"ሓይልታትና ንመሰል ርእሳ ውሳነ ህዝቦም'ዮም ዝዋግኡ ዘለዉ" - ጌታቸው ረዳ

ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

ወሃቢ ቃል ኮማንድ ፖስት ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ከምኡ'ውን ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዘራረቡ ቅሩባት ምዃኖም ተዛሪቡ።

ንሱ ኤርትራ'ውን ምስ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ውግኣት ምስ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፈደራል ኮይና ትሳተፍ ከምዘላ ገሊጹ።

እቲ ግጭት ድሕሪ ምውልዑ ኣብ ዝነበሩ ቀዳሞት መዓልታት፡ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ኢድ ከም ዘይብላ ገሊጾም ነይሮም።

እንተኾነ፡ ኣብ ዝቐጸሉ ሳምንታት ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዶባት ውግኣት ከም ዝተኻየዱ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ድሕሪ ምትእሓዝ ከተማ መቐለ እቲ ኣብ ትግራይ ከካይዶ ዝጸንሐ ወታሃደራዊ ስርሒታትከም ዘቋረጸ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይን ግን ውግኣት ይካየዱ ኣለዉ።

ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ልዕሊ 43 ሽሕ ናብ ሱዳን ክኣትዉ እንከለዉ፡ ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጠ ሰባት ሞይቶም ከም ዘለዉ ይግለጽ።

መስመራት ቴለፎንን ኢንተርነትን ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ።

ምስ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝተገብረ ሓጺር ቃለመሕትት ቃል ብቓሉ እንሆ፡

ቢቢሲ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኩነታት መቐለ ኣብ ምንታይ ይርከብ"?

ኣቶ ጌታቸው፡ መቐለ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ኣብይን ኢሳያስ ኣፍወርቂን እያ ዘላ።

እንተኾነ ኣብ ከባቢኣ ውግእ ክካየድ ጸኒሑ'ሎ። ስለዚ እቲ ኩነታት ኣብ ወጥሪ'ዩ ዘሎ። ህዝቢ ነቶም ወረርቲ ሓይልታት ብፍሕሹው ገጽ ክቕበል ሸውሃት የብሉን።

ቢቢሲ፡ ካብ መቐለ ተሳዒርኩም ዲኹም ወጺእኩም?

ኣቶ ጌታቸው፡ ኣካይዳ ኣብዪን ኢሳይያስን ኣብ ዝሓዝወን ከተማታት ምዕናው ንብረት ስለ ዝኾነ፡ ዕንወት ንምውጋድ ኢና ባዕልና ካብ መቐለ ኣዝሊቕና።

ንትግራይ ብደብዳብ ናብ ዘመነ እምኒ ክመልሱዋ ድሌት ስለ ዘለዎም፡ ምኽንያት ክንህቦም ኣይደለናን። ስለዚ ካብታ ከተማ ስሒብና። እቲ ውግእ 70 ኪሜ ካብ መቐለ ርሒቑ እንከሎ ኢና'ውን ኣዝሊቕና።

ቢቢሲ፡ እዚ ኣብ ግምት ብምታው፡ ምስ መንግስቲ ክትዘራረቡ ቅሩባት ዲኹም?

ኣቶ ጌታቸው፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምግባር ክንዘራረብ ጸገም የብልናን። ምኽንያቱ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ንርእዮ ዘለና፡ ኮነ ኢልካ ሲቪላዊ ሂወትን ንብረትን ምዕናዉ'ዩ።

ድሌት እዞም ሰባት ብደብዳብ ኣብ ትሕቲኦም ክንኣቱ ምዃኑ ርኡይ'ዩ። ስለዚ ዋላ'ኳ ብሓይሊ ኢድና ጠውዩ ከገድደና ንዝደሊ ዘይንቕብል እንተኾንና፡ ንሰላም ዘለና መርገጺ ግን ኣይተቐየረን፤ ስለዚ ንዘተ ዘለና ቅሩብነት ኣብ ቦትኡ'ዩ ዘሎ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ምሉእ ትግራይ ዘለዉኻ ሓይልታት ህወሓት ኢዶም ክህቡ ክትጽውዑ ቅሩባት ዲኹም?

ኣቶ ጌታቸው፡ ስለ ምንታይ'የ ሓይልታተይ ኢዶም ክህቡ ዝጽውዕ? ሓይልታተይ፡ ንመሰል ርእሰ ውሰነ ህዝቦም'ዮም ዝዋግኡ ዘለዉ። ብቖራጽነትን ጅግንነትን ከኣ'ዮም ዝዋግኡ ኣለዉ። ስለዚ ኢዶም ዝህብሉ ምኽንያት የለን።

ቢቢሲ፡ ምኽንያቱ፡ ሞት ሲቪላውያን ሰባትን ንብረትን ካብ ዕንወት ንምድሓን ኢና ካብ መቐለ ወጺእና ኢልካ ስለ ዝነበርካ፡ ኣብ ምሉእ ትግራይ ከምኡ ክትገብሩ ድሌት ኣለኩም እንተኾይኑ ኢለ'የ?

ኣቶ ጌታቸወ፡ ኣይፋሉን። ኣብ ህዝብን ንብረትን ዕንወት ንኸይወርድ ኢልና ኢና፡ እቲ ወግእ ኣብታ ከተማ ከይካየድ ወሲንና።

እዚ ማለት ግን፡ ወረርቲ ብየማንን ጸጋምን ህዝብና እናቐተሉ፡ ሱቕ ኢልና ክንርእዮም ኢና ማለት ኣይኮነን።

ቢቢሲ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከተሕልፎ ትደሊ መልእኽቲ እንታይ'ዩ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ንኣብዪ ዘለኒ መልኽቲ፡ ውጽኢት ናይቲ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ መንገዲ ሂወት ንጹሃን ሲቪላውያን ምጥፋእ ጥራይ'ዩ።

ስለ ምንታይ ንትግራይ የጥቅዕ ኣሎ እፍልጥ'የ። ምክንያቱ ካብ ናቱ ፍልይ ዝበለ ኣራኣእያ ዘለዎም ሰባት ከም ዘለዉ ክወሓጠሉ ስለ ዘይክል'ዩ። ምስቲ ንኢትዮጵያ ክመርሓሉ ዝደሊ ዘሎ ኣገባብ ጸገም ዘለዎም ሰባት ኣለዉ።

ቢቢሲ፡ እዚ ግን ርትዓዊ ነቐፌታ ድዩ? እቲ ቅልውላዉ፡ ኣብ ትግራይ ዓስኪሮም ዝነበሩ ወታሃደራት ሰራዊት ምክልኻል ኣብ መዓስከራቶም ድሕሪ ምቕታሎም'ዩ ጀሚሩ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ከምድሌትካ ክትገልጾ ፈትን፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ዩ። ምውራር ትግራይ፡ ቅድሚ'ቲ ናይ ሕዳር 3 ወይ 4 ፍጻመ'ዩ ጀሚሩ። ዝኾነ ዝገብርናዮ ድማ ርእስና ንምክልኻል'ዩ ነይሩ።

ቢቢሲ፡ ኣብዚኣ ግን፡ እቲ ዘሎ ዜና ወታሃደራት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከራቶም ስለዝተቐትሉ'ዩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ስጉምቲ ክውሰድ ደሪኹ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ብ3 ሕዳር ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳድና፡ ኣንጻር ትግራይ ስጉምቲ ክውሰድ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ነይሩ'ዩ።

ስለዚ፡ ንሕና ቅሉዕ መጥቃዕቲ ከም ዝወሰድና ሓቂ ንምምሳል፡ ኣብዪን ብጾቱን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሰርከስ ስለ ዝተጻወቱ ሓቂ'ዩ ማለት ኣይኮነን።