ሓሙሽተ መትከላት ሓበራዊ ስምምዕ 2015 ግድብ ህዳሰ

ህዳሰ ግድብ ማይ እንትመልእ

ምንጪ ስእሊ, @SELESHI_B_A

ህንጸት ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ኣብ መጋቢት 2011 ዕላዊ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዘይምቅዳው ፈጢሩ ጸኒሑ እዩ። ህንጸት እቲ ግድብ በቲ ዝተትሓዘሉ እዋን'ኳ እንተዘይተዛዘመ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ዛጊድ እተን ሃገራት ኣብ ሓደ ዕልባት ኣይበጽሓን ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ነበር መለስ ዜናዊ፡ እምነ ኩርናዕ እቲ ግድብ ኣብ ዘቕመጠሉ እዋን፡ እዚ ፕሮጀክት ናይ ኢትዮጵያ ናይ ዘመናት ናይ ምልዋጥ ሕልሚ ዘግህድን ድኽነት ንምጥፋእ ቀንዲ መሳርሒን ከምዝኸውንን'ዩ ገሊጹ ነይሩ።

መንግስቲ፡ ብባዕላዊ ፋይናንስን ቴክኒካዊ ዓቕምን ክስራሕ ዝወሰነሉ ምኽንያት ድማ፡ ካብ ደገ ዝመጽእ ጽዕንቶ ንምንካይ ዝዓለመ ኾይኑ፡ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዘነቓቐሐ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ እቲ ፕሮጀክት ዕላዊ ካብ ዝግበር ጀሚሩ ተኸታተልቲ መራሕቲ ግብጺ ከም ስግኣት ሃገራዊ ጸጥታ ገይሮም እዮም ዝሪእዎ። ግብጺ፡ ኣብቲ ፈለማ እዋን፡ እቲ ህንጸት ጠጠው ክብል፡ እንተዘይኮይኑ ክሳብ ናብ ናይ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትከይድ ከምእትኽእል ተጠንቅቕ ነይራ።

ብወገን ሱዳን፡ ኣብቲ እዋን ናይቲ ፕሮጀክት ምስራሕ ከምዘይትቃወም ተሪር መርገጺ ነይርዋ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ፡ ነገራት ብመጠኑ ተቐያይሮም ኣለዉ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ መንግስታዊ ለውጢ ስዒቡ፡ ሱዳን መርገጺኣ ቀይራ ምስ ግብጺ ወጊና ትርከብ።

ብሸምጋልነት ሳልሳይ ወገን፡ ማለት'ውን ባንኪ ዓለምን ኣመሪካን ዝተሓወስዎ ስሉሳዊ ዘተ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ'ኳ እንተጸንሐ ዛጊድ ኣብ ስምምዕ ኣይተበጽሐን።

ቅድም ክብል ቀንዲ ኣዘራረቢ ዛዕባ ዝነበረ ናይቲ ህንጸት እቲ ግድብ ምቁራጽ ሕቶ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ህንጸት እቲ ግድብ ልዕሊ 70 ሚኢታዊ ዝበጽሐ ኾይኑ ፡ ቀንዲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ማይ ናይ ምምላእ ጉዳይ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ማይ ናይ ምምላእ ስራሕ ከምዝተጀመረ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ ኣላ። ግብጽን ሱዳንን ድማ መብርሂ ክሓታ ቐንየን።

ማይ ናይ ምምላእን ቀጻሊ ምሕደራ እቲ ግድብን ብዝምልከት ካብ ዝተገበሩ ዘተታት ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ 23 መጋቢት 2015 ኣብ ከተማ ካርቱም ሰለስቲአን ሃገራት ዝበጽሐኦ ሓበራዊ ስምምዕ ተጠቃሲ እዩ።

እቲ ሕዚ'ውን ዝካየድ ንዘሎ ዘተ መሰረት ዝኾነ እዚ፡ በዓል 10 ዓንቀጻት ሓበራዊ ስምምዕ [Declaration of Principles] ሓሙሽተ ቀንዲ መትከላት እንታይን እንታይን እዮም?

1.ማይ ኣብ ምምላእን ምምሕዳራ እቲ ግድብን

ዓንቀጽ 5 እቲ ውዕል፥ እተን ሃገራት፡ ኣብ ርኽበት ዓለም ለኸ ሰብ ሞያ ዝተሳተፍዎ ስሉሳዊ ቴክኒካዊ መጽናዕቲ እቲ ግድብ መሰረት ገይረን፡ ኣብ ኩሉ ደረጃ ህንጸት እቲ ግድብ ክተሓባበራን ቀጻሊ ስምምዕ ክገብራን ዝንጽር እዩ። ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ዓንድታት ዘተኮረ ኮይኑ ይርከብ።

ቀዳማይ ነገር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ህንጸት እቲ ግድብ፡ ብፍላይ ናይ መጀመርታ እዋን እቲ ግድብ ማይ ዝምለአሉ ኣገባብ ብዝምልከት ኣብ ሓበራዊ ስምምዕ ክበጽሓ ኣለዎን ይብል። እዚ፡ ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘካትዕ ዘሎ ጉዳይ እዩ።

ካልኣይ፡ ሓበራዊ ስምምዕ ዝጠልብ ዛዕባ ድማ፡ እቲ ግድብ ዓመታዊ ኣጠቕቕማን ከመይ ከምዝመሓደርን ዝምልከት መምርሕታት ምውጻእ ዝምልከት እዩ።

ሳልሳይ፡ ነቲ መምርሒ እቲ ምሕደራ ዝቕይር ዝኾነ ሃንደበታዊ ክስተት ኣብ ዘጋጥም እዋን፡ ኢትዮጵያ ንግብጽን ሱዳንን ቀዲማ ክተፍልጥን ተማኺራ ክትትግብርን ዝጠልብ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣዘራራቢ ኾይኑ ዘሎ፡ ንምጅማር ማይ ምምላእ ብዝምልከት፡ እዚ ስምምዕ፡ ሚኒስትራት ማይን መስኖን እተን ሃገራት ነቶም ዝተጠቐሱ ዛዕባታት ዝትግብርን ዝከታተልን ሓበራዊ መስርሕ ከቑማ ይጠልብ።

2.ከቢድ ጉድኣት ዘይምብጻሕ

ኣብ ዓንቐጽ 3 እቲ ስምምዕ ዝሰፈረ እዚ ሓሳብ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ሩባ ኣባይ [ፈለግ ኒል] ኣብ ጥቕሚ ዘውዕላሉ እዋን፡ ዝኾነ ከቢድ ጉድኣት ከብጸሓ የብለንን ዝብል እዩ።

ከቢድ ጉድኣት [Significant Harm] ዝብል ኣገላልጻ፡ ነተን ሃገራት ዝተፈላለየ ትርጉም ክህበን ዘጸንሐ ኾይኑ፡ ቅድም ክብል ካብቶም ዘካትዑ ጽንሰ-ሓሳባት ሓደ እዩ።

ኣብቲ ስምምዕ ግን፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ኣጠቓቕማ ማይ እቲ ፈለግ፡ ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣባል ሃገር ጉድኣት ዘብጽሕ ኾይኑ እንተተረኺቡ፡ እታ ሃገር ካብ ተግባራ ክትቁጠብን ማዕረ እቲ ዘብጸሐቶ ጉድኣት ክትክሕስን ትግደድ ዝብል ትሕዝቶ ኣለዎ።

3.ፍትሓውን ኣግባብነት ዝሓለወን ተጠቃሚነት

ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ግዝኣተን ዝርከብ ሃፍቲ ማይ ተጠቒመን ናይ ምልምዕ መሰል'ኳ እንተሃለወን፡ እቲ ኣጠቓቕማ ፍትሓዊን ኣገባብ ዘለዎን ክኸውን ዓንቀጽ 4 እቲ ስምምዕ ይእዝዝ።

እዚ ንምርግጋጽ ድማ፡ ገለ መስፈርትታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይሕብር፡ ካብኣቶም እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

ቀዳመይ ነገር፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ጠለብ ማይ እተን ኣባል ሃገራትን ህይወቶም ኣብቲ ማይ ዝተደረኸ ብዝሒ ነበርቲ እተን ሃገራትን መሰረት ዝገበረ ክኸውን።

ካልኣይ፡ እቲ ምጥቃም ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣባል ምንጪ እቲ ማይን ዘብጸሖ ጽልዋን ኣብ ምዕቃብ እቲ ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን።

ከምኡ ድማ፡ ካልእ ኣማረጺ ምንጪ ማይ ምህላውን ዘይምህላውን ኽጸባጸባ፤ ኣስተዋጸኦ ማይ ነፍሲ ወከፍ ሃገርን፡ ሓንቲ ሃገር እትሽፍኖ ስፍሓት መሬት ናይቲ ፈለግን'ውን ኣብ ግምት ክኣቱ ይጠልብ።

ግድብ ህዳሰ

ምንጪ ስእሊ, EPA

4.ድሕነት ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት

ድሕነትን ድልዳለን እቲ ግድብ ብዝምልከት፡ ብፍላይ ደቂ ፈረንሳይ ዝርከብዎ ጉጅለ ዓለም ለኸ ሰብ ሞያ ብዛዕባ እቲ ግድብ ሰፊሕን ሰለስተ ዓመት ዝወሰደን መጽናዕቲ ምስገበሩ፡ ምኽረ ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም።

ብፍላይ እቲ ግድብ ዝስርሓሉ ኣገባብ ዓለም ለኻዊ ጽሬቱ ዝሓለወ ክኸውንን ሃንደበት ፈሪሱ ኣብ ታሕተዎት ተጠቀምቲ ሃገራት ጉድኣት ከየብጽሕን ዝምልከት ይርከቦ።

እዚ ኣብ ዓንቀጽ 8 ዝሰፈረ ድማ፡ ኢትዮጵያ፡ ምኽረ ሓሳብ'ቲ ዓለም ለኸ ሰብ ሞያ ዝተሳተፍሉ መጽናዕቲ፡ ብሙሉእ ልቢ ከተኽብርን ክትትግብርን ኣለዋ ዝብል ኣለዎ።

ንድሕነት እቲ ግድብ ብዝምልከት ሓደ ካብቲ ዘዘራርብ ጉዳይ ኾይኑ ቀጺሉ እዩ።

5.ኣፈታትሓ ጎንጺ

ካልእ፡ እታ ብዙሕ ዘዘራርብ ጉዳይ፡ ዘይምርድዳእ ምስዝፍጠር፡ ሳልሳይ ኣሸማጋሊ ወገን ኢዱ የእቱ ኣየእቱ ዝብል እዩ።

ዓንቀጽ 10፡ እተን ሃገራት ኣፈላላየን ባዕለን ብኢህን ምሂን ክፈትሓ፡ እዚ እንተዘይኮይኑ ግን፡ ሸምጋሊ ክሕውሳ ከምዝኽእላ እዩ ዘመልክት። ከምኡ ድማ፡ እቲ ዓንቀጽ፡ ነፍሲ ወከፍ ተዛተይቲ ሚኒስትራት ኣብ ዘይሳነይሉ እዋን፡ እቲ ጉዳይ ናብ መራሕቲ ሃገራት ከሰጋግርዎ ይኽእሉ እዮም-ይብል።

ግድብ ህዳሰ

ምንጪ ስእሊ, MAXAR TECHNOLOGIES VIA REUTERS

ካልኦት ጠቐምቲ ነጥብታት

ናይዚ ሓበራዊ ስምምዕ ቀንዲ ዓንድታት እተን ዝተጠቐሳ ሓሙሽተ ጉዳያት ኮይነን፡ ብዛዕባ እቲ ግድብ ዝምልከት ጠቓሚ መረዳእታን እዋናዊ ሓበሬታን ምልውዋጥ ዝምልከት ዓንቀጽ ድማ ኣሎ። እዚ ብፍላይ ኣብቲ እዋን ብዓለም ለኻዊ ሰብ ሞያ ዝካየድ ዝነበረ መጽናዕቲ እታወት ዝኸውን፡ ሰለስቲአን ሃገራት ብዛዕባ እቲ ግድብ ዘለዎን ሙሉእ ሓበሬታ ክህባን ክተሓባበራን ዝጥምት እዩ።

እዚ ጉዳይ ሓበሬታ ምልውዋጥ፡ ኣብ እዋን እቲ ኣብ መጽናዕቲ ተግባራዊ ዝተገብረ ኾይኑ፡ ኣብ ቀጻሊ ግና ምስቲ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝምዕብል ርክብ ዝምስረት እዩ ዝመስል።

እቲ ግድብ ጸዓት ኣብ ምምንጫው ምሰ ዝበጽሕ፡ ድሌት ጸዓት እቲ ዞባ ከማልእ ተስፋ ዝግበረሉ ኾይኑ፡ ታሕተዎት ኣካል እቲ ተፋሰስ ዝኾና ሃገራት ግብጽን ሱዳንን፡ ፍትሓዊ ብዝኾነ መስርሕ ቀዳሞት ተጠቀምቲ ክኾናን፡ እዚ ድማ ሓበራዊ ምትእምማን ንምፍጣር መሰረት ከንጽፍ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ስምምዕ ሰፊሩ ይርከብ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት 2011 [ብአቆጻጽራ ኤውሮጳ] መጀመርታ 'ግድብ ሚሊንየም' ብዝብል ዕላዊ ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ብኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝህነጽ ኮይኑ፡ ህንጸቱ ምስ ዝዛዘም፡ ዓመታዊ 6.45 ጊጋ ዋት ጸዓት [ሓይሊ ኤሌክትሪሲቲ] ከመንጩ ትጽቢት ይግበረሉ። ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ፡ ኣብ ዓለም ድማ ሓደ ካብቶም ዓሰርተ ዓበይቲ ማያዊ-ጸዓት ግድባት ከምዝኸውን ይእመነሉ።