ሰብመዚ ትግራይ ልዕሊ 4000 ኣባላት እዚ ሰሜን ዝነበሩ ወታሃደራት ከምዝለቐቑ ኣፍሊጦም

ምንጪ ስእሊ, EBC
ኣባላት ናይቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ 'ሰሜን እዝ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ልዕሊ 2600 ወታሃደራት ናብ ቤተሰቦም ከምዝተፋነዉ ሰብመዚ ትግራይ ኣፍሊጦም።
ሓደ ብዓል ብዓልመዚ ንተለቪዥን ድምጺ ወያነ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብሰኑይ 30 ሕዳር'ውን ልዕሊ 1800 ከምዘፋንዉ ሓቢሩ።
መንግስታዊ ኣገልግሎት ተለቪዥን ኢትዮጵያ፡ ኢቢሲ፡ ብወገኑ ልዕሊ 3 ሽሕ ብህወሓት "ተዓፊኖም" ነይሮም ዝበሎም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ኣይንዋጋእን ኢሎም ዝሃደሙ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣብ ከተማ ደባርቕ ከምዝኣተዉ ሓቢሩ'ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈጺሞም ብምባል'ዩ፡ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።
እቲ ብ4 ሕዳር ዝጀመረ ወታሃደራዊ ስርሒታት ሰራዊት ምክልኻል ድሕሪ ምትሓዝ ከተማ መቐለ ከምዘብቅዐ'ኳ እንተሓበረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ፈደራልን ትግራይን ውግእ ይቕጽል ምህላዉ፡ መራሕቲ ትግራይ ገሊጾም።
ብሰንኪ'ቲ ግጭት፡ ልዕሊ 43,000 ሰባት ካብ ትግራይ ተፈናቒሎም ናብ ሱዳን ኣትዮም ምህላዎም ትካላት ረዲኤት ይሕብራ ኣለዋ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ሰራዊት ፈደራል መቐለ እትርከበን ሓያሎ ቀንዲ ከተማታት ተቖጻጺሩ'ኳ እንተሎ፡ ትማሊ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ኣክሱም ካብ ኢድ ሰራዊት ፈደራል "ናጻ" ከምዘውጽእዋ ተዛሪቦም ነይሮም።
መስመራት ተሌፎንን ኢንተርነትን ኣብቲ ክልል ተቋሪጹ ምህላዉ፡ ነቶም ምዕባለታት ንምክትታል ይኹን ሓቅነቶም ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።
ካብን ናብን ዝግበር መጓዓዝያ'ውን ተኣጊዱ ምህላዉ፡ ኩነታት ናይቶም ህጹጽ ሰባዊ ረዲኤት ዘድልዮም ሚልዮናት ዜጋታትን፡ ኣስታት 100,000 ዓለምለኻዊ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
ክልቲኦም ወገናት ኣቐዲሞም ኣብቲ ክልል ህጹጽ እዋን ኣዊጆም ምንባሮም ይዝከር።
ድሕረ-ባይታ ናይቲ ግጭት
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ጸኒሖም።
ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።
እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ።
ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም ምርጫ ኣካይዱ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ ምርጫ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።
ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







