'ጌጋ ቀይሕ ባሕሪ ጽባሕ ክእረም እዩ' - ኣቢይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, PM Office/fb
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪን ምቍጽጻር ወደብ ዓሰብ ናይ ኤርትራን ኣመልኪቶም ዝተፈላለየ መግለጺታት ክህቡ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሰሙን እውን ቀጺሎሞ ኣለዉ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ንጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፡ ከምኡ ድማ ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ ንሓፈሻዊ ዝምድናታት ወጻኢ ሰራዊት ምክልኻል ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጉዳይ ዓሰብ ኣልዒሎም እዮም።
ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ምስ ኣማኻሪኡ ኣቶ ዳኒኤል ክብረት ኣብቲ ቦታ ግድብ ኰይኑ ኣብ ዝገበሮ ብሃገራዊ ተለቪዥን ኣብ ዝተዘርግሐ ዝርርብ ንጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዘልዓለ ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ኣባይ ናይ ሽሕ ዓመት ጉዳይ እዩ - ፈቲሕናዮ፣ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ትማሊ እዩ፣ ዝተፈጠረ ጌጋ ትማሊ ሰላሳ ዓመት እዩ፡ ክንእርሞ ኢና፡" ኢሉ።
እቲ ተደጋጋሚ፡ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ሕቶ እዩ ክብል ዝተሰምዐ ቀዳማይ ምኒስተር፡ እቲ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ይዅን ካልኦት ዝጠቐሶም ጉዳያት፡ "ካብ ኣባይ ዝነኣሱ እዮም፡" ክብል ኣቕሊሉ ገሊጽዎም። እንተዀነ፡ ነቲ "ክእረም እዩ" ዝበሎ ብኸመይ መንገዲ ኣይገለጸን።
ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ 1991 ካብ ጐበጣ ኢትዮጵያ ሓራ ወጺኣ፡ ኣብ 1993 ድማ ብሕጊ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ናጻ ሃገር ኰይና ማዕረ ካልኦት ሃገራት ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ተሰሪዓ።
እዚ እናተፈልጠ ግን፡ ካብቲ ምስሩት ዓለምለኻዊ መትከላት፡ ሕግታትን ውዕላትን ወጻኢ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ "ቅድሚ 30 ዓመት ዝተፈጥረ ስሕተት" ዝበሎ "ብቐሊል ክእረም እዩ" ምባሉ ሕጂ'ውን ኣዘራራቢ ዛዕባ ፈጢሩ'ሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ዳይረክተር ዝምድናታት ወጻኢን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ፡ 'ፕራይም' ኣብ ዝተባህለ ሜድያ ቀሪቡ መግለጺ ክህብ እንከሎ፡ ቀይሕ ባሕሪ ዋጋ ክንከፍለሉ ዝግብኣና እዩ ኢሉ።
እቲ ጀነራል ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ኣርባዕተ ነጥብታት ብምቕማጥ፡ ኢትዮጵያ ብዓሰብ ኣቢላ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝጸንሓ ታሪኻዊ ምትእስሳር፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣብ ዝፈቕዶ ርሕቀት ብምህላዋ፡ "ሕጊ ይድግፈና እዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ርእሲኡ ጀነራል ተሾመ፡ "ቀይሕ ባሕሪ ናብ ካልእ ኣካል ክኸይድ እንከሎ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ እዩ ኣሕሊፉ ዝሃበ፣ ብህዝቢ ዘይተመርጸ መሰጋገሪ መንግስቲ ድማ ሓላፍነት የብሉን፡" ብምባል፡ ነዚ ጉዳይ ምስቶም፡ "ፈተውትና እዮም ዝበሎም" ወገናት ይዘራረብሉ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ።
ሰበስልጣን ኤርትራ ግን፡ "ልኡላውነት መሬትን ባሕሪን ኤርትራ ድሕሪ ናይ ልዕሊ 50 ዓመታት ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ብዝተጐናጸፍዎ ወተሃደራዊ ዓወት ዝተረጋገጸ፡" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ብፍቶት ዝፈቐደ ወገን" ከም ዘየሎ ብተደጋጋሚ ገሊጾምዎ እዮም።

ብኣንጻር እዚ ጀነራል ዝሃቦ መግለጺ፡ ድሕሪ ምሉእ ስዕረት ስርዓት ደርግ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ናይቲ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘገልገሉ ሰበስልጣን እውን፡ እቲ ናይ ሽዑ መንግስቲ ነቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ክውንነት ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ተራ ጥራይ ከም ዝተጻወተ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክገልጽዎ ተሰሚዖም እዮም።
ሓደ ካብዚኣቶም ገዲም ተጋዳላይ ህወሓት ዝነበረ፡ ኣብ እዋን ስግግር ተወካሊ ትግራይ ኰይኑ ኣባል ፓርላማ ዝነበረ ዶ/ር ገብረኣብ በርነባ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነዚ ዝደጋገም ዘሎ ሕቶ ኣመልኪቱ፡ "ኤርትራ ግዝኣት ጣልያን እያ ነይራ፣ ድሕሪኡ ናይ እንግሊዝ፣ ድሕሪኡ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን - ናይ ባዕላ መንግስቲ፡ ናይ ባዕላ ባንዴራ፡ ናይ ባዕላ ወግዓዊ ቋንቋ ዘለዋ ኰይና እያ ብፈደረሽን ተጣቢቓ፤ እዚኣ ድማ ሃጸይ ሃይለስላሰ ጨውዮማ፡" ብምባል ነቲ መግዛእታዊ ዶባትን ውዕላትን ዘኽብር ቻርተር ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ጠቒሱ መጕቱ።
ኣተሓሒዙ ዶ/ር ገብረኣብ፡ "እቲ ኢትዮጵያ ስለ ዝፈለጠታ እያ ኤርትራ ናጻ ወጺኣ" ዝብል ዘረባ ብመሰረቱ "ሓሶት" ብምባል፡ ሕቶ ሃገርነት ኤርትራ ሕጋዊ መሰረት ዝነበሮ እውን ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
እዚ ኰይኑ ድማ፡ "ጉዳይ ኤርትራ ብመሰጋገሪ መንግስቲ ዘይኰነስ ብዂናት እዩ ተወዲኡ፤ ኤርትራውያን ብሓይሊ ስዒሮም እዮም ናጽነቶም ኣረጋጊጾም፤ እቲ ካልእ ጽምብል ጥራይ እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።
ሜጀር ጀነራል ገመቹ፡ ኣብ መግለጺኡ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ፡ ንህልውናን ጸጥታን ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግልጽ፡ "ካብቲ ባሕሪ ዝውንጨፉን ዝትኰሱን ከተማታትና - ርእሰ ከተማ ከይተረፈ ክሃርሙ ዝኽእሉ ርሕቀት ዝትኰሱ ስለ ዘለዉ፡ ኣብኡ ኴንና ኢና ክንከላኸሎም ንኽእል፡" ዝብል ምጕት'ውን ኣልዒሉ።
እቲ ዝበሎ ግን ካብ መን እዩ ክትኰሶም ኣየነጸረን፤ ኣብ ርእሲኡ ነቶም ነዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ብዝርዝር ነቕርበሎምን ነረድኦምን ኣለና፡ ዝበሎም "ፈተውቲ" እውን ብዓል ምዃኖም ግን ጀነራል ገመቹ ኣይጠቐሶምን።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ብወገን ኢትዮጵያ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ሰፊሕ ምላሽ ከም ዝሃበሉ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብቐንዱ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ መግለጺታት፡ "ናይቶም በሃልቱ ኣጀንዳ ኣይኰነን፡" ክብል ንታሪኻዊ ነጥቢታት ጠቒሱ ነይሩ።
እቲ ቀንዲ ጠንቂ ድማ እቲ ኣብታ ሃገር ይዅን ኣብቲ ዞባ ሰፊኑ ዝነበረ ተስፋን ባህግን ስለ ዝበነነ ካብኡ ንምህዳም ተባሂሉ ዝተፈጥረ ኵነታት እዩ ክብል ገሊጽዎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ጉዳይ፡ እቲ "ኣመሪካ ኣብ ጐድንና ኣላ..." እናበልካ ዝወሃብ መግለጺታት ሓቅነት ከም ዘይብሉ'ውን ብምግላጽ፡ "ፕረዚደንት ኢማራት ዘካይዶ ዘሎ ውልቃዊ ዕንደራ፡" ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







