ሕልመይ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ጸለምቲ ዘለውዎ ቦታ ንክስማዕ’ዩ - ቶማስ ጎበና

መግለጺ ቪድዮ, ቶማስ ጎበና፡ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ መዚቃ ጉጅለታት ብምዃን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምኻድ ሙዚቃ ተጻዊቱ’ዩ።
 ቶማስ ጎበና

ቶሚ ቲ ብዝብል ናይ መድረኽ ሽሙ ዝፍለጥ ቶማስ ጎበና፡ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ መዚቃ ጉጅለታት (ባንድ ሙዚቃ) ብምዃን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምኻድ ሙዚቃ ተጻዊቱ’ዩ።

ቤዚስት ቶማስ፡ ምስ ጥላሁን ገሰሰ፡ መሓሙድ ኣሕመድ፡ እጅጋየሁ ሽባባሁ (ጂጂ) ከምኡ’ውን ካልኦት ህቡባት ስነ-ጥበባውያን ሰሪሑ።

ኣብ ኣመሪካ ከተማ ኒውዮርክ ዝተመስረተን ኣባል ባንድ ጎጎል ቦርዴሎ ዝዀነን ቶማስ፡ ኣምባሳደር ዩኒሴፍ ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

ቶማስ፡ ነዚ ተጠቒሙ ንመናእሰይ ኢትዮጵያ ሙዚቃ ንምምሃርን ብሙዚቃ ንምልዕዓልን ይጽዕር።

ሕጂ ድማ ምስ ድምጻዊት ሃሌሉያ ተኽለጻድቕ ብምዃን ‘ውዴ’ ዝተሰምየ ሙዚቃ ሰሪሑ ኣቕሪቡ ኣሎ።