ቅልውላው ትግራይ፡ "ንደቀይ እንታይ ዓይነት ታሪኽ'የ ክነግሮም?"

ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ኡም ራኩባ ኣብ ዝርከብ ጎቦ ጽሓይ ዕራርቦ ዝጥምቱ ዘለው ካብ ትግራይ ዝተዘናበሉ ዜጋታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መቐለ ኣረጋውያን፣ ነፍሰ ጾር ኣዴታት፣ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከቡዎም ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ኣብ ሸሞንተ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓቚቦም ከም ዝርከቡ፡ ቢቢሲ ካብታ ከተማ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

እዞም ካብ ዞባታት ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብ፣ ማእከላይን ምብራቕን ከምዝመጽኡ ዝዛረቡ ተመዛበልቲ፡ ብምኽንያት እቲ ኲናት ካብ ዝስዓበ ዕንወት ሰብን ንብረትን ሃዲሞም ዝወጽኡ ምዃኖም ይገልጹ።

ሕጽረት መግቢ፣ ማይ፣ ክዳንን መሐለዊ ጽርየት ደቂ ኣንሰትዮን ህጻናትን ከም ዝጎድል ክገልጹ እንከለው፡ ንስነ ልቦናዊ ጸገማት ዝተቓልዑ ከም ዘለው'ውን ሓቢሮም።

ዛንትኦም ከምዚ ዝስዕብ ቐሪቡ'ሎ።

Short presentational grey line

'ሓሓሊፉ ንበልዕ . . . ገለ ሻብ'ውን ጾምና ንሓድር' - ወይዘሮ ኣወጣሽ

በዓልቲ ሞያ ጸጉሪ'የ፤ በዓል ሓዳረይ ብስራሕ ናብ ኣኽሱም ተዛዊሩ ጓል ሓደ ዓመትን ትሸዓተ ወርሕን ከምኡ'ውን ጓል 12 ዓመት ቖልዑ ሒዘ ኣብ ሸራሮ ይነብር ነይረ።

ተረሓሒቕኻ ናብራ ከቢድ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ሰብኣየይ ክንኸይድ እናበልና እናሃለና ለበዳ ኮሮናቫይረስ መጺኡ ከይተራኸብና ነዊሕ ጸኒሕና።

ዝተጸበናዮ ኣይነበረን፤ ደብዳብ ከቢድ ብረት ምስ በዝሐና ግን ዝሓዝናዮ ዘይብልና ናብ ማይ ኩሕሊ ዝብሃል ቦታ ሃዲምና ተዓቒልና።

ኣብ ሰለኽለኻ'ውን ኣብ በረኻ ክልተ ለይቲ ብዘይ መግብን ማይን ሓዲረ'የ። ቁሪ፣ ጥምየትን ገልታዕታዕን ተሓዊሱዎ ብሽረ፣ ኣክሱም ገይረ ዓድዋ ኣትየ።

ናብ መቐለ ምስ መጻእኹ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኢና ንድቅስ ነይርና፤ ኣብኡ'ውን መግቢ ይመጽአልና ነይሩ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ረድኤት ተባሂሉ ንሓደ ስድራ 15 ኪሎ ተዋሂብና።

መደቀሲ'ውን ተጸጊምና ጨናን ሕማምን ሰብ ተጻዊርና ኣብ ሓደ ፍራሽ ንክልተ እናደቀስና መዓልቲ ንደፍእ ኣለና። ኣብዚ ቆልዑ ሒዝካ ከቢድ'ዩ፣ ዝለመድኦ ስኢነን ብጥምየት ክሞታ ኢለን።

Short presentational grey line

'ሓንቲ እንጀራ ንኣርባዕተ ንካፈላ' - ኣቶ ስየ ካብ ዞባ ማእኸል

ኣብ ወረዳ እንዳባጻሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ'የ ዝነብር ነይረ። መራሒ መኪናን ኣቦ ክልተ ቖልዑን እየ።

እዚ ኲናት ምስ ተጀመረ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ጥቓና ተወንጫፊ ምስ ዓለበ ዝትሓዝ'ውን ኣይሓዝናን ሃዲምና።

ብዙሕ ምብስባስ ነይሩ፣ ንብረት ተዘሚቱ፣ ኣባይቲ ከምኡ ተዘሚቱ'ዩ። እዚ ክመጸኒ'ዩ ኢሉ ዝሓስብ ሕብረተሰብ ኣይነበረን፤ ግን እንታይ ይግበር ሓንቲ ክዳን ሒዝና ወጺእና።

ናብዚ ካብ እንመጽእ ኸኣ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ናይ ወርሒ ቀለብ ኢሉ 15 ኪሎ ስርናይ ሂቡና፤ ግን ተጸጊምና ኢና ዘለና።

እንጀራ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ'ዩ ዘምጽአልና፡ ሓንቲ እንጀራ ንኣርባዕተ ኢና ንካፈላ፤ ንሳ'ውን ዘይትኣኽለና እንተኾይና ንሽዱሽተ ሸውዓተ ንገብራ።

ደቂ ኣንስትዮ ናይ መናጽሂ ጸገም ስለ ዘለወን ካብ ገዛ ዘይወጽኣሉ ኩነታት'ዩ ተፈጢሩ ዘሎ።

ብዓብይኡ ግን ከቢድ ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ኣለና፤ ምኽንያቱ ሓደ መጺኡ ብዛዕባ ዓድኻ ምስ ነገረካ ተመሊስኻ ናብ ሓዘን ኢኻ ትኣቱ። ካብዚ ዘውጽአና ንደሊ።

Short presentational grey line

'ስድራቤታት ተፈላልየን' - ሓረስታይ ዞባ ምዕራብ ኣቶ ደስታ

ኣብ ጣብያ 'ሴንትራል' ይነብር ነይረ፤ ሰብ ኣብ ሕርሽኡን ካልእ ጣጥኡን እናሃለወ ብዘይተጸበዮ ኩነታት'ዩ ሃንደበታዊ ደብዳብ ገጢሙና።

በዚ ኩነታት ሓወይ ናብ ሱዳን ኣነ ናብዚ ተበታቲንና። ብዙሓት ስድራቤታት ተፈላልያን።

ነዛ ህይወትና ከነትርፍ ክሳብ ዓዲ ጎሹ ብእግርና ዝጎየናሉ መዓልቲ ነይሩ። ክንደይ'ሞ'ዩ፤ እቲ ዝበጽሐ ዕንወት ብምንታይ'የ ክገልጾ?

ህዝቢ ምዕራብ፡ ምስቲ ዝምዕብል ዝነበረ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ንከይጠሚ 88 ሚእታዊት ማሽላ ክንዘርእ ኣለና ኢልና ተመኻኺርና ማሽላ ዘርእና ዝኸረምና ህዝቢ ኢና። ብኣንጻሩ ግን ቀዳማይ ጥቕዓት ኣብዚ ህዝቢ እዚ'ዩ ውዒሉ።

ኣብ ህይወተይ ካብ ዘስክሓክሐኒ፡ ናብ ዓዲ ጎሹ ክንኣቱ ከለና ብጽሕቲ ወርሒ ሰበይቲ ብጥይት ተወቒዓ ክትመውት ርእየ መጺአ፤ እናረገጽናዮ ዝመጻእና ሬሳ ወገንና መጽወዪ የብሉን።

ክሳብ ተከዘ ዝሓለፍናዮ ህይወት ቀሊል ኣይነበረን፤ ንሕና ዕድል ስለ ዝረኸብና ኢና ኣብዚ ተዓቊብና እምበር ነዚ ዕድል ዘይረኸቡ ኣብ መገዲ ዝሞቱ ብዙሓት'ዮም።

ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ሰብ ብእግሩ'ዩ ዝጉዓዝ ዘሎ። ብርክት ዝበላ ህጻናት ዝሓዛ ኣዴታት፣ ኣረጋውያንን ነፍሰ ጾር ኣዴታትን ኣለውና።

ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ዝጠመተና መንግስታዊ ኣካል የለን፤ ብህዝቢ መቐለ ኢና ንናበር ዘለና፤ ግን ይበዝሖ ስለ ዘሎ ክሰላቾ'ዩ። ከምዚ ኢሉ ክቕጽል ኣይኽእልን።

ናይ መግቢ ሕጽረት ኣሎ፣ ኣዴታት ይሓርሳ ኣለዋ፤ ሕክምና የብለንን፡ ኣምቡላንስ ጸዊዕኻ እትረኽበሉ መገዲ የለን።

ናብ ሱዳን ዝተመዛበለት ኣደ ቖልዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Short presentational grey line

'ወዲ 80 ዓመት ወላዲየይ ንድሕሪት ደርብየ መጺአ' - ወይዘሮ ፍረይ ካብ ሽረ እንዳስላሳ

እቲ ዝሓለፍኩዎ ክሓስቦ ከለኹ ይርብሸኒ'ዩ፤ ቖልዓ ሓሙሽተ ወርሒ ዝሓዝኩ ሓራስ'የ። ዝዝክሮ ኩሉ በብውልቁ ክጎዪ ከሎ'ዩ፤ ኣቦይን ኣደይን ኣይትብልን።

ሰራዊት እናደፍኡ መጺኦም ደብዳብ ምስ በርትዐና፡ ኣነ'ውን ደቀይን ሰብኣየይን ሒዘ ወጺአ፤ ወዲ 80 ዓመት በዓልቲ ቤቱ ዝሞተቶ ወላዲ ኣቦይ ግን ንድሕሪት ደርበየዮ መጺአ።

ንብረትና ዓንዩ፣ መንእሰይ እናተገፍዐ፣ ሓራሳት ኣብ መገዲ ወሊደን ዘልዕለን ይስእና፣ ገዲፈንኦ ይጎያ፤ ዘይድርበየና ነገር ኣይነበረን፤ ኣብ ቅድመይ ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ዝወደቐት ገዲፈያ ዝመጻእኹ ጓል ኣንስተይቲ ኣላ።

ዝሞቱ ኣሕዋትካ ርኢኻ ደንጊጽኻ ክተልዕሎም ኣይትኽእልን፤ ቖልዑትናን ንብረትናን ከመይ ኢልና ኣልዒልናዮም ክንመጽእ? ስቕ ኢልና ነቲ ሓደ ኣልዒልና ነቲ ሓደ እናገደፍና ኢና መቐለ ኣቲና።

ኣብዚ'ውን ኣብ ቤት ትምህረቲ ተደርቢና ኣለና፤ ብዙሓት ዝበልዕኦ ዝስእና ኣደ ቖልዑት ኣለዋ።

ከም ደቂ ኣንስትዮ ክዳን፣ ጫማ ኮነ ኩስቱሞ የብልናን። ቖልዑ ክትሓጽቦም ሳሙና፣ ጸባ ይጽግመካ፤ ክዳን መቐየሪ ትስእን። ክንደይ ጸገማት ኢለ'ሞ ክገልጾ?

እቲ ዘሰክፍ መቐበሊ መንዲል ወርሓዊ ጽግያት ዘይምርካብ እዩ። ማዕሮ መቐየሪ ስኢነን ካብ ገዛ ዘይወጽኣ መናእሰይ ተመሃሮን ኣዴታትን ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ሓደ ሓደ ሞዴስን ሓደ ሓደ ኣንሶላ ጨርቅን መጺኡልና ነይሩ፤ እዚ'ውን ፍርቁ ረኺቡዋ ፍርቁ ዘይረኸባ እያ።

Short presentational grey line

'ንደቀይ እንታይ ዓይነት ታሪኽ'የ ክነግሮም?' - ተስፋይ ነባሪ ሸራሮ

ሓደ ግዜ ጥራይ ኣይኮነን ክልተ ግዜ'የ ተጎዲአ። ቅድሚ ሕጂ ካብ ክልል ኣምሓራ ተፈናቒለ መጺአ።

ዝነበራኒ ኣተኣኻኺበ ኣብ ካልኣይ ዓመተይ ኣብ ባድመ ልዕሊ 500 ሽሕ ብር ወጻኢ ገይረ ሓደ ትካል ኣጣይሸ። ናይ ወርቂ መጥሓን ነይሩኒ።

ሸራሮን ባድመን ኣፍን ኣፍንጫን ስለ ዝኾና፡ ኣነ ድማ መካኒክ ስለ ዝኾንኩ ኣብ ሸራሮ ጋራጅ ነይሩኒ።

ክልተ መዓልቲ ሙሉእ ብኸቢድ ብረት ኤርትራ ክንደናገጽ ውዒልና፤ በዓልቲ ገዛይ በዚ ተሰናቢዳ ቖልዑ ሒዛ ከይዳትኒ።

እቲ ኲናት ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ግን ብኣንፈት ባድመ ከቢድ ብረት የናውጸና ነይሩ።

ኣነ ኣይወጽእን ኢለ ተሪፈ ነይረ፤ ህይወት ሕቶ ምስኮነ ግን ዘዐርያ ዝነበርኩ መኪና ሒዘ ነብሰይ ከድሕን ወጺአ፤ ብኣግባቡ ቅያር ክዳን ዝሕዘሉ ዕድል'ውን ኣይነበረንን።

ገንዘብ ከይንትሕዝ ባንኪ ተዓጽዩ፣ ኔትዎርክን ስልክን ጠፊኡ'ዩ ነይሩ። ፎቖዶ ገጠር ብእግሪ እናተጉዓዝና ገባራት ቖሎ እናብልዑና ዓብዪ ዓዲ በጺሕና።

ሰለስተ ሰሙን ሙሉእ ብእግረይ ተጉዒዘ ድማ ደቀይን ሰበይተን ኣብ ዓብዪ ዓዲ ረኺበዮም። ሰሙን ሙሉእ ኣብ በዓቲ ተሓቢእና ብዘይ መግብን ማይን ኣሕሊፍና ኢና፤ ሓሓሊፉ ህዝቢ ተሓቢኡ ቖሎ የምጽአልና ነይሩ።

ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ በዓል ጸጋ ዕድመ

ምንጪ ስእሊ, ASHRAF SHAZLY

ብህይወት ምንባር ዓብዪ ነገር ኮይኑ እናሃለወ ግን ድማ ዝነበረካ ምስኣን ከቢድ'ዩ።

ጽቡቕ ህይወት ዝመርሕ ዝነበርኩ ኣቦ ሰለስተ ቖልዑ'የ፤ ሙውቕ ናብራ ነይሩኒ። ሕጂ ግን እዚ የለን . . . ቖልዑ ክበኽዩ እዮም ዝውዕሉ፤ ጥምየት ኣሎ።

በዓልቲ ቤተይ ናይ ሰለስተ ወርሒ ቖልዓ ሓራስ እያ። መግብን ክንክንን የድልያ፤ ህዝቢ መቐለ ከኣ እንጀራ እናምጽአ ይቕልበና ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ ዝረኸብናዮ ሓገዝ ግን የለን፤ ኣይትቐትል ኣይተሕዊ 15 ኪሎ ንወርሒ እያ ትወሃበካ። እቲ ዘለናዮ ህይወት ተኣኪብካ ናይ ሰብ ተመጽዋቲ ኮይንካ ምንባር'ዩ።

ኣብ ሸራሮ ዘሎ ኩነታት ድማ ንክትምለስ ኣይዕድመካን፤ እታ መጥሓን ወርቂ ተወሲዳ፣ ጋራጀይ ብሙሉኡ ተዘሚቱ፣ ገዛይ ተሰሪቑ ዝተረፈኒ የለን።

ኣቦ ሰለስተ ቖልዑ'የ፤ ሕጂ ደቀይ እንታይ ኾይንካ ደኺኻ እንተይሎምንስ ብሰንኪ መን'የ ክብሎም? እንታይ ዓይነት ታሪኽ'የ ክነግሮም? እዚ ኹሉ እዩ ንከይንምለስ ዝሕዘና ዘሎ።

ኣብዚ ከፍ ከይትብል ከኣ ንጉሆ ተሲእኻ እንጀራ መጺኡ'ዶ፣ ዳቦ ኣሎ'ዶ ምባል ከቢዱና።

ቀትሪ ምስ ለይቲ ቖልዑ ይበኽዩ፣ ኣዴታት የማርራ፣ ይሓዝና፣ ለይቲ ደቂስኻ ድምጺ ከይተስምዕ መብራህቲ ከይበርህ ንሰግእ፣ ድሕነት ኣይስመዐናን።

Short presentational grey line

ትግራይ ኩነታት መግብን ጥዕናን

እቶም ተመዛበልቲ ዝተፈላለየ በደልን ግፍዕን ተፈጺሙዎም ከም ዝተመዛበሉን ንዘይተጸበዩዎ ማሕበራዊ ቅልውላው ከም ዝተቓልዑን ይገልጹ።

ነቶም ኣብ መቐለ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህሪ ተዓቚቦም ዘለው ዜጋታት ሓገዝ ይገብሩ ካብ ሞንጎ ዘለው፡ ኣካያዲ ስራሕ ማእከል ምትሕብባር ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ሙሉ ኣቶ ሙሉ ሃይለስላሰ ሓደ'ዩ።

"ኣነ ነዞም ተመዛበልቲ ድሕሪ ወርሒ'የ ረኺበዮም፤ ፍርናሽን ኮበርታን ካብ ህዝቢ ኣታኻኺብና ርኢናዮም፤ ማረትን ቀይሕ መስቀልን'ውን ይሕግዙ ኣለው" ዝብል ኣቶ ሙሉ፡ ሕጽረት መድሃኒትን መግብን ግን ሕጂ'ውን ዓብዪ ጸገም ከም ዝኾነ ይዛረብ።

"ቀደሙ'ውን ሕጽረት ሕክምና ኣይነበረናን ኣይንብልን፤ ግን ድማ እቲ ናይ ሕዚ ኩነታት እተን ዝነበራ'ውን ክዓንዋ ስለ ዝገበረ ኣዐርዩ እቲ ጸገም ክገድድ ገይሩ ኣሎ። እዚኦም ተመዛበልቲ ኣብ መቐለ መድሓኒት ክዕድጉ ከለው ብናጻ ዝህብኦም ውልቀ ፋርማሲታት ኣለዋ።

"ሆስፒታላት መቐለ፣ ዓይደርን ካሰችን'ውን ዝኽኣልኦ ይህባ ኣለዋ፤ ግን ሙሉእ መድሓኒት ኣሎ ኣይንብልን። ሕጽረት መድሃኒት፣ መግብን ተወሳኺ መግቢ ህጻናት ብምህላዩ ህዝብና ኣብ ከቢድ ስቓይ ከም ዘሎ ግን ከረጋግጽ ይደሊ። መድሃኒት ክኣቱ ኢና ንላቦ" ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ይብል

ኣብ ትግራይ መግብን፡ ካልኦት ነገራትን ናውቲ ሕክምናን ናብ 1.8 ሰባት ከምዝበጽሐ ሚኒስተሪ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ገሊጹ ነይሩ።

ሓለፊ ኮሚሽን ስራሕ ምውህሃድ ህጹጽ ሓገዝ ንትግራይ (Tigray Emergency Coordination Center (ECC)) ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሓገዝ ክልል ትግራይ ዝውዕል ልዕሊ 311 ሽሕን 526 ኩንታል ዕቑር እኽሊ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ምትኩ ካሳ ከምዝሓበሮ፡ ብዘይካ'ቲ ተኸዚኑ ዘሎ እኽሊ 60 ሽሕ ኩንታል ሕሩጭ፣ 1.7 ሚልዮን ሊትሮ ዘይቲ ብልዒን 173 ሽሕን 200 ኩንታል ስርናይን ናብ መቐለ ይጓዓዝ ኣሎ ኢሉ።

"እዞም ሓገዛት ኣብቲ ክልል ናብ ዝተጣየሻ 92 ማእኸላት ምክፍፋል መግቢ ብምብጻሕ ናብቶም ዝተጎድኡ ሰባት ብግቡእ ክበጽሕ ክግብር'ዩ" ምባሉ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ጸብጺቡ።

ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ "ወፍሪ ምኽባር ሕጊ" ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎም ዝበሃሉ 700 ሽሕ ሰባት ዝርከብዎም ብ2.5 ሚልዮን ዝተጸገሙ ሰባት ረድኤት ንምቕራብ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ'ውን ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ "ወፍሪ ምኽባር ሕጊ" ቅድሚ ምጅማሩ ኣብቲ ክልል 1.8 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ ይግበረሎም ምንባሩ ብምዝኽኻር ካብ ሞንጎኦም እቶም 1.1 ሚልዮን ተረባሕቲ ሴፍቲኔት (ፕሮግራም ምርግጋጽ ውሕስና መግቢ) ምዃኖም ኣረዲኡ።

ኣብዚ እዋን ነቶም ብሰንኪ'ቲ ወፍሪ ረድኤት ናብ ምጽባይ ዝኣተዉ ልዕሊ 700 ሽሕ ሰባትን ቅድሚኡ ዝሕገዙ ዝነበሩ 1.8 ሚልዮን ሰባትን ብድምር ን2.5 ሚልዮን ተሓገዝቲ ዝውዕል እኹል ረድኤት ንምቕራብ ከምዝተዳለዉ ኮሚሽነር ምትኩ ሓቢሩ።

ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ'ውን መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ልዑል ሰብኣዊ ሓገዛት ይገብር ምህላዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቓሊሐን።