ሶማሊላንድ፡ ንኢትዮጵያ ዓብዪ ረብሓ ክህልዎ’ዩ ዝተባህለ ሓድሽ ወደብ ተመሪቑ

ምንጪ ስእሊ, MUSEBIIHI
ኢትዮጵያ ዓብዪ ረብሓ ከርክበላ እዩ ዝተባህለ ሓድሽ ወደብ፡ ኣብታ ንባዕላ ነጻ ሃገር ገይራ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ብዕሊ ተኸፊቱ፡፡
እቲ ኮንተይነራት ዘተኣናግድ ሓድሽ ወደብ፡ ነታ ኣብዚ እዋን ዝበዝሕ ናይ ኣታውን ወጻእን ንግዲ ብጁቡቱ እተመሓላልፍ በሪ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ዓብዪ ረብሓ ከምዝህልዎ ተገሊጹ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዓበይቲ ኣመሓደርቲ ወደብ ሓደ ዝኾነ ናይ ዱባይ ትካል ዲፒ ወርልድን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ መንጎ ወደብ በርበራን ኢትዮጵያን ናይ ንግድን ቀረብን መተሓላለፊ ንምምስራት ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ምግባሮም ይዝከር፡፡
እቲ ሶማሊላንድ ዘሰረሓቶ ሓድሽ ወደብ ብሓሙስ ተመሪቑ እንትኽፈት፡ ሚኒስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሸዴን ሚኒስተር መጓዓዝያ ዳግማዊት ሞገስን ኣብቲ ስነ ስርዓት ተረኺቦም።
እዚ ወደብ፡ ሶማሊላንድ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ወሽመጥ ባሕርን ዘሎ ንግዳዊ ርክብ ወሳኒ ተራ ክህልዋ ዘኽእላ እዩ ተባሂሉ ኣሎ፡፡
ቀዳማይ ምዕራፍ ህንጸት እቲ ወደብ ብምዝዛሙ ሕልሚ ሃገሩ ከም ዝሰመረ ብትዊተር ዝገለጸ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሴ ቢሂ ዓብዲ "ወደብ በርበራ ኣብዚ እዋን ማእከል ንግድን ቀረብን እቲ ከባቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ ማእከል ዓለም ለኻዊ በጻሕቲ ክኸውን እዩ" ኢሉ፡፡
እቲ ሓድሽ ወደብ ኣብዚ እዋን ዓበይቲ ኮንተይነራት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ዓመት ዘተኣናግዶ ዝነበረ በዝሒ 150 ሽሕ ኮንተይነራት ድማ ናብ 500 ሽሕ ክዓቢ እዩ፡፡
ካብቲ ሐዚ ተዛዚሙ ተመሪቑ ዘሎ ቀዳማይ ምዕራፍ ብተወሳኺ ብዲፒ ወርልድ ናይ ምስፍሕፋሕ ስራሕቲ ዝስረሐሉ ኮይኑ ብዙሓት ዓበይቲ ናይ ኮንተይነር መርከባት ክቕበልን በዝሒ ብዓመት ዘተኣናግዶ ኮንተይነራት ናብ ክልተ ሚልዮን ክብ ክብልን ተተሊሙ ኣሎ።
ካብቲ ወደብ ብተወሳኺ ሶማሊላንድ ናይ በርበራ ነጻ ናይ ንግዲ ቀጠና ትሃንጽ ዘላ ኮይና ብሓገዝ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝካየዱ ዘለዉ ህንጸት ዓበይቲ መንገዲታት ኣብዚ ዓመት ክዛዘሙ እዮም።
ካብዚኦም እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መንገዲ እንትኾን፡ በቲ ወደብ ኣቢሉ ዝመጽእ ጽዕነት ብቐጥታን ብዝቐልጠፈን ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ ክሕግዝ እዩ፡፡
ኢትዮጵያ ምስ ወደብ በርበራ ዘራኽብ መገዲ ንምህናጽ፡ ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ እቲ ወደብ ዘካይድ ዘሎ ዲፒ ወርልድ ምስ ሚኒስትር መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ተሰማሚዑ ኣሎ፡፡
ሶማሊላንድ ድሕሪ እቲ ኣብ ሶማልያ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ማእከላዊ መንግስቲ ሶማልያ ምስ ወደቐ ንባዕላ ነጻ ሃገር ገይራ ዝኣወጀት ክፋል ሰሜን ሶማልያ እያ።
ሶማሊላንድ ዋላ'ኳ ናይ ባዕላ ጠንካራ መንግስቲ ዘለዋን ዲሞክራስያዊ መረጻ ዘካየደትን ግዝኣት እንተኾነት፡ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ካልኦት ሃገራት ኣፍልጦ ኣይረኸበትን፡፡





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







