ቅልውላው ትግራይ፡ ጉጅለ ሃገራት-7 ንሰራሕተኛታት ረድኤት ክልከላ ዘይብሉ መገዲ ክኽፈት ጸዊዑ

ኣብ መቐለ ኣዕቚቦም ዝርከቡ ነበርቲ ትግራይ ብዩስኤይድ ዝተለገሰ ረድኤት እናተቐበሉ፡ 8 መጋቢት 2021

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ገለ ሓገዝ እኳ ይበጽሕ እንተሎ እኹል ኣይኾነን

ጉጅለ ሃገራት-7 (ጂ7)፡ ኣብታ ሕቡራት ሃገራት ከባቢ 350,000 ህዝቢ ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ከም ዝርከቡ ዝገለጸላ ክልል ትግራይ ንዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ረድኤት ገደብ ዘይብሉ መገዲ ክኽፈት ጸዊዑ።

እቲ ምትእኽኻብ ናይተን ሸውዓተ ብቁጠባ ዝማዕበላ ተባሂለን ዝግለጻ ሃገራት፡ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብልን ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ'ውን ጠሊቡ።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ዝተወልዐ ኲናት ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ብምዃን ኣንጻር ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ይዋግኡ ኣለው።

ኣብታ ክልል ዓጸቦ ከም ዘየሎ ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ክወጽኡ ከም ዝጀመሩ'ውን ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ ብሪጣንያ፡ ተኣኪቦም ዘለው መራሕቲ ኣመሪካ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ብሪጣንያን ዝርከብዎ ኣኼባ ሃገራት ጉጅለ-7፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ሓደ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19 ክልግሱ ምዃኖምን ድኻታት ሃገራት ልቀት ካርቦን ምእንቲ ከጉድላ 100 ቢልዮን ዶላር ከም ዝውፍዩ'ውን ሓቢሩ።

line
line

ናብ ከባቢ እቲ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ-7 ኣኼባ ዝገብሩሉ ዘለው ፈልማውዝ ዝተጓዕዙ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብዛዕባ ኩነታት ትግራይ ተቓውሞ ኣስሚዖም።

በቲ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ከባቢ 1.7 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረቤቱ ተመዛቢሉ ምህላውን ይለግጽ።

ኣብ ምዝዛም እቲ ንሰለስተ መዓልትታት ዝተኻየደ ኣኼባ ጂ7 ዝወጸ መግለጺ፡ "በቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናትን ብኣማኢት ኣሽሓት ንዓጸቦ ተቓሊዖም ምህላዎም ዝገልጽ ዝርከቦ ጸብጻባት ዓብዪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣዚና ተሻቒልና ኣሎና" ይብል።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት ተዋፊሮም ዘለው ገለ ወገናት፡ ኣጽዋር ሓቢኦም ከእትው ከም ዝፈተኑ ሓቢሩ።

ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ትግራይ ንዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ገለ ኣባላት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝኾኑ ውልቀሰባትን መሻርኽቶምን ንሰብኣዊ ኩነታት ከም ምኽንያት ብምጥቃም "ንግዝኣታዊ ሓድነትን ሉኣላውነትን እታ ሃገር ዝጻባእ ተግባር ይፍጽሙ ኣለው" ኢሉ።

ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኮነ ኢሎም ረድኤት ከይበጽሕ ክልከላታት ይገብሩ ምህላዎም ይኽሰሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ኣብቲ ክልል ስርዓት ናይ ምስፋን ስራሓት እናሰርሐ፡ ረድኤት'ውን የከፋፍል ከም ዘሎ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ይነጽጎ።

ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ገለ ካብቲ ናብቲ ሓገዝ ዘድልዮ ስፍራታት ዝበጽሕ ረድኤት ከም ዝስረቕ ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ገለ ነበርቲ ትግራይ ንዝርከቡሉ ኩነታት ኣመልኪቶም ንቢቢሲ ትግርኛ ካብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ሓደ ኣብ 60ታት ዕድመ ዝርከብ ሓረስታይ "ንሕና ሲቪል ኢና፡ እኽልናን ጥሪትናን ብዕጡቓት ተዘሚትና ኢና" ኢሉ።

"ካባይ ከባቢ 30 ከብቲ ወሲዶምለይ፤ 100 ክሳዕ 200 ከብቲ ዝተዘምቶም ኣለው" ኢሉ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ፈልማውዝ ኣንጻር እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ድምጾም ኣስሚዖም
መግለጺ ስእሊ, ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ፈልማውዝ ኣንጻር እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ድምጾም ኣስሚዖም

ካልእ ኣብ 40ታት ዕድመ ዝርከብ ሓረስታይ ብወገኑ፡ "ነቲ ክንሓብኦ ዝኸኣልና ሒደት እኽሊ ክንበልዕ ጸኒሕና፤ ሕጂ ግና ዝተረፈና የሎን። ሓገዝ ዝበሃል ኣይረኣናን። የዒንትና ብሰንኪ ጥምየት ተዳኺሙ ዳርጋ ንሞት ተቓሊዕና ኣሎና፤ ከቢድ ኩነታት እዩ ዘሎ" ኢሉ።

ብመሰረት ዩኒቨርስቲ ገንት በልጅዩም ዘዳለዎ ካርታ ሰብኣዊ ኩነታት ትግራይ፡ ካብ 6 ሚልዮን ህዝቢ እቲ ክልል፡

  • ሓደ ሲሶ ዝኸውን ጥራሕ'ዩ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቆጻጸሮ ከባቢ ዝነብር
  • ካልእ ሓደ ሲሶ ኣብቲ ንረድኤት ዘይተሓባበር ሰራዊት ኤርትራ ተቖጻጺርዎ ኣብ ዘሎ ስፍራ ይርከብ
  • ከባቢ 1.5 ሚልዮን ዝኸውን ድማ ዕጡቓት ትግራይ ኣብ ዝቆጻጸርዎ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከብ ኮይኑ፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ክኸድዎ ዘይኽእሉን ኣገልግሎት ቴለፎን ተቋሪጹ ዝርከበሉን ከባቢ እዩ።

ብሓሙስ ዝወጸ ብምትሕግጋዝ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ከባቢ 353,000 ህዝቢ ምስ ዓጸቦ ኣብ ዝመሳሰል ኩነታት ከም ዝርከብ እኳ እንተገለጸ፡ ዛጊት ግና ኣብቲ ከባቢ ዓጸቦ ምህላው ኣይተኣወጀን ኣሎ።

ካልእ ክልተ ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ'ውን ኣብ "ህጹጽ" ኩነታት ከም ዝርክ እቲ መጽናዕቲ ይገልጽ።