ግብጽን ሱዳንን፡ ኣብ ድሮ ምረቓ ግድብ ህዳሰ እንታይ ተሰማሚዐን?

ምንጪ ስእሊ, MFAEgypt/fb
ግብጽን ሱዳንን፡ እቲ ንኽምረቕ ሒደት መዓልታት ዝተረፎ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ንሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ እቲ ሩባ ዘስዕቦ ስግኣት ኣመልኪተን ሓበራዊ መግለጺ ኣውጺአን ኣለዋ።
ምኒስተራት ጉዳያት ወጻእን መስኖን ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝታዮም እዮም፡ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም ዘለዉ።
እቶም ምኒስተራት፡ እቲ ብረቡዕ 28 ነሓሰ 2017 [ግ] ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ግድብ "ብመሰረት ዓለማዊ ሕጊ ኣብ ምርግጋእ ተፋሰስ ምብራቓዊ ክፍሊ ሩባ ኣባይ ቀጻሊ ሓደጋ ዘስዕብ'ዩ" ዝብል ትሕዝቶ ይርከቦ።
እቶም ምኒስተራት፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ እቲ ግድብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስን ኣብ ትሕታዋይ ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ንዝርከባ ሃገራት ከቢድ ሓደጋ ከምዘስዕብን ኣተሓሳሲቦም።
ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ንምምላእ፡ ዝወሰደቶ በይናዊ ስጕምቲ ዝተቓወሙ ምኒስተራት እተን ሃገራት፡ "ውሕስነተን ማየንን ሓደን ዘይመቓቐልን" ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።
ወሲኾም፡ "ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ተፋሰስ ምብራቓዊ ኣባይ እትኽተሎ ፖሊሲ ክትክልስን ኣለዋ" ብምባል ዳግማይ ዞባዊ ምትሕብባር ከተናዲ ይጠልቡ።
ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ፡ ተሳትፎ ካልኦት ሃገራት ተፋሰስ ናይል ብምንጻግ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ጥራይ ክረአ ከምዘለዎ ገሊጸን።
ኣብ መጋቢት 2011፡ ቅድሚ እወጃ ህንጸት እዚ ግድብ፡ ካብተን 11 ኣባል ሃገራት እቲ ተፋሰስ፡ ልዕሊ ሰለስተ ኢድ፡ ኣብቲ ተፋሰስ ኣብ ሓበራዊ ልምዓት ንምንጣፍ ዝዓለመ ዞባዊ ኮሚሽን ክምስረት ምውሳነን ዝዝከር እዩ።
ግብጽን ሱዳንን ካብዚ ሓበራዊ ዞባዊ ስምምዕ ወጺአን ከምዝጸንሓ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ህንጸቱ ኣብ 2003 [ግ] ዝተጀመረ ግድብ ህዳሰ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዘይምርድዳእ ከምዝፈጠረ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ፈለማ እዋን፡ ኣብ ህንጸት እቲ ዓቢ ግድብ ብዝምልከት፡ ተቓውሞ ዘይነበራ ሱዳን፡ ሓደ-ሓደ ግዜ ከምዚ ናይ ሕጂ እዋን፡ ምስ ግብጺ ሓበራዊ መርገጽ ክትሕዝ ትርአ።
ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ክልትኣውን ስሉሳውን ዝርርባት ከካይዳ'ኳ እንተጸንሓ፡ ኣብ ዝዀነ ዓይነት ስምምዕ ከይበጽሓ፡ ህንጸት እቲ ግድብ ሓሙሽተ ግዜ ማይ መሊኡ።
ግብጺ፡ ብተደጋጋሚ ንኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ግድብ ቀያዲ ስምምዕ ክትፍርም ሓቲታ'ኳ እንተነበረት፡ ኢትዮጵያ ግን ኣይተቐበለቶን፤ እቶም ዝርርባት ድማ ብዘይ ፍረ ተበቲኖም።
ኣብዚ እዋን፡ ኢትዮጵያ ህንጸት እቲ ግድብ ዛዚማ ኣላ፤ ንዘተ ግን ማዕጾኣ ክሳብ ሕጂ ክፉት ምዃኑ ምኒስተር ማይን ጸዓትን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶክተር) ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እዚ ገዚፍ ግድብ ብብዝሒ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘመንጩን፡ እዚ ድማ ንብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ቀረብ ጸዓት ከም ዝህብን እቲ ምኒስተር ኣመልኪቱ።
ምዝዛም ዓቢ ግድብ ህዳሰ፡ መንግስቲ ነቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘይረክብ 46% ህዝቢ ኢትዮጵያ ቀረብ ጸዓት ንምሃብ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ዝሕግዝ ምዃኑ ምኒስተር ሃብታሙ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ 54% ጥራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ይረክብ ከም ዘሎ ጠቒሱ።
"ክሳብ ሕጂ ኣስታት 46% ሓይሊ ኤሌክትሪክ የብሎምን። ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ነዚ ቍጽሪ ንምንካይ ንሰርሕ ኣለና።"
እቲ ምኒስትር ወሲኹ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2030፡ ማለት ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ብውሕዱ 90 ሚእታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክረክብ ዓሊሙ ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ህንጸት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ይንገር። እዚ ድማ ልዕሊ 5 ሽሕ ሜጋ ዋት ጸዓት ከመንጩ ዓቕሚ ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ክዛዘም ትጽቢት ይግበር ነይሩ።
እንተዀነ 14 ዓመት ወሲዱ እዩ ሎምቕነ ተዛዚሙ ክምረቕ ምድላዋት ዝግበር ዘሎ።
ምኒስተር ሃብታሙ ኢተፋ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ምህናጽ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ ግብጽን ሱዳንን "ኣካል ናይቲ ዝርርብ ስለ ዝነበራ ይፈልጦኦ እየን። ብዛዕባኡ ክፈልጣ ካብ ዝግበር ኣትሒዙ፡ ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ጕድኣት ከም ዘየስዕብ ንኸተረድእን ንኽትዘራረብን ድልውቲ'ያ፡" ይብል።
እቶም ኣብ መንጐ እዘን ሃገራት ዝተኻየዱ ተደጋጋሚ ዝርርባት ብምዝኽኻር፡ ዓለምለኸ ጕጅለ ክኢላታት እውን ንህንጸት እቲ ግድብ ገምጊሙ ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከባ ሃገራት ዘውርድኦ ዝዀነ ጕድኣት ከም ዘየለ ከም ዝደምደመ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዮዌሪ ሙሰቨኒ -ሓንቲ ካብ ሃገራት ላዕለዋይ ተፋሰስ ኣባይ - ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ህይወት 105 ሚልዮን ዜጋታትናን ኣብ ሃገርና ዝርከቡ 10 ሚልዮን ኣጋይሽን ብህወይት ዘጽንሕ ማይ ክትንከፍ ፈጺምና ኣይነፍቅድን፡" ክብል ኣጠንቂቑ።
ህንጸት ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ምምላእ ማይን ክጅመር እንከሎ ኣትሒዙ ብትሪ ዝዅንን ዝነበረ ኣልሲሲ፡ ሃገሩ ኣብ መስርሕ ህንጸትን ምምላእን እቲ ግድብ ተሳትፎ ክህልዋን ኣብ ማይ ኣባይ ዝዀነ ይዅን በይናዊ ስራሕ ብፍሉይ ከም ዘይትቕበልን ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ።
"ግብጺ ኣብ ልዕሊ ውሕስነት ማያ ዘሎ ስግኣት ህላወ፡ ሸለል ኢላ ክትሓልፎ እያ ኢሉ ዝሓስብ እንተልዩ፡ ተጋግዩ። ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ህላወ ጸጋታት ህዝብና ንምሕላው ዝዀነ ስጕምቲ ክንወስድ ኢና" ክብል ኣልሲሲ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣብ መንጐ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዛዕባ'ቲ ግድብ ዝካየድ ስሉሳዊ ዘተ ብዘይ ዝዀነ ውጽኢት ቀጺሉ፣ ነፍሲ ወከፍ ወገን ነቲ ዘተ ብዘይምቍራጽ ንሓድሕደን ይነቕፋ።
ኣብ ድሮ ምረቓ
ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ክልተኣዊ ኣኼባ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደላቲ፡ ምኒስተር ማይን መስኖን ሃኒ ስዊለም፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዑመር ሰዲቕ፡ ከምኡ'ውን ምኒስተር ሕርሻን መስኖን እስማት ቝረሺ እዮም ተረኺቦም።
ምኒስተራት ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ኣገዳስነት ውሕስነት ማይ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሑ ኣፍሊጦም።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ማይ ሩባ ኣባይ ዘለወን ምሉእ መሰል ንምሕላውን፡ ብመሰረት ውዕል 1959ን ዓለማዊ ሕግን መትከላት ሓባራዊ ረብሓን ማዕረ መሰላትን ንምኽባርን ብሓባር ክሰርሓ ድሌተን ገሊጸን።
ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ተፋሰስ ምብራቕ ኣባይ ንረብሓ ማይ ዝጸሉ ዝዀነ ይዅን ብሓደ ወገን ዝውሰን ውሳነ ተቓዊመን።
ምኒሰተር ሃብታሙ ኢተፋ፡ "ኢትዮጵያ፡ እቲ ንሶም ዝደለይዎ መጠን ማይ ክትለቅቕ ብኣስገደድ ንምፍራም'ዩ፤ ንሕና ማይ ኣባይ ንዅለን ሃገራት እቲ ተፋሰስ ይኣክል እዩ ኢልና ኢና ንኣምን። ግን ሕጂ'ውን ኣብቲ መግዛእታዊ ስምምዕ ጸኒዖም ኣለዉ። እዚ ድማ ንሱዳንን ግብጽን እዩ መሰል ዝህበን። ንሃገራት ላዕለዎት ተፋሰስ ከኣ ካብ ጸወታ ወጻኢ ይገብረን፤ እዚ ዘይፍትሓዊ'ዩ። ነዚ ክቕበሎ ዝኽእል ሰብ የለን፡" ኢሉ።
ግብጺ፡ ኣብ 1959 ምስ ኤውሮጳውያን ዝተፈረመ መግዛእታዊ ስምምዕ መሰረት ብምግባር፡ ንማያት እቲ ሩባ ኣብ ትሕቲ መትከል ታሪኻዊ ልኡላውነት ጥራይ ክትጥቀመሉ ዘለዋ ድሌት ብምጥቃስ ብተደጋጋሚ ንኢትዮጵያ ክትነቅፍ ጸኒሓ እያ።
እዚ ድማ ኣብ ማያት እቲ ሩባ ዝበዝሐ ብጽሒት ይህባ።
እቲ ስምምዕ ንኢትዮጵያ ካብ ምግላል ብተወሳኺ፡ ግብጺ 55.5 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ ማይ፡ ሱዳን ድማ 18.5 ቢልዮን ሜትር ኪዩቢክ ማይ ክረኽባን፡ እታ 86 ሚእታዊት ማይ ሩባ ኣባይ እተመንጩ ኢትዮጵያ፡ ብዘይ ማይ ዘትርፍ ሻራውን ዘይፍትሓውን ስምምዕ ከም ዝዀነ እዩ ዝግለፅ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







