'ኣብ መስርሕ ህንጸት ግድብ ህዳሰ 15,000 ሰባት ሞይቶም' ዝተባህለ ሓቂ ድዩ?

ኣብ ህንጸት ህዳሰ ግድብ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት የካትዕ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መስርሕ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ክሳብ 15 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ዝነግር መግለጺ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ኣመና ኣዘራራቢ ኰይኑ ቀንዩ ኣሎ። ቢቢሲ ነቲ ኣሃዝ ከጣልል ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት እቲ ዓቢይ ፕሮጀክት ዝተሳተፉን ዝምልከቶም ኣካላትን ከዘራርብ ጻዕሪታት ኣካይዱ'ሎ።

ኣብቲ ፕሮጀክት ንነዊሕ እዋን ዝሰርሑ ክልተ ክኢላታት ድሕነት፡ ኣብቲ 14 ዓመታት ዝወሰደ ህንጸት ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ "ክሳብ 15 ሽሕ ሰባት ሞይቶም" ዝብል ሓበሬታ መንግስቲ እታ ሃገር ነጺጐምዎ።

ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ከምዘረጋገጸ ዝንገረሉ ምኒስተር ማይን ጸዓትን ዶክተር ሃብታሙ ኢተፋ፡ "እቲ ሕቶ ብጌጋ ዝተተርጐመ እዩ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ምኒስተር ማይን ጸዓትን ዶክተር ሃብታሙ ኣብ ህንጸት እቲ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ክምረቕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 15 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ከረጋግጽ ዝኽእል እንተዀይኑ ሕቶ ቀሪብሉ ነይሩ።

እቲ ምኒስተር መጽሔት ሪፖርተር ኣብ ዘሕተሞ ቃለ መሕትት፡ "እወ ሓቂ እዩ" ክብል መሊሱ።

ኣብቲ ቃለ መሕትት ዝተጠቕሰ ምስ ህንጸት እቲ ግድብ ዝተተሓሓዘ ብዝሒ ዝሞቱ ሰራሕተኛታት እቲ ግድብ ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራረቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ኣሎ።

ቢቢሲ ኣብ ትካል ሳሊኒ ኢምፕረጅሎ ኣተሓባባሪ ድሕነትን መሃንድስን ነበር ዘዘራረበ ኰይኑ ምስቲ ስራሕ ተተሓሒዙ ብመንግስቲ ዝተጠቕሰ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰራሕተኛታት ልክዕ ኣይኰነን'ዩ ዝብል።

መሃንድስ "ጥዕናን ድሕነትን ከባቢ" ናይቲ ትካል ኢንጂነር ሞገስ የሺዋስ፡ ካብ መጋቢት 2004 ክሳብ ግንቦት 2017 [ግ] ኣብቲ ህንጸት ሰሪሑ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካልእ ኣተሓባባሪ ክፍሊ "ጥዕናን ድሕነትን ኣከባቢ" ዝነበረ ምንተስኖት ኣየለ ካብ 2004 ጀሚሩ ኣብቲ ህንጸት ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ዝጸንሐ እዩ።

እዞም ክኢላታት ንመብዛሕትኡ ብ ትካል 'ዊ ቢዩልድ' ዝቝጸር ሰራሕተኛ ናይ ምክትታልን ምምዝጋብን ሓላፍነት ዝነበሮም ኰይኖም ኣብ መስርሕ ህንጸት ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ከምዘለው ይገልጹ።

"ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሰባት ዝሞቱሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ" ይብል ክሳብ 2014 ኣተሓባባሪ ከባቢ ጥዕናን ድሕነትን ኰይኑ ዝሰርሐ ምንተስኖት።

"ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰሩ ናይ ሞት ሓደጋታት ኣጋጢሞም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ድሕነት እቲ ግድብ እናሓለዉ፣ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናብቲ ግድብ ንብረት ኣብ ምጕዕዓዝ ዝነበሩ ዝሞቱ ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብቲ እዋን ዝሞቱ ኣባላት ሓይሊታት ምክልኻል ሃገር ክህልዉ ይኽእሉ እዮም" ይብል።

ርግጸኛ ኰይነ ክዛረቦ ዝኽእል ነገር ግን ምስ ህንጸት እቲ ግድብ ብቐጥታ ብዝተኣሳሰር ናይ ዝሞቱ ሰባት ቍጽሪ ጥራዩ'ዩ ዝበለ ምንተስኖት "ኣነ ክሳዕ ዝፈልጦ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ሰባት ከምዝዀኑ'ዩ" ኢሉ።

ክሳብ ግንቦት 2017 ናይቲ ኮንትራክተር መሃንድስን ኣተሓባባሪ ጥዕናን ድሕነትን ከባቢ ዝነበረ ሞገስ'ውን ምስ ናይ ምንተስኖት ሓበሬታ'ዩ ዝሰማማዕ።

እቲ መሃንድስ "እቲ ስራሕ ይምልከተኒ ስለዝነበረ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ንምዝግብ ነይርና ኢና። በዚ መሰረት ዝሞቱ ሰራሕተኛታት ኣስታት 25 እዩ ነይሩ፤ እቲ ኩባንያ ዝፈልጦ ንሱ'ዩ" ኢሉ።

መብዛሕትኦም እቶም ብ 'ዊ ቢዩልድ' ዝተቘጸሩ ሰራሕተኛታት ብ"ሓደጋ ትራፊክ" ከም ዝሞቱ ገሊጹ። "ካብ ብራኸ ምውዳቕ"ን "ሓደጋ ኤሌክትሪክ"ን እውን ከም ጠንቂ ሞት ሰራሕተኛታት ከምዝተጠቕሱ ኣብሪሁ'ሎ።

ሓለፍቲ ድሕነትን ጥዕናን ሰራሕተኛታት እቲ ግድብ ብመንግስቲ ዝተጠቕሰ ቍጽሪ ይነጽግዎ

ምንጪ ስእሊ, OFFICE OF THE PRIME MINISTER-ETHIOPIA

መግለጺ ስእሊ, ሓለፍቲ ድሕነትን ጥዕናን ሰራሕተኛታት እቲ ግድብ ብመንግስቲ ዝተጠቕሰ ቍጽሪ ይነጽግዎ

መሃንድስ ኣከባቢ ጥዕናን ድሕንነትን ኣቶ ሞገስ፡ ብፍላይ ኣብ ህንጸት ኤሌክትሮሜካኒካል እቲ ግድብ ዝተሳተፉ ካልኦት ኮንትራክተራት ከምዘለዉ ገሊጹ። ይዅን እምበር፡ እቲ "ዝለዓለ ሓደጋ" ኣብቲ ብሰራሕተኛታት ዊ ቢዩልድ ዝካየድ ሲቪላዊ ህንጸት ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ንኣስታት ሸውዓተ ዓመታት ወኪል ሰራሕተኛታት ኰይኑ ከምዘገልገለ ዝገለጸ ኣቶ ሞገስ፡ ኣብ ካልኦት ኮንትራክተራት ዘጋጠመ ቍጽሪ ሞት ሰራሕተኛታት'ውን ከምዝፈልጥ ገሊጹ።

ወሲኹ፡ "ኣብ ሓደ ንኡስ ጣብያ ዝሰርሕ ዝነበረ ቻይናዊ ኮንትራክተር ካብ ብራኸ ወዲቑ ከም ዝሞተ ሰሚዐ። ካብዚ ንላዕሊ ዝሰማዕኩዎ ነገር የለን" ኢሉ።

ምኒስተር ማይን ጸዓትን ዶክተር ሃብታሙ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ "ኣሰር ኵሉ ሰብ ዝዓረፈሉ ቦታ" ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣባል ሓይልታት ጸጥታ" ከምኡ'ውን "ዝተቐትሉ መራሕቲ መካይን" ከምዘለዉ ኣመልኪቱ'ዩ።

ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ዝንቀሳቐሱሉ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ህንጸት እቲ ግድብ ንምትዕንቓፍ ዝተፈላለዩ መጥቃዕትታት ከምዝተፈጸሙ መንግስቲ ፈደራል ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እውን ብሰኑይ ኣብ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝተፈነወ ናይ ሓደ ሰዓት ዝርርብ ነቲ ጉዳይ ኣልዒልዎ ነይሩ።

ምስ ህንጸት ብቐጥታ ብዝተኣሳሰር ኣስታት 100 ሰባት ከምዝሞቱ ሓለፍቲ ድሕነት ነበር ይምጕቱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምስ ህንጸት ብቐጥታ ብዝተኣሳሰር ኣስታት 100 ሰባት ከምዝሞቱ ሓለፍቲ ድሕነት ነበር ይምጕቱ።

ኣተሓባባሪ ድሕነት ሰራሕተኛታት ነበር ኣቶ ምንተስኖት "ብዙሓት ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ሃገር ከቢድ መስዋእቲ ከፊሎም'ዮም" ኢሉ።

ይዅን እምበር ቍጽሪ እቶም ነቲ ህንጸት ብዘይ ገለ ጸገም ንኽካየድ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ኣባላት ሰራዊት ሃገር ክንደይ ከምዝዀነ ንምግላጽ ከምዝጽገም ተዛሪቡ። በብግዜኡ ይፍጸሙ ብዝነበሩ መጥቃዕትታት ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት "ልዕለና ዝነበሩ ሰባት ነዚ ቍጽሪ ክፈልጥዎ ይኽእሉ እዮም" ይብል።

መጽሔት ሪፖርተር፡ ብሓሙስ 29 ነሓሰ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ ኣርእስቲ፡ እቲ ዝተጠቕሰ ቍጽሪ ምስ "ጉዳያት ድሕነት ህንጻ" ጥራይ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ዘብርህ ሓበሬታ ዘርጊሑ'ሎ።

ምኒስተር ዶክተር ሃብታሙ ብዛዕባ እቲ ቍጽሪ ብቢቢሲ ምስ ተሓተተ፡ እቲ ሕቶ "ብጌጋ ዝተተርጎመ'ዩ" ድሕሪ ምባል እቲ ሕቶ "ኣብ መደረ ቀዳማይ ምኒስተር ዝተመርኮሰ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ዶክተር ሃብታሙ "15,000" ዝብል ቍጽሪ ትኽክል ድዩ ዝብል ሕቶ ምስቀረበሉ "ልክዕ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ዝተጸሓፈሉ ትርጕም ቅኑዕ ኣይነበረን" ኢሉ።

ቢቢሲ ንኣፈኛ ሓይልታት ምክልኻልን ኩባንያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ንምውካስ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።