ማዶና ክሳብ ካርድ ቢ፡ ምዕራባውያን ደርፍታት ንደቀንስትዮ ዘኽብሩዶ ወይስ ዘሕስሩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተዅታዂ ወይ ዘረሳስን ትሕዝቶ ዘለዎም ምዕራባውያን ደርፍታት ሒደት ኣይኰኑን።
ካብ 'ላይክ አ ቨርጅን' ዘርእስታ ደርፊ ማዶና ጀሚሩ ክሳብ 'ዋፕ' ሓባራዊት ደርፊ ካርድ ቢን ሜጋን ዚ ስታሊዮን፡ ብሓቂ ረስኒ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝድህስሱ ደርፍታት ብዙሓት እዮም።
እዚ ኣብ ፖፕ ዝርአ ግሉጽ መግለጺታት ጾታውነት ብሓቂ ንደቀንስትዮ ዘሐይል ድዩ?
"ኵሉ ግዜ ሰባት ርእሰ ተኣማንነት ክህልዎም'የ ዘተባብዕ፡ ብፍላይ ኣብ ጾታዊ ርክብ ክመጽእ ከሎ... ምናልባት ዓቃባውያን ክዀኑ ይኽእሉ፣ ኵሉ ሰብ ግን ኣብ ውሽጡ ቍሩብ ስግንጢርነት ኣለዎ፡" ትብል ኣመሪካዊ ራፐር ካርድ ቢ ነሓሰ 2020 ምስ ኣይ-ዲ ኣብ ዘካየደቶ ቃለመሕትት።
ፖፕ ሙዚቃን ጾታዊ ርክብን፡ ግዜ ዘይስዕሮ ዕቱብ ምትእስሳር ኣለዎም።
ካርድ ቢ ምስ ሜጋን ቲ ስታሊዮን ብሓባር ዝደረፋኣ 'ዋፕ'፡ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ኣረሳሰንቲ ደርፍታት እያ።
እዛ ደርፊ መቐጸልታ ናይቲ ደቂ ኣንስትዮ ስነጥበበኛታት ፖፕ ብመግለጺታተን ዝውልዕኦ ዘይእሩምን ኮንደኾናዊ ምሕያል፡ ዋንነት፡ ምዝመዛ እያ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ብሓቂ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንቕሓተ-ፖፕ ድማ ኣብ ዘመነ ቪድዮ-ሙዚቃ ልዑል ኣቓልቦ ክረክብ ክኢሉ እዩ።
ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ሓደ ኣገዳሲ ፍጻመ ኣሎ፤ ኣብ መስከረም 1984 ምርኢት ሽልማት ቪድዮ-ሙዚቃ ኤምቲቪ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተኻየደሉ ግዜ ዘጋጠመ እዩ።
ኣብቲ እዋን ህብብቲ እናዀነት ትመጽእ ዝነበረት ጓል 26 ዓመት ማዶና፡ ናይ መርዓ ክዳንን 'BOY TOY' (ብጾታዊ ርክብ ንደቂ ተባዕትዮ ዝምስጥ መንእሰይ) ቍልፊ ለቢሳ ነታ 'ላይክ አ ቪርጅን' ዘርእስታ ሓዳስ ንጽል ደርፋ ኣቕሪባ።
ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ደቓይቕ፡ ማዶና ጕልባባን ሽቶላን ደርብያ፡ ኣብ ትሕቲ ዓቢይ ናይ መርዓ ኬክ ተለለወት። እዚ ተግባራ ድማ ኣብ ቀንዲ ንቕሓት ኣረኣእያ፡ ቦታኣ ከተውሕስ ገይርዋ።
እዚ ካብ ዝኸውን ኣስታት 40 ዓመት ኣቝጺሩ። 'ላይክ አ ቨርጅን' ግን ሕጂ'ውን ኣብ መላእ ባህሊ ፖፕ ባህሊ ተደጋጊማ እትስማዕ ደርፊ እያ።
እዛ ደርፊ ምስ ተዘርግሐት፡ ቫቲካን ተቘጢዓ ምንባራ ይዝከር።
ማዶና ኣብ 1987 ንሮሊን ስቶን ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ሰባት ነታ ደርፊ 'ደጊም ድንግል ክኸውን ኣይደልን'የ' ብዝብል ይርድእዋ ከም ዝነበሩ ብምጥቃስ፡ "ኣነ ግን ከምኡ ኢለ ኣይደረፍኩን፡" ኢላ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ኣብ 1980ታት ዝዓበና ፈተውቲ ፖፕ፡ 'ላይክ አ ቨርጅን' ብዛዕባ እንታይ ከምዝዀነ እንተዘይተረደኣና፡ እንተወሓደ ግን ገለ ነውሪ ዘለዎ ምዃኑ ይፍለጠና'ዩ።
ኣካላት ደቀንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ መወዓውዒታት ተለሚዱ። ኣካላት ደቀንስትዮ ካብ መካይን ክሳብ ምቍር መግቢ ንምሻጥ ይውዕል ኣሎ።
"ኣብ መንጎ መወዓውዒ፡ ቪድዮ ሙዚቃን ልስሉስ ፖርኖግራፍን ቀጻልነት ይርአ ነይሩ፣ ደቀንስትዮ ብቐጻሊ ከም ተገዛእቲ ፍጡራት ይቐርባ፣ እዚ ድማ ንደስታ ደቂ ተባዕትዮ እዩ። ስለዚ ድማ'ዩ ማዶና ኣብ ልዕሊ ክልሸ ድንግል/ኣመንዝራ ዝገበረቶ ዳህሳስ ኣዝዩ ኣራሳሳኒ ዝዀነ፡" ትብል ታሪኽ ህይወት ማዶና እተዘንቱ 'ላይክ ኣን ኣይከን' ዘርእስታ መጽሓፍ ዝደረሰት ብሪጣንያዊት ጋዜጠኛ ሙዚቃ ሉሲ ኦ'ብራየን።
"ንክርስትያናዊ የማናይ ክንፊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣንስታዊ ተጣበቕቲ እውን ከይተረፈ ማለት እዩ። ኣንስታዊ ተጣበቕቲ ነታ ደርፊ ከም እተሐይል ዘይኰነትስ ከም እተስንፍ እዮም ርእዮማ፡" ክትብል ትውስኽ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ብዛዕባ ወሲብ ነውግዕ - ለትስ ቶክ አባውት ሴክስ
ኣብ መፋርቕ 1990ታት፡ እቲ 1980ታት ምስ 'ዓሌታዊ' ደርፍታት ምእጋድ ዝነበረ ቀንዲ ምትእስሳር ይሃስስ ነበረ።
ፖፕ ምስ ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ቅዲታት እናተሓዋወሰ ቀጺሉ። ኣብ ሲዲታት ዝልጠፍ 'ምኽሪ ንወለዲ፡ ቅሉዕ ትሕዝቶ' ዝብል መጠንቀቕታ ድማ ከም ናይ ክብሪ ኣርማ ኰይኑ ተራእዩ።
ኣብቲ እዋን ዘጋጠመ ዓለማዊ ቅልውላው ኤይድስ፡ ካልእ ነጥበ መቐይሮ ኰይኑ ተቐልቂሉ።
ሰባት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብዝያዳ ብግልጺ ምዝታይ ኣገዳሲ ኰይኑ ተሰሚዕዎም። ደቂ ኣንስትዮ ስነጥበበኛታት ድማ ፍርሐን ቀንጢጠን።
ኣብ 1991 ሶልት ኤን ፔፓ 'ሌትስ ቶክ ኣባውት ሴክስ' (ብዛዕባ ወሲብ ነውግዕ) ከምኡ'ውን ቲኤልሲ 'ኤይንት 2 ፕራውድ 2 ቤግ' (ካብ ምልማን ንድሕሪት ኣይብልን) ዝብል ደርፍታት ፈንየን።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ኣብ መጽሔት ለንደን'ስ ታይም ኣውት ኣሰናዳኢት ዝነበረት ላውራ ሊ ዳቪስ፡ ብመንጽር ጾታዊ ርክብ ንደቀንስትዮ ዘሐይላ ኣደነቕቲ ደርፍታት ትጠቅስ።
ናይ ዘ ሻንጋሪ-ላስ 'ጊቭ ሂም ኣ ግሬት ኪስ' ናይ ኬት ቡሽ 'ዘ ሴንሹዋል ዎርልድ' ናይ ኢን ቮግ 'ማይ ላቪን (ዩ ኣር ነቨር ጎና ጌት ኢት) ናይ ነነ ቼሪ 'ቶፕ ኦፍ ዘ ፖፕስ' ገለ ኣብነታት እየን።
"ብዙሓት ብዛዕባ ፍቕሪ ዝገልጻ ደርፍታት ብሓቂ ብዛዕባ ባህጊን ፍትወትን እዩ፡" ትብል ላውራ ሊ ዳቪስ።
ካብታ ብዙሕ ተፈታዊት ዝዀነት 'ዋፕ' ዘርእስታ ናይ ካርድ ቢ ደርፊ፡ ኣብቲ ብዓቢዩ ኣባታዊ ኰይኑ ዝቕጽል ዘሎ ኢንዱስትሪ፡ ብቐንዱ ረብሓ ዝረኸቡ እቶም ደረስቲ ደርፍታት፡ ዳይረክተራት፡ ዋና ኣካየድቲ ስራሕ ንጹር ኣይኰነን።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ብተመሳሳሊ ኣብ ክንዲ ድሌት ደቂ ተባዕትዮ፡ ቅሉዕ ኣሳእል ኣካላት ደቀንስትዮ (ብፍላይ ዘይጸዓዱ) ዝሓዛ ናይ ማዶና 'ሴክስ' ከምኡ'ውን ናይ ሊል ኪም 'ሃርድ ኮር' ዘርእስታ ኣብ 1996 ዝወጽአት ኣልበም እውን ከምኡ።
"ርዱእ እዩ፡ ደቀንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ ኣካላተንን ዝደልይኦ ነገራትን ክዛረባ መሰል ኣለወን። መብዛሕትኡ ግዜ ግን፡ ደቂ ተባዕትዮ ነዚ ሓይሊ ብዝህቦም መንገዲ ግብረ መልሲ ክህቡ ይመርጹ፡" ትብል ላውራ ሊ ዳቪስ።
ፖፕ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ሰፊሕ እወታዊ ጽላት ጾታዊ ርክብ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቘፈ ይመስል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ሙዚቃ ፖፕ ጽቡቕ'ዩ፣ ምኽንያቱ ሓደ ዓይነት ምሕያል'ዩ፣ ክትኮኖ እትደሊ ኩን፡" ብፕላቲንየም ደረጃ ሙዚቃኣ ዝሸጠት ሽወደናዊት ዛራ ላርሰን።
"ኵሉ ግዜ ንጾታውነተን ዝተቐበላ ደቂ ኣንስትዮ እየ ኣብነት ዝገብር። ዓበይቲ ድምጺ ዘለወን ሓያላት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ወትሩ አድንቕ - ንኣብነት ክርስቲና ኣጉይሌራ፡ ሴሊን ድዮን፡ ቢዮንሰ። ንሳተን ነቲ ክኸውን ዝደለኹዎ ዝውክላ እየን። ወይ ድማ ሪሃና 'ሴክስ ዊዝ ሚ' ዘርእስታ ደርፋ ክትደርፍ ከላ፡ ይቕሬታ ከይሓተተት ነቲ ወዲ ክትዛረቦ ከላ፡ ኣዝየ'ያ ደስ ትብለኒ።"
ላርሰን፡ ደቀንስትዮ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክደርፋ ምስማዕ ጥራይ ሓይሊ ዝህብ'ዩ ትብል።
ኣብ ዘመናዊ ባህሊ ሙዚቃ ፖፕ፡ ንብዙሓት ንግስታት ቦታ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ።
ምትሕግጋዝ ደቂ ኣንስትዮን ምስ ሓይለን ምጽናሕን ድማ እቲ ዝያዳ ምልዕዓል ዝፈጥር ስጕምትታት ኰይኑ ይረአ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







