ቅልውላው ትግራይ፡ ኣዝዩ ዘሕዝን ሰብ-ሰርሖ ዓጸቦ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
- Author, ኣሌክስ ዲ ዋል
- Role, ተንታኒ ጉዳያት ኣፍሪቃ
"ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዓጸቦ ኣሎ" ክብል ትማሊ ሓሙስ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ብቕሉዕ ዝተዛረበ፡ እቲ ዝለዓለ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝኾነ መተሓባበሪ ህጹጽ ረድኤት ሕቡራት ማርክ ሎውኮክ'ዩ።
ቅድሚ'ቲ ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ጉጅለ-7 ኣብ ዝነበረ ናይ ትማሊ መድረኽ ዘተ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ደረጃ ሕጽረት መግቢ ዝግምግም መዐቀኒ ዘውጽኦ ጸብጻብ መሰረት ዝገበረ'ዩ።
ዝተወሃሃደ ምምዳብ ደረጃታት ውሕስነት መግቢ' (Integrated Food Security Phase Classification) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ዝሳተፍሉ ዓለማዊ መዐየሪ ውሕስነት መግቢ ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ ኣይ-ፒ-ሲ (IPC) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተበግሶ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ትግራይ ኣስታት 350,000 ሰባት ብደረጃ 5 (መቕዘፍቲ)፤ ካልኦት ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ከኣ ኣብ ደረጃ 4 (ህጹጽ) ስእነት መግቢ ሰሪዑ'ሎ።
እዚ ከኣ "ዓጸቦ" ኣሎ ንምባል ዘኽእል ደረጃ'ዩ። እንተኾነ ግን ኣይ-ፒ-ሲ ነቲ ቃል ኣይተጠቐመሉን፤ ምኽንያቱ ብመንጽር ፖለቲካ ተኣፋፊ ስለዝኾነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክቃወሞ ይኽእል'ዩ።
ብድሕሪ እዞም ኣሃዛት ኣረመኔያዊ ዘሕዝን ኩነታት ወዲሰብ ኣሎ። ብጥምየት ከጋጥም ዝኽእል ኣዝዩ ብዙሕ ቁጽሪ ሰባት ምህላዉ ዘይተርፍ'ዩ። ብርግጽ'ውን እዚ ኩነታት ከጋጥም ጀሚሩ'ሎ።
ርሕቕ ኣብ ዝበሉ ገጠራት ትግራይ ሰባት ሞይቶም ሓዲሮም ንጉሆ ይርከቡ ከምዘለዉ ተጋሩ ይዛረቡ። እተን ብወተሃደራት ተጨውየን ከም ባሮት ወሲብ ዝተትሓዛ፤ ደሓር ድማ ንሕክምና ናብ ሆስፒታልን ማእኸላት ክንክንን ዝኣተዋ ደቂኣንስትዮ፡ ብዛዕባ'ቶም ከይፈተዋ ዝተፈለይኦም ደቀን ናብዮተን ስኢኖም ይጠምዩ ከይህልዉ ብምሽቓል ኣብ ተደራቢ ስቓይ ይርከባ።
ጥምየት ኣዝዩ ሕሱም ኣማውታ'ዩ፤ ምኽንያቱ እቲ ብሕጽረት መግቢ ዝተጎድአ ሰብነት፡ ነታ ቁሩብ ህይወት ክተጽንሕ እትኽእል ንእሽተይ ሓይሊ እንተረኸበ ብዝብል ንናይ ባዕሉ ክፍሊ ኣካላት ክምገብ ስለዝግደድ።
እቶም ኣቐዲሞም ዝሞቱ ህጻናት'ዮም- ክልተ ካብ ሰለስተ ኢድ ካብቶም ብሰንኪ ዓጸቦ ዝሞቱ ንሳቶም ስለዝኾኑ። ብመሰረት ትግራይ ዝወጽኡ መረዳእታታት ድማ ኣስታት 300,000 ህጻናት ሞይቶም ከይኮኑ ስግኣት ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ኣስታት ፍርቂ ናይቶም ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ለንደን ዝርከቡ ህጻናት ማለት'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ ውጽኢት መጽናዕቲ ኣይ-ፒ-ሲ ዝተሓበረ ቁጽሪ ውሒዱ ተባሂሉ ክንቀፍ ይኽእል'ዩ። ምኽንያቱ ነቲ ዳህሳስ ዘካየዱ ጉጅለታት ናብ ኩሉ ከባቢታት ክበጽሑ ኣይከኣሉን፤ ከምኡ'ውን ብሰንኪ ድሩት መረዳእታ ኣብ ግምት ክምስረቱ ስለዝተገደዱ።
ኣብ ትግራይ ንዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ቤልጂየማዊ ዩኒቨርሲቲ ገንት ዝተሓተመ 'ትግራይ ሁማንታሪያን ኣትላስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፤ ኣብ ትግራይ ካብ ዘሎ 6 ሚልዮን ህዝቢ፡
- ሓደ-ሲሶ (ሓደ ካብ ሰለስተ ኢድ) ኣብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቖጻጸሮ ከባቢ ይነብር
- ካልእ ሓደ-ሲሶ ከኣ ኣብቶም ሰራዊት ኤርትራ ዝተቖጻጸሮም ከባቢታት ይርከብ፤ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሻረኽ ኮይኑ ንትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ረድኤት ግን ምትሕብባር ኣይገብረሎምን'ዩ።
- ተወሳኺ 1.5 ኣብቶም ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ዕጡቓት ትግራይ ዝርከቡ ገጠራት ዝነብሩ ኮይኖም ሰራሕተኛታት ረድኤት ክኸድዎም ዘይክእሉን ኣገልግሎት ሞባይል ስልኪ ዝተቛረጸሎምን'ዮም።
መንግስቲ፡ "ተረፍ-መረፍ" ናይቶም ዕጡቓት ትግራይ ጥራሕ ከምዝተረፉ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምሉእ ብምሉእ ከምዝቖጻጸሮም'ዩ ዝገልጽ።
ውድብ ሕቡራት፡ እቲ ኩነታት እናሓሰመ ከምዝኸይድ ይገልጽ - እቲ ሕቶ ግን ክሳብ ክንደይ ይኸፍእን ይቕልጥፍን ዝብል'ዩ።
እቲ ብኣይ-ፒ-ሲ ዝተዘርግሐ ውጽኢት ዳህሳስ "እዚ ጸብጻብ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይጸደቐን" ዝብል ሓሳብ ኣካቲቱ'ሎ።
እዚ መጠንቀቕታ'ዩ።
ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ 5ይ ደረጃ ዝርከብ ብ"መቕዘፍቲ" ዝተገልጸ ኩነታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ትግራይ ዝተዘርግሐ ምዃኑን፡ ከምቲ እቲ መዐቀኒ "ዓጸቦ" ዝጠልቦ፡ 20 ሚእታዊት ኣብቲ ደረጃ ዝርከቡ ነበርቲ ዘለዎ ዋላሓደ ከባቢ ብዘይምርካቡ፡ ነቲ ናይ "ዓጸቦ" መጠንቀቕታ ከይቅበልዎ ይኽእሉ'ዮም።
ማሕረስ ኣብ ጸልማት
ኣብቲ ብሓሙስ ዝነበረ መድረኽ፡ ሓላፊት ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፓወር፡ ብዛዕባ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዓብጦ ዝገብሮ ዘሎ ፈተነታት" ተዛሪባ ነይራ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝናብ ክረምቲ'ኳ እንተሃለወ፡ ሓረስቶት ግን ክሓርሱ እናተገብኦም ነዚ ክገብሩ ዘይምኽኣሎም ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ሻቕሎቶም ይገልጹ።
ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፕሮጀክትታት ሕርሻ እቲ ክልል ክሰርሕ ዝጸንሐ ጉጅለ ዩኒቨርሲቲ ገንት፡ ሓረስቶት ዘርኢ፣ ኣብዑርን መሰሰኒ ምህርትን ስለዘይብሎም ኣዝዮም ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ መሬት ከይተሓረሱ ከምዝተረፉ የመልክት።
እቲ ዝኸፍአ ድማ ወተሃደራት "ኣይትሓርሱን፤ ምህርቲ ኣይትሓፍሱን. . .ነዚ ክትገብሩ እንተፈቲንኩም ክንቐጽዓኩም ኢና" ክብሉ የፈራርሕዎም ምህላዎም'ዩ።
ኣብ ርሕቕ ዝበሉ ገጠራት ዝርከቡ ሓረስቶት ግን ብለይቲ ኣቡዑሮም እናጸመዱ ኣብ ጸልማት ክሳብ ወጋሕታ ክሓርሱ ይፍትኑ ኣለዉ።
ኣብዚ ዓመት ሕርሻ እንተዘይተኻይዱ ተጋሩ ተጸበይቲ ረዲኤት ክኾኑ ወይ ክጠምዩ እዮም።
እዚ ሰብ ዝፈጠሮ ዓጸቦ እዩ። ምኽንያቱ ድርቂ ዝበሃል የለን፤ ዓሚ ዝተኸሰተ ወራር ኣንበጣ'ውን ሎሚ የለን።
ቅድሚ ሸውዓተ ወርሒ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ነቲ ክልል ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቐዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኲናት ቅድሚ ምውልዑ፡ እቲ ክልል ጥቓ "ውሕስነት መግቢ ዘረጋገጸ" ብዝብል ተመዲቡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ስርቂ ናይ ረድኤት መግቢ
እቲ ኲናት ኣገልግሎታት ክቋረጽ፣ ባንክታት ክዕጾ ከምኡ'ውን ኣብቲ ክልል ዝነበረ ዝዓበየ ህጹጽ ግብረመልሲ ዝህብ "ሴፍቲ ኔት" (ትሕጃ) ተባሂሉ ዝፍለጥ መንግስታዊ ስርዓት ደው ክብል ገይሩ'ሎ።
ብዙሕ ፍርያት ዝሕፈሰሉ ዝነበረ ከባቢታት ትግራይ ድማ ሓይሊታት ኣምሓራ ስለዝተቖጻጸርዎ ተጋሩ ካብ ናይ ሕርሻ ቦትኦም ክፈናቐሉን እቲ ንብዙሓት ወቕታዊ ሸቕሊ ዝፈጥር ዝነበረ ዕድል ክዕጾን ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።
ናብቲ ኲናት ዝተጸምበረ ሰራዊት ኤርትራ'ውን ብዙሕ ዝምታ ብምፍጻም፤ ከምኡ'ውን ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምዃን ዘራእቲ ከምዘቃጸሉ፣ ትካላት ጥዕና ከምዘዕነዉን ሓረስቶት ከይሓርሱ ብምኽልካልን ይኽሰሱ።
ብዓቃባዊ ገምጋም ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 22,000 ዝበጽሓ ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ሓገዝ ከድልየን'ዩ። እተን ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ብሰንኪ እቲ ዝበጽሐን ጾታዊ መጥቃዕቲ ክሕብኣ ስለዝመርጻ መግቢ ኣየናድያን እየን።
ትካላት ረድኤት ቅልጡፍ ምላሽ ኣይህቡን ዘለዉ፤ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታን ካብ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዘጋጥሞም ናይ ኣሰራርሓ ማሕለኻታትን ይተኣጓጎሉ። ሰራሕተኛታት ረዲኤት ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኮይኖም ክሰርሑ መሳርሒታት ርክብ የድልዮም።
ውድብ ሕቡራት ከምዘመልክቶ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ረድኤት ን2.8 ሚልዮን ሰባት ተበጻሒ ኮይኑ'ሎ። ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ግን እዚ እኹል ከምዘይኮነ ብስቱር ይዛረቡ።
መብዛሕቲኦም ኣብ ሓደ ዙር ዕደላ ረድኤት 30 ኪሎ ሕሩጭ ዝተቐበሉ ን10 መዓልቲ ስድርኦም ክምግቡ ይኽእሉ'ዮም። ዕድለኛታት ዝኾኑ ድማ ክልተ ጊዜ በጺሕዎም ኣሎ።
ረድኤት ጽዒነን ዝጓዓዛ ናይ ጽዕነት መኻይን ተራጊፈን፡ እቲ እኽሊ ይስረቕ ከምዘሎ ዝገልጹ ሓበሬታታ ብቐጻሊ'ዮም ዝወጽኡ። ገለ ነበርቲ ከምዝብልዎ እቲ ረድኤት ምስተኸፋፈለ ወተሃደራት ኤርትራ ሽዑ ንሽዑ መጺኦም ነቲ መግቢ ይወስድዎ።
ካብቲ ረድኤት ዘድልዮ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ እቲ 13 ሚኢታዊት ጥራይ ከምዝበጽሖ ገለ መረዳእታታት የመልክቱ።
ዝተቐተሉ ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣለዉ- እቲ ናይ ቀረባ ቅትልት ከኣ ብ28 ግንቦት ዝተፈጸመ ነይሩ። ሰራሕተኛታት ረድኤት ናብ ውሽጢ ገጠራት ከይኣትዉ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ይኽልከሉን ነቲ ዕጡቕ ሓይሊ ትሕግዙ ብዝብል ይኽሰሱን።
ሰበስልጣን እቲ ክልል ብወገኖም ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዘለዉ ሓይልታት ኣብቲ ዝፍጸም ስርቂ ረድኤት ኢዶም ከምዝርከቦ ይገልጹ።
ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ ግን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ'ውን ሓይልታት ኣምሓራ ረድኤት ከይሓልፍ ብምኽልኻል 129 ጊዜ "ጥሕሰታት ተበጻሕነት ረድኤት" ተፈጺሞም'ዮም። በቶም ንባዕሎም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ክብሉ ዝጽውዑ ዕጡቓት ከኣ ሓደ ጊዜ ተፈጺሙ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ዘተ ዘረባ ዘስምዐት ኣማሓዳሪት ትካል ረድኤት ኣሜሪካ (ዩ-ኤስ-ኤ-ኣይ-ዲ) ሳማንታ ፓወር ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዘለዎም ተሞክሮ ብምጥቃስ "እቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግን ክሳብ ሎሚ ካብ ዘጋጠሞም እቲ ዝሓሰመ'ዩ" ክትብል ገሊጻቶ።
ጻውዒት ተኹሲ ደው ምባል
እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻመ ንምግታእ እንታይ ክስራሕ ከምዘለዎ ዝሕብር ሓበራዊ ምርድዳእ ኣሎ- ሕዚ ግን ክግታእ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ'ዩ።
ቀዳማይ ክግበር ዘለዎ ብሓላፊ ትካል ስደተኛታት ኖርወይ ያን ኤግላንድ ዝቐረበ "ዓጸቦ ንምክልኻል ተኹሲ ደው ምባል" ዝብል ጻውዒት'ዩ።
እዚ ከኣ ጽልኢ/ኲናት ዘጓሃህር ነገራት ደው ምባል፣ ሲቪላት ከም ጾታዊ ግህሰት ካብ ዝበሉ ሓደጋታት ድሕነት ክረኽቡ ምግባርን፡ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ምፍቃድን ዝብሉ የጠቓልል።
ኩሎም ግን ቀለልቲ ኣይኮኑን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወሃቢ-ቓል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ወተሃደራዊ ስርሒት ብምክያድ ወሳኒ ዓወት ከምዘመዝግቡ ሓቢሩ ነይሩ።
ካብ ኣሜሪካ ንዝቐረበ ጻውዒት ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ስዒቡ መልሲ ዝሃበ መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ብሚንስትሪ ዜና ኣቢሉ "ምምሕዳር ባይደን ጎንጽን ዘይምርግጋእን የሳውር ኣሎ" ኢሉ ነይሩ።
ብሰሉስ መግለጺ ዘውጽአ ህወሓት፤ ረድኤት ምቕራብ ከምዝድግፍ ብምግላጽ ኣብ ምክፍፋል ወይ ምብጻሕ እቲ ረድኤት ከምዝተሓባበር ኣፍሊጡ'ሎ። ኲናት ደው ምባል ብዝምልከት ግን ዝበሎ ነገር የለን።
'መቓብራት ንምቑጻር ኣይንጸበ'
ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብቶም ኲናት ዝካየደሎም ከባቢታት ንዘሎ ህዝቢ ብኸመይ ረድኤት ከብጽሑሉ ከምዝኽእሉ ኣማራጺታት ከምዘለዎም'ኳ እንተገለጹ፤ ካብቶም ኣብ ኲናት ዘለዉ ሓይሊታት ግን ምትሕብባር ኣገዳሲ ምዃኑ ይዛረቡ።
ብወገን እቲ ንዕጡቓት ትግራይ "ኣሸበርቲ" ክብል ዝሰየመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ተስፋ ዝህብ ምልክታት የለን። ዋላ መድሕን-ህይወት ዝኾኑ ወፍርታት ንኽካየድ ብዝብል ምስቶም ሓይሊታት ንዝርርብ ኮፍ ከምዘይብል ኣቕቢጹ'ሎ።
ሃለዋት እቶም ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ትግራይ ይውስኽ'ኳ እንተሃለወ፡ እዚ ዝበሃል ለውጢ ኣብ ምምጻእ ግን ዝደኸመ'ዩ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም'ውን እንተኾነ ኣብ ምሉእ ትግራይ ክልተ ማእኸላት ረድኤት ጥራሕ'ዩ ዘለውዎ። ቅድሚ ኲናት ዝነበሩ ማእኸላት ረድኤት ዳርጋ ኩሎም ዓንዮም'ዮም።
ኣብዚ እዋን ተወሳኺ ረድኤት ምቕራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ይርከብ። ኣሜሪካ 181 ሚልዮን ዶላር ተወሳኺ ሓገዝ ምቕራባ፡ ካልኦት ትካላትን ሃገራትን እውን ዝገብርኦ ሓገዝ ከሐይላ ተስፋ ትገብር።
ብተመሳሳሊ ጎረባብቲ ትግራይ ኣብ ዝኾና ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እውን ጸገም ውሕስነት መግቢ ይጋፋሕ'ዩ ዘሎ። እቲ ኲናትን ዝዓሙቕ ዘሎ ቅልውላው ቁጣባን ንናብራ ዜጋታት ክኸብድ እናገበሩ ድኽነት እናተጋፍሐ ይርከብ። ኣብ ሱዳን እውን ጠለብ ረድኤት መግቢ ይውስኽ ምህላዉ ዘመልክቱ መጠንቀቕታታት ይረኣዩ ኣለዉ።
እቲ ሕዚ ጎሊሁ ዝረአ ክፍተት ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝውሰድ ስጉምቲ እዩ። ንዕጥቃዊ ጎንጺን ጥምየትን ዝምልከት ድንጋገ 2417 ንኸምዚኦም ዝበሉ ቅልውላዋት ኣብ ግምት ብምእታው ቅድሚ ሰለስተ ዓመት'ዩ ጸዲቑ።
ኲናት ትግራይ ሸውዓተ ኣዋርሕ እንተቑጸረ'ውን ባይቶ ጸጥታ ግን ነዚ ኣብ ዓለም ዘጋጠመ ኣዝዩ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝምልከት ኣኼባ ክሳብ ሎሚ ኣየካየደን።
ድንጋገ 2417፡ ውድብ ሕቡራት ኣብቶም ንሰብኣዊ ሓገዛት ዘተዓናቕፉ ውልቀሰባትን ትካላትን ማዕቀባት ንኸንብር ስልጣን ዝህቦ ኮይኑ ንጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም ብገበን ኲናት ከምዘሕትት የጠንቅቕ።
ኣብዚ ሰሙን ኣኼባ ዘካይዳ ኣባላት ጉጅለ-7 ዝኾና ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጸቕጢ ክገብራ ትጽቢት ኣሎ።
ከምቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ጀፍ ፈልትማን "መቓብራት ንምቑጻር ክንጽበ የብልናን" ክብል ዘጠንቀቐ፤ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው 'ሰብ-ሰርሖ ዓጸቦ' ኢልካ ክሳብ ዝእወጅ ምጽባይ ኣየድልን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







