ቅልውላዉ ትግራይ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ገበናት ኵናት ተፈጺሙ ከይኸውን ስክፍትኡ ገሊጹ

ኣብ ጥቓ ዝዓነወት ታንኪ ዝንቀሳቐሱ መናእሰይ ኣብ መኾኒ - 11 ታሕሳስ 2020

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ናይ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ዋላ ሓደ ሲቪል ጉድኣት ከምዘይበጽሖ ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ገበናት ኵናት ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ሕብረት ኣውሮጳ ስክፍትኡ ገሊጹ።

ኣብ ክልል ትግራይ ሰባት ብሰንኪ ብሄሮም ይቕተሉ ከምዘለዉን ገበናት ኵናት ተፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉን ዝገልጽ ጸብጻባት ይበጽሖ ከምዘሎ እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ንመዓስከራት ሰራዊት ፈደራል ድሕሪ ምቁጽጻሮም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነቲ ኣብቲ ክልል ስልጣን ሒዙ ዝነበረ ውድብ ህወሓት ንምልጋስ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈንዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ ኣብቲ ኵናት ከምዝተዓወተ'ኳ እንተገለጸ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ግን እቲ ኩነታት ሕማቕ ከምዘሎ ገሊጹ'ሎ።

እቲ ግጭት፡ ምርግጋእ እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ'ውን እቲ ሕብረት ኣጠንቂቑ'ሎ።

መንግስቲ ናይቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ዝተዋህበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ነቲ "ገበነኛ ጉጅለ" ንምሓዝ ዝተመጣጠነ ሓይሊ ብምጥቃም ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ወታሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ'ዩ ዝምጉት።

ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ፡ ነቶም ዝድለዩ ዘለዉ መራሕቲ ህወሓት ንምርካብ ስርሒታት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ። ይኹን'ምበር ሰራዊት ፈደራል ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ መራሕቲ ህወሓት ቃልሶም ከምዝቕጽሉ ኣፍሊጦም ነይሮም።

"ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኪኖ ውሽጣዊ ናይ 'ሕግን ስርዓትን ስርሒት'ዩ" ክብል ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሰፕ ቦረል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተዛሪቡ።

"ብሄር መሰረት ዝገበረ ጎነጽ፣ ቅትለታት፣ ሰፊሕ ዝምታ፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ በስገዳድ ስደተኛታት [ናብ ኤርትራ] ምምላስን ተኽእሎ ገበናት ኵናትን ከምዝተፈጸሙ ዝገልጹ ንሓድሕዶም ዝቃደዉ ጸብጻባት ይበጽሑና ኣለዉ" ኢሉ።

ዋላ'ኳ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ህዝቢ እቲ ክልል ካብ ኣባይቱ ተፈናቒሉ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮ እንተኾነ፡ ናብቲ ክልል ምእታው ተደሪቱ ምህላዉ ቦረል ገሊጹ።

እቲ ሕብረት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ ክሳብ ዘፍቅድ ነታ ሃገር ክህቦ መዲብዎ ዝነበረ ናይ 106 ሚልዮን ዶላር ባጀታዊ ሓገዝ ደው ከምዘብሎ ድማ ሓቢሩ።

ህዝቢ ትግራይ 6 ሚእታዊት ናይቲ ልዕሊ 110 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ጎረባብቲ ሃገራት ኣብቲ ግጭት ኢድ ኣለወንዶ?

ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወታሃደራዊ ስርሒታት ከምዝተሳተፈ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ጆሰፕ ቦረል ጠቒሱ'ሎ። መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ነዚ ክነጽግዎ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብቶም ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝካየዱ መዓስከራት ብምእታዉ ብሓይሊ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ከምዝወሰዱ ይኽሰሱ።

ኣብ እዋን ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓጎሰን ዝገልጻ ኣዴታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ እዋን ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓጎሰን ዝገልጻ ኣዴታት

ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ፖለቲካዊ ምስዳድን ግዱድ ገደብ-ኣልቦ ወታሃደራዊ ዕስክርናን ሃዲሞም ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ 4 መዓስከራት ተዓቚቦም ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትረክብ ጀሚራ ብዘይቅዋም፡ ብሓደ ውድብን ሓደ ፕረዚደንትን እትምራሕ ሃገር'ያ።

ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንደ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ናብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ክበጽሑ ከምዘይካኣሉ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ቅልውላዉ፡ ንሶማልያን ሱዳንን'ውን ከምዝጸለወን እቲ ኣውሮጳዊ ብዓልስልጣን ሓቢሩ።

ኣብ ሶማልያ ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ ተዋፊሮም ዝነበሩ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ክወጹ ጀሚሮም ነይሮም።

ልዕሊ 56 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ካብቲ ክልል ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ኣለዉ። ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያንን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ'ውን ናብ ወታሃደራዊ ግጭትን ወጥርን ኣምሪሑ'ሎ።

ግብረመልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ለንደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ረዲኤት ዘድልዮም ባዕሉ ክሕግዞም ከምዝደሊ ተዛሪቡ።

"ሰብኣዊ ሓገዝ ብዉሑስ፡ ኣድማዒ ስሉጥ ኣገባብ ናብቲ ዝተጸልወ ህዝቢ ንምብጻሕ ዝኽልክሉ ብድሆታት ንምእላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰብኣውን ልምዓታውን መሻርኽቱ ክተሓባበር ድልው እዩ" ኢሉ።

ከምቲ ኢትዮጵያ ዝሓገዘቶም ሱዳን'ውን መፍትሒ ንምርካብ ክትሕግዝ ከም እትኽእል'ውን ጆሰፕ ቦረል ተዛሪቡ።

"ኩሉ ሳዕ ነቲ 'ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ንኣፍሪቃዊ ጸገም' ዝብል ሓሳብ ንድግፎ ኢና። እዞም መፍትሒታት ሕጂ ብህጹጽ ክርከቡ ኣለዎም" ኢሉ ኣብ መግለጺኡ።