ሕልመይ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ጸለምቲ ዘለውዎ ቦታ ንክስማዕ’ዩ - ቶማስ ጎበና

ቶሚ ቲ ብዝብል ናይ መድረኽ ሽሙ ዝፍለጥ ቶማስ ጎበና፡ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ መዚቃ ጉጅለታት (ባንድ ሙዚቃ) ብምዃን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምኻድ ሙዚቃ ተጻዊቱ’ዩ።
ቤዚስት ቶማስ፡ ምስ ጥላሁን ገሰሰ፡ መሓሙድ ኣሕመድ፡ እጅጋየሁ ሽባባሁ (ጂጂ) ከምኡ’ውን ካልኦት ህቡባት ስነ-ጥበባውያን ሰሪሑ።
ኣብ ኣመሪካ ከተማ ኒውዮርክ ዝተመስረተን ኣባል ባንድ ጎጎል ቦርዴሎ ዝዀነን ቶማስ፡ ኣምባሳደር ዩኒሴፍ ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ።
ቶማስ፡ ነዚ ተጠቒሙ ንመናእሰይ ኢትዮጵያ ሙዚቃ ንምምሃርን ብሙዚቃ ንምልዕዓልን ይጽዕር።
ሕጂ ድማ ምስ ድምጻዊት ሃሌሉያ ተኽለጻድቕ ብምዃን ‘ውዴ’ ዝተሰምየ ሙዚቃ ሰሪሑ ኣቕሪቡ ኣሎ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







