ማዶና ክሳብ ካርድ ቢ፡ ምዕራባውያን ደርፍታት ንደቀንስትዮ ዘኽብሩዶ ወይስ ዘሕስሩ?

ካርድ ቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካርድ ቢን ሜጋን ዚ ስታሊዮን ዝደርፍኣ 'WAP' (ዋፕ) ዘርእስታ ደርፊ ብሰንኪ ጾታውነት ትሕዝቶኣ ነቐፌታን ድጋፍን ከምዝረኸበት ይዝከር

ተዅታዂ ወይ ዘረሳስን ትሕዝቶ ዘለዎም ምዕራባውያን ደርፍታት ሒደት ኣይኰኑን።

ካብ 'ላይክ አ ቨርጅን' ዘርእስታ ደርፊ ማዶና ጀሚሩ ክሳብ 'ዋፕ' ሓባራዊት ደርፊ ካርድ ቢን ሜጋን ዚ ስታሊዮን፡ ብሓቂ ረስኒ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝድህስሱ ደርፍታት ብዙሓት እዮም።

እዚ ኣብ ፖፕ ዝርአ ግሉጽ መግለጺታት ጾታውነት ብሓቂ ንደቀንስትዮ ዘሐይል ድዩ?

"ኵሉ ግዜ ሰባት ርእሰ ተኣማንነት ክህልዎም'የ ዘተባብዕ፡ ብፍላይ ኣብ ጾታዊ ርክብ ክመጽእ ከሎ... ምናልባት ዓቃባውያን ክዀኑ ይኽእሉ፣ ኵሉ ሰብ ግን ኣብ ውሽጡ ቍሩብ ስግንጢርነት ኣለዎ፡" ትብል ኣመሪካዊ ራፐር ካርድ ቢ ነሓሰ 2020 ምስ ኣይ-ዲ ኣብ ዘካየደቶ ቃለመሕትት።

ፖፕ ሙዚቃን ጾታዊ ርክብን፡ ግዜ ዘይስዕሮ ዕቱብ ምትእስሳር ኣለዎም።

ካርድ ቢ ምስ ሜጋን ቲ ስታሊዮን ብሓባር ዝደረፋኣ 'ዋፕ'፡ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ኣረሳሰንቲ ደርፍታት እያ።

እዛ ደርፊ መቐጸልታ ናይቲ ደቂ ኣንስትዮ ስነጥበበኛታት ፖፕ ብመግለጺታተን ዝውልዕኦ ዘይእሩምን ኮንደኾናዊ ምሕያል፡ ዋንነት፡ ምዝመዛ እያ።

ማዶና

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ማዶና፡ ከም ንግስቲ ሙዚቃ ፖፕ ክትርአ ከም ዝሓገዘታ ዝንገረላ 'ላይክ አ ቨርጅን' "ኵሉ ግዜ ፍጹም እተደናግር" እያ ትብል

ብሓቂ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንቕሓተ-ፖፕ ድማ ኣብ ዘመነ ቪድዮ-ሙዚቃ ልዑል ኣቓልቦ ክረክብ ክኢሉ እዩ።

ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ሓደ ኣገዳሲ ፍጻመ ኣሎ፤ ኣብ መስከረም 1984 ምርኢት ሽልማት ቪድዮ-ሙዚቃ ኤምቲቪ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተኻየደሉ ግዜ ዘጋጠመ እዩ።

ኣብቲ እዋን ህብብቲ እናዀነት ትመጽእ ዝነበረት ጓል 26 ዓመት ማዶና፡ ናይ መርዓ ክዳንን 'BOY TOY' (ብጾታዊ ርክብ ንደቂ ተባዕትዮ ዝምስጥ መንእሰይ) ቍልፊ ለቢሳ ነታ 'ላይክ አ ቪርጅን' ዘርእስታ ሓዳስ ንጽል ደርፋ ኣቕሪባ።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ደቓይቕ፡ ማዶና ጕልባባን ሽቶላን ደርብያ፡ ኣብ ትሕቲ ዓቢይ ናይ መርዓ ኬክ ተለለወት። እዚ ተግባራ ድማ ኣብ ቀንዲ ንቕሓት ኣረኣእያ፡ ቦታኣ ከተውሕስ ገይርዋ።

እዚ ካብ ዝኸውን ኣስታት 40 ዓመት ኣቝጺሩ። 'ላይክ አ ቨርጅን' ግን ሕጂ'ውን ኣብ መላእ ባህሊ ፖፕ ባህሊ ተደጋጊማ እትስማዕ ደርፊ እያ።

እዛ ደርፊ ምስ ተዘርግሐት፡ ቫቲካን ተቘጢዓ ምንባራ ይዝከር።

ማዶና ኣብ 1987 ንሮሊን ስቶን ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ሰባት ነታ ደርፊ 'ደጊም ድንግል ክኸውን ኣይደልን'የ' ብዝብል ይርድእዋ ከም ዝነበሩ ብምጥቃስ፡ "ኣነ ግን ከምኡ ኢለ ኣይደረፍኩን፡" ኢላ ነይራ።

ኢጣልያዊት ፈላሲት ክሪስቲና ኣብ 2014 ናይ ‘ላይክ አ ቪርጅን’ ቅዲ ደርፊ ተቕርብ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ኢጣልያዊት ፈላሲት ክሪስቲና ኣብ 2014 ናይ 'ላይክ አ ቪርጅን' ቅዲ ደርፊ ተቕርብ

ኣብ 1980ታት ዝዓበና ፈተውቲ ፖፕ፡ 'ላይክ አ ቨርጅን' ብዛዕባ እንታይ ከምዝዀነ እንተዘይተረደኣና፡ እንተወሓደ ግን ገለ ነውሪ ዘለዎ ምዃኑ ይፍለጠና'ዩ።

ኣካላት ደቀንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ መወዓውዒታት ተለሚዱ። ኣካላት ደቀንስትዮ ካብ መካይን ክሳብ ምቍር መግቢ ንምሻጥ ይውዕል ኣሎ።

"ኣብ መንጎ መወዓውዒ፡ ቪድዮ ሙዚቃን ልስሉስ ፖርኖግራፍን ቀጻልነት ይርአ ነይሩ፣ ደቀንስትዮ ብቐጻሊ ከም ተገዛእቲ ፍጡራት ይቐርባ፣ እዚ ድማ ንደስታ ደቂ ተባዕትዮ እዩ። ስለዚ ድማ'ዩ ማዶና ኣብ ልዕሊ ክልሸ ድንግል/ኣመንዝራ ዝገበረቶ ዳህሳስ ኣዝዩ ኣራሳሳኒ ዝዀነ፡" ትብል ታሪኽ ህይወት ማዶና እተዘንቱ 'ላይክ ኣን ኣይከን' ዘርእስታ መጽሓፍ ዝደረሰት ብሪጣንያዊት ጋዜጠኛ ሙዚቃ ሉሲ ኦ'ብራየን።

"ንክርስትያናዊ የማናይ ክንፊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣንስታዊ ተጣበቕቲ እውን ከይተረፈ ማለት እዩ። ኣንስታዊ ተጣበቕቲ ነታ ደርፊ ከም እተሐይል ዘይኰነትስ ከም እተስንፍ እዮም ርእዮማ፡" ክትብል ትውስኽ።

ኣብ 1992 ዝተሓትመት ‘ሴክስ’ ዘርእስታ መጽሓፍ ማዶና፡ ብስቲቨን ማይሰል ዝተሰኣሉ ቅሉዕ ኣሳእል ናይታ ኮኾብ ዝሓዘት እያ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1992 ዝተሓትመት 'ሴክስ' ዘርእስታ መጽሓፍ ማዶና፡ ብስቲቨን ማይሰል ዝተሰኣሉ ቅሉዕ ኣሳእል ናይታ ኮኾብ ዝሓዘት እያ

ብዛዕባ ወሲብ ነውግዕ - ለትስ ቶክ አባውት ሴክስ

ኣብ መፋርቕ 1990ታት፡ እቲ 1980ታት ምስ 'ዓሌታዊ' ደርፍታት ምእጋድ ዝነበረ ቀንዲ ምትእስሳር ይሃስስ ነበረ።

ፖፕ ምስ ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ቅዲታት እናተሓዋወሰ ቀጺሉ። ኣብ ሲዲታት ዝልጠፍ 'ምኽሪ ንወለዲ፡ ቅሉዕ ትሕዝቶ' ዝብል መጠንቀቕታ ድማ ከም ናይ ክብሪ ኣርማ ኰይኑ ተራእዩ።

ኣብቲ እዋን ዘጋጠመ ዓለማዊ ቅልውላው ኤይድስ፡ ካልእ ነጥበ መቐይሮ ኰይኑ ተቐልቂሉ።

ሰባት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብዝያዳ ብግልጺ ምዝታይ ኣገዳሲ ኰይኑ ተሰሚዕዎም። ደቂ ኣንስትዮ ስነጥበበኛታት ድማ ፍርሐን ቀንጢጠን።

ኣብ 1991 ሶልት ኤን ፔፓ 'ሌትስ ቶክ ኣባውት ሴክስ' (ብዛዕባ ወሲብ ነውግዕ) ከምኡ'ውን ቲኤልሲ 'ኤይንት 2 ፕራውድ 2 ቤግ' (ካብ ምልማን ንድሕሪት ኣይብልን) ዝብል ደርፍታት ፈንየን።

ቸሪ 'ባፋሎ ስታንስ' እትብል ደርፊ ብዛዕባ "ሓይሊ ጓል ኣንስተይቲ፡ ጥንካረ ኣንስተይቲ፡ ኣተሓሳስባ ጓል ኣንስተይቲ" ክትብል ትገልጻ። ኣብ ታሪኽ ቻርት ቢልቦርድ ኣመሪካ፡ ሓንቲ ካብተን ዕዉታት ራፕ ደርፊ ደቂ ኣንስትዮ'ያ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ቸሪ 'ባፋሎ ስታንስ' እትብል ደርፊ ብዛዕባ "ሓይሊ ጓል ኣንስተይቲ፡ ጥንካረ ኣንስተይቲ፡ ኣተሓሳስባ ጓል ኣንስተይቲ" ክትብል ትገልጻ። ኣብ ታሪኽ ቻርት ቢልቦርድ ኣመሪካ፡ ሓንቲ ካብተን ዕዉታት ራፕ ደርፊ ደቀኣንስትዮ'ያ

ኣብ መጽሔት ለንደን'ስ ታይም ኣውት ኣሰናዳኢት ዝነበረት ላውራ ሊ ዳቪስ፡ ብመንጽር ጾታዊ ርክብ ንደቀንስትዮ ዘሐይላ ኣደነቕቲ ደርፍታት ትጠቅስ።

ናይ ዘ ሻንጋሪ-ላስ 'ጊቭ ሂም ኣ ግሬት ኪስ' ናይ ኬት ቡሽ 'ዘ ሴንሹዋል ዎርልድ' ናይ ኢን ቮግ 'ማይ ላቪን (ዩ ኣር ነቨር ጎና ጌት ኢት) ናይ ነነ ቼሪ 'ቶፕ ኦፍ ዘ ፖፕስ' ገለ ኣብነታት እየን።

"ብዙሓት ብዛዕባ ፍቕሪ ዝገልጻ ደርፍታት ብሓቂ ብዛዕባ ባህጊን ፍትወትን እዩ፡" ትብል ላውራ ሊ ዳቪስ።

ካብታ ብዙሕ ተፈታዊት ዝዀነት 'ዋፕ' ዘርእስታ ናይ ካርድ ቢ ደርፊ፡ ኣብቲ ብዓቢዩ ኣባታዊ ኰይኑ ዝቕጽል ዘሎ ኢንዱስትሪ፡ ብቐንዱ ረብሓ ዝረኸቡ እቶም ደረስቲ ደርፍታት፡ ዳይረክተራት፡ ዋና ኣካየድቲ ስራሕ ንጹር ኣይኰነን።

ዓወት እታ ‘ዋፕ’ ዘርእስታ ደርፊ ስዒቡ፡ ካርድ ቢ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ቻርት ዝለዓለ ደረጃ ዝሓዘት እንኮ ጓል ኣንስተይቲ ኰይና

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ዓወት እታ 'ዋፕ' ዘርእስታ ደርፊ ስዒቡ፡ ካርድ ቢ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ቻርት ዝለዓለ ደረጃ ዝሓዘት እንኮ ጓለንስተይቲ ኰይና

ብተመሳሳሊ ኣብ ክንዲ ድሌት ደቂ ተባዕትዮ፡ ቅሉዕ ኣሳእል ኣካላት ደቀንስትዮ (ብፍላይ ዘይጸዓዱ) ዝሓዛ ናይ ማዶና 'ሴክስ' ከምኡ'ውን ናይ ሊል ኪም 'ሃርድ ኮር' ዘርእስታ ኣብ 1996 ዝወጽአት ኣልበም እውን ከምኡ።

"ርዱእ እዩ፡ ደቀንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ ኣካላተንን ዝደልይኦ ነገራትን ክዛረባ መሰል ኣለወን። መብዛሕትኡ ግዜ ግን፡ ደቂ ተባዕትዮ ነዚ ሓይሊ ብዝህቦም መንገዲ ግብረ መልሲ ክህቡ ይመርጹ፡" ትብል ላውራ ሊ ዳቪስ።

ፖፕ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ሰፊሕ እወታዊ ጽላት ጾታዊ ርክብ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቘፈ ይመስል።

ሽወደናዊት ድምጻዊት ዛራ ላርሰን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሽወደናዊት ድምጻዊት ዛራ ላርሰን

"ሙዚቃ ፖፕ ጽቡቕ'ዩ፣ ምኽንያቱ ሓደ ዓይነት ምሕያል'ዩ፣ ክትኮኖ እትደሊ ኩን፡" ብፕላቲንየም ደረጃ ሙዚቃኣ ዝሸጠት ሽወደናዊት ዛራ ላርሰን።

"ኵሉ ግዜ ንጾታውነተን ዝተቐበላ ደቂ ኣንስትዮ እየ ኣብነት ዝገብር። ዓበይቲ ድምጺ ዘለወን ሓያላት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ወትሩ አድንቕ - ንኣብነት ክርስቲና ኣጉይሌራ፡ ሴሊን ድዮን፡ ቢዮንሰ። ንሳተን ነቲ ክኸውን ዝደለኹዎ ዝውክላ እየን። ወይ ድማ ሪሃና 'ሴክስ ዊዝ ሚ' ዘርእስታ ደርፋ ክትደርፍ ከላ፡ ይቕሬታ ከይሓተተት ነቲ ወዲ ክትዛረቦ ከላ፡ ኣዝየ'ያ ደስ ትብለኒ።"

ላርሰን፡ ደቀንስትዮ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክደርፋ ምስማዕ ጥራይ ሓይሊ ዝህብ'ዩ ትብል።

ኣብ ዘመናዊ ባህሊ ሙዚቃ ፖፕ፡ ንብዙሓት ንግስታት ቦታ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ።

ምትሕግጋዝ ደቂ ኣንስትዮን ምስ ሓይለን ምጽናሕን ድማ እቲ ዝያዳ ምልዕዓል ዝፈጥር ስጕምትታት ኰይኑ ይረአ ኣሎ።