ግብጺ፡ "ጉዳይ ግድብ ኣባይ ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ክወስዶ'የ" ኢላ፡ ኢትዮጵያኸ?

ምንጪ ስእሊ, UN
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደላቲ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ፡ "ህይወት ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከቡ ሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ገይራ እያ፡" ኢሉ ብምኽሳስ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ከም እትወስዶ ተዛሪቡ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት፡ ምኽትል ቀዋሚ ወኪል ኢትዮጵያ ዮሴፍ ካሳዬ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ግብጺ ብዛዕባ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ዘቕረበቶ ዘረባ፡ መሰረት ዘይብሉን ዘጋግይን እዩ፡" ብምባል ነጺጉዎ።
ግብጺ፡ "ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ብተደጋጋሚ እሙናት ዘይኰኑ ክስታት ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ'ያ፡" እውን ኢሉ።
ምኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ "ኣብ ልዕሊ ኣባይ በይናዊ ስጕምቲ ብምውሳድ ግድብ ብምህናጽ ህይወት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ህዝብታት ግብጸዕን ሱዳንን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ገይራ እዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።
መበል 80 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፡ ወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ሓያል ቃላት ክለዋወጡ ተራእዮም።
ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ምብራቕ ተፋሰስ ናይልን "ኣዕናዊ በይናዊ ፖሊሲ፡" ትኽተል ኣላ ክትብል ትኸስስ።
ህንጸት እቲ ግድብ ብምዝዛሙ ድማ ኵነታት ሃገራት ታሕተዎት ተፋሰስ ንሓደጋ ዘቃልዐ እዩ ክብል እቲ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተዛሪቡ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ምኽትል ቀዋሚ ወኪል ኢትዮጵያ ዮሴፍ ካሳዬ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ብተዳጋጋሚ ዓለምለኻዊ ሕግን መትከልን መሰረት ብምግባር መልሲ ከም ዝሃበት ኣልዒሉ።
ኣምባሳደር ዮሴፍ፡ "ኣብ መንጎ ዘላቒ ፖሊሲ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ሃዋኺ ባህርያት ግብጽን ዘሎ ኣፈላላይ ግልጺ'ዩ፡" ኢሉ።
ሃገሩ ኣብ ዙርያ ማይ ኣባይ ዘለዋ መርገጺ፡ ዓለምለኻዊ ሕጋጋትን ፍትሓዊ ተጠቃምነትን ማእከል ዝገበረ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብወገኑ፡ "ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ሕጊ ክትጥሕስ እያ መሪጻ፤ በይናዊ ፖሊሲ ምርኵስ ገይራ ከኣ ምብራቕ ኣፍሪቃን ተፋሰስ ናይልን ትህውኾ ኣላ፡" ኢሉ።
እቲ ግድብ ኣብ መጀመርታ ሰሙን እዚ ወርሒ ክምረቕ እንከሎ፡ ግብጺ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ኣብ ዘእተወቶ ደብዳበ፡ እቲ ግድብ "ዘይሕጋዊ በይናዊ ስጕምቲ ዝወሰደትሉ'ዩ፡" ኢላ ነይራ።
"ንዓመታት ዘርኣየቶ ትዕግስቲ፡ ድኽምቲ ስለ ዘይኰነት ኣይኰነን፤ እኳ ደኣ ኣብ መንጎ ሃገራት እቲ ተፋሰስ ብዝህሉ ምትሕብባር ስለ እትኣምን እዩ፡" እውን ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣምባሳደር ዮሱፍ ንዘረባ እቲ ምኒስተር ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ግብጺ ካብ ስምምዕ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተወረሰ 'ታሪኻዊ መሰል' ኣለኒ ብዝብል ንሃገራት እቲ ተፋሰስ ኣግሊላተን እያ፡" ብምባል ኢትዮጵያ ሩባ ኣባይ ንቐረብ ጸዓት፡ መግብን ድሕነት ከምኡ'ውን ተበጻሕነት ዝስተ ማይ ከም እትጥቀመሉ ገሊጹ።
"ነዚ መሰል ብምኽላእን ሩባ ኣባይ ብምብሓትን፡ ንብሕታ ተጠቃሚት ክትኸውን እያ ትደሊ።"
ስለዝዀነ ድማ ግብጺ ሓይሊ ዝተመልኦ መንገዲ ገዲፋ ኣብ ሃናጺ መስርሕ ከተተኵር ይግባእ ኢሉ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ሃገሩ ዓለምለኻዊ ሕጊ መሰረት ገይራ እቲ ጉዳይ መዕለቢ ክረክብ ንምግባር ድልዊ እኳ እንተዀነት፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ንምትሕብባር ፍቓደኛ ከም ዘይኰነት ጠቒሱ።
"እቲ ጉዳይ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ንኽዳነ ምሉእ ንምሉእ ድሉዋት ኢና። እቲ ሓቂ ግን ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት ድልየት ኣየርኣየትን፡" ኢሉ።
ሱዳን፡ ግብጺ ኣብ 2021 ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዘቕረበቶ ጥርዓን ክትጽምበር እንከላ፡ ኣብ 2025 ድማ ብተናጸል እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ወሲዳቶ ነይራ።
ቅድሚ ሕጂ'ውን፡ ብ2020 ግብጺ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ከም ዝወሰደቶ ይዝከር።
ኣብ 2021 ድማ ግብጽን ሱዳንን ብሓባር ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ዝርርብ ኣካይደን፤ ኢትዮጵያ ትወስዶ ዘላ "በይናዊ ስጕምቲ ንርግኣት እቲ ዞባ ሓደጋ እዩ፡" ክብላ ከሲሰን ነይረን።
እቲ ቤት ምኽሪ፡ ሰለስቲአን ሃገራት "ስሉሳዊ ቅቡልነት ኣብ ዘለዎ ቀያዲ ስምምዕ፡" ንኽበጽሓ እኳ እንተ ምዓደ፡ ንዓመታት ዝገበርኦ ዝርርባት ውጽኢታዊ ኣይኰኑን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







