ኤርትራውያንን ተጋሩን ተቐማጦ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጀኔቫ ተቓውሞ የስምዑ ኣለው

ምንጪ ስእሊ, FB
እቲ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ዝቐጸለ ኲናት ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን "ጠጠው ይበል" ዝበሉ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጽኡ ተጋሩን ኤርትራውያንን፡ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት-ፅሕፈት ሕቡራት ሃገራት ሰልፊ ተቓውሞ የካይዱ ኣለው።
እዚ ትማሊ ዝጀመረ ሰልፊ ተቓውሞ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ዝቕጽል ኮይኑ፡ እቶም ሰልፈኛታት "ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ህዝቢ ዝበጽሐሉ መገዲ ይከፈት፣ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ናብ ንቡር ይመለስ" ዝብሉ ድምጽታት ከስምዑ ውዒሎም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝጀመሮ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንመራሕቲ ህወሓት ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ዝውሰድ 'ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት'ዩ' ብምባል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከም ዘብቅዐ'ኳ እንተገለጸ ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ኲናት ይቕፅል ከም ዘሎ እዩ ዝግለፅ።
ብ 4 ሕዳር 2020 ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።
ብሰንኩ ድማ ብዙሓት ሰባት ተመዛቢሎም ከም ዘለው ይግለጽ።
ካብ ሞንጎ ኣተሓባበርቲ እዚ ሰልፊ ዝኾነ ኣቦ ወንበር ማሕበር ተጋሩ ነበርቲ ስዊዘርላንድን ኣይተ ታደለ ግርማይ፡ 'ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ትካላት ዓለምን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ጠጠው ከብሉ ኢና ንጠልብ' ይብል።
"እቶም ድምጽና ንክሰምዑ ንምሕጸኖም ዘለና ኩሎም ኣብ ጄኔቫ ዘለው ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝበጽሕ ዘሎ በደላት ዓገብ ንክብሉልና፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ማዕቀብ ብምድንጋግ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ደው ንከብሉልና ንምሕጸን" ኢሉ።
ትካል ሰብኣዊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት (UNOCHA) ብሰንኪ'ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን ዝተወለዐ ኲናት ከጋጥም ዝኽእል ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘስገኦ ብምግላጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዓጸወ መራኸቢታት ክኸፍትን ሰብኣዊ ሓገዝ ተበጻሒ ክኸውንን ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።
ብመሰረት ካብ 20 ታሕሳስ ጀሚሩ ካብ መንግስትን ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ዝተወጻጽኡ ክልተ ጉጅለታት ዘካየድዎ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ሰብኣዊ ኩነታትን ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት መነባብሮን ከም ዘለዉ ከም ዘረጋገጹ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ጠጠው ብምባል፡ በቲ ኲናት ዝተሃሰየ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝረኽበሉ መንገድታት ክኽፈትን ዓለም ለኸ ትካላት ፀቕጢ ክገብሩ ርኢይቶኦም ንቢቢሲ ዝሃቡ ሰልፈኛታት ተማሕፂኖም።
ሙዚት ብርሃነ ዝተባህለት ተቐማጢት ስዊዘርላንድ፡ "ዓለማዊ ትካላት ጸቕጢ ብምግባር ናብ ተግባር ክኣትዋ ኣለወን፤ ኣብዘን ሰለስተ መዓልታት ድማ ዝለዓለ ምላሽ ክህቡና ንጽበ፤ እንተዘይኮይኑ ግን ካብዚ [ቤት ጽሕፈት ጄኔቫ] ኣይንንቀሳቐስን" ኢላ።
ቀንዲ ትኹረቶም ሰብኣዊ ሓገዛት ዝበጽሑሎም መገዲታት ክኽፈቱ፣ ኣገልግሎት ሕክምና ብምስኣን ዘጋጥም ሞት ኣቓልቦ ክግበረሉ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተዓጽዩ ዘሎ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ክኽፈት ዝኽእለሉ ሃዋህው ንክፍጠር ንማሕረሰብ ዓለም ግንዛበ ምፍጣር ከም ዝኾነ'ውን ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ተቓውሞ ገሊጾም።
ብፍላይ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን ምህላው ዘመላኽቱ ሓበሬታታት ምምጽኦም ከም ዘሻቕሎም ዝገልጹ እቶም ወሃብቲ ርኢይቶ፡ ብምኽንያት እቲ ጎንጺ ንዘጋጥም ቕትለት ዜጋታት፣ ምዝማትን ምዕናውን ንብረት ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረዩ ሓቲቶም።
ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦሬል፡ እቲ ሕብረት ኣብቲ ክልል ከይዱ ንምርኣይን ሓገዝ ንምምብጻሕን ሙሉእ መገዲ ክኽፈተሉ ከም ዝደልን ተዛሪቡ ነይሩ።
ብቐንዱ፡ ነቲ ዶብ ሰጊሩ ኣብቲ ኵናት ተሳቲፉ'ዩ ዝብሃል ሰራዊት ኤርትራ፡ ካብ ትግራይ ክወጽእ'ውን እቶም ሰልፈኛት ጸዊዖም።
ኣብ ቀረባ መዓልታት ሓደ ወተሃደራዊ ኮማንደር መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከም ዝኣተው ተኣሚኑ ነይሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብመዚ ኤርትራን ግና፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ኩናት ከም ዘይተሳተፈን ''ፕሮፖጋንዳ'' ከም ዝኾነን እዮም ዝገልፁ።
እዋናዊ ኩነታት ሰብኣዊ ጉዳያት
ኣብ ትግራይ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ትካል ሰብኣዊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት (UNOCHA) ኣብ ዘውጽኦ እዋናዊ መብርሂ፡ ካብ 7 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ቁጽሪ ናይቶም በቲ ኲናት ተፈናቒሎም ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ስደተኛታት ልዕሊ 55,000 ከም ዝበጽሐ'ውን ጠቒሱ።
ሰራሕተኛታ ረድኤት ቅድሚ ሕጂ ናብ ዘይተፈቐዱ ከባቢታት ከተማ ምብጻሕ ከም ዝኸኣሉን ኣብ ወሰና ወስን መቐለ፣ ሸራሮ፣ ሽረን ካልኦት ከባታትን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ውግኣት ይካየዱ ከምዘለዉ እውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ'ሎ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ካብቶም 40 ሆስፒታላት ትግራይ 4 ጥራይ ኣገልግሎት ይህቡ ምህላዎም ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ትሕተ-ቅርጺ እቲ ክልል ከቢድ ዕንወት ወሪድዎም ከም ዘሎ ጠቒሱ።
ናብቲ ክልል ህጹጽ ረዲኤት ንምብጻሕ ናይ ቢሮክራሲ ምድንጓያት ብምህላዎ፡ ክቀላጠፍ ተማሕጺኑ'ሎ።
ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኖም፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ሰባት ከምዝተፈናቐሉ ኣብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛሪቦም ነይሮም።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣቶ ገብረመስቀል ካሳ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፍርቂ ካብቶም ተፈናቐልቲ ኣባይቶምን ንብረቶምን ዓይንዩ ካብ ምዕራብ ትግራይ ከም ዝሃደሙ ብምጥቃስ፡ "ኣብ ኢዶም ምንም ዓይነት ንብረት የብሎምን" ኢሉ።
ፍርቆም ድማ ካብ ካልኦት ከባቢታት ተፈናቐሎም ብእግሮም ናብ ከተማታት ኣኽሱም፣ ዓዲ-ግራት፣ መቐለን ሽረን ዝኣተዉ'ዮም።
"እዞም ወገናት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ይርከቡ" ንዝበሎም፡ ብመንግስቲ ፌደራል ትኹረት ተዋሂብሉ ሓገዝ ንኽበጽሖም ክግበር ምዃኑ ኣቶ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ፈደራል ምስ ግዝያዊ ምምሕር እቲ ክልል ብምትሕብባር ብቕልጡፍ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ንምፍታሕ ክንቀሳቐሱ ምዃኖም'ውን ቃል ኣትዩ።
ዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት፡ ብዘይ ዝኾነ ገደብ ናብቲ ክልል ንምእታዉ ምስ ሰብ መዚ ክዘራረቡ'ኳ እንተጸንሑ ከም ዘይሰለጦም ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት
ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ዝርከቡ ኣስታት 100,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምህላዎም ይዝረብ።
ኣብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት ርክባት ወጻኢ ጁልያ ራፋኤል ብ7 ጥሪ 2020 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ክኣተው ስለዘይክሉ ብዛዕባ ሃለዋት እቶም ስደተኛታት ተሻቒሎም ከም ዘለው ገሊጻ።
እንተኾነ ግን፡ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ውሱን ናይ መግቢ ቀረባት "ብመሻርኽቲ ኣካላት" ከም ዝተላእኸ 'ዩኤንኦቻ' ሓቢሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







