ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ፡ ክሳብ ሕጂ መን እንታይ ኢሉ?

ቀይሕ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Bloomberg via Getty Images

ኣፍ ደገ ባሕሪ ካብ መንጐ ዘይብለን ሃገራት ሓንቲ ዝዀነት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዛዕባ ዋንነትን ተጠቃምነትን ወደባት ክህቦ ዝጸንሐት መግለጺታት ብፍላይ ንሶማልያን ኤርትራን ከቘጥዕ ጸኒሑ'ዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ ጥቅምቲ 2023 ጀሚሮም፡ ኤርትራ ናጽነታ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን ኣብ ምቍጽጻር ወደባት ጌጋ ፈጺማ እያ ብምባል፡ ጕዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዳግም ክለዓል ኣለዎ ዝብል ምጕት ከቃልሑ ይስምዑ ኣለዉ።

መግለጺታት ኢትዮጵያ ካብ ተጠቃምነት፡ ናብ ዋንነት፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ወተሃደራዊ ህላወ ክሳብ ምውሓስ ናብ ዝብል ክዓቢ ይርአ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲን ዲፕሎማሰኛታትን እታ ሃገር ዝወጸ ቃላት ነቲ ድምጽታት ናብ ቅሉዕ ናይ ዋንነት ሕቶን ምጕትን ኣስጊርዎ ይርከብ።

ብሰንኪ'ዚ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ናብ ዝኸፍአ ምትፍናን ይዓርግ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብወገን ኤርትራ'ውን ንመግለጺታት ኢትዮጵያ ሓሓሊፉ ዝወሃብ ግብረመልሲ ኣሎ።

ዛጊት እቲ ምጕትን ዳርባ-ቃላትን ካብ ዝፍልም መን እንታይ ከም ዝበሉ፡ ንምዝኽኻር ነቶም ቀንዲ ዝበልናዮም ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

'ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ እዩ'- ባጫ ደበሌ

ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ብወገን ኢትዮጵያ ካብ ዝተዋህቡ መግለጺታት እቲ ዝሓየለ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዋህበ'ዩ።

ብ30 ጥቅምቲ 'ሆርን ረቪው' ዝተባህለ መርበብ ብሽም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ባጫ ደበሌ ኣብ ዝሓተሞ ጽሑፍ፡ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንልኡላውነት ኢትዮጵያ፣ ቍጠባዊ ዕብየትን ዞባዊ ጽልዋን መተካእታ ዘይብሉ ጕዳይ ምዃኑ ይገልጽ።

"እቲ ሕቶ እምበኣር፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክትዋሳእ ኣለዋ ዶ የብላን ዘይኰነ፡ ከመይ ገይራ ዝብል'ዩ - ምስ ጐረባብታ ብፍላይ ድማ ምስ ኤርትራ ንኽልቲኡ ዝጠቅም ምትሕብባር ክህሉ ብምግባር፡" ይብል እቲ ጽሑፍ።

ኣምባሳደር ባጫ፡ ብሰኑይ ኣዲስ ፓራዳይም ምስ ዝተባህለ ቻነል ዩትዩብ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ'ውን፡ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ እዩ ምባል ልዑላውነት ኤርትራ ምግሃስ ኣይኰነን ክብል ተሰሚዑ።

ሃገሩ፡ ኣብ ልዕሊ ዓሰብ 'ታሪኻውን ምምሕዳራውን' መሰል ዋንነት ከም ዝነበራ ዝሞገተ እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ነበር፡ "ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ እዩ ዝበልናሉ ምኽንያት ናይ ኢትዮጵያ ስለ ዝዀነ እዩ፡ 100 ሚእታዊት፤ ፒርየድ! ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ እዩ፡" ክብል ብሓይለ ቃል ክዛረብ ይስማዕ።

ነዚ መረዳእታ ኢሉ ዘቕረቦ ድማ፡ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ፡ ሓሙሽተ ርእሰ ምምሕዳር እዩ ነይሩዋ ዝብል እዩ -ዓሰብ ርእሰ ምምሕዳር ካብ ዝነበሩ ሓደ ኰይኑ፡ ኤርትራ እውን ርእሳ ዝኽኣለት ርእሰ ምምሕዳር ነይራ ይብል።

ባጫ ደበለ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣምባሳደር ባጫ ደበሌ ብዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ እዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

በዚ መሰረት፡ ኤርትራ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ንናጽነት ዝገበረቶ ቃልሲ ናጻ ሃገር ክትከውን እንከላ፡ ዓሰብ ሒዛ ኣይኰነትን ሃገር ክትከውን ዝግባእ ብምባል፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ነይረ እትብለሉ መጐት ልክዕ ኣይኰነን ኢሉ።

"ዓሰብ ንወስኸላ ዝበለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ኤርትራዊ'ዩ ዓሰብ ወሲኹሎም እምበር ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ሃብቲ እዩ።

ከምቲ 'ብቕልጽምና' ዝብሉዎ . . . እወ ብሓይሊ ኢኹም ወሲድኩምዎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ሓይሊ ፈጢርኩም፡ መሰጋገሪ መንግስቲ እንከለኹም፡ ብሓይሊ፡ ብቕልጽም ኢኹም ዓሰብ ወሲድኩምዎ። ንሱ ኢና ንብል ዘለና፡" ክብል ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ኣብ 1993 ዝመርሖ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስትን ገዛኢ ውድብ ኢህወደግን ንናጽነትን ልዑላውነት ኤርትራ ምሉእ ኣፍልጦ ምሃቦም ይፍለጥ።

እንተዀነ ንናጽነት ኤርትራ ዘይተቐበሉን ዝተቓወሙን ደገፍቲ ስርዓት ደርግ ዝነበሩ ይዅኑ፡ ካልኦት ወገናት ኢትዮጵያ ነይሮም'ዮም። ኢህወደግ'ውን ንኤርትራ ከምትንጸል ገይሩዋ ተባሂሉ ሓያል ተቓውሞታት ገጢምዎ ምንባሩ ይዝከር።

ኣምባሳደር ባጫ ወሲኹ፡ "ብሓይልን ብጠመንጃን፡ ብሸፈጥ ሃብቲ ኢትዮጵያ ወሲድኩም ኢኹም፤ ሽዑ ዝተዛረበኩም ሰብ የለን፡ ሕጂ ዓሰብ ዘመልስ ወለዶ'ዩ ዘሎ። እቲ ሕቶ ከመይ ንመልሶ እዩ። ክፉእ ነገር እንተመጺኡ እቲ ብሓይሊ ዝወስድኩምዎ ብሓይሊ ክምለስ እዩ፤ ግን ናብ ሓይሊ ኣይንኸይድን። እኳ ድኣ ንተሓባበር፡" ኢሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ "ኢዱ ኣብ ጕዳያት ኢትዮጵያ የእቱ'ዩ ዘሎ፡" ዝብል ክሲ ዘቕረበ ኰይኑ፡ "ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ኢድካ ኣውጽእ፣ ጽምዶ ደው ኣብል፡ ንዝተፈላለዩ ኣካላት እትገብሮ ድጋፍ ደው ኣብል፡ እንተዘይኰይኑ ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ ማንም ነብሱ ክከላኸል እዩ፡" ኢሉ።

ኣምባሳደር ባጫ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ብዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ጀነራል ክኸውን ዝበቕዐ ኰይኑ፡ ኣብ ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣዛዚ ሰራዊት ኰይኑ ዝተሳተፈ እዩ።

እቲ ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ወተሃደር ዝነበረ ባጫ፡ ኣብ ውግእ ብሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምምራኹ ተለቒቑ ናብ ኢትዮጵያ ብምምላስ ምስቲ ብህወሓት ዝቕለስ ውድብ ኢህወደግ ከም ዝተጸምበረ ይፍለጥ።

'ምጕዕጻጽ ሕጊ እዩ' - ኣረጋዊ በርሀ

ብኻልእ ወገን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ዳይሬክተር ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ፕሮጀክት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ገዲም ፖለቲከኛ ኣረጋዊ በርሀ፡ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ወኒና ኣይትፈልጥን'ያ ዝብሉ ምጕታት ግጉያት'ዮም ብምባል፡ ሕጂ እተቕርቦ ዘላ ጠለብ ቅልጡፍ ፍታሕ ከም ዘድልዮ ተዛሪቡ።

ከምቲ ንሱ ዝበሎ እንተዀይኑ፡ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዝስኣነትሉ መገዲ ኢ-ፍትሓዊ እዩ ነይሩ።

"ብድልየት ሓደ/ ክልተ ሰባት ኢና ኣፍ ደገ ባሕሪ ስኢንና፡" ዝበለ ኣቶ ኣረጋዊ፡ ኣብቲ ግዜ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ብነፍስሄር መለስ ዜናዊ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፖለቲካዊ ረብሓኡ ንምሕላው ብዝብል ዝፈጸሞ በይናዊ ፍርዲ ምዃኑ ይምጕት።

ንሱ፡ ኣብቲ ብተሌቪዥን ፋና ዝዳሎ 'ለሃገር' ዝተሰምየ ፖድካስት ቀሪቡ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ "ሽዑ በዓል መለስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክቃወመና እዩ፡ ኣይወደብናዮን፡ ተጓሃሂሩ ብዝነበረ ናይ ብሄር ስምዒት ክቃወመና እዩ ዝብል ስግኣት ስለ ዝነበሮም ግን ናይ ሻዕብያ ድጋፍ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኣናኢሶም ብምርኣይ ሓሊፎምዎ። ስለዚ ፍትሓዊ ብዝዀነ መገዲ ኣይኰነን ተፈጺሙ፡" ብምባል እቲ ጕዳይ ንኤርትራ ኣሕሊፍካ ዝተዋህበ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋን ኣፍ ደገ ባሕሪ ከም ዘድልያ ዘተሓትት ኣይኰነን ዝብል ኣረጋዊ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት 'መትከል ሂብካ ምቕባል' ክህሉ ከም ዘለዎ ይዛረብ።

"ኤርትራውን መሰሎም ክኽበር ከም ዘለዎ ንኣምን ኢና- ምኽንያቱ መሰሉ ዘይተኸበረ ወገን ናብ ውግእ እዩ ዝኣቱ። ግን ናትና መሰል እውን ከኽብሩ ኣለዎም፤ እቲ መትከል ሂብካ ምቕባል እዩ። እዚ ድማ ብሰላም ንግበሮ ኢና ንብል ዘለና፡ ብኲናት ኣይኰነን። ብሰላማዊ፡ ታሪኻዊ፡ ብሕጊ፡ ብፖለቲካዊ ልምዲ ክትፈትሖ እትኽእል ነገር እዩ።"

ንሱ ወሲኹ፡ "[ኢትዮጵያ] ብዘይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ትንበር ማለት ግን ምጕዕጻጽ ሕጊ፡" እዩ ኢሉ።

'ሓይሊ ባሕሪ ዝመስረትና ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንምእታው'ዩ - ብርሃኑ ጁላ

ብርሃኑ ጁላ መፍትሕ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ሓይሊ ባሕሪ ንዋና ኣዛዚ ናይቲ ክንፊ እናኣረከበ

ምንጪ ስእሊ, FDRE Defence Force

መግለጺ ስእሊ, ብርሃኑ ጁላ መፍትሕ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ሓይሊ ባሕሪ ንዋና ኣዛዚ ናይቲ ክንፊ እናኣረከበ

ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ብቀዳም 25 ጥቅምቲ፡ መበል 118 መዓልቲ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዝተባዕለሉ ኣጋጣሚ ነዚ ዛዕባ ኣልዒሉ ክዛረብ ተሰሚዑ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን'ያ ዝበለ እቲ ኣዛዚ ሰራዊት፡ "ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ [ኤርትራ] ነታ ብዝሒ ህዝባ ናብ 200 ሚልዮን ገጹ ዝኸይድ ዘሎ ሃገር ባሕሪ ክትከልኣ መጐታዊ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

ብርሃኑ ጁላ፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ባሕሪ ንዘትረፉዋ ዝበሎም ብስም ዘይጠቐሶም ሓይልታት ወጻኢ ብምውቃስ'ውን ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝነበሩ ሰበስልጣንን፡ ኤርትራ ምስ ወደባታ ክትንጸል ምፍቃዶም "ኣደናጊሮም እዮም" ክብል ከሲሱ።

"እቶም ን60፡ 70 ዓመታት ሰሪሖም መሬት ተኸቢብና ክንተርፍ ዝገበሩና ጸላእቲ ስርሖም ቀጺሎም ኣለዉ። ንሕና [ሰበስልጣን መንግስቲ] ጌጋ ፈጺምና [ምስቲ ኤርትራ ክትንጸል ከላ ኣብ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ] ተሓባቢርና ክንከውን ንኽእል ኢና፤ እንተዀነ እቶም ቀንዲ ወነንቲ ናይቲ ንኢትዮጵያ ብመሬት ናይ ምዕጻው ኣጀንዳ እቶም ታሪኻዊ ጸላእቲ እዮም።"

እንተኾነ፡ እቶም "ጸላእቲ" ዝበሎም ወገናት መን ምዃኖም ብስም ኣይጠቐሰን። እንተኾነ፡ ኣቐዲሙ ንኤርትራን ግብጽን "ታሪኻዊ ጸላእቲ ኢትዮጵያ" ክብል ገሊጽወን ነይሩ'ዩ።

እቲ ኣዛዚ ሰራዊት ጠለባት ሃገሩ ብኸመይ መገዲ ከረጋግጽ ምዃኑ'ኳ ብግልጺ እንተዘይጠቐሰ፡ "ሓይልታት ምክልኻልና ከነሐይል፡ ምዕባለና ከነቀላጥፍን ኣፍደገ ባሕሪ ከነውሕስን ኢና" ብምባል ተመባጺዑ ኣሎ።

"ሕጋዊ፡ ታሪኻውን ፖለቲካውን ምኽንያታት ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ጉዳይ ባሕሪ ንዓና ንኢትዮጵያውያን ጕዳይ ህልውና ኰይኑ'ሎ። ልዕሊ 130 ሚልዮን ህዝቢ፣ ካብቲ 60 ኪ.ሜ ዘይርሕቕ ኣፍደገ ባሕሪ ኣርሒቕካ ክሳብ ሞት ዘስዕብ ዓፊንካ ከተንብሮ፡ ሳዕቤኑ ንመላእ እቲ ዞባ ጽቡቕ ኣይክኸውንን'ዩ።"

"ኣብዚ ኣጋጣሚ እምበኣር ነቶም ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ኣሕዋትና [ንኤርትራውያን ክኸውን ይግመት]፡ ካብ ድርቅና ዝመልኦ ውሳነታት ክቝጠቡን፡ ተፈጥሮ ዝሃበና ብመትከል ሂብካ ምቕባል ክንካፈል ምግንዛብ ግቡእ'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ሰነ 2025 ኣብ ዝሃቦ ተመሳሳሊ መግለጺ'ውን፡ እቲ ፊልድ ማርሻል፡ ብቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ "ናይ ኤርትራ ጉዳይ ስለ ዝተመሓየሸ፡ ምስኦም ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢልና ኢና ሓይሊ ባሕሪ መስሪትና" ክብል ብርሃኑ ጁላ ተዛሪቡ ነይሩ።

"ሓይሊ ባሕሪ ዝመስረትና ናብኡ [ቀይሕ ባሕሪ] ንምእታው'ዩ፣ በየናይ ኣገባብ ኢና ንኣቱ? ድሕሪ ሕጂ ዝርአ'ዩ ክኸውን፡" ድማ ኢሉ።

ጸጥታን ውሕስነትን ባሕሪ ንኢትዮጵያ ዘለዎ ኣገዳስነት ብምጥቃስ ድማ፡ "ንሰግእ ኢና፡ ናይ ባሕሪ ጉዳይ ይምልከተና'ዩ። ኣዚና ኢና ንከታተሎ፡ ስለዚ፡ ድማ ኢና ሓይሊ ባሕሪ መስሪትና ዘለና።"

ኢትዮጵያ፡ ብደገፍ ከም ፈረንሳን ሩስያን ዝበላ ሃገራት ከም ሓደ ክንፊ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ሓይሊ ባሕሪ ብምህናጽ፡ ዘድሊ ትሕተ-ቅርጺ ብምድላው፡ ኣዘዝቲን ኣባላትን ከተሰልጥን ምጽንሓ ይፍለጥ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ዳይረክተር ዝምድናታት ወጻኢን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ጅኦግራፍያዊ ቅርበት ናብ ቀይሕ ባሕሪ፡ መሰል ምርካብ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዘለዋ ክምጉት ተሰሚዑ ነይሩ።

ብተወሳኺ እታ "ርእሰ ገዝኣት እያ ነይራ" ዝበላ ዓሰብ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ብመሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣካል ኤርትራ ክትከውን እንከላ፣ ብቓላቱ "በቲ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘይነበሮ ብህዝቢ ዘይተመርጸ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝተገብረ እዩ፡" ክብል ገሊጹ ነይሩ።

'ንሕና ኣብ ኣዱሊስ ኢንቨስት ክንገብር'- ኣቢይ ኣሕመድ

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, EBC

እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝቃላሕ ዘሎ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕቶን ጠለብን ፈለማ ብቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ'ዩ ፈሊሙ።

ኣቢይ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝነበሮ ዝምድና ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ እናላሕለሐ ድሕሪ ምምጽኡ ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ'ዩ ንሕቶ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዓው ኢሉ ክዛረበሉ ጀሚሩ።

"ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ከየልዓልና፡ ብሰላም ጸኒሕና እንዲና፡ ሕጂ ስለምንታይ ትም ዘይንብል፡ ዘይተርፈና ምስ ኤርትራ እንተ ተራጸመናኸ? ምስ ጂቡቲ እንተ ኣራጸመናኸ ዝብል ስግኣት ዘለዎም ሰባት ኣለዉ" ብምባል'ዩ ንምጕቱ ፈሊሙ።

ኢትዮጵያ ንወደብ እተውጽኦ ክፍሊት ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ናይ ሰለስተ ዓመት ወጻኢታት ጥራይ ግድብ ህዳሰ ክሃንጽ ዝኽእል'ዩ ብምባል ኣማራጺ ወደብ ከምዘድልዮም ኣሚቱ።

ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናዓበየ ከምዝመጸ ብምጥቃስ ድማ "150 ሚልዮን ህዝቢ ናይ ጆግራፊ እሱር ኰይኑ ክቕጽል ኣይክእልን'ዩ" ክብል ተዛሪቡ። ኣብ 2030 ቍጽሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ 150 ሚልዮን ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።

"ንቀይሕ ባሕሪ ኣብ እንቐርበሉ ዝነበርና እዋን ካብ ዓበይቲ ሓያላት ዓለም ነይርና" ዝብል እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ፡ ጐረባብቲ ሃገራት ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝምንጭዉ ወሓይዝ ማይ ከምዝረኸባ ብምዝኽኻር፡ እተን ሃገራት ዘለወን ማያዊ ጸጋታት ከካፍላ ከምዘለወን ይምሕጸን።

"ናትኩም ንካፈል ናትና ኣይትሕተቱ ምባል ግን ቅኑዕ ኣይኰነን. . .ብቕትለትን ኲናትን ከይከውን ድማ ሓቂ ምኽሓድ ቅኑዕ ኣይኰነን።"

"ንሕና ኣብ ዓሰብ ኢንቨስት ክንገብር፡ ወይ ኣብ ዘይላ ኢንቨስት ንግበር፡ ወይ ኣብ ኣዱሊስ ኢንቨስት ክንገብር ናይ ቦታ ምርጫ ጸገም የብልናን። ንስኹም ድማ ካብ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ዕስራ ሰላሳ ፐርሰንት ውሰዱ" ዝብል ጠለብ'ውን ኣቕሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2024 እውን "ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ነቕ ዘይብል ሃገራዊ ረብሓ [ሕቶ] ኣሎዋ፤ ናብ ቀይሕ ባሕሪ መውጽኢ ሰላማዊ መንገዲ ከምዘድልያ ጻውዒት ዓለም ትሰምዕ እያ ዘላ። ኣብዚ ጉዳይ ንዋዘ ዘለና መሲሉ ዝስመዖ ወይ ድማ ዕሽሽ እንብሎ ዝመስሎ እንተሎ ጌጋ እዩ" ብምባል ድሌቱ ብንጹር ኣቐሚጡ ነይሩ።

ኣብ መጋቢት 2025 ድማ "ቍጠባኡ ዝዓቢ ዘሎ ህዝቢ፡ ምልዋጥን ካብ ድኽነት ክወጽእን ዝደሊ 130 ሚልዮን ህዝቢ፡ ጫፍ ጫፉ ተሓንጺጽሉ ተዓጽዩ ኣብ ማእሰርቲ ክነብር ኣይክልን'ዩ፡ ኣይክልን'ዩ" ክብል ቅሉዕ መጠንቀቕታ ሂቡ።

ብ3 ሓምለ 2025 ኣብ ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ'ውን፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ተመሳሳሊ መግለጺታት ሂቡ ነይሩ'ዩ።

"ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ እንተዘይረኺባ ሃገር ክትከውን ኣይትኽእልን'ያ" ዝበለ ኣቢይ "ብወገን ኤርትራ ውግእ ከምዝውላዕ ዓይነት ወረታት ይቃልሑ'ዮም። ንዝተኸበረ ቤት ምኽሪ ኣርጊጸ ክነግረኩም ዝደሊ፡ ብኣና ወገን ሓንቲ ጥይት ኣይክትኮስን እያ" ክብል ተሰሚዑ።

"ንኣብነት ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር'ያ፣ ብግዲ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን ኣይንደልን ኢና። ልዑላዊት ሃገር ክትከውን መሰላ'ዩ። ጅቡቲ ልዑላዊት ሃገር'ያ፡ ክኽበር ኣለዎ። ሶማልያ ልዑላዊት ሃገር'ያ ክኽበር ኣለዎ። ኣብዚ ሕቶ የብልናን።

"ኢትዮጵያ'ውን ልዑላዊት ሃገር'ያ፡ ኣፍደገ ባሕሪ እንተዘይረኺባ ግን ሃገር ክትከውን ኣይትኽልን'ያ። እዚ'ውን ብኣኣቶም ወገን ክኽበር ኣለዎ፡" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ'ውን፡"ኢትዮጵያ ንዘልኣለም እስርቲ መልከዓ-ምድሪ [ጂኦግራፊ] ኰይና ክትነብር እያ ኢሉ ዝሓስብ ኢትዮጵያዊ እንተሃልዩ፡ ብደው ዝሞተ 'ዩ" ክብል ኣቃሊሑ።

ኣብ 2018 "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ምፍራሙ፡ "ኣነን ኢሱ ወዲ ኣፎምን ምስ ተደመርና ንካፈሎ ዓሰብ ክኸውን'ዩ" ክብል ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምቕባል ኣብ ሚልየነም ኣደራሽ ኣብ ዝተገብረ ድግስ ተዛሪቡ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ክልቲኦም መራሕቲ ምዉቕ ጥቡቕ ዝምድና ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን ኣቢይ ብኢሳይያስ ተሰንዩ ናብ ወደባት ባጽዕን ዓሰብን በጺሑ ነይሩ'ዩ።

ኣብ መንጐኦም ዝነበረ ዝምድናታት ድሕሪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘካየድዎ ደማዊ ኲናት እናላሕለሐ ድሕሪ ምምጽኡ ግን ጕዳይ ቀይሕ ባሕሪ ሓድሽ ወጥሪ ኣስዒቡ ይርከብ።

'ኢትዮጵያ ብዘይ ፍትሓዊ መገዲ ካብ ባሕሪ ርሒቓ'-ፕረዚደንት ታየ ኣጽቀስላሴ

ታየ ኣጽቅስላሴ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ ኣጽቀስላሰ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅተቲ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ናይ መኽፈቲ መደረ፡ ኢትዮጵያ "ኣብ ዓለማዊ፡ ኣህጉራውን ዞባውን ጉዳያት "ንጡፍ ተሳተፎን ሓያል ጽልዋን" ክህልዋ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ኣፍደገ ባሕሪ "ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ" ከም ዝተመንዝዐት ተዛሪቡ።

"ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን እትርከብ ሃገር እያ። ናይ መጻኢ ዕድላ ድማ ምስ ክልቲኡ ማያት ዝተኣሳሰረ እዩ፡" ኢሉ።

"ይዅን'ምበር፡ ኢትዮጵያ ብዘይፍትሓዊ መንገዲን ህዝቢ ማእከል ብዘይገበረን ዘየሳተፈን ኣገባብ [ካብ ባሕሪ] ርሒቓ ጸኒሓ እያ።"

ፕረዚደንት ታየ፡ "ኢትዮጵያ ናብዞም ማያት ንኽትምለስን ናይ ፍትሓዊ ልምዓት ተጠቃሚት ንኽትከውንን መንግስቲ ኣብ ምስራሕ ይርከብ፡" ብምባል፡ "ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ማሕበረሰብ ዓለም ዝዛረበሉ ዛዕባን ሓሳብን ክኸውን ክኢሉ ኣሎ፡" ኢሉ።

"ብቐጻሊ'ውን፡ ኣብ ዞባና ናይ ሓባር ናይ ልምዓት ተጠቃምነት ዘሎ ድሌት ኣብ ግምት ዘእተወ ምትሕብባርን ምትእስሳርን ንምሕያል ዲፕሎማስያውን ሰላማውን ጻዕርታት ክግበሩ እዮም፡" ይብል እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ።

ፕረዚደንት ታየ ኣብ መግለጺኡ፡ "መንግስቲ ፍትሓውን ዘተኣማምንን ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሃገራት ናይቲ ዞባ ብዲፕሎማስያውን ሰላማውን መንገዲ ክሰርሕ'ዩ፡" ክብል'ውን ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ መስከረም ናይዚ ዓመት ኣብ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ'ውን ሃገሩ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝግባኣ ኣሚቱ ነይሩ።

'ዕዋጀ ሕማም ምስፍሕፋሕ ንዓሰብ ቀይሕ ባሕሪ' -ግብረመልሲ ኤርትራ

የማነ ገብረመስቀል

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea

ብወገን ኤርትራ፡ ነቲ ብዛዕባ ጠለብ ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት መግለጺታት ኢትዮጵያ ሓውሲ ወግዓዊ ግብረመልሲ'ዩ ክወሃብ ጸኒሑ።

ዝበዝሕ ግዜ ድማ ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብመገዲ ኤክስ ዝህቦ ርእይቶታትን ተቓውሞታትን እዩ።

ኣብ መጋቢት 2025 ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ኣስመራ ንዝርከቡ ኣምባሳደራትን ወከልቲን ሃገራት ወጻኢ ብምእካብ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ትህቦ ዘላ መግለጺታት ንልዑላውነት ሃገሩ ዝጥሕስ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

"ኢትዮጵያ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረባብታ ከተኽብር ማሕበረሰብ ዓለምን ኣገደስቲ ኣካላቱን ጸቕጢ ክገብሩላ ኤርትራ ትምሕጸን" ክብል ዑስማን ጸዊዑ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያሰ'ውን ኣብ መበል 34 ዓመት ጽንብል ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንተጻብኦ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝፍሓስ ዘሎ ቅሉዕን ስዉርን ሸርሕታትን'ውን ዘይፈለጠ የሎን" ክብል ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘነጻጸረ መግለጺ ሂቡ ነይሩ።

"ዝተፈላለየ መኣዝናት፡ ናይ ማያት፡ ናይ ኒልን ቀይሕ ባሕርን፡ ናይ ባሕሪ መስኮት፡ ንህዝቢ ... ህዝቢን መሬትን ዓፈር ከም መድረኽ መጻወቲ ምምዝማዝ ወዘተ፣ እቲ ዕንደራን ምህውታትን ኣብ መወዳእታ ህድማ ንቕድሚትን ጥራይ'ዩ ክበሃል ዝከኣል"።

"እቲ ተኣዊጁ ዘሎ ኲናታት - ሓንቲ ዘይኰነ ብዙሕ ኲናታት - ንምብራዕ ዝጓረት ዘሎ ቴክኖሎጂን ኣጽዋርን ምስ ዘሰንዮ ሕሱር ጃህራን ፈኸራን ምዝጉብ'ዩ፡" ይውስኽ ፕረዚደንት ኢሳይያስ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምኒስተር ዜና ንመግለጺ ኣቢይ ኣሕመድ "ዕዋጀ ሕማም ምስፍሕፋሕ ንዓሰብ ቀይሕ ባሕሪ" ክብል ነቒፍዎ።

ኣብ መስከረም ኣብ ዝሃቦ ተመሳሳሊ ግብረመልሲ'ውን፡"ሰበስልጣን ሰልፊ ብልጽግናን ደገፍቶምን ብዓውታን ብዘይሓላፍነታዊ መንገዲን ንጥንታዊ፡ ማእከላይ ዘመንን ዘመናውን ታሪኽ ኤርትራ ክጥምዝዝዎ ብትሪ ኰኒኑ።

ልዑላውነት ኤርትራ ኣህጉራዊ ሕጊ መሰረት ብዝግበረ ብናይ 1993 ረፈረንደም ከም ዝተረጋገጸን ብምንጻር፡ እቲ ልዕሊ 99% ኤርትራውያን ንናጽነት ዘድመጽሉ ድማ ብምክትታል ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረ ሕጋዊ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

"ረፈረንደም ብመሰረቱ በይነ ውሳነ ናይ ኤርትራ እዩ፤ ብመሰረት ኣህጉራዊ መትከላት ዝተኻየደ እዩ ድማ ነይሩ። ኣብ ምጽዳቕ ካብታ ኣብቲ እዋን ጐባጢት ሓይሊ ዝነበረት ኢትዮጵያ ዝምርኰስ ኣይነበረን፣ ፈጺሙ ክኸውን'ውን ኣይክእልን፡" ክብል'ውን መጒቱ።