ኤርትራ፡ ገማግም ባሕራን ልኡላዊ መሰላታን ዘይግሃስ ምዃኑ ኣፍሊጣ

ህንጻ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ተበጻሕነት ቀይሕ ባሕሪ ንኽህልዋ ደጋጊማን ብዝተፈላለየ ተዅታዂ መግለጺታትን ትረኻታትን ትገብሮ ንዘላ ፈተነታት ብምንጻግ፡ ነቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ህርፋን ምስፍሕፋሕ ብሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ትረኻ ንምብርባሩ ትፍትን ኣላ ክትብል ኤርትራ ከሲሳ።

ኣብቲ ብመገዲ ክፍሊ መጽናዕትን ሓበሬታን ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝወጸ ዝርዝራውን ተሪርን መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ንባሕሪ "ልኡላዊ ተበጻሕነት" ኣፍደገ ባሕሪ ንኽህልዋ እትገብሮ ዘላ ወፍሪ፡ ነቲ ዝጸንሐ ጂኦፖለቲካዊ ድሌታት ከም ዞባዊ ኣድላይነታት ከምዘለዎ ኣምሲልካ ንምቕራቡ ኮነ ኢልካ ዝግበር ፈተነ ምዃኑ የተሓሳስብ።

በዚ ድማ፡ "ኣዲስ ኣበባ ተቕርቦ ዘላ ኣበሃህላ ኣብ ቍጠባውን ጸጥታውን ትረኻ ከምዝተኣሳሰር ንምምምሳል ትጽዕር'ኳ እንተላ፡ እቲ መሰረታዊ ኣጀንዳ ግን ኣይተቐየረን፡" ክብል እቲ መግለጺ ይምጕት።

ብተወሳኺ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ እዚ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ካብኡ ሰጊሩ ድማ ዞባዊ መድረኻት እናነሃረ ዝኸይድ ዘሎ ክትዕ፡ ልሂቃን ኢትዮጵያ እቲ ሃገራዊ ጥሙሕ ከም ዘይተርፍ ስትራተጂያዊ ግዴታ ገይሮም ከቕርቡ ዝፍትኑሉ ዘለዉ "ዓሚቝ ቅልውላው ትረኻ" ዘንጸባርቕ ምዃኑ ይገልጾ።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ዝህሉ ዝምድናታት ዘመሓድር ምስሩት ሕጋታትን ውዕላትን ንጐድኒ ገዲፎም፡ በብቕሩብ ንመልክዕን ዶባዊ ግዝኣታትን ብምቕያር ወይ ንእሽቶ ልኡላዊ መስኮት ባሕሪ ክግብቱ ክተዃትዅ ጸኒሖም ኣለዉ ክብል እቲ መግለጺ ይወቅስ።

ብዘይካ'ዚ፡ ማሕበራዊን ባህላዊን ምትእስሳር መተካእታ ሃገራዊ ልኡላውነት ከምዘይኮነ ብምዝኽኻር፡ ነቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝቐርብ "ሕቶ ዓፋር" ዝብል ኣጀንዳ፡ "ንሓድነታዊ መሬት ኤርትራ ንምብሕጓግ ዝተሃንደሰ ስኑዕ መንነት እዩ" ብምባል ኣስመራ ኮኒና ኣላ።

"ዶባት ንዝሳገር መንነት ዓፋር ንፖለቲካዊ መዓላ ምጥቃም፡ ንሕቡናት ህዝቢ መሳርሒ ጂኦፖለቲካ ምግባር'ዩ።"

"ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ዓፋር መጻወቲ ቸስ ባሕሪ ኣይኮኑን፡ ዝምድናታት ብሄር'ውን ንኽብሪ ዓለምለኻዊ ዶባት ኣየሕቅቖን እዩ" ይብል እቲ መግለጺ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብፍላይ፡ ካብ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣትሒዝካ፡ ዝተፈላለዩ ምኒስተራት፡ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ፡ ኣምባሳደራትን ፖለቲከኛታትን ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ብዝተፈላለየ ግን ከኣ ናብ ሓደ ዕላማ ዝቐንዐ መግለጺታት ከስምዑ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ድማ "ኤርትራ ናጽነታ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን ኣብ ምቍጽጻር ወደባት ጌጋ ፈጺማ እያ" ብምባል፡ ጕዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዳግም ክለዓል ኣለዎ ዝብል ምጕት ከቃልሑ ይስምዑ ኣለዉ።

እዚ መግለጺታት ኢትዮጵያ ካብ ተጠቃምነት፡ ናብ ዋንነት፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ወተሃደራዊ ህላወ ክሳብ ምውሓስ ናብ ዝብል ክዓቢ ክርአ ዝጸንሐ እዩ።

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነዚ ብወገን ኢትዮጵያ ክበሃል ዝጸንሐ መግለጺታት ብጥቕሉሉ ምላሽ ዝሃበ እዚ እዋናዊ መግለጺ ኤርትራ፡ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ብመሬት ዝተኸበባ ሃገራት፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከባ ወደባት ተጠቃምነት ክህልወን ዝፈቅድ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምዝኽኻር፡ እዚ ግን ብዘተን ስምምዕን ክልቲአን ሃገራት ተፈጻምነት ዝህልዎ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

እዚ ኰይኑ ግን፡ እዚ መሰላት'ዚ ኣብ ልዕሊ ገማግም ባሕሪ ካልእ ሃገር ልኡላውነት ወይ፡ ቀዋሚ ናይ ምቍጽጻር ስልጣን ዘውህብ ከምዘይኰነ ኣስሚሩሉ።

"መትከላት ግዝኣታዊ ሓድነት ኣብ ዝርርብ ዝኣቱ ኣይኰነን" ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ነዚ መትከላት'ዚ ንምትርጓምን ንምጥምዛዝን ዝግበር ዝዀነ ይዅን ፈተነ ብቐጥታ ልኡላውነታ ምትንካፍ ምዃኑ ኣስፊሩ።

ብመሰረት ውዕል ሕጊ ባሕሪ ሕቡራት ሃገራት (UNCLOS)፡ ብመሬት ዝተኸበባ ሃገራት ተጠቃምነት ባሕሪ ክህልወን መሰል ይህብ እዩ። እዚ መሰል እዚ ግን ምስታ ዋናን መተሓላለፊትን ሃገራት ብዝግበር ስምምዓት ጥራይ ዝትግበር ምዃኑ ይፍለጥ።

መግለጺ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብተወሳኺ፡ ነቶም ኢትዮጵያ ጠለባታ ንምምኽናይ እትጥቀመሎም ተቘንጺሎም ዝተመርጹ ታሪኻዊ ትርጕማት ኣጕሊሑ።

ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ 2002 ብኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዋህበ ውሳነን ኣህጉራዊ ሕጊን ብምጥሓስ ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ን18 ዓመታት ዝነበራ ወተሃደራዊ ህላወ ጠቒሱን፣ እዚ ክውንነት እዚ ግን ኣብዚ ትረኻ ተጐስዩ ከም ዝሓልፍን ብምዝኽኻር፡ ነቲ ሕጂ ዝለዓል ዘሎ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ፡ መቐጸልታ ናይቲ ሕጋዊ ስርዓታት ኣብ ዝጥዕመካ እዋን ጥራይ ክትጥቀመሉ ናይ ምድላይ ቅዲ ምዃኑ እውን ኣቐሚጡ።

ክንዮ ሕጋውን ታሪኻውን ስነ-ሞጎት፡ ኤርትራ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ባዕሉ ጉዳይ ዞባዊ መልክዕ ከትሕዞ ይፍትን ምህላዉ ስክፍታኡ ብምግላጽ፡ ንባሕራዊ ድሌታቱ ከም ኣካል ሰፊሕ ኣጀንዳ ውህደት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምቕራብ ዘይቅቡልን ንጹግን እዩ ብምባል፡ እዚ ሃቐነ'ዚ ዕላማታትካ ንምጕልባብ ዝግበር ፈተነ ምዃኑ፡ እቲ መግለጺ ይነቅፍ።

"ውህደት ኣብ ምጥሓስ ልኡላውነት ክህነጽ ኣይክእልን" ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ትረኻታት ነቲ ድሮ ብ ስእነት ውሕስነት፡ ቍጠባዊን ፖለቲካዊን ቅልውላዋት ክሕመስ ዝጸንሐ ዞባ ንዝያዳ ሓደጋ ዘይምርግጋእ ዘቃልዕ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ጊዴዮን ጢሞትዮን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሆርን ረቪውን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ኣብ ዘዳለውዎ መድረኽ፡ ቀዳምነታት ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝዘርዘረ እቲ ምኒስተር፡ ሃገሩ ሰላም፡ ምርግጋእን ዞባዊ ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ ውፍይቲ ምዃና ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ምኒስተር ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሓባራዊ ልምዓታዊ ዓቕምን ሓባራዊ ዕጫ ህዝብታት ቀርኒ-ኣፍሪቃን ዝተሰረተ ራእይ ዞባዊ ቍጠባዊ ውህደት ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ሃገራት ዝግበር ዘተን ሓድሕዳዊ ምርድዳእን፡ ሓባራዊ ብድሆታት ንምፍታሕን ውሑስ ዕብየት ንምስጓምን እምብዛ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

እዚ እዋናዊ መግለጺ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መወዳእታ፡ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ስርዓታት ዝተሰረተ ንሓባራዊ ሰላማዊ ምንባርን ዞባዊ ምርግጋእን ምትሕብባርን ዘለዋ ተወፋይነት ብምርግጋጽ፡ ካብዚ ወጻኢ ግን ኤርትራ ዶባታን ልኡላውነታን ንምክልኻል ጽንዕቲ ምዃና ኣጠንቂቑ።

ንኢትዮጵያ ድማ፡ ነቲ ብታሪኽን ብሕግን ዝተነጽገ ህርፋን ሕጋውነት ንምልባስ ትገብሮ ዘላ ፈተነ ሓዲጋ ነቲ ኣብ ጽኑሕ ዶባት ዝተመርኮሰ ሕጋዊ ስምምዓት ክትክተል ጸዊዑ።