ቅልውላው ትግራይ፡ ደበና ኲናት ዘንጸላለዎ ክረምትን ኩነታት ሓረስቶት ክልል ትግራይን

ሓረስቶት ትግራይ ኣብዚ ክራማት ከይሓርሱ ሰራዊት ኤርትራ፣ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ኣምሓራን፣ ሰራዊት ኢትዮጵያን ከምዝተኸልከሉ ይገልፁ

ምንጪ ስእሊ, TIGHAT

መግለጺ ስእሊ, ሓረስቶት ትግራይ ኣብዚ ክራማት ከይሓርሱ ሰራዊት ኤርትራ፣ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ኣምሓራን፣ ሰራዊት ኢትዮጵያን ከምዝተኸልከሉ ይገልፁ

ወዲ 60 ዓመት ኣይተ ገብረማርያም፡ ነባሪ ጣብያ ዓፀላ ኮይኖም፡ ኣቦ ሽድሸተ ስድራ እዮም። ቅድሚ ሕዚ ኣብነታዊ ሓረስታይ ተባሂሎም ይሕረዩን ይሽለሙን ነይሮም። ኣብዚ እዋን ግና ጥሪቶም ኩሉ ስለዝተዘመተ ኣይኮነን ንማሕረስ፡ ዝበልዕዎ ጥር ዝብል ምግቢ ከምዘይብሎም፡ ሕርቕርቕ እናበሉ፡ ካብ ሓደ ዓውዲ ካብ 30 ክሳብ 100 ኩንታል ይረኽቡ ከምዝነበሩ የውግዑ።

ዓፀላ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ ራያ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ትርከብ ኣብ ወረዳ ኣላጀ ዝተደኮነት ጣብያ'ያ። መነባብሮ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ሕርሻ ዝተሞርኮሰ ምዃኑ ይፍለጥ።

"እህህህም. . . መስኖ፣ ሞተርለ ነብሩኒ። ካብ ሞዴል ሞዴል ስለድነበርኹ፡ ሕዚ ደለኽዎ ኣነፃፂረ ንምውጋዕ ኣፀጋሚ እዩ። . . . ሕዚ ኣሽንባይ ንኻልእ [ንዘርኢ] ንዛ ንኣፍና ትብላዕ እኳ የብልናይ። ሕዚ ድግበር ነገር ስለዘየለ፡ ምናልባት መንግስቲ እንድሕር መፅዩ፡ መንግስቲ ዘርኢ መዳበርያ ተምፀአለይ፡ ካሽዑ ሓሪሰ ይቀላቐል ኣለኹ እየ" ይብሉ።

ከምቲ ንቡር፡ ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዓውዲ ምስ ኣከበ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ እዩ ግራቱ ምልስላስን ምሕራስን ዝጅምር።

ሎሚ ግን፡ ብሰንኪ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናትን ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሓይልታት ኤርትራን ፍሉይ ሓይሊን ምልሻታት ኣምሓራን ነቲ ግራውቲ ድፋዕ ስለዝገበሩዎ፡ ሓረስታይ እቲ ከባቢ ክሓርስ ከምዘይፈቕድሉ ይገልፁ፡ ኣይተ ገብረማርያም።

"ካብቲ ከባቢ ፈንተት ዝበለ፡ ናሓደ ኪሎ ሜትር ድረሓቐ ተኾይኑ ድማ፡ ሓረስታይ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓት (ረፋድ) ማሕረስ ይጅምር'ሞ ድሕሪ ሽድሽተ ሰዓት ይንቀሳቐስ" ብምባል፡ ሓረስታይ ኣብ ራዕድን ፍርሕን ከምዝርከብ ይሕብሩ።

ማሕረስ ምኽልካል ጥራይ ዘይኮነ፡ ጥሪትን ንብረትን ከምዝዘምቱ እውን ኣይተ ገብረማርያም ይዛረቡ። እንተኾነ ግን ቢቢሲ ነቲ ኩነታት ባዕሉ ይኹን ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን።

እቶም ሓይልታት፡ ኣብቲ ከባቢ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን እናተጸናጸኑ ኣብዚ ቅነ ክሓርሱ ዝፍትኑ ዘለዉ ሓረስቶት እቲ ወረዳ፡ ከም ልሙድ ዝዘርእዎ ምሩፅ ዘርኢ ኮነ መዳባርያ እንተዘየለ'ኳ፡ 'ለውጢ ይመጽእ ይኾን' ብዝብል ተስፋ ማሕረስ ይፍትኑ ከምዘለዉ ይዛረቡ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ሓረስታይ ንዕዳጋ ከይዱ፡ ተረጋጊኡ ስርሑ ከሳልጥ'ውን ስግኣት ከምዘለዎ ይገልፁ።

"ሰበይቲ ከይዳ ከይትሽምት ምስቲ ኩነታት ኣይጥዕምን። ሰብኣይ'ውን ዕዳጋ ኣይወፍርይ።… እቲ ህዝቢ 'እግዚኣብሄር ድገብሮ ኣይፍለጥይ እሞ ንሓርስ'ዩ ዝብል። እቲ ገዛና ቀትሪ ይኹን ለይቲ ማዕረ እዩ፡ ኩሉ ለውጢ የብሉን ለይቲ እያ እኒሃ" ይብሉ።

ሰበ ስልጣን ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ግን ነቲ ክሲ "ባህሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምኡ ኣይኾነን" ብምባል ይነጽጉዎ። ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ እውን 'ጸለመ እዩ' ይብሉ።

ብመንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምኽትል ኣፈጻሚ ስራሕ ዝኾነ ኣቶ ኣበበ ገብረሂወት ብወገኑ፡ "ሓረስታይ ትግራይ ከይሓርስ ብሰራዊት ኤርትራ ፀቕጢ" ከምዝግበርን፡ ብፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ከኣ ናብ ትግራይ ዘርእን ማዳባርያን ከይኣቱ ኣብ መገዲ ክልከላታት ከምዝግበር ንቢቢሲ ገሊፁ።

ሓይልታት ህወሓት'ውን ኮነ ኢሎም ኣብዝን ኣብትን ተኹሲ ብምኽፋትን እቲ ጎንፂ ክቕፅል ብምግባርን፡ ህዝቢ ሃዲኡ ከይነብር ኣበርክቶ ይገብሩ ከምዘለዉ ከሲሱ።

'ሕዚ መፀ እናተብሃለ ኢና ንሓርስ'

ኣብ እዋን ሰላም ካብ ሄክታር ክሳብ 30 ኩንታል እኽሊ ዝሓፍሱ ዝነበሩ፡ ኣቦ ኣርባዕተ ስድራ፡ ነባሪ ወረዳ ቦራን ሓረስታይ መረሳ ብወገኖም፡ ብዕስለ ኣምበጣ ዝተሸገረ ሓረስታይ ዓውዲ ከይኣተወ ኲናት ስለዝጀመረ ብዙሕ ከምዝተጓሳቖለ ይገልፁ።

"ኣብዚ ሰሙን ዝናብ ምስ ጀመረ ገሊኡ ብዕራይ ዘለዎ ምሕራስ ጀሚሩ ደኣምበር፡ ቅድሚኡ ድተሓረሰ የለይ። ሓረስታይ ኣብ ድተጎሳቐለ ናብራ እዩ እኒሆ። ገሊኡ ማሽላ ዝዘርእ ምሕራስ ዝጀመረ እነሆ፤ ብዕራይ ዘይብሉ ግና ሱቕ'ዩ ኢሉ … እቲ ዝተበደለ እማ ታይ ክገብር ኮይኑ፡ ሓደጋ'ዩ" ይብሉ ሓረስታይ መረሳ ከባቢኦም ምስ ክልል ኣምሓራ ስለዝዳወብ ብነፃነት ክሓርሱ ከምዘይከኣሉ ብምግላጽ።

"ሕዚ ናደንገፅና፡ ሕዚ መፀ እናተብሃለ ኢና ንሓርስ። ሕዚ ብዘይ ማዳበርያ ምሩፅ ዘርእን ኢና ንሓርስ ዘለና። …እቲ መሬት'ውን ኣይተለሳለሰን፡ ሱቕ ኢልኻ ኣብ ኣፉ እዩ። ሎሚ ቅነ ምሕራስ ዝጀመርና፡ ካባና ወፅዮም ናብ ኣላጀ ስለዝደየቡ እዩ'ምበር ንሶም ናሃለዉ ሓረስታይ ኣይሓርስይ።"

ገለ ሓረስቶት ኣብዑሮም ዝተወስዱዎምን ድርቆኦም'ውን (ሓሰሮም) ተቓጸሎምን ሓረስቶት ከምዘለዉ ዝሓበሩ ኣይተ መረሳ፡ "ኣብዚ ከባቢና (ወረዳ ቦራ) ሓደ ሰብ፡ ብ [ወተሃደራት] ኤርትራ ፅምዲ ብዕራይ ዝተወረሶ እኒሆ" ብምባል፡ እቲ ዝፈልጥዎ ፍፃመ ንቢቢሲ ሓቢሮም። እንተኾነ ግን ቢቢሲ ነቲ ሓበሬታ ብናጻ ወገን ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ብፍላይ ኣብ ወረዳ ቦራ ወተሃደራት ጥሪት ሓሪዶም ከምዝበልዑን ኣኻይሽ ቀዲዶም ጣፍ ናብ ሓመድ ምንስናሶም ከምዝፈልጡ ተዛሪቦም።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ናይ ምልሻ ብረት 'ኣበይ እኒኦ' እናበለ፡ ንገባር ከምዛሳቕይዎ ብምግላፅ፡ "ኣብ ከባቢና ብዙሓት ሓረስቶት ቀቲሎም" ኢሎም።

ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ጣብያ እስረት ቼሊ ጣሺን ህንፃን "ዝብላዕ ስኢኑ ረድኤት ዝፅበ ህዝብን ብቁምብላታትን ክርቢት ዝተቓፀለ" እኽልን

ምንጪ ስእሊ, GEREB TSANA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ጣብያ እስረት ቼሊ ጣሺን ህንፃን "ዝብላዕ ስኢኑ ረድኤት ዝፅበ ህዝብን ብቁምብላታትን ክርቢት ዝተቓፀለ" እኽልን

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነትከ እንታይ ይብል?

ኮሎኔል ጌትነት፡ ሰራዊት እታ ሃገር ግቡኡ ዝፈልጥ እዩ፤ ብምባል እቲ ብሓረስቶት ዝቐረበ ቅረታ ማይ ዘይቛፅርን ክብል ነፂግዎ።

"…. ሓረስታይ ትግራይ ኣብቲ ከቢድ ዶባዊ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን እኳ ብከቢድ መሳርሒ ኩናት ብየማንን ፀጋምን ልውውጥ ተኹሲ ኣብ ዝነበረሉ ሜዳታት ይሓርስ ዝነበረ ጥንኩር ሓረስታይ'ዩ። የግዳስ መንእሰይ ብሕርሻ ኮነ ብልምዓት ከይሰርሑ፡ ናብ ኩናት ንምድጓን ዝፅዕር ዘሎ ህወሓት እዩ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሕጊ ኮነ ብሞራል እዚ ክገብር ኣይኽእልን" ብምባል ንህወሓት ከሲሱ።

ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ሓረስታይ ትግራይ ፈፂሞም ብዛዕባ ዝተብሃለ ክልከላ፣ ዝምታን ግፍዕን ብዝምልከት ድማ፡ እቲ ክሲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቐብ ንምንባርን ፀቕጢ ንምፍጣርን ናይ ዝግበር ወፍሪ ፕሮፖጋንዳ ኣካል ምዃኑን፡ [እቲ ሰራዊት] ሕጋዊ ወይ ኣግባብ ምስ ዘለዎ ምምሕዳርን ኣካላት ፀጥታ ሓቢሩ ከምዝሰርሕን ንቢቢሲ ገሊፁ።

ነቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ፈፂምዎ ዝተብሃለ ቅትለት ብዝምልከት ከኣ፡ "ክሕሰብ'ውን ኣይኽእልን። ብጣዕሚ ብዙሓት ክስታት'ዮም ዝቐርቡ። ….እቲ ሰራዊት ብናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስነ-ልቦናን ሞራልን ዝወፅአ እዩ፤ ኣዲኡን ኣቡኡን፡ ኣሓቱን ኣሕዋቱን ብፍፁም ክቐትል ኣይኽእልን" ክብል ይምልሽ።

"ኣብ ግራት ፈንጂ ተኺሎም"

ኣብ ገጠራት ገለበዳ፣ ተምቤን ዙርያ ምላሽ፣ ወርዒ፣ ዓዴት ከተማታት፣ ዕዳጋ ዓርቢ ዙርያ ምላሽ፣ ፈረስ ማይ፣ እንትጮ፣ ነበለት፣ እምባስነይቲ፣ ሓውዜንን'ውን ሓረስቶት ግራውቶም ከይሓርሱን ከየለሳልሱን ከምዝተኽልከሉ ምንጭታት ቢቢሲ ይገልፁ።

ሰራዊት ኤርትራ፡ ሓረስቶት ግራውቶም ንከይሓርሱን ነቲ ግራውቲ ፌንጂ ከምዝተኸሉሉ'ውን ይኽሰሱ።

ይኹን እምበር እቲ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ኤርትራ ግቡእ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰመረን። ኣብ ትግራይ ኵናት ካብ ዝጅመርን ሰራዊት ኤርትራ ፈጺሙዎ ብዛዕባ ዝበሃል ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ዝምታን ብዝምልከት፡ ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል "ጸለመ" እዩ ክብል እዩ ምላሽ ዝህበሉ።

ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት እንታይ ይብል?

ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣበበ ገብረሂወት፡ እቲ ኣብ ሓረስቶት ትግራይ ይፍፀም ኣሎ ዝተብሃለ በደል ንምፍታሕ ምስ ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገርን ይላዘቡ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ብፍላይ ብክልል ኣምሓራ ኣቢሉ ዝመፅእ ማዳባርያን ዘርእን፡ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ብፍሉይ ሓይልን ምልሻን ስለዝዕገት ብመገዲ ክልል ዓፋር ክጥቀሙ ከምዝተገደዱ ይሕብር።

ብወገን ኣምሓራ፡ መዳባርያ ወይ ዘርኢ ሒዘን ዝመፅኣ መካይን ንክልተ ሰለስተ መዓልቲ ጠጠው ስለዝብላ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ 1300 ኪሎ ሜትር ብዝርሕቀቱ መገዲ ናብ ትግራይ ከምዘእትው ይዛረብ።

ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ክልል ንክወጽእ ጻዕርታት ይግበር ምንባሩ'ውን ኣእተ ኣበበ ሓቢሩ።

"ናይ ሻዕብያ ሰራዊት ናብ ዶቦም ከንሳሕቡ ኩነታት ኣብ ምምችቻው ስለንርከብ ሓረስታይ'ውን ኣብ ማሕረሱ ትኹረት ገይሩ ንክሓርስ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ'ዩ፡ ዝተወሰነ ለውጢ እውን ኣሎ እዩ" ዝብል ምላሽ ሂብሉ።

እቲ ኮነ ተባሂሉ ዝግበር ዘርኢ ናይ ምብታንን መሳርሒ ሕርሻ ናይ ምስባርን ኩነታት ጠጠው ንምባል፡ ሰራዊት ምክልኻል ሓላፍነት ወሲዱ ይንቀሳቐስ ኣሎ ይብል፡ እቲ ብዓል ስልጣን።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ትግራይ ኣብዝን ኣብትን ደባይ ውግእ ይካየድ ብምህላዉ ሰባት ተረጋጊኦም ከይነብሩ ፅልዋ ከምዝፈጠረን፡ ሓይልታት ህወሓት'ውን ተኹሲ ስለዝፈጥሩን፡ ሰብ ካብቲ ዝነበሮ ከባቢ ተደናጊፁ ከምዝሃድም ይገልፅ።

"ከይሕረስን ሰላምን ፀጥታን ከይህሉን ብምግባር፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ንዘሎ ፀገም ጎንፂ ናይ ህወሓት'ውን ግደ ኣለዎ። ኮነ ተባሂሉ፡ ትግራይ ሰላም ከይትረክብ፡ እቲ ኩናት ከምዝቕፅል ገይሮም የንቀሳቕስዎ ኣለዉ። ጎንፂ እንተልዩ ድማ ሓረስታይ ከመይ ጌሩ ይሓርስ" ይብል፡ ኣይተ ኣበበ።

ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣበበ ገብረሂወት

ምንጪ ስእሊ, FBC

ሕቶ ምሩፅ ዘርእን ማዳበርያን

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ናብ ልዕሊ 12 ወረዳታት ምሩፅ ዘርኢ ከምዘባፅሐ ዝገልፅ እቲ ሓላፊ፡ ማዳበርያ ድማ ናብ ሽረን ማእኸላይን ከባቢ፡ ናይ ምብፃሕ ስራሕቲ ከምዝሰርሑ ይሕብር።

ምሩፅ ዘርኢ ናብ ሓረስታይ ንምብፃሕ፡ ከም ጂኣይዜድ፣ ዩኤስኤይድ ማረትን ዝኣመሰላ ትካላት ሓላፍነት ወሲደን ይሰርሓ ከምለዘዋን፡ ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ብዙሓት ሰባት ንክሕግዙ ይንቀሳቐሱ ከምለዉ ይዛረብ።

"ጂኣይዜድ ሕዚ ብዘርኢ እንድሕር ዘይበፅሕ ኮይኑ ብገንዘብ ከከፋፍል ኢሉ ይንቀሳቐስ ኣሎ" ዝበለ ኣይተ ኣበበ፡ ማዳባርያ'ውን ብሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣቢልካ ናይ ምክፍፋል ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

ሓረስቶት ገንዘብ ከፊሎም ስለዘይኽእልዎ፡ ዛጊድ ብልቓሕ ናብ ልዕሊ 12 ወረዳታት ኣከፋፊሎም ከምዘለዉ ወሲኹ ሓቢሩ። እንተኾነ ኣየኖት ወረዳታት ከምዝኾነ ኣየነፀረን።

ኣይሲኣርኤስ 11134፣ ማረት 30 ሽሕ ኩንታል፣ ኤጂፒ ዝበሃል ድማ 12 ሽሕ፣ ሴቭ ዘ ፉቸር ዝበሃል ድማ 4 ሽሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ከከፋፍሉ ጀሚሮም ከምዘለዉ ኣብሪሁ።

ዩኤስኤይድ ትራክተር ንክግዛእ 54 ሚልየን ብር ሓገዝ ከምዝገበረን፡ ኬር ንማረት ዘረከቦ 20 ትራክተር ሓዊሱ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ተወሳኺ 20 ትራክተር ንምግዛእ ኣብ መስርሕ ከምዝርከቡ ይገልፅ።

ኣብ ትግራይ ዘይሕረስ መሬት ከይህሉ፡ ከምቲ ኣብ ግዘ ወራር ኣምበጣ ዝነበረ መናእሰይ ሓቢሮም ክሰርሑ ወፍሪ ከምዝጀመሩን ወረዳታት ብትራክተር ንክሓርሳ ምስ ማረት ይስራሕ ከምዘሎ ይሕብር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኩናት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ከምዘብቀዐ እኳ እንተገለፀ፡ እቲ ኲናት ብምቕጻሉ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ብቐደሙ'ውን ውሕስነት ምግቢ ዘይፀንሓ ትግራይ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡላ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ጥምየትን ምፍንቓልን

ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ኣብ ትግራይ ሓያል ጥሜት ከየጋጥም ስግኣተን ክገልጻ ጸኒሐን'የን።

ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ኣብ ኩነታት ዓፀቦ ይነብሩ ከምዘለዉ፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝምወልን ውሕስነት ምግቢ ዝቆፃፀርን ጉጅለ ዘዳለዎ ፀብፃብ ሓቢሩ'ሎ።

ትካል ምግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፣ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዩኒሴፍን፡ ነዚ ቅልውላው ህፁፅ ፍታሕ ክግበር ፀዊዖም ኣለዉ።

ዝተፈላለያ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ድማ፡ ኣብ ትግራይ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ደው ክብልን፡ ኩሎም ተቐናቐንቲ ሓይልታት፡ ረድኤት ብዘይገደብ ክሓልፍ ከፍቕዱን ብተደጋጋሚ ይምሕፀኑ ኣለዉ።

እቲ ሸውዓተ ወርሒ ዝገበረ ኵናት ሂወት ኣሽሓት ሰባት በሊዑ፣ ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ዜጋታት ድማ ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ንሱዳን ክስደዱ ኣገዲዱ።

ኣብዚ እዋን ኣስታት 5.2 ሚልዮን ሰባት፡ ማለት 90 ሚኢታዊት ናይ ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮ ውድብ ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክራማት ክሓርስን ክዘርእን እንተዘይኪኢሉ ኣብ ትግራይ ከቢድ ፀገም ከጋጥም ከምዝኽእል ሰብ መዚ ሕርሻን ዝምልከቶም ኣካላትን ከጠንቅቑ ምፅንሖም ይፍለር።