ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ዝሰገሩ ስደተኛታት ‘መናእሰይ ተባዕትዮ ጥራይ’ ድዮም?

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ብሰኑይ ኣብ ባይቶ ኢትዮጵያ ቀሪቡ፡ ኣብ ጉዳይ ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት መብርሂ ሂቡ ነይሩ።
ኣብ ባይቶ መብርሂ ካብ ዝሃበሎም ጉዳያት ሓደ ድማ፡ ጉዳይ እቶም ብሰንኪ እዚ ጎንጺ ናብ ሱዳን ዝሰገሩ ስደተኛታት ዝምልከት እዩ ነይሩ።
ንሱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ስደተኛታት ተቐቢሉ ናብ ንቡር ናብረኦም ክመልሶም ከምዘይጽገም እዩ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ዝተርኣየ ልዑል ምምዝባል ዜጋታት፡ ንጉዳይ ተመዛበልቲ ኣብ ምእላይ ኢትዮጵያ ልዑል ዓቕሚ ኣጥሪያ ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ጉዳይ እዞም ስደተኛታት ዘሻቕል ከም ዘይኮነ እዩ ኣብሪሁ።
“ኣይተኽብድዎ” ክብል ድማ ተዛሪቡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ጉዳይ እዞም ስደተኛታት ምጥርጣር ከም ዘለዎ’ውን ኣይሓብአን።
“ሓደ ጸገም ግን ኣሎ። ደቂ ኣንስትዮ የለዋን። ህጻናት የለዉን። መናእሰይ ጥራይ እዮም ስደተኛታት ተባሂሎም ዘለዉ። እዞም መናእሰይ መን እዮም ዝብል ጉዳይ፡ ግዜ ዝምልሶ እዩ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ግን፡ ነዚ ርእይቶ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ከቃልሖ እንከሎ፡ ቃል ብቓል ክጠቕሶ ኣይመረጸን።
“ጸብጻባት ከም ዘርእይዎ፡ ካብቶም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ስደተኛታት፡ መብዛሕተኦም ተባዕትዮ እዮም” ብምባል ብዝሒ መናእሰይ ተባዕትዮ ካብ ብዝሒ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝዛየደ ከም ዝኾነ እዩ ሓቢሩ።
እዚ ግን ሓቂ ድዩ?
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) ዘውጸኦ ሓበሬታ ከም ዘርእዮ፡ ዋላ’ኳ ልዕሊ ፍርቂ (57%) ካብቶም ስደተኛታት ጾታኦም ተባዕታይ ኮይኖም፡ ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ግን ካብ ብዝሒ ዓበይቲ ተባዕትዮ ዝዛየደ እዩ።
45 ምኢታዊት ካብቶም ስደተኛታት፡ ትሕቲ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እዮም - ካብዚኦም ድማ ፍርቀን ኣንስትዮ ፍርቆም ተባዕትዮ እዮም።
ቁጽሪ ተባዕትዮ ዛይዱ እንረኽቦ ኣብ ዓበይቲ ሰባት እዩ።
ዓበይቲ ግን፡ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ እቶም ስደተኛታት ዳርጋ ፍርቂ ጥራይ እዮም።
ኣብ ዓበይቲ፡ ብዝሒ ተባዕትዮ 60 ምኢታዊት ኮይኑ ንረኽቦ።
ዩኤንኤችሲኣር፡ ነዚ ሓበሬታ ዘውጸኦ ብሓምዳይት ኣቢሎም ናብ ሱዳን ኣብ ዝሰገሩ 7,000 ስደተኛተት ብዝገበሮ ገምጋማዊ መጽናዕቲ እዩ።
ዛጊድ፡ ልዕሊ 45,000 ስደተኛታት፡ ካብ’ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ሃዲሞም ካብ ትግራይ ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ኣትዮም እዮም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







