ቅልውላው ትግራይ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ጥሜት የለን ኢሉ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ እናኣድመጸ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብታ ኲናት ዝቕጽለላ ዘሎ ክልል ትግራይ ጥሜት የሎን ኢሉ።

ንሱ ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ድምጹ ኣብ ዝሃበሉ ካብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝመለሰሉ እዋን፡ ጸገማት ከም ዘሎን መንግስቲ ከዕርዮ ምኳኑን ተዛሪቡ።

ኣብታ ክልል ንሻምናይ ወርሑ ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ንሕጽረት መግቢ ተቓሊዑ ምህላው ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ልዕሊ 350,000 ኣብ ናይ ጥሜት ኩነታት ከም ዝርከቡ'ውን እቲ ብምትሕብባር ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ዳህሳስ ይሕብር።

ኣብዪ ንጋዜጠኛ ቢቢሲ ካትሪን ብያሩሃንጋ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ኣብ ትግራይ ጥሜት የሎን፤ ሽግር ኣሎ፡ መንግስቲ ከኣ ክፈትሖ ይኽእል እዩ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ ኣብ ዕጽው ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ጥሜት ምህላው ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተሰለፉ ወተሃደራት ኤርትራ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀሙ ምህላዎም ከሲሱ። ኤርትራ ግና ነቲ ክሲ ነጺጋቶ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ንህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኢትዮጵያ ንወተሃደራት ኤርትራ ደፊኣ ከም ዘይተውጽእ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ብሰላማዊ መገዲ" ናብ መዕለቢ ንምብጻሕ ብሓባር ትሰርሕ ኣላ ኢሉ።

መግለጺ ቪድዮ, “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብሰለማዊ መገዲ ንኽወጽኡ ንሰርሕ ኣለና”

ኣብቲ ብ10 ሰነ ዝወጸ ብምትሕብባር ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ዳህሳስ ኣብ ትግራይ 350,000 ህዝቢ ኣብ "ሓደገኛ" ናይ ጥሜት ኩነታት ከም ዝርከብ ክገልጽ እንከሎ፤ ኢትዮጵያ ነቲ ጸብጻብ ነጺጋቶ እያ።

እቲ ዳህሳስ፡ ካልኦት ሓሙሽተ ሚልዮን'ውን ኣብ "ቅልውላው" ወይ "ህጹጽ" ኩነታት ከም ዘለው ይገልጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ረድኤት መግቢ ይዕድል ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ንሰብኣዊ ረድኤት ይኽልክል ኣሎ ንዝብል ጸብጻባት ነጺጉ።

'ዝብላዕ የለን'

ነበርቲ ቃፍታ ሑመራ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ንጥሜት ተቓሊዖም ከም ዘለው ተዛሪቦም።

ሓደ ሰብዓይ ብቴለፎን ኣብ ዘሃበና ሓበሬታ፡ ዘራእቲ ከም ዝተቓጸለን ከብቲ ከም እተዘምቱን ብምግላጽ፡ "ዝብላዕ የብልናን" ኢሉ።

ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ እቲ ጎንጺ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብምፍንቓሎም ማሕረስ ተኾሊፉ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ከም ዘድልዮ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወተሃደራት ሱዳን'ውን 'ኣብ ኢትዮጵያ ኣለው'

ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወተሃደራት ጎረቤት ሃገር ኤርትራ፡ ኮነ ኢልካ መግቢ ምኽልካል ብዝርከቦ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ትኽሰስ። ኤርትራ ግና ነቲ ክስታት ትነጽጎ።

ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወተሃደራት ኢትዮጵያን እቶም ካልኦት ወገናት'ውን ተመሳሳሊ ክስታት ይቐርበሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ወተሃደራት ኤርትራ "ክወጽኡ እዮም" እኳ እንተበለ መዓስ ከም ዝወጹ ግና ኣየነጸረን።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ኣፈኛ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ምውጻእ ከም ዝጀመሩ ሓቢራ ነይራ።

ኣብዪ ትማሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ውጹ ኢልና ኣይንደፍኦምን፡ ብሰላማዊ መገዲ ግና ንገብሮ ኣሎና፤ ርግጸኛ እየ ክኸውን እዩ" ኢሉ።

"ነቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መገዲ ክንዛዝሞ ምስ [ኤርትራ] ንሰርሕ ኣሎና ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ ወተሃደራት ሱዳን'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ምህላዎም ተዛሪቡ።

እቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ንፈለማ እዋን ዝተኻየደ እዩ።

ኣብዪ ነቲ ምስ ኤርትራ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ኩነተ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ብምዝዛሙ ኣብ 2019 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተዋሂቡ እዩ።

ኲናት ትግራይ ግና ነቲ ረኺብዎ ዝነበረ ዝና በሊሉዎ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ምርጫ ኣይተኻየደን።