መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኢንተርነት ዝዘዋወር ዘሎ ስኑዕ ሓበሬታታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ መጻኢ ሰኑይ ፓርላመንታዊ መረጻ ክተካይድ ትሸባሸብ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ገለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ግጉይ ሓበሬታታት ክልጥፉን ክዛረቡን ቀንዮም።
ተበጻሕነት ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ካልኦት ክፋላት እዛ ኣህጉር እንትነጻጸር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሓተ እኳ እንተኾነ፡ ምስ ከም ኣብ ሃገራዊ መረጻ ዝኣመሰሉ ኣጋጣሚታት ግን ቁጽሪ ተጠቀምቲ ይውስኽ እዩ።
መዓልቲ መረጻ ቁሩብ ምስተረፎ ፌስቡክ፡ ስኑዕ ሓሬታታት ይልጥፉ ነይሮም ዝበሎም ገጻት ከምዝዓጸወ ገሊጹ እዩ፡፡
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣን ካብ ዘረክብ ''ሞት ይመርጽ''ኣይበለን
ካብ ኣኼባ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ብልጽግና ሰሊኹ ወጺኡ ዝተባህለ ቅዳሕ ድምጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ካብቶም ኣብ ቅንያት ወፍሪ ምረጹኒ ብዙሓት ሰባት ዝተኻፈልዎም ስኑዓት ሓበሬታታት ሓደ እዩ፡፡
ኣብቲ ድምጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስልጣነይ ካብ ዘረክብ ''ሞት ይመርጽ'' ክብል ይስማዕ፡፡
እቲ ድምጺ መጀመርታ፡ ሓቀኛ እዩ ብዝብል ኣብ ኣመሪካ ዝመደብሩ ኬሎ ሚድያ እዩ ለጢፍዎ።
ስዒቡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ድምጺ ስኑዕን ''እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ካብ ዝገበሮም ዘረባታት ተለጋጊቡ ዝተዳለወን'' ከምዝኾነ ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኡ፡፡

ግልጋሎት ቢቢሲ ቋንቋ ኣምሓርኛ፡ ነቲ ድምጺ መርሚሩ ንጥራ ዘለዎ፣ ኣፈላላይ መጠንን ጽርየትን ድምጺ ዝረኸበ ኮይኑ ንምድንጋር ዝተዋደደ ከምዝኾነ ገሊጹ እዩ፡፡
ሰለስተ ዝተፈላለዩ ክፋላት እቲ ድምጺ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቅድም ክብል ኣብ ዝገበሮም ዘረባታት ተረኺቦም እዮም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ግብጺ መጥቃዕቲ ኑክለር ንምፍጻም ኣይተለመትን
እዚ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያ በቲ እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ ምስ ጎረባብታ ኣብ ወጥሪ ኣትያ ከምዘላ ዘመላኽት እኳ እንተኾነ፡ ኣዐርዩ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ፡፡
እቲ ግድብ ካብቶም ኣብዪ ኣሕመድ ዝኾርዓሎም ተግባራት ኮይኑ፡ ምምላእ እቲ ግድብን ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ከስዕቦ ዝኽእል ጽዕንቶን ግን ኣሰሓሓቢ እዩ ዘሎ፡፡
ካብ ግብጺ ሓበሬታ ዝህብ ሓደ ናይ ፌስቡክ ገጽ፡ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ 'ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ኑክለራዊ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ትትልም ኣላ' ዝብል ሓዊሱ ዘይተረጋገጹ ሓበሬታታት እናለጠፈ ጸኒሑ፡፡

'' ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ኑክለራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ከምዝተዳለወት ዝገልጹ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዜናታት ምህላዎም ኣዝዩ ሓድሽ ነገር እዩ፤ ብፍላይ ድማ ቅልውላው እቲ ግድብ ብዘይተሓሰበ መጠን ምስወሰኸ'' ዝብል ሓበሬታ ጠቂዑ፡፡
ብመሰረቱ ኢትዮጵያ ኑክለራዊ ኣጽዋር የብላን፤ ብርግጽ ኑክለራዊ ኣጽዋር እትውንን ኣፍሪቃዊት ሃገር እውን የላን፡፡
መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣካል እቲ ኑክራዊ ኣጽዋር ንዘይምውናን ቃል ዝኣተዋ፡ ነጻ- ዞባታት- ኑክሌር- ሕቡራት ሃገራት፡ እየን።

ምንጪ ስእሊ, NAtional Electoral Board of Ethiopia NEBe
ቁጽሪ መረጽቲ ተጋኒኑ ድዩ?
ፖለቲካዊ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝነሓናሓ ዝተፈላለያ ክልላት ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ ቁጽሪ ኣብ በብከባቢኡ ዝተመዝገቡ መድመጽቲ ዓብዪ ጉዳይ እዩ፡፡
ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝቐረበ በዝሒ ኣድመጽቲ፡ ኣብ ሕቶ ዘእትዉ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ኣካፊሎም እዮም፡፡
ዋላኳ እቲ ብቦርድ መረጻ ዝቐረበ ኣሃዝ፡ ቁጽሪ መረጽቲ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ምርግጋጽ እንተዘይከኣልና (ናይ መወዳእታ ቆጸራ ህዝቢ ዝተኻየደሉ 2007 ኣኣ ስለዝኾነ)፡ እቶም ዝባጽሑ ዘለዉ ሓበሬታታት ሓቂ ምዃኖም ዘመላኽት ዘቕርብዎ ሓበሬታ ግን የለን፡፡
ኣብ ገለ ልጣፋት፡ ነቲ ገዛኢ ውድብ ክድግፉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ኣብ ዝግመቱ ብሄራት፡ ቁጽሪ መረጽቲ ኮነ ተባሂሉ ክልዕል ተገይሩ ዝብሉ ስግኣታት ይረኣዩ፡፡
ሓደ ካብ ልጣፋት ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ናይ ዝርከብ ተቓዋሚ '' ኩሉ ሸነካት እቲ መረጻ ዝተጭበርበረ እዩ'' ክብል ይኸስስ፤ እንተኾነ ዘቕረቦ መርትዖ የለን፡፡
እዚ ልጣፍ ዘቕረቦ ኣሃዝ፡ እቲ ቦርድ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጉንበት ዘቕመጦ ኣፈናዊ ቁጽሪ መረጽቲ እዩ፡፡ እንተኾነ እቲ ቦርድ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ዘይምዕሩይ ምዝገባ ነይሩ ድሕሪ ምባል ቁጽሪ ከድምጹ ትጽቢት ዝግበረሎም ሰባት ነክዩ እዩ፡፡
እዚ ምምሕያሽ ሰባት ነቲ ነባር ግምት እናጠቐሱ ካብ ምጽሓፍ ግን ኣይዓገቶምን፡፡

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ወፍሪ ምረጹኒ፡ መኪና ሕቡራት ሃገራት ተጠቒሙ ድዩ?
ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ዘሎ ርክብ ተዃሳሓይ እዩ፡፡
ገለ ተቓወምቲ ውድባት ዘይሻራውነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኲናት ትግራይ ይሓቱን፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝግባእ ኣፍልጦ ኣይሃቦን ኢሎም ይኸሱን እዮም፡፡
ብፍላይ እዞም ተቓወምቲ፡ ኣተሓባባሪት ረዚደንት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካትሪን ሶዚ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ጎንጺ '' ወፍሪ ሕጊ ምኽባር እዩ'' ኢላ ዝሃበቶ ቃለ መሕተት ብቐንዱ ይጠቕሱ፡፡
በዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገበ ሰማያዊ መደብ ዘለዎ ቁጽሪ ሰሌዳ (ታርጋ) ኣብ ዘለዋ መኪና ኮይኑ ወፍሪ ምረጹኒ እንተሳልጥ ዘርእይ ፎቶ፡ ብዙሕ ሰብ ኣካፊልዎ፡፡
እቲ ፎቶ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ ዝተወሰደ እዩ፡፡ እቲ ሰማያዊ ናይ ሕቡራት ሃገራት ታርጋ እውን ኣብ ናይ'ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገጽ ትዊተር እዩ ተራእዩ፡
ዋላኳ እቲ ምስሊ ሓቀኛ እንተኾነ፡ እታ መኪና ብውድብ ሕቡራት ትወሃቦ ወይ ንምንታይ ናይ ሕቡራት ሃገራት ታርጋ ተለጢፍዋ ግን ኣይፈለጥናን።
ዘገርም ግና፡ ኣብቲ መዓልቲ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን፡ ሰኣላይ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ተማሳሳሊት መኪና ግን ድማ እቲ ቁጽሪ ሰሌዳ ዝተቐንጠጠ ፎቶ ለጢፉ፡፡
ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት '' ሕቡራት ሃገራት ኣብ ብርኪ ክልልን ፌደራልን ኢትዮጵያ ንዘለዉ ሓለፍቲ መንግስቲ መካይን ክልግስ ልሙድ ተግባር እዩ'' ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ገሊአን ተሸከርከርቲ ብምኽንያት ምስ ቀረጽ ዝተሓሓዙ ምኽንያታት፡ ዋላ እውን ካብ መደባት ሕቡራት ሃገራት ምስ ወጽኣ፡ ናይቲ ውድብ ቁጽሪ ሰሌዳ ሒዘን ከምዝቕጽላ ገሊጹ፡፡
'' ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ኣጋጢሙ ክኸውን ከምዝኽእል ነጻርይ ኣለና'' እውን ኢሉ፡፡
ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪትና፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ጽሒፍና፤ ምላሽ ኣይረኸብናን፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







