ሓበን ኢትዮጵያ - ኣብ ኣፍሪቃ ዝገዘፈ ግድብ ንምህናጽ ዝተኸፍሎ ዋጋ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
- Author, ቃልኪዳን ይበልጣል
- Role, ቢቢሲ ኒውስ
- Reporting from, ኣዲስ ኣበባ
እቲ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ መካኒካል ኢንጂነር፡ ስፍሓት ናይቲ ህንፀት ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታ ክርኢ እንከሎ ልዕሊ ዓቕሙ እዩ ነይሩ።
ኣማኢት ሰባት ኣብ ከቢድ ኵነታት ናይቲ ሕጂ ዝዓበየ ዲጋ ሃይድሮ-ኤለክትሪክ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኣብ ሩባ ኣባይ (ኒል) ሰራሕ ጀሚሮም፡ መሰረት ክዅዕቱ ፀኒሖሙዎ።
ሞገስ የሺዋስ ኣብ 2012 ኣብቲ ጫፍ ምዕራብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ ከሎ ወዲ 27 ዓመት እዩ ነይሩ፣ ኣብ ሞያኡ ዓቢይ ተመኵሮ ክረክብ ተሃንጥዩ ነይሩ።
ምዝዛም እቲ ግድብ፡ ኣብ ሃገሩ ገዚፍ ለውጢ ክርኢ ተዳልዩ ኣሎ፣ እንተዀነ ንህይወቱ እውን ቀይርዎ እዩ።
ቀዳማይ ምኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ እቲ ነታ ሃገር ኤለክትሪክ ንምሃብ ዝሕግዝ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ብወግዒ ከመርቖ እዩ።
እቲ ግድብ 1.78 ኪ.ሜ (1.1 ማይልስ) ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰጣሕ ጐልጐል ዝዝርጋሕ ኰይኑ፡ ብራኸኡ ድማ 145 ሜትሮ ዘለዎ፡ ብ11 ሚልዮን ሜትር ኲብ ኮንክሪት ዝተሃንጸ እዩ።
ብትግርኛ ወጋሕታ ዝብል ትርጕም ዘለዎ፡ 'ቀላይ ንጋት' ዝበሃል ማያዊ ኣካል ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ዝነውሐ ሩባ ኣባይ እዩ ተሃኒፁ ዘሎ፤ ምስተን ኣብ ትሕታዋይ ክፋል እቲ ሩባ ዝርከባ ሃገራት ዘካትዕ እዩ።
ብፍላይ ምስ ምስ ግብጺ ዝተፈጥረ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ፡ ከይዱ ከይዱ ናብ ግጭት ከየምርሕ ይስጋእ ነይሩ።
ንኢትዮጵያ ግና እቲ ግድብ ምልክት ሃገራዊ ሓበን ኰይኑ።
I came seeking employment, but somewhere along the way, it stopped feeling like just a job"
ወዲ 40 ዓመት ዝዀነ ኣቶ ሞገስ፡ ኣካል ናይዚ ስራሕ ብምዃኑ ኣዝዩ ሕጉስ እዩ።
"መዓልታዊ ምዕባለ ናይቲ ግድብ ምዕዛብ ኣዝዩ ዘዕግብ እዩ ነይሩ። ስራሕ ደልየ እየ መጺአ፣ ኣብ መንጐኡ ግን ስራሕ ጥራይ ኰይኑ ክስምዓኒ ኣይከኣለን። ምስቲ ግድብ ምትእስሳር ፈጢረ፡ መጻኢኡ ከም ናተይ ኰይኑ የጨንቐኒ።"
ብዙሕ ብድሆታት ነይሩ።
"ካብ ስድራ ንነዊሕ እዋን ምፍልላይ ከቢድ እዩ ነይሩ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣቶ ሞገስ ናብቲ 400 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ዓዱ ባህርዳር ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ጥራይ እዩ ዝኸይድ ነይሩ።
እቲ ግድብ ዘለዎ ቦታ ርሕቀትን ሓድሓደ ግዜ ብርቱዕ ሙቐትን ከቢድ እዩ፤ ኣብ ገሊኡ እዋን ሙቐት 45 ደረጃ ሰልሰስ ይበጽሕ፤ ሰዓታት ስራሕ ነዊሕ እዩ ነይሩ።
"ካብ ሰዓት ሓደ ንግሆ ክሳዕ ሰዓት ሓደ ናይ ምሸት ይቕጽል ነይሩ። ንምሳሕ ናይ ሓደ ሰዓት ዕረፍቲ ጥራይ'ዩ። ድሕሪኡ ንናይ ለይቲ ተረኛ ሰራሕተኛታት ኣረኪብና ንኸይድ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ስራሕ 24 ሰዓት ክቕጽል ስለ ዝነበሮ፡" ይብል ሞገስ።
ስርሑ፡ እቲ መዋቕር ጥዑይ ምዃኑን ደረጃታት መንደቕ ከም ዝሕሎን ምርግጋጽ እዩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብፖለቲካዊ ናዕብን ዓሌታዊ ግጭትን እትሕመስ እዛ ሃገር፡ እቲ ግድብ ጠማሪ ኰይኑ ዝረኣየሉ ኵነታት ነይሩ።
ገሊኦም ከምቲ መሃንድስ፡ ብቐጥታ ኣብቲ ግድብ ክሰርሑ እንከለዉ፡ ካልኦት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን ወፍሪ ገይሮምሉ።
ብዙሓት ነቲ ግድብ ብወፈያን ቦንድ ብምዕዳግን ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዋሽንግተን ንህንጸት እቲ ግድብ ብገንዘብ ከም ዝደገፈት እኳ እንተ ገለጸ፡ ኣዲስ ኣበባ ግን ምሉእ ብምሉእ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ከም ዝተመወለ እያ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ሓያሎ ገንዘብ ናይ ምውጻእ ጐስጓሳት ተኻይዶም፣ ተደጋጋሚ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣለዉ።
ብዓል ሞያ ሕክምና ኪሮስ ኣስፋው፡ ካብኣቶም ሓደ እዩ ነይሩ።
ንሱ፡ ካብታ ብናይ ክልተ ዓመት ኲናት ሓድሕድ ዝተሃሰየት ትግራይ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ስራሕ ኣብ 2011 ካብ ዝእወጅ ኣትሒዙ ኣብ ህንጸት እቲ ግድብ ኣብ ዝከኣሎ እዋን ኣበርክቶ ገይሩ።
ልዕሊ 100 ግዜ ቦንድ ከም ዝገዝአ ይዛረብ። ኣብ እዋን ኲናት፡ ባንክን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን'ኳ ዕድጊ ቦንድ ደው ኣየበለን።
ኪሮስ፡ ምጅማር እቲ ፕሮጀክት ዘበሰረ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ነፍስሄር መለስ ዜናዊ፡ ኵሎም ኢትዮጵያውያን ነቲ ግድብ፡ ብሓደ ደው ክብሉ ኣለዎም፡ ብዝብል ስምዒታዊ ዘረባኡ ዝተተንከፈ እዩ።
"እቲ ግድብ ክሳዕ ዝዛዘም ዝከኣለኒ ኵሉ ክገብር ንነብሰይ ቃል ኣትየላ፡" ይብል እዚ ኣቦ ሓሙሽተ ቈልዑ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል።
ሕጂ ኵሎም ተርባይናት ምስ ዝሰርሑ፡ እቲ ሓይሊ ንኢትዮጵያ እንታይ ለውጢ ከምጽኣላ ከም ዝኽእል ምሕሳብ ተጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ ምሉእ ዓቕሙ 5,100 ሜጋዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከመንጩ ይግባእ። እዚ፡ ካብቲ እታ ሃገር ብዘይ ግድብ እተፍርዮ ልዕሊ ዕጽፊ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ንተወሳኺ ዓሰርተታት ሚልዮናት ኣባይቲ መብራህቲ ንምቕራብ ዝኣክል እዩ።
እዚ ግን፡ ነቲ ሓይሊ ናብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ንምስግጋር ኣብ ዝዝርጋሕ መሰረተ-ልምዓት ዝምርኰስ እዩ።
ምኒስተር ማይን ጸዓትን ሃብታሙ ኢፈታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብ 135 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር መብራህቲ ከም ዘይረክብ ገሊጹ።
"ሕጂ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ክነውርዶ እንደሊ ብዝሒ ንሱ'ዩ። ዕላማና ክሳዕ 2030 እንተ ወሓደ 90% ህዝብና ሓይሊ ኤለክትሪክ ክረክብ ኣለዎ፡" ዝብል ምዃኑ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Negera / BBC
ጓል 35 ዓመት ጌጤነሽ ጋቢሶ ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ፡ ካብ ከተማ ሃዋሳ ውፅእ ኢላ ኣብ እትርከብ ገጠር ኣላሙራ ትነብር።
ህይወታ ናይቶም ኣብ ገጠራት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ገባራት ዘንጸባርቕ እዩ።
ንእሽቶን ብጭቃ መንደቕ ዝተሰርሐት ኣጕዶኣ ካብ ሃዋሳ 10 ኪ.ሜ ጥራይ ርሒቓ እኳ እንተ ሃለወት፡ ወ/ሮ ጌጤነሽ፡ ብዓል ቤታን ሰለስተ ደቃን መብራህቲ የብሎምን።
ንመብሰሊ መግቢ ኣብ ዙርያ እቲ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ ሕርሻኦም ዕንጸይቲ ትእክብ።
ንመብራህቲ ድማ ብነዳዲ ዝሰርሕ ቅራረት ይጥቀሙ። ብዓል-ቤታ ገርመሳ ጋልቻ ንጥዕና ስድራኡ ይግደስ።
"[ጌጤነሽ] ቀደም ዓበይትን ጽቡቓትን ኣዒንቲ ነይሮምዋ። ትኪ ናይዚ ኵሉ ዓመታት ግን ይጐድኣ ኣሎ። ሎሚ ዓይና ይነብዕ፡" ይብል።
"እዚ ትኪ ንደቀይከ እንታይ ክገብሮም እዩ ኢለ እጭነቕ።"
ንወ/ሮ ጌጤነሽ፡ ጸልማት ምስ ኰነ፡ ሓድሓደ ግዜ ካብ ሞባይል ብዓል-ቤታ ዝመጽእ ድኹም ብርሃን፡ ብለይቲ ክትሪእይ ምኽኣል ጥራይ እያ ትሓልም።
"ኣብ ገዛይ ብርሃን ክርኢ እየ ዝደሊ። ካልኦት ኵሎም ኣቝሑ ኤለክትሪክ ሕጂ ቍውምነገር የብሎምን። ምሸት ብርሃን ጥራይ እዩ ዘድልዮ፡" ክትብል ንቢቢሲ ትገልጽ።
ካብቲ ግድብ ክመጽእ ዝኽእል ረብሓ ኵሎም ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ።
ምኒስተር ማይን ጸዓትን ሃብታሙ፡ ትሕተ ቅርጺ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምስፋሕ ብዙሕ ስራሕ ከም ዘድሊ ይኣምን።
ንኣሽቱ ከተማታትን ርሑቓት ዓድታትን ንምትእስሳር ገና ዓሰርተታት ኣሽሓት ኪሎሜተር ገመድ-ኤለክተሪክ ምዝርጋሕ ከድሊ እዩ።
መሃንድስ ሞገስ ግን፡ ኣብ መወዳእታ ለውጢ ክርኢ ምዃኑ ኣይጠራጠርን።
ኣብ ግድብ እናሰርሐ እንከሎ ዝተወልደ ወዲ ኣለዎ።
"ኣደኡ ክትሓርስ ኣብኡ ዘይምንባረይ ሕማቕ እዩ ዝስዓመኒ። መጻኢኡ ግን ብምኽንያት'ቲ ዝገበርክዎ ኣበርክቶ ብሩህ ክኸውን ምዃኑ እፈልጥ'የ፡ ምስ ዓበየ ድማ እዚ ዛንታ ክነግሮ ከለኹ ሓበን ክስምዓኒ እዩ።"
![ሩባ ኣባይ [ኒል] ዘርኢ ካርታ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/2c96/live/9a587790-6e9b-11ef-b02d-c5f3b724a1ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







