ቅልውላዉ ትግራይ፡ 'ዝዓነወ ንብረት ክጽገን ይኽእል'ዩ፡ ኣእምሮን ልብን ሕብረተሰብ ግን ተሓምሺሹ'ዩ'

ኣይተ ሰሎሞን ተፈሪ ኣብ ጎኒ ኣብ ናይ ሆስፒታል ዓራት ዘሎ ወዱን
መግለጺ ስእሊ, ናይ ልቢ ሕማም ዘጋጠሞ ወዲ 13 ዓመት ገቲሽ ሰሎሞን ሓደ ካብቶም በቲ ኲናት ዝተጸልዉ እዩ

ነቲ ኣዕናዊ ኲናት ዓጸቦ ተደሪብዎ፡ ሂወት ሰብ፡ ኣብታ ጎቦታት ዝበዝሓ ከዋሕ ክልል ትግራይ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ።

ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ፡ ብወተሃደራት ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ዝድገፉ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኣንጻር ነቲ ክልል ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት ዘካይድዎ ዘለዉ ውግእ፡ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ'ሎ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቃልኪዳን ይበልጣል፡ ናብታ ክትኣትዋ ኣጸጋሚ ኮይና ዘላ ክልል ተጓዒዙ ነይሩ።

_______________________

እታ ርእሰከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት መቐለ፡ ርግኣት ዝዓሰላ'ያ ትመስል።

ትካላት ንግድን ኣብያተ ጽሕፈትን ተኸፊቶም ኣለዉ።

ምስቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝያዳ ምንቅስቓስ ሰባትን፡ ዝወሓደ ህላወ ወተሃደራትን ይረአ።

እቲ ንቡር ዝመስል ኩነታት ግን ከም ትርኢቱ ኣይኮነን።

ኣብ መቐለ ዝርከብ ቀንዲ ሆስፒታል ዓይደር፡ በቶም ካብቶም ብኲናት ዝተደምሰሱ ዓድታትን ከተማታትን ዝመጹ ሕሙማት ኣዕለቕሊቑ'ሎ።

ናይ ልቢ ሕማም ዘጋጠሞ ወዲ 13 ዓመት ገቲሽ ሰሎሞን ሓደ ካብኦም'ዩ። እቲ ሻምናይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ኩነታቱ እናቆልቆለ ከይዱ።

ካብ ቤተ ክርስትያን ናብ ገዝአን ዝምለሳ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ

ገቲሽ፡ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ማእከል ጥዕና ኣብ ውግእ ብምዕናዉ፡ ሕክምና ንምርካብ ካብታ ምስ ወለዱን ሓሙሽተ ኣሕዋቱን ዝነብረላ ዝነበረ ከተማ ሃገረሰላም፡ 50 ኪሜ ተጓዒዙ ናብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር ክመጽእ ተገዲዱ።

"ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን፡ ከምኡ'ውን ጽቡቕ ቁጠባን'ዩ ነይሩና። ገለ እንተደሊና ናብኦም ንጎዪ ነይርና" ይብል ኣቦ ናይቲ ወዲ 13 ዓመት፡ ኣይተ ሰሎሞን ተፈሪ።

ገቲሽ ስሩዕ ሕክምናዊ ዘድልዮ'ኳ እንተኾነ፡ ናብ ዝኾነ ትካል ጥዕና ንምምጻእ ግን ቀሊል ኣይኮነን።

"[ሓደ እዋን] ጽርግያታት ስለዝተዓጸዉ፡ ንመዓልታት ብእግርና ክንጓዓዝ ነይሩና። እዚ ኸኣ መሊሱ ሃስዩዎ" ይብል ኣይተ ሰሎሞን።

ናይ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቐየረ ክሊኒክ

ኣብ ሓደ ኣብ ጥቓ ሃገረሰላም ኣብ ዝርከብ ዓዲ ዘሎ ማእከል ጥዕና ዓለዓሳ በጺሐ ነይረ። እቲ ክሊኒክ ክሳዕ ሕጂ ስራሕ ኣይጀመረን። ኣብ ሓደ እዋን፡ ወተሃደራት ናብ መዓስከር ቀይሮሞ ከምዝነበሩ ነበርቲ ይዛረቡ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኸኣ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ሰፊሮሞ ኣለዉ። መግቢ ክወስዱ ዝመጹ ዝበዝሑ ቆልዑን ደቂ-ኣንስትዮን ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተኣኪቦም ይራኣዩ።

ሎሚ ረፋድ ዝነበረ ንጥፈታት ከተማ መቐለ ዘርኢ ስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ኣስታት 500,000 ህዝቢ ዝነብረላ መቐለ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ፈደራል ኣትያ

ዝበዝሑ፡ እቲ ኩናት ጻዕጺዑሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ኣባይቶም ተፈናቒሎም፡ ኣብ ጥቓኦም ኣብ ዝርከብ ጎቦታት ተሓቢኦም ዝነበሩ'ዮም። እቲ ግጭት ኣብ ትግራይ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣስታት 1.7 ሚልዮን ሰባት ተፈናቒሎም ኣለዉ።

ነበርትን ሰራሕተኛታት ረዲኤትን ናይ መግቢ ሕጽረት ከምዘሎ ይዛረቡ- እቲ ዝዕደል ዘሎ ረዲኤት እኹል ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ትግራይ ዓጸቦ ተኸሲቱ ከምዘሎ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ ገሊጹ ነይሩ። ንሱ ንዕጹው ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት'ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ሂቡ'ዩ።

ብመሰረት ካብቲ ኣኼባ ልሒዂ ዝወጸ ሓበሬታ፡ ሎውኮክ "ሰራሕተኛታት ረዲኤት ተቐቲሎም፡ ተመርሚሮም፡ ናብቶም ዝጠመዩን ኣብ ስቓይ ዝርከቡን ከየብጽሑ ተኸልኪሎም፡ ከይምለሱ ተነጊርዎም" ክብል ነቲ ባይቶ ተዛሪቡ።

"ብጥምየት ዝሞቱ ከምዘለዉ [ግዝያዊ] ምምሕዳር ትግራይ ገሊጹ" ክብል'ውን ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓጸቦ ኣሎ ንዝብል ጸብጻብ ይነጽጎ'ዩ። ኣብቲ ክልል ምርግጋእ ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ብምሕባር ድማ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ክኣቱ ሰፊሕ ዕድል ከምዝተፈጥረ ይምጉት።

ዝተቐትሉ ኣቕሽሽቲ

እቲ ኲናት፡ ነቶም መዕቆቢ ዝተጎድኡን ዝተሳደዱን ዝኾኑ ታሪኻውያን ቦታታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን'ውን ኣይነሓፎምን።

ኣብታ ኣብ ኩርባ ተደኲና እትርከብ ፍረዳሹ ዝተባህለት ቁሸት ዘሎ ቤተክርስትያን ኦርዶክስ በጺሐ ነይረ።

ሓላፊ ናይታ ቤተክርስትያን ዝነበረ ወዲ 32 ቀሺ ኣብርሃ ኣብ ወጋሕታ ልደት ተቐቲሉ።

ወላዲኡ፡ ኣይተ ተክለሃይማኖት ገብረኣረጋዊ ከምዝበልዎ፡ ነቲ ቤተክርስትያን ክኸፍቶ ምስከደ ወተሃደራት ኤርትራ ቀቲሎሞ።

ነቲ ዝተሰከሞ ጓሂ ክጻወርዎ ስለዘይክኣሉ፡ ናብቲ ቤተክርስትያን ምኻድ ከምዘቋረጽዎ ኣይተ ተክለሃይማኖት ይዛረቡ።

"እቲ ደሙ'ሎ ኣብቲ . . . እቲ መገዱ እናጸላእኩ . . ." ኢሎም ሓሳቦም ከይወድኡ ንብዓት ስዒርዎም።

ካብ ኦርቶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝተረኽበ ሰነድ ከምዝሕብሮ፡ ብውሕዱ 100 ኣቕሽሽቲ፡ ድያቆናትን መዘምራንን ዝርከብዎም ሰብመዚ'ታ ቤተክርስትያን ኣብቲ ግጭት ተቐቲሎም ኣለዉ።

ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ኣብ እትርከብ ከተማ ዓዲ-ግራት ዘሎ ቀጽሪ ናይ ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን ብከቢድ ብረት ድሕሪ ምድብዳቡ፡ ቤተ-ንባብን ክፍሊ ስነስርዓት ቀብሪን ዓንዮም።

"እዘን ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዘባህርራ'የን ነይረን ንዓና። ማሕበረሰባት ብናይ ኩሎም ወገናት ዕጡቓት ሓይልታት ተረጊጾም'ዮም" ይብል ጳጳስ ናይቲ ከባቢ፡ ኣቡነ ተስፋስላሰ።

"እቲ ዝዓነወ ቀልጢፉ ክጽገን ይኽእል'ዩ። ኣእምሮ ሰብ፡ ልቢ ሰብ፡ ጥምረት ስድራቤት፡ ማሕበረሰብን ሕብረተሰብን፡ ምስቶም ዝጸንሑ ክብርታት ግን ተሰቢሮም እዮም" ብምባል ንክብደት ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላዉ ገሊጽዎ።