ኢትዮጵያ፡ 'ሕቶ ወደብ ዓሰብ ኣይቅኑዕን ምባል ባንዳነት እዩ'

ሰራዊት ምክልኻል

ምንጪ ስእሊ, PM Office

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሰበስልጣንን ትካላትን ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕርን ምቍጽጻር ወደብ ዓሰብ ናይ ኤርትራን ኣመልኪቶም መግለጺታት ክህቡ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ምኒስትሪ ምክልኻል እውን ኣብዚ ሰሙን'ዚ ነቲ ሕቶ ኣስሚሩሉ ኣሎ።

ምኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጹ፡ ጉዳይ ዓሰብን ቀይሕ ባሕርን ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ኣምሲልካ ዝግበር ዘሎ ምቅብባል ዘረባታት "ባንዳነት እዩ" ክብል ገሊጹ።

መግለጺ እቲ 'ባንዳነት' ዝብል ብያነ እቲ ምኒስትሪ ብልክዕ ናብ መን ከም ዘነጻጸረ ግሉጽ'ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ሕቶ ዓሰብ "ቅኑዕ" ክብል ግን መርገጺኡ ኣነጺሩ'ሎ።

እቲ ምኒስትሪ፡ ብቐዳም 27 መስከረም፡ "ብዛዕባ'ታ ብፍታውናን ብፍቓድናን እንሞተላ ኢትዮጵያ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና፡" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ጉዳይ ቀይሕ ባሕርን ዓሰብን "ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ሕማም ኢትዮጵያ ብምዃን ክብሪ ናይቲ ዓቢይ ሃገርነታ ኣንኢሱ'ዩ፤ ጂኦፖለቲካዊ ሃገራዊ ረብሓታታ ድማ መንዚዑ እዩ፡" ኢሉ።

እቲ 'ምርግጋጽ ሃገራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ' ዝትሕዝቶኡ መልእኽቲ፡ "ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ብግልጺ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ክለዓል ምኽኣሉ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዓቢይ ሓጐስ ይስምዓና፡" ይብል።

ኣብቲ ጽሑፍ፡ ሰራዊት "ሃገራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ንምርግጋጽ ዝዀነ ይዅን መስዋእቲ ካብ ምኽፋል ድሕር ከም ዘይብል፡" እውን ገሊጹ።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተመረቐ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ድማ፡ "ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ክጭበጥ ዘይክእለሉ ምኽንያት ከም ዘየሎ ብጽኑዕ ንኣምን፡" ብምባል ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ኰይኑ ግን፡ "ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ወደብ ዓሰብ ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ገይርካ ዝግበር ዘሎ ዘረባታት ካብ ባንዳነት ወጻኢ ካልእ ምኽንያት ክህልዎ ኣይክእልን፡" ክብል መልእኽቲ እቲ ምኒስትሪ ኣመልኪቱ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ምስ ኣማኻሪኡ ኣቶ ዳኒኤል ክብረት ኣብቲ ቦታ ግድብ ኰይኑ ዘካየዶ ብሃገራዊ ተለቪዥን ዝተዘርግሐ ዝርርብ፡ ንጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዘልዓለ ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ኣባይ ናይ ሽሕ ዓመት ጉዳይ እዩ - ፈቲሕናዮ፣ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ትማሊ እዩ፣ ዝተፈጠረ ጌጋ ትማሊ ሰላሳ ዓመት እዩ፡ ክንእርሞ ኢና፡" ኢሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

እቲ ተደጋጋሚ፡ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ሕቶ እዩ ክብል ዝተሰምዐ ቀዳማይ ምኒስተር፡ እቲ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ይዅን ካልኦት ዝጠቐሶም ጉዳያት፡ "ካብ ኣባይ ዝነኣሱ እዮም፡" ክብል ኣቕሊሉ ገሊጽዎም። እንተዀነ፡ ነቲ "ክእረም እዩ" ዝበሎ ብኸመይ መንገዲ ኣይገለጸን።

ኣብ ርእሲ'ዚ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ዳይረክተር ዝምድናታት ወጻኢን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ፡ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ጅኦግራፍያዊ ቅርበት ናብ ቀይሕ ባሕሪ መሰል ምርካብ ኣፍደገ ባሕሪ ኣለዋ ኢሉ።

ብተወሳኺ እታ "ርእሰ ገዝኣት እያ ነይራ" ዝበላ ዓሰብ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ብመሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣካል ኤርትራ ክትከውን እንከላ፣ ብቓላቱ "በቲ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘይነበሮ ብህዝቢ ዘይተመርጸ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝተገብረ እዩ፡" ክብል ገሊጹ፤ ነዚ ጉዳይ ድማ ምስቶም፡ "ፈተውትና እዮም ዝበሎም" ወገናት ይዘራረብሉ ከም ዘለዉ ክዛረብ ተሰሚዑ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤርትራ ድሕሪ ናይ ልዕሊ 50 ዓመታት ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ብዝተጐናጸፈቶ ወተሃደራዊ ዓወት ኣብ ግንቦት 1993 ብወግዒ ናጻ ሃገር ኰይና እያ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ን66 ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ዕብየት ከም ዝገበረት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ወሃቢ-ቓል እቲ ምኒስትሪ ብርጋደር ጀነራል ጌትነት ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኣብ መስርሕ ምክልኻል ሃገራዊ ረብሓታት ከም "መሰል ተጠቃምነት ማይ"ን "ጉዳይ ወደብን" ክለዓል ዝኽእል "ናይ ጸጥታ ቅልውላው" ክዳሎ ኣለዎ ክብል ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ብዝተፈላለዩ ሰበስልጣናት ፖለቲከኛታትን ማዕከናት ዜናን እታ ሃገር ዝደጋገም ዘሎ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ነቲ ዞባ ናብ ሓድሽ ኲናት ከይመልሶ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ኰይኑ፡ ካብ ሰበስልጣን ኤርትራ እውን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃቦ ጸኒሑ እዩ።

ኤርትራ፡ ናጽነታን ልኡላውነት መሬታን ገማግም ባሕራን መሰረት ሃገራዊ መንነታ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ 1993 ዝተፈጸመ ረፈረንደም ይዅን ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ልኡላውነት ኣብ ሕቶ ንምእታው ዝግበር ዝዀነ ይዅን ፈተነ ከም ቀጥታዊ ሓደጋ ከም ዝርአ ዝተፈላለዩ ተንተንትን ፖለቲከኛታትን ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ምስ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ቃለመሕትት ዝገበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነዚ ኣመልኪቱ ሰፊሕ ምላሽ ከም ዝሃበሉ ዝዝከር እዩ። ብቐንዱ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ መግለጺታት፡ "ናይቶም በሃልቱ ኣጀንዳ ኣይኰነን፡" ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ ንታሪኻዊ ነጥቢታት ጠቒሱ ነይሩ።

እቲ ቀንዲ ጠንቂ ድማ እቲ ኣብታ ሃገር ይዅን ኣብቲ ዞባ ሰፊኑ ዝነበረ ተስፋን ባህግን ስለ ዝበነነ ካብኡ ንምህዳም ተባሂሉ ዝተፈጥረ ኵነታት እዩ ክብል ብምግላጽ፡ እቲ "ኣመሪካ ኣብ ጐድንና ኣላ..." እናበልካ ዝወሃብ መግለጺታት ሓቅነት ከም ዘይብሉ'ውን ጠቒሱ፡ "ፕረዚደንት ኢማራት ዘካይዶ ዘሎ ውልቃዊ ዕንደራ፡" ምዃኑ ኣመልኪቱ ምንባሩ ይዝከር።