ቅልውላው ትግራይ፡ ብነፋሪት ኣብ ዝተደብደበ ዕዳጋ ቶጎጋ እንታይ ኣጋጢሙ?

ብደብዳብ ኣየር ተሃሪማ ኣብ ቃሬዛ ዝተጾረት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቐለ ኣብ እትርከብ ቶጎጋ፡ ኣብ ውዕዉዕ ዕዳጋ ብሚሳይል ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ሓድሕዶም ዝጋራጨዉ ሓሳባት ክስምዑ ቀንዮም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ መጥቃዕቲ ንዕጡቓት ዒላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ይገልጽ፡ ብዙሓት ምንጪታት ግና ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከቡዎም ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከምዘብጸሐ የረድኡ፡፡

ኣብቲ ከባቢ እንታይ ከምዘጋጠመ ዝርዝር መብርሂ ንምሃብ ቃል መሰኻኽር ዓይኒ፣ ካብ ኣየር ዝተወሰዱ ምስሊታትን መግለጺ መንግስትን ተጠቒምና ኣለና፡፡

እቲ መጥቃዕቲ ከመይ ተፈጺሙ?

22 ሰነ 2021፡ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ካብ ሰዓት 7፡00 (ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ) ብዙሕ ከይረሓቐ፡ ሓደ ኮተተ ኣብ እንዳ ካራንቡላ (ቢልያርዶ0 እናተጻወተ እንከሎ፡ ሓያል ናይ ነትጒ ድምጺ ሰሚዑ።

"ጎዪየ ናብ ደገ ምስ ወጻእኹ፡ ብዙሓት ዝተጎድኡ ሰባት ኣብ ባይታ ወዲቖም ርእየ" ክብል ንቢቢሲ ዝተዛረበ እዚ መንእሰይ "ካብቲ ከባቢ ክሃድም ምስፈተንኩ እግረይ ተወቒዐ" ኢሉ።

እቲ ነትጒ ካብ ከተማ መቐለ ንኣንፈት ሰሜናዊ ምዕራብ 25 ኪሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ቶጎጋ እዩ ኣጋጢሙ፡፡

ቢቢሲ ትግርኛ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒን ግዳያትን ሰዓት ናይቲ ክስተት ዘረጋገጹ ኮይኖም፡ እቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ፡ እቲ ዕዳጋ ዕሙር ከምዝነበረ ገሊጾም።

ሓደ ካብ ኣመራርሓ ተቓዋሚ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ዝኾነ ሃይሉ ከበደ፡ ነቲ ሓደጋ ብዝምልከት ብኣቆጻጽራ ሰዓት ኢትዮጵያ ቀትሪ 7፡37 (1፡37 ድሕሪ ቀትሪ) ኣብ ፌስቡክ ዝለጠፎ ጽሑፍ ረኺብና።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

እቲ ዕዳጋ ብኣብያተ መስተ፣ መኽዘናት፣ እንዳ ጽባቐ ጸጉሪ፣ ኣብያተ ሻህን ዝተኸበበ ኮይኑ ሸቐጣ ሸቐጥ ብዝነግዱ ሰባት ዝተመልአን ኣብ ቃልዕ ዝተደኮነን እዩ።

እቲ ሚሳይል ክወድቅ እንከሎ ሓንቲ መንእሰይ ኣብቲ ዕዳጋ ትሽምት ነይራ።

ንሳ ሽዑ ንሽዑ ክትውድቕ እነከላ፡ ካልኦት እውን ኣብ ጥቓኣ ክወድቑ ትዝክር።

እዞም ካብቲ መጥቃዕቲ ብህይወት ዝተረፉ ግዳያት፡ ኣብ መቐለ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ምምጻእ ዝኸኣሉ እዮም።

ዕዳጋ ቶጎጋ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ

"እቲ ትርኢት ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ ነይሩ" ይብል ሓደ ቢቢሲ ዘዘራረቦ መራሒ ኣውቶቡስ፡፡

"ገዛውቲ ፈሪሶም፤ ሰባት ብፍርስራስ ተደፊኖም ነይሮም፡፡ ንገሊኦም ሰባትን ሬሳታትን ስሒብካ ንምውጻእ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነይሩ" ኢሉ።

ንዕዳጋ ቶጎጋ ዘርኢ ናይ ሳተላይት ስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ንዕዳጋ ቶጎጋ ዘርኢ ናይ ሳተላይት ስእሊ

ን15 በቲ ሓደጋ ዝተጎድኡ ሰባት ኣብ ኣውቶቡሱ ጽዒኑ ናብ መቐለ ከምዝተበገሰ ዝገልጽ እዚ መራሒ መኪና፡ ኮይኑ ግና ወታሃደራት ካብ መገዲ ከምዝመለስዎ ተዛሪቡ።

ናብ ተጎጋ ተመሊሱ ኣብ ዝኸደሉ ድማ ካብቶም መጉዳእቲ ዘጋጠሞም እቶም ሓሙሽተ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሓቢሩ።

ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ኣምቡላንሳት ከምዝለኣኹ ዝገልጽ ሓደ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ፡ ኮይኑ ግና ናይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክዳን ብዝተኸደኑ ወታሃደራት ካብ መገዲ ከምዝተመለሳ ተዛሪቡ፡፡

ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ናይ ይሕለፉ ወረቐት ከምጽኡ ኣዚዞምዎም፡ ነቲ ወረቀት ሒዞም ምስተመለሱ ድማ ካብቲ ፕረዚደንት እቲ ክልል ካልእ ወረቐት ፍቓድ ከምጽኡ ሓቲቶምዎም፤ እዚ ግን ዝከኣል ኣይነበረን፡፡

ካልኦት ህጹጽ ሓገዝ ዝህቡ ሰራሕተኛታት እውን ካብ ምንቅስቓስ ክተዓናቐፉ ከምዝተገበሩ ዝገልጹ ተመሳሰልቲ ዛንታታት ኣካፊሎም እዮም።

'እቲ ነትጒ ኣዕናዊ እዩ ነይሩ'

ሃይሉ ከበደ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብቲ ከባቢ ዕዳጋ ዘጋጠመ ዕንወት ዘርእይ ድብዝዝ ዝበለ ናይ ሳትላይት ምስሊ ለጢፉ ነይሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት መጀመርታ ደምጺ ነፋሪት ከምዝሰምዑን ድሕሪ ቁሩብ ካልኢታት ድማ ሓያል ነትጒ ከምዝሰምዑን ንቢቢሲ ገሊጹ።

"እቲ መሬት ኣኻውሕ ዝበዝሖ እዩ፤ ስለዝኾነ እቲ ነትጒ ኣዕናዊ ነይሩ" ኢሉ፡፡

"ዋላኳ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እቲ ዕዳጋ ኣብ ዚንጎታት ጉድኣት እንተበጽሐ፡ ከቢድ ጉድኣት ዝበጸሖ ግን ሰሜናዊ ክፋል እቲ ዕዳጋ እዩ።''

"ናይ ሓደ ዓርከይ ክልተ ደቁ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኮይኖም፤ እቲ ሓደ ሞይቱ፤ እታ ሓንቲ ድማ እግራ ተቖሪጻ" ኢሉ ሃይሉ ከበደ።

ቶጎጋ፡ ዕዳጋ ሰሉስ እውን እናተባህለት ትጽዋዕ እያ፤ እዚ ድማ ነቲ ዕሙር ዕዳጋ ዝካየደሉ መዓልቲ እታ ከተማ ዝገልጽ እዩ፡፡

ብደብዳብ ነፋሪት መጉዳእቲ ዘጋጦሞ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓረስቶት እቲ ክልል ናብ ዘርኢ ዝዋፈሩሉ ቅነ፡ ሓደ ሰሙን ጥራሕ ተሪፍዎ ስለዝነበረ፡ እቲ ዕዳጋ ኣዝዩ ውዕዉዕ ነይሩ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ሃይሉ ከበደ ዝገልጽ፡፡

"ዘርኢ ክሽምቱ ዝመጹ ሓረስቶት ኣለዉ፤ ካልኦት ድማ ገለ ነገራት ሸይጦም ናይ ሕርሻ መሳርሒ ይገዝኡ፡፡ ካብቶም ኣብ ጥቓ መቐለ ዝርከቡ ዕሙራት ዕዳጋታት ሓደ እዩ፡፡''

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ እንታይ ኢሉ?

ቢቢሲ ኣብታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ መዓልቲ ንምሸቱ፡ ንወሃቢ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዘራሪብዎ፡፡

ሽዑ ነቲ ኣብ ዕዳጋ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ተፈጺሙ ዝብል ክሲ ብሙሉእ ነጺግዎ ነይሩ፡፡

በቲ ደብደብ ዝዓነወ ዕዳጋ

ምንጪ ስእሊ, Tghat Media

"ኣብ ዕዳጋ ደብዳብ ነፋሪት ኣይፈጸምናን፡፡ ከመይ ኢሉ ይኸውን? እቲ ሰራዊት ዒላምኡ ፈልዩ ምውቃዕ ዝኽእል እዩ'' ኢሉ።

"መጥቃዕቲ ኣየር ነካይድ ኢና፤ ግን ድማ ኣብ ውሱናት ዒላማታት፡፡ ኣብ ዕዳጋ መጥቃዕቲ ኣየር ተፈጺሙ ዝብል ግን ፍጹም ጌጋ እዩ፡፡'' ኢሉ።

ኮሎኔል ጌትነት ብሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ ሰማእታት ዘኽብሩ ዝነበሩ ተጋሩ ወታሃደራት ተቓወምቲ ከምዝተፈጸመ ተዛሪቡ፡፡

ብተወሳኺ እቲ መጥቃዕቲ "እቲ ዕዳጋ ምስተወደአ ከባቢ ሰዓት 15፡00 ( ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ሰዓት 9፡00 ድሕሪ ቐትሪ እዩ ተፈጺሙ"ኢሉ።

ኮይኑ ግና እቲ መጥቃዕቲ እቲ ዕዳጋ ውዕዉዕ ኣብ ዝነበረሉ 13፡00 (ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ሰዓት 7፡00 ቀትሪ) ከምዝተፈጸመ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ዝተዘርግሑ ጽሑፋትን መሰኻኽር ዓይንን ኣረጋጊጽና ኢና፡፡

ብካልእ ወገን ኮሎኔል ጌትነት፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ኣብ ቶጎጋ ዝነበሩ ናይ ቪቪል ክዳን ዝተኸደኑ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመን ኮይኑ ግና ኣብ ውሽጢ እቲ ዕዳጋ ከምዘይነበሩን ንወኪል ዜና ሮይተርስ ገሊጹ፡፡

ሓይሊታት ትግራይ ኣብቲ ከባቢ ነይሮምዶ?

ናይዚ መልሲ ኣይንፈልጦን፡፡

ናብቲ ክልል ዘሎ ተበጻሕነት ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓገዝን ጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓድን ኣዝዩ ውሱን እዩ፡፡

መንግስቲ ኣብቲ ክልል ጎንጺ ከምዘሎን ሓይሊታት ትግራይ ኣብቲ ከባቢ ከምዝንቀሳቐሱን ይገልጽ፡፡

ቶጎጋ ኣብ መንጎ መቐለን እቲ ከቢድ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ከባብን እያ እትርከብ፡፡ እንተኾነ ብሰሉስ ዕጡቓት ኣብቲ ዕዳጋ ወይ ኣብቲ ከባቢ ምንባሮምን ዘይምንባሮምን ምፍላጥ ኣይከኣልን፡፡

መሰኻኽር ዓይኒ ኣብቲ ከባቢ ዕጡቓት ከምዘይነበሩ ንቢቢሲ ተዛሪቦም እዮም፤ ኮይኑ ግና ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ዕጡቓት እንተነበሩ'ውን ነይሮም ኢሎም ክዛረቡ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ'ዩ።

ሓደ ነግር ግን ግልጺ እዩ፤ ካብቶም ኣብቲ ዕዳጋ ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ሰባት፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከቡዎም ሰላማውያን ሰባት እዮም፡፡