንት ግብፂ ዓብዱል ፋታሕ ኣል ሲሲ ንምብፃሕ ናብ ሶማሊያ ምስ ዝተጓዓዘ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ኣብ ዛዕባ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከም ዝተዘራረቡ ተገሊፁ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ድሕሪ ምዝርራቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ፕረዚደንት ግብፂ ምስ ሶማሊያዊ መዘንኡ ኣብ ዓለማዊ ሩባታት ኣብ ዝካየዱ ፕሮጀክታት ዙርያ "ሓደገኛ በይናዊ ፖሊሲታት" ኣብ ዝበልዎም ጉዳያት ከም ዝመኸሩ ገሊፁ።

ፕረዚደንት ግብፂ ምስ ሶማሊያዊ መዘንኦ ኣብ ዝሃቦ ሓበራዊ መግለፂ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ "በይንኣዊ ስጕምቲ ምውሳዳ ኣሉታዊ ውፅኢት ክህልዎ'ዩ፡" ምባሎም ኣናዶሉ ፀብፂቡ።

ነሓሰ - ካልኣይ ተርባይን መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ሓይሊ ምምንጫው ዝጀመረ ክኸውን ከሎ፡ ህንፀቱ ናብ 83.3 ሚእታዊት ከም ዝበፅሐ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ግድብ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ተዛሪቡ።

ዓብይ ግድብ ህዳሰ

2015-2016

መስከረም 2015፡ ፕረዝደንት ግብፂ ዓብዱል ፋታሕ ኣል ሲሲን ፕረዝደንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዓብዱል ፋታሕ ኣል ቡርሃንን ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ ዘትዮም።

ጥቅምቲ፡ መራሕቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣባባ ተራኺቦም፡ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ኣብ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ብምዝርራብ ኣብ ስምምዕ በፂሖም።

ታሕሳስ፡ ፕረዝደንት ግብፂ ኣል ሲሲ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ትሃንፆ ኣብ ዘላ ግድብ ዙርያ ብቅኑዕ ልቦና ብዝካየድ ዝርርብ ኣብ ስምምዕ ክብፃሕ ፀዊዑ። ኣብ ስዑድ ዓረብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ቻይና-ዓረብ እዩ ነዚ ተዛሪቡ።

ሚያዝያ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ዘሎ ምስሕሓብ ከም "ግዘ መዐደጊ ትጥቀመሉ ኣላ" ብምባል ግብፂ ከሲሳ። ኣብ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ግብፂ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ እንከይተበፅሐ ነቲ ገዚፍ ግድብ ማይ ምምላእ ቀፂላ ኢሉ።

ሚያዝያ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ምስ ግብፅን ሱዳንን ዝካየድ ስሉሳዊ ድርድር መሊሳ ንምጅማር ድልውቲ ከም ዝኾነት ገሊፃ። ምክትል ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋው፡ ፍሉይ መልእኽተኛ አሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ዝኾነ ማይክ ሃመር ኣብ ዝተዘራረበሉ'ዩ ንድሌት ሃገሩ ገሊፁ።

ጉንበት፡ ቤት-ምኽሪ ሃገራት ሊግ ዓረብ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይን ዓብይ ግድብ ህዳሰን ትወስዶ ካብ ዘላ "በይንኣዊ ስጉምቲ ክትቁጠብ" ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ሊግ፡ "ደሕንነት ማይ ግብፅን ሱዳንን፡ ኣካል ደሕንነት ማይ ዓረብ" ምዃኑ ብምግላፅ፡ እተን ሃገራት ኣብ ሩባ ኣባይ ንዘለወን መሰል ዝነክእ ዝኾነ ዓይነት ውሳነ ነፂግዎ።

ኢትዮጵያ ድማ፡ እቲ ሊግ ንዘሕለፎ ውሳነ ብምቅዋም፡ "ነገር ፃሕታሪ ተረኽ ኣስሚዑ" ኢላ።

መስከረም 2016፡ ኢትዮጵያ ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ ኣካይደ ምባላ ስዒቡ፡ ግብፂ ካብቲ ሩባ ንዝረኽቦ መጠን ማይ ሓደጋ ዘንፀላለወ እዩ ብምባል ከሲሳ።

ታሕሳስ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ዝካየድ ራብዓይ ዙር ስሉሳዊ ድርድር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

ጥሪ፡ ፕረዝደንት ኣል ሲሲ፡ ንፕረዝደንታት ሶማሊያን ኤርትራን ኣብ ካይሮ ብምዕዳም፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ኤደን ወደብ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ብዛዕባ ዝፈረመቶ ስምምዕ ብምድሃብ ተዘራሪቦም።

ለካቲት፡ ፕረዝደንት ግብፂ ምስ ኤርትራዊ መዘንኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ካይሮ ተራኺቡ፡ ናይታ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ፖለቲካዊ ምፍጣጥ ተሸሚማ ዝነበረት ሶማልያ ሉኣላውነት ምኽባር ከም ዘድልይ ተዘራሪቦም።

ሚያዚያ፡ ኢትዮጵያ፡ እምነ ሰረት ግድብ ህዳሰ ዝተነበረሉ መበል 13 ዓመት ኣኽቢራ።

ነሓሰ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ንግድብ ህዳሰ ብምህዋፅ፡ ሳልሳይን ራብዓይን ሓይሊ ምምንጫው ከም ዝጀመሩ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

2017 ዓ.ም.

መስከረም፡ ምኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ግብፂ ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ዝምልከት "ንበይናዊ ፖሊሲ" ኢትዮጵያ ውድቂ ብምግባር፡ ናብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ፅሒፉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ክሲ ነፂግዎ።

ጥቅምቲ፡ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ንሩባ ናይል ምሕላው "ጉዳይ ህልውና'ዩ" ብምባል፡ ጉዳይ ማይ ቀዳማይ ኣጀንዳ ሃገሩ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ታሕሳስ፡ ኢትዮጵያ፡ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንጐረባብቲ ሃገራት ንኸይትሸይጥ ግብፂ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ከፊታትለይ ብምባል ከሲሳ።

መጋቢት፡ ቀዳማይ ምኒስትር ኢትዮጵያ፡ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኣብ 2017 ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዛዘም ተዛሪቡ።

ሚያዝያ፡ ኢትዮጵያ ህንፀት እቲ ግድብ 98.6 ሚእታዊት ከም ዝተዛዘመን ሽድሽተኦም ተርባይናት ስራሕ ከም ዝጀመሩን ወግዓዊ ገይራ።

ግንቦት፡ ኢትዮጵያ ንግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝሕሉ ፖሊስ ሓይሊ ባሕሪ ኣጣይሻ።

ሓምለ፡ ኢትዮጵያ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብምኽንባቱ፡ ኵለን ኣባል ሃገራት ተፋሰስ ናይል፡ ኣብ ስነስርዓት ምረቓ እቲ ግድብ ንኽርከባ ፀዊዓ። ቀዳማይ ምኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ግብፅን ሱዳንን ኣብቲ ምረቓ ንኽርከባ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብዚ ወርሒ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንህንፀት እቲ ግድብ ገንዘባዊ ድጋፍ ከም ዝገበረት ብተደጋጋሚ ብወግዒ ክዛረብ ከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ እቲ ህንፀት ምሉእ ብምሉእ ብገንዘብ ኢትዮጵያውያን ከም ዝተሃንፀ ኣፍሊጡ።

ነሓሰ፡ ግብፅን ሱዳንን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝሃነፀቶ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ምብራቓዊ ተፋሰስ ሃገራት ናይል ዘላቒ ስግኣት ከንፀላሉ ደሪኹ ኢለን።

ኢትዮጵያ፡ ህንፀት እቲ ግድብ ዛዚማ ሎሚመዓልቲ ተመርቕ ዘላ ኰይና፡ ምኒስትራት ጉዳያት ወፃእን መስኖን ክልተአን ሃገራት ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝታዮም እዮም ነዚ ስግኣቶም ገሊፆም።