ቅልውላው ትግራይ፡ '2.2 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም'-ሕቡራት ሃገራት

ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ራቕባ ካብ ዝተሰደቱ ህጻናት - ታሕሳስ 2020

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሞንጎ እቶም ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ዝተሰደቱ ዜጋታት ኢትዮጵያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ይርከብዎም

ኣብ ትግራይ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ትካል ሰባዊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት (UNOCHA) ኣብ ዘውጽኦ እዋናዊ መብርሂ፡ ካብ 7 ሕዳር 2020 ጀሚሩ፡ ቁጽሪ ናይቶም በቲ ኲናት ተፈናቒሎም ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ስደተኛታት ልዕሊ 55,000 ከምዝበጽሐ ጠቒሱ።

ብሰንኪ'ቲ እቲ ብ4 ሕዳር ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን ዝተወለዐ ኲናት ከጋጥም ዝኽእል ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘስገኦ ብምግላጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዓጸወ መራኸቢታት ክኸፍትን ሰብኣዊ ሓገዝ ተበጻሒ ክኸውንን ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።

ካብ 20 ታሕሳስ ጀሚሩ ካብ መንግስትን ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ዝተወጻጽኡ ክልተ ጉጅለታት ዘካየድዎ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ከምዝተዛዘሙ ዝሓበረ እቲ መብርሂ፡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ሰብኣዊ ኩነታትን ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት መነባብሮን ከምዘለዉ ከምዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።

"እቲ ክልተ ዳህሳሳት ትሑት ኣገልግሎታትን ውሱን መነባብሮን ዘለዎ ኣዝዩ ከቢድ ሰብኣዊ ኩነታት" ከምዘሎ ኣረጋጊጹ ይብል እቲ እዋናዊ ጸብጻብ።

ክለቲኡ ጉጅለታት መጽናዕቲ "ውሱን ቀረባት መግቢ፡ ሰፊሕ ዝምታን ስእነትን ጸጥታን" ከም ዝተዓዘበ'ውን ኣስፊሩ።

እቲ ኲናት ዘስዓቦ ሰፊሕ ምፍንቓል'ውን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብናህሪ ክላባዕ ሓጊዝዎ ክከውን ከምዝኽእል እቲ ትካል ሰጊኡ'ሎ።

ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ብሕዳር ኣርባዕተ 2020 እዩ ኲናት ተጀሚሩ። ብሰንኪ'ቲ ጎንጺ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ቤት ንብረቶም ገዲፎም ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ክስደዱ ተገዲዶም እዮም።

ኣብ መቐለ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር 'ብሕጽረት ቀረባት ቁሱላት ክሕክም ተጸጊሙ'

ምንጪ ስእሊ, MU

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ እዋን'ዚ ካብቶም 40 ሆስፒታላት ትግራይ 4 ጥራይ ኣገልግሎት ይህቡ ኣለዉ።

ሰራሕተኛታ ረድኤት ቅድሚ ሕጂ ናብ ዘይተፈቐዱ ከባቢታት ከተማ ምብጻሕ ከምዝኸኣሉን ኣብ ወሰናስን መቐለ፣ ሸራሮ፣ ሽረን ካልኦት ከባታትን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ውግኣት ይካየዱ ከምዘለዉ እውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ'ሎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ካብቶም 40 ሆስፒታላት ትግራይ 4 ጥራይ ኣገልግሎት ይህቡ ምህላዎም ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ትሕተ-ቅርጺ እቲ ክልል ከቢድ ዕንወት ወሪድዎም ከምዘሎ ጠቒሱ።

ናብቲ ክልል ህጹጽ ረዲኤት ንምብጻሕ ናይ ቢሮክራሲ ምድንጓያት ብምህላዎ፡ ክቃላጠፍ ተማሕጺኑ'ሎ።

ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ'ከ እንታይ ኢሎም?

ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ሰባት ከምዝተፈናቐሉ ኣብ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ተዛሪቦም ነይሮም።

ውሃቢ ቃል ቤትጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣቶ ገብረመስቀል ካሳ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፍርቂ ካብቶም ተፈናቐልቲ ኣባይቶምን ንብረቶምን ዓይንዩ ካብ ምዕራብ ትግራይ ከምዝሃደሙ ብምጥቃስ፡ "ኣብ ኢዶም ምንም ዓይነት ንብረት የብሎምን" ኢሉ።

ፍርቆም ድማ ካብ ካልኦት ከባቢታት ተፈናቐሎም ብእግሮም ናብ ከተማታት ኣኽሱም፡ ዓዲ-ግራት መቐለን ሽረን ዝኣተዉ'ዮም።

"እዞም ወገናት እዚኦም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝርከቡ ስለዝኾኑ፡ ነዚኦም'ውን ብፈደራል መንግስት ትኹረት ተዋሂብሉ ሓገዝ ንኽበጽጾም ክግበር" ምዃኑ ኣቶ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ'ቲ ጎንጺ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ቤት ንብረቶም ገዲፎም ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ክስደዱ ተገዲዶም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP

"ክሳብ ሕዚ ብዝተኻየደ መረዳእታ ለመልክቶ፡ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ፡ [ህጹጽ ረዲኤት] ዘድልዮ'ዩ" ዝበለ ኣቶ ገብረመስቀል፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ጥራይ ዝተወሰነ ብምንባሩ፡ እቲ ቁጽሪ ክዓቢ ከምዝኽእል'ውን ኣሚቱ።

"ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ምሉእ ትግራይ ዘለዉ ሰባት ሓገዝ የድልዮም'ዩ ዝብል እምነት'ዩ ዘለና" ኢሉ።

ናይ ፈደራል መንግስቲ ምስ ግዝያዊ ምምሕር ናይቲ ክልል ብምትሕብባር ብቕልጡፍ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ንምፍታሕ ክንቀሳቐሱ ምዃኖም'ውን ቃል ኣትዩ።

ዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት፡ ብዘይ ዝኾነ ገደብ ናብቲ ክልል ንምእታዉ ምስ ሰብመዚ ክዘራረቡ'ኳ እንተጸንሑ ከምዘይሰለጦም ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ዝርከቡ ኣስታት 100,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምህላዎም ይፍለጥ።

ኣብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት ርክባት ወጻኢ ጁልያ ራፋኤል ብ7 ጥሪ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ክኣተው ስለዘይክሉ ብዛዕባ ሃለዋት እቶም ስደተኛታት ተሻቒሎም ከምዘለው ገሊጻ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ውሱን ናይ መግቢ ቀረባት "ብመሻርኽቲ ኣካላት" ከምዝተላእከ 'ዩኤንኦቻ' ሓቢሩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, IOM

"ናብቶም ክልተ ካብቶም 4 መዓስከራት (ሕጻጽን ሽመልባን) ክሳብ ሕጂ ምእታው ኣይተፈቕደን" ክብል እቲ ናይ ትማሊ ጸብጻብ ጠቒሱ'ሎ።

ብሰንኪ እቲ ኵናት: እቶም ስደተኛታት እግሮም ናብ ዝመርሖም ክኸዱ ከምዝጸንሑ እቶም ኣብ መዓስከር ዝተረፉ ስደተኛታት ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

ምስቶም ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛት፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝርከብዎም ጁልያ ራፋኤል'ገሊጻ።

ኣመዓባብላ እቲ ዝተወለዐ ግጭት

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነብረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።