ብዛዕባ ድዱዕ ዘይትፈልጥዎም ረብሓታት ክንነግረኩም

ምንጪ ስእሊ, THINKSTOCK
ብዙሓት ሰባት ድዱዕ ምስ ዘይጽሩይ ክሽነታትን ሽቓቕን እዮም ዘተኣሳሰርዋ። ሃንደበት ኣብ ሰብነቶም ድዱዕ ክትከይድ ከላ ዘስካሕክሖም እውን ቁሩብ ኣይኰኑን።
ካብ ተራ ውልቀሰብ ክሳብ ተቖጻጸርቲ ባልዕን ነፍሳትን ብዛዕባ ድዱዕ ይግደሱ እዮም።
ካብዚ ሓሊፉ ግን ድዱዕ ኣብ ጸረ-ነፍሳት፡ ሮቦታትን መካኒካዊ ኣካላትን ዝካየዱ ምርምራት ከም ዘነቓቕሐት መጽናዕትታት የመልክቱ።
መበቆላ ኣብ ኩባ ዝዀነት ደማቕ ቀጠልያ ድዱዕ ኣብ ሃቫና መብዛሕትኡ ግዜ ከም እንስሳ ዘቤት ትዕቀብ፤ ኣብ ዝጸንሑ ጽውጽዋያት ከይተረፈ ትለዓል’ያ።
ይኹን’ምበር ድዱዕ ብዙሕ ግዜ ድማ ከም ለባምን ጽብቕትን ፍጥረት ኣይትለዓልን፤ ምኽኑይ ዘይኰነ ሕማቕ ስም እውን ኣትሪፋ እያ።
ኣብ ዓለም ዝፍለጡ 4500 ዓይነታት ድዱዕ’ኳ እንተሃለዋ፡ ከም ባልዕ ዝቑጸራ ወይ ሕማም ዘላግባ ግን እተን ኣርባዕተ ጥራይ እየን።
መብዛሕትአን ዓይነታት ድዱዕ ኣብ ጥቓ ገዛውቲ ደቂ ሰባት ኣይነብራን፤ ዝሞተን ዝበስበሰን ነገራት ብምምጋብ ድማ ኣገዳሲ ስነ-ህይወታዊ ተራ ይፍጽማ።

ምንጪ ስእሊ, ALAMY
ገለ ዓይነታት ድዱዕ ድሙቕ ሕብርታትን ቅርጽታትን ኣለወን።
ገሊአን ማሕበራዊ ኰይነን ሓባራዊ ውሳነታት ይወስዳ፤ ብዛዕባ መግብን መጽለልን እውን ሓበሬታ የመሓላልፉ።
ንበይነን ዝነብሩ ኣለዋ፡ ብጽምዲ ደቀን ብሓባር ዘዕብያ’ውን ኣለዋ።
ልዕሊ ዅሉ ድዱዕ ተጻዋርነት ኣለዋ፡ ንኣዋርሕ ብኣዝዩ ቁሩብ መግቢ ክትነብር ተኽእሎ ትኽእል እያ።
ዩብላቤረስ ፖስቲከስ ዝተበሃለት ድዱዕ፡ ኣብ ማይ ጥራይ ንሓደ ዓመት ክትነብር ትኽእል።
እታ ዓባይ ዓይነት ኣብ ኣውስትራልያ ትርከብ ሓሪሽ ድዱዕ እትበሃል እያ፤ ክብደታ 35 ግራም ኰይኑ፡ ንውሓት ድማ 8 ሴንቲ ሜተር ይበጽሕ።
ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ልሙድ ዝዀነት ድዱዕ ጀርመን እታ ዝነኣሰት እያ፤ ንውሓታ ኣስታት 1 ሴንቲ ሜተር ጥራይ እዩ።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ግን ኣብ ክንዲ ዝፍንፍንዋ፡ ከም ምንጪ ምትብባዕ እዮም ዝርእይዋ።

ምንጪ ስእሊ, SCIENCE PHOTO LIBRARY
ኣብ 1999፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ በርክሊ ዝሰርሕ ፕሮፌሰር ሮበርት ፉል፡ ድዱዓት ዝንቀሳቐሳሉ ዝነበረ ኣገባብ፡ ካብ ዝዀነ ካልእ ብዝቐልጠፈን ብቐሊሉን ዝንቀሳቐስ ሽዱሽተ እግሪ ዘለዎ ሮቦት ንኽምህዝ ኣነቓቒሕዎ እዩ።
ንሱ፡ እተን ድዱዓት ዝነጥር ዝመስል ኣእጋረን ከምኡ’ውን ክቢ ቅርጺዘለዎ፡ ተዓጻጻፊን ብዝተኣሳሰሩ ቱቦታትን ጽላትን ዝቖመን ኣካላት ብኸመይ ኣብ ዝተሓላለኸ መሬት ክኸዳ ከም ዘኽእለን ይገልጽ።
ንቐጻሊ ወለዶ ደቂ ሰባት ዝኸውን ኣካላዊ እግሪ ዝነድፉ ተመራመርቲ'ውን ካብ ኣእጋር ድዱዓት ሓሳባት ይረኽቡ ኣለዉ።
መካኒካዊ ባህሪ ኣእጋረን፡ ሓድሽ መካኒካዊ ኢድ ሰብ ንምምሓዝ መሰረት ኰይኑ እዩ።
ናይዚ ዕላማ፡ ልክዕ ከም ኢድ ሰብ ድሌቱ ኣቕሓ ዘልዕል መካኒካዊ ኢድ ምፍራይ ምዃኑ ሓላፊ ላቦራቶሪ ባዮሮቦቲክስ ሃርቫርድ ሮበርት ዲ ሆው ይጠቅስ።

ምንጪ ስእሊ, CARLOS SANCHEZ TEXAS A&M UNIVERSITY
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሮቦታዊ ድዱዕ ኣላ፤ እዚኣ ህያው ድዱዕን ኰይና ብመጥባሕቲ ኣብ ሕቖኣ ዝተቐመጠ ንእሽቶ ኮምፕዩተር እውን ኣለዋ።
እዛ ድዱዕ ናብ ከም ዝፈረሰ ህንጻታት ዝኣመሰሉ ንደቂ ሰባት ዘጸግሙ ቦታታት ብምብጻሕን ኣብኡ ድማ መረዳእታታት ብምእካብን ናብ ኮምፒተር መልእኽቲ ትልእኽ።
ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሻንጋይ ጂያኦ ቶንግ፡ ብኣእምሮኦም ንድዱዕ ክቆጻጸርዎ ከምዝኽእሉ ኣርእዮም እዮም።
ንማዕበል ሓንጎል ደቂ ሰባት ናብ ኤሌክትሪካዊ ድርኺት ብምትርጓም፡ ናይ መቐበሊ ዝተገጠመላ ድዱዕ ናብ ዝደለይዎ ቦታታት ንኽትከይድ ክእዝዙ ክኢሎም።
ኣብ ሕክምና እውን ምስ ድዱዕ ዝተኣሳሰሩ መጽናዕትታት ኣለዉ።
ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ድዱዓት ከመይ ገይረን ኣብ ረሳሕ ከባቢታት ብዘይ ዝዀነ ኣሉታዊ ሳዕቤን ህይወተን ክመርሓ ከም ዝኽእላ ክሓስቡ ጸኒሖም እዮም።
ብድሕሪኡ ድማ ድዱዓት ናይ ገዛእ ርእሰን ሓያል ጸረ-ነፍሳት ከም ዘፍርያ ኣረጋጊጾም።
እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ሕማም ዘስዕቡ ኣዝዮም መርዛም ባክተርያታት ዝጸንሑ ጸረ-ባልዕ ዝጻወሩ ነፍሳትን ንምክልኻል ዘኽእሉ መድሃኒታት ኣብ ምምዕባል ዝሕግዝ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ካብ ድዱዕ ዝርከብ መድሃኒት ግን ሓድሽ ነገር ኣይኰነን።
ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ላፍካድዮ ሄርን ዝተባህለ ናብ ደቡባዊ ግዝኣታት ኣመሪካ ዝተጓዕዘ ጋዜጠኛን ጸሓፍን "ንቴታነስ ብድዱዕ ዝፈልሐ ሻሂ ይወሃብ። ክንደይ ድዱዓት ነቲ ሻሂ ከም ዘድልያ ኣይፈልጥን፤ እዚ መድሃኒት ግን ንብዙሓት ኣመሪካውያን ህዝቢ ኒው ኦርሊንስ ሓያል ከም ዝዀነ ክኣምን ክኢለ" ክብል ጽሒፉ ነይሩ።
ሎሚ ኣብ ገለ ክፋል ቻይና ዝርከባ ሆስፒታላት፡ ንቃጸሎ ንምፍዋስ ካብ ሓሩጭ ድዱዕ ዝተዳለወ ክሬም ይጥቀማ።
ሓሓሊፉ ድማ፡ ምልክታት ሕማም ከስዐ ንምቅላል ንሕሙማት ካብ ድዱዕ ዝተሰርሐ ሽሮፕ ይወሃብ።

ምንጪ ስእሊ, THINKSTOCK
ጠለብ ናይተን ድዱዓት ይውስኽ ከም ዘሎ ዝተረድአ ዋንግ ፉሚንግ ኣብ ምብራቓዊ ቻይና ኣብ ኣውራጃ ሻንዶንግ ሕርሻ ድዱዕ ኣጣይሹ እዩ።
ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዘዳለዎ ቦታ ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 22 ሚልዮን ዝበጽሓ ድዱዓት የዕቅብ።
ካብ 2010 ጀሚሩ ዋጋ ዝነቐጸት ድዱዕ ብዓሰርተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ድማ ይዛረብ።
ድዱዕ ኣብ ቻይና እውን ከም መግቢ ትብላዕ እያ።
ኣብ ዘይቲ ተጠቢሳ፡ ደጋዊ ኣካላ ቅጥን እቲ ውሽጣዊ ድማ ልስሉስ ኰይኑ ምስ ፎርማጆን ቁሩብ በርበረን ክትቀርብ እንከላ ተፈታዊ መግቢ’ያ።
ብዝሒ ህዝቢ ደቂ ሰባትን ጠለብ ፕሮቲን እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ፡ ምናልባት ሓደ መዓልቲ እታ ሕዚ ፍንፍንቲ ዝዀነት ድዱዕ ንዓለም ክትምግብ ትኽእል ትኸውን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







