ስነጥበብ፡ ኣልበም ሙዚቃ ሃጫሉ ሁንዴስ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ከምዝዝርጋሕ ተገሊጹ

ኣልበም ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ከምዝዝርጋሕ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Facebook/Hachalu Hundessa

ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ዝተቐተለ ፍሉጥ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ሓድሽ ኣልበም ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ከምዝፍኖ ተገሊጹ።

እቲ ውሩይ ሙዚቀኛ ቋንቋ ኦሮሚኛ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወረዳ 4፡ ፍሉይ ስሙ ገላን ኮንዶሚንየም ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተቐትለ፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምዘፍለጠ ይዝከር።

ብድሕሪ ናይቲ ስነጥበባዊ ሞት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተወለዐ ናዕቢ ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ድማ ተገሊጹ ነይሩ።

ንቐዳማይ ዓመት ዝኽሩ ዝዳለዉ ዘለዉ ቤተሰቡ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፤ ሃጫሉ ብህይወት ከሎ ዘዳለዎም ስራሕቱ ድሕሪ መዓልታት ክዝርጋሕ'ዩ።

ኣልበም ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ከምዝዝርጋሕ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Facebook/Hachalu Hundessa

ሓዉ ሲሳይ ሁንዴሳ "ኣብቲ ኣልበም ዘለዉ ስራሕቲ ከምቲ ልሙድ ንሱ ዘልዕሎም ዝነበሩ ዛዕባታት'ዮም ተኻቲቶም ዘለዉ። ብዛዕባ ናጽነት፣ ፍትሕን ማዕርነትን ኮይኖም ሓደ ፍልይ ዝበለ ከኣ ኣብ ጉዳይ ዘኻትም ህጻናት ደሪፉ'ሎ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ደርፊ ነቶም ወለዲ ኣልቦ ህጻናት ኣብ ምሕብሓብ ዘሎ ሓላፍነት ሰባት ዘልዕል'ዩ ኮይኑ "ልቢ ዝትንክፍ ጽቡቕ ስራሕ'ዩ" ክብል ሲሳይ ይገልጾ።

ኣብቲ ኣልበም 14 ደርፊታት ዘለዉ ኮይኖም ንሱ ብህይወት ከሎ ዳርጋ ሰሪሑ ዝወድኦም'ዮም።

"ንሕና ከኣ ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ኣዋርሕ ነቲ ዝተረፈ መሊእና ናብ ህዝቢ ክነብጽ በቒዕና ዘለና። ንሱ ነቲ ስራሕ ወዲኡ ናብ ህዝቢ ከብጽህ ኣብ ዝተዳለወሉ እዋን'ዩ ሞይቱ። ኣፍቀርቲ ስርሑ ክፈልጡልና ንደልዮ ነገር እንተሃለወ ንሕና ኣብቲ ንሱ ዝሰርሖ ስራሕ ዋላ ሓደ ዝወሰኽናዮ ኮነ ዝነከናዮ ነገር ከምዘየለ'ዩ" ክብል ድማ ኣረዲኡ።

እቲ ብድሕሪ ሕልፈቱ ናብ ኣፍቀርቲ ስራሕቱ ዝበጽሕ ኣልበም ብዝተፈላለዩ ኣማራጽታት ከምዝቐርብ ሲሳይ ይዛረብ።

"ብኦንላይን ኣብ ከም ኣማዞን - ኣይ-ቲዩንስ ዝበሉ ልዕሊ 30 ፕላትፎርም ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ክፍነው'ዩ። ብስሙ ዝተዳለወ ናይ ዩትዩብ ቻናል'ውን ኣለዎ" ክብል ተዛሪቡ።

ብማሕበራዊ መራኸብታት እውን ዝቐርብ ኮይኑ "ኩሉ ሰብ 'ናይ ሃጫሉ ኣልበም ኣለኒ' ዝብል ስምዒት ንኽህልዎ ብዝብል ድማ ካብ 300 ክሳብ 500 ሽሕ ቅዳሕ ክነሕትም ኢና" ኢሉ።

"ሰኑይ ንዝክሩ ዝተዳለወ መድረኽ ስለዝካየድ ኣብኡ ብወግዒ ምስተመረቐ ሰሉስ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ'ዩ" ኢሉ ሓዉ ሲሳይ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኣንፈት ምዕራብ 100 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣምቦ እዩ ተወሊዱ ዝዓበየ ሃጫሉ፤ ተምሃሪ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 1998 ተኣሲሩ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ኣሕሊፉ እዩ።

ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዝሓዘሉን ንቃልሲ ኦሮሞ ዘንጸባርቑን ሙዚቃታት ምድራፍ ደው ከብል መታን ከምዝተኣሰረ እዩ ዝዛረብ ነይሩ።

ኣብ ማእሰርቲ ኮይኑ ድማ፡ ግጥምታት ምጽሓፍን ሙዚቃ ምውህሃድን መሊኹ። ከይጸንሐ፡ ኣብ ተዛረብቲ ቋንቋ ኦሮሞ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ተፈታዊ ክኸውን ዝኸኣለ 'ሳኚ ሞቲ' ዝብል ኣልበሙ ዘርጊሑ።

ንቕትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ምስ ዝተወለዐ ጎንጺ ብዝተሓሓዝ ተጠርጢሮም ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝተኣሰሩ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝርከብዎም ፖለቲከኛታት ክሳብ ሎሚ ኣብ ማእሰርቲ ኮይኖም ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ይረኣይ ከምዘሎ ይፍለጥ።