ኤርትራ፡ 'መሰልከይን ፖለቲካዊ ዕሽነትን' ክትብል ንመግለጺ ኢትዮጵያ ምላሽ ሂባትሉ

ምንጪ ስእሊ, SM
ኤርትራ ነቲ ኣብዚ ሰሙን ካብ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝወጽአ ንናጽነት ኤርትራን ተበጻሕነት ቀይሕባሕሪን፡ "ዳግማይ ክሕሰበሉ ኣለዎ" ዝብል ሓሳብ ዝሓዘ ሓድሽ መግለጺታት፡ "ዝደጋገም መሰልከይን ፖለቲካዊ ዕሽነትን፡" ኢላ ብትሪ ብምንጻግ ምላሽ ሂባትሉ።
ኣብቲ ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብመንገዲ ኤክስ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ኣብዚ ቅንያት'ዚ ሰበስልጣን ሰልፊ ብልጽግናን ደገፍቶምን ብዓውታን ብዘይሓላፍነታዊ መንገዲን ንጥንታዊ፡ ማእከላይ ዘመንን ዘመናውን ታሪኽ ኤርትራ ክጥምዝዝዎ ይስምዑ ኣለዉ፡" ኢሉ።
ኣቶ የማነ፡ እቲ ብተደጋጋሚ ዝስማዕ ዘሎ መግለጺታት መደናገርን መሰረት ዘይብሉን ንምጕት ዘይበቅዕን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ጉዳይ ረፈረንደም ኣስሚሩ ግን ጽሒፉ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንጉዳይ እቲ ኣብ ኣጋ መመረቕታኡ ከም ዝበጽሐ ዝግለጽ ዘሎ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ሃገሩ ኣመልኪቱ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣባይ ናይ ሽሕ ዓመት ጉዳይ እዩ - ፈቲሕናዮ፣ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ትማሊ እዩ፣ ዝተፈጠረ ጌጋ ትማሊ ሰላሳ ዓመት እዩ፡ ክንእርሞ ኢና፡" ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ርእሲኡ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ዳይረክተር ዝምድናታት ወጻኢን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ፡ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ጅኦግራፍያዊ ቅርበት ናብ ቀይሕ ባሕሪ መሰል ምርካብ ኣፍደገ ባሕሪ ኣለዋ፤ ብተወሳኺ እታ "ርእሰ ገዝኣት እያ ነይራ" ዝበላ ዓሰብ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ብመሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣካል ኤርትራ ክትከውን እንከላ፣ ብቓላቱ "በቲ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘይነበሮ ብህዝቢ ዘይተመርጸ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝተገብረ እዩ፡" ክብል ገሊጹ፤ ነዚ ጉዳይ ድማ ምስቶም፡ "ፈተውትና እዮም ዝበሎም" ወገናት ይዘራረብሉ ከም ዘለዉ ክዛረብ ተሰሚዑ ነይሩ።
ኣስመራ ነዚ ምጕት'ዚ ብምንጻግ፡ መሰል ናጽነትን ቀይሕ ባሕርን ኤርትራ ብፍታው ካልእ ወገን ክወሃብ ዝከኣል ኣይኰነን ኢላ።
ልኡላውነት ኤርትራ ኣህጉራዊ ሕጊ መሰረት ብዝግበረ ብናይ 1993 ረፈረንደም ከም ዝተረጋገጸን ብምንጻር፡ እቲ ልዕሊ 99% ኤርትራውያን ንናጽነት ዘድመጽሉ ድማ ብምክትታል ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረ ሕጋዊ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
"ረፈረንደም ብመሰረቱ በይነ ውሳነ ናይ ኤርትራ እዩ፤ ብመሰረት ኣህጉራዊ መትከላት ዝተኻየደ እዩ ድማ ነይሩ። ኣብ ምጽዳቕ ካብታ ኣብቲ እዋን ጐባጢት ሓይሊ ዝነበረት ኢትዮጵያ ዝምርኰስ ኣይነበረን፣ ፈጺሙ ክኸውን'ውን ኣይክእልን፡" ይብል እቲ መግለጺ።
ወሲኹ፡ እቲ ኣብ 1940ታት ክወሃብ ዝግባእ ዝነበረ ናጽነት ኤርትራ፡ ካልእ መንግስታዊ ይዅን ኣህጉራዊ ኣካል ክቕውፎ ወይ ክፈቕዶ ስልጣን ከም ዘይብሉ ይምጕት።
ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ ከብቅዕ እንከሎ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝነበራ ሊብያን ሶማልያን ናጽነተን ክእውጃ ኣብ ዝተፈቕደንን ኤርትራ ግና እዚ መሰል'ዚ ከም ዝተነፍገት እዩ ዝፍለጥ።
ኣብ 1950ታት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኰይኑ ዘገልገለ ጆን ፎስተር ዳላስ፡ ንኤርትራ ኣብ ክንዲ ናጽነት ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቍረን ንዝወሰንሉ ምኽንያት፡ "ብዓይኒ ፍትሒ ክርአ ከሎ፡ ርእይቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ ነይሩ። እንተዀነ፡ ንስትራተጅያዊ ረብሓ ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ንስለ ኣህጉራዊ ጸጥታን ሰላምን፡ ኤርትራ ምስታ መሓዛና ዝዀነት ኢትዮጵያ ክትቊረን ኣገዳሲ ይኸውን፡" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ እዋን መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወካሊ ትግራይ ኰይኑ ኣባል ፓርላማ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ህወሓት ዶ/ር ገብረኣብ በርነባ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነዚ ጉዳይ ዓሰብ ማእከል ገይሩ ዝለዓል ዘሎ መግለጺታት ኣመልኪቱ ተመሳሳሊ ምጕት ክህብ ተሰሚዑ እዩ።
ንሱ፡ ኤርትራ ግዝኣት ጣልያን እንግሊዝn፣ ድሕሪኡ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ከምዝተቘርነት ብምጥቃስ "እቲ ኢትዮጵያ ስለ ዝፈለጠታ እያ ኤርትራ ናጻ ወጺኣ" ዝብል ዘረባ ብመሰረቱ "ሓሶት" ብምባል እቲ ኣብ እዋን መሰጋገሪ መንግስቲ ዝተገብረ "ሴረሞኒያል [ጽምብላዊ] ጥራይ እዩ ነይሩ፡" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።
ኤርትራ ድሕሪ ናይ ልዕሊ 50 ዓመታት ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ብዝተጐናጸፈቶ ወተሃደራዊ ዓወት ኣብ ግንቦት 1993 ብወግዒ ናጻ ሃገር ኰይና እያ።
እቲ ድምጺ ብዓለም ደረጃ ከም ሕጋዊ መስርሕ መሰል ርእሰ-ውሳነ ተፈላጥነት ዝረኸበ እዩ። እንተዀነ - ብፍላይ ኣብዚ እዋን - ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ወጥሪ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፡ ብዛዕባ ልኡላውነት ኤርትራን ተበጻሕነት ቀይሕ ባሕሪን ምኽንያት ዝገበረ ቍርቍስ ዳግማይ ይቕልቀል ኣሎ።
እቲ ኣብ 2018 ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ነቲ ንኽልተ ዕቝድ ዝጸንሐ ኣብ መንጐአን ዝነበረ ተጻብኦ ዘብቅዐ እኳ እንተዀነ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ርጉእ የሎን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ መራሕቲ ኢትዮጵያ ንሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ማእከል ገይሮም ዝወጽኡ ዘለዉ መግለጺታት፡ ነቲ ሰፊሕ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ናብ ዘይምርግጋእ ከይሸሞ ስግኣታት እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ።
ኤርትራ፡ ናጽነታን ልኡላውነት መሬታን ገማግም ባሕራን መሰረት ሃገራዊ መንነታ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ 1993 ዝተፈጸመ ረፈረንደም ይዅን ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ልኡላውነት ኣብ ሕቶ ንምእታው ዝግበር ዝዀነ ይዅን ፈተነ ከም ቀጥታዊ ሓደጋ ከም ዝርአ ብዝተፈላለዩ ተንተንቲን ፖለቲከኛታትን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







