ሓንቲ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣብ ትግራይ ከምዝተሓምሸሸቶ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተኣሚኑ

ስርሒት ኣሜሪካ ዝኾነ ሲ-130 ወተሃደራዊ ነፋሪት ኢትዮጵያ፡

ምንጪ ስእሊ, RG

ትማሊ ኣብ ትግራይ ከባቢ ሳምረ ስርሓት ኣሜሪካ ዝኾትነ ሲ-130 ዝዓይነታ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ብሓይልታት ትግራይ ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ምስቶም ዕጡቓት ምትእስሳር ዘለዎም ማዕከናት ዜና ገሊጾም ነይሮም።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ'ውን ምውዳቕ ናይ ወተሃደራዊት ነፋሪት ሓቂ ከምዝኾነን ንቢቢሲ ብምርግጋፅ፡ መንቀሊኡ ግና ቴክኒካዊ ፀገም ከምዝኾነ ሓቢሩ።

እታ ወተሃደራዊት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ትማሊ ኣብ ትግራይ ከባቢ ሳምረ ፍሉይ ስሙ ዓዲ ቃዕላ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከምዝወደቐት ጸብጻባት ገሊጾም።

መራሕቲ ህወሓት ግን፡ እታ ወተሃደራዊ ነፋሪት ብጉጅለ ፀረነፈርቲ ሓይልታት ትግራይ ተወቒዓ ከምዝወደቐት ገሊጾም።

እታ ስርሒት ኣመሪካ ዝኾነት ወተሃደራዊት ነፋሪት ወዲቓ ክትቃፀል ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ዝሓተትናዯ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮለኔል ጌትነት ኣደነ ምውዳቕ እቲ ወተሃደራዊ ነፋሪት ሓቂ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ፤ እንተኾነ "እታ ነፋሪት ብሓይልታት ትግራይ ኣይኮነን ተወቒዓ" ኢሉ።

"ሓቂ እዩ ዝወደቐ ነፋሪት ኣለና። እዚ ድማ ስርሒት ኣሜሪካ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዘገልገለ'ውን ስለዝነበረ፡ መጠንቀቕታ [ሪማርክ] ኣርእዩ ብቴክኒካዊ ፀገም እዩ ወዲቑ። እዚ ኣብ ትግራይ ስለዘጋጠመ ፍሉይ ሽም ስለዝወሃቦ እዩ እምበር፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ብቴክኒካዊ ፀገም ኣውሮፕላን ይወድቕ እዩ። ዘበናዊ ዝበሃሉ ነፈርቲ'ውን ይወድቁ እዮም፤ ሃገርና ድማ እዚ ኣተኣናጊዳ እያ"።

መንነት ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባትን፡ ዝርዝር ጉዳያትን ምእንቲ ስድራ ግዳያት ተባሂሉ ወግዓዊ ከምዘይገብሩ ድማ ሓቢሩ።

"ሞዴል እቲ ኣውሮፕላን፣ ዝበፅሐ ጉድኣት፣ ፅዒንዎ ዝነበረ እንታይ እዩ ዝብል ኣብ ቀፃሊ ክንዛረብ ኢና። መጠን ዝሓዞ ሰብ፥ ኣብራሪ እታ ነፋሪትን ዝበሉ ነገራት፡ ከም መንግስቲ ስለንሓስብ ንስድራ ክንጭነቕ ይግባእ። ብዙሕ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ዝንገር። ስለዚ ብፍሉይ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ኣብ ቀፃሊ ተማኺርና ክንህብ ኢና። ምውዳቕ እቲ ነፋሪት ግና ሓቂ እዩ።"

ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝሓለፈ 18 ሰነ 2021 ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕትታት ይፍፅሙ ከምዘለዉን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓወታት የመዝግቡ ከመዘለዉን ይገልፁ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቲ ሰራዊት ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ኣብዚ ቅነ ስርሒት የካይድ ከምዘሎ እቲ ብበወገን ሓይልታት ትግራይ ዝበሃል ዘሎ ሕሶት ምዃኑን ይዛረብ።

ንሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮለኔል ጌትነት ኣደነ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሓ ምምራኽ ወተሃደራት ዝገልጹ ጸብጻባት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣባላት ሰራዊት ከምዘይኮኑ ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኩናት፡ ዋላ'ኳ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ከምዝተዛዘመ እንተገለፀ፡ እቲ ኩናት ግና ሻምናይ ወርሒ ኣቑፂሩ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን ሚልዮናት ካብ መረብቶም ከምዝተመዛበሉን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብኣማኢቲ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ድማ፡ ንሓደጋ ጥሜት ተሳጢሖም ከምዘለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ፥