ቅልውላዉ ትግራይ፡ መንግስቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ከምዘይተቐመ ገሊጹ

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ

ምንጪ ስእሊ, MOFA/ETH

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ ዘውጸኦም ተኸታተልቲ መግለጺታት፡ ጋዜጣ ዓዲ እንግሊዝ ዝኾነ ቴሌግራፍ፡ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ቀመማዊ (ከሚካላዊ) ኣጽዋር ውግእ ተጠቒሞም ዝብል ክሲ ይነጽግ ኣሎ።

እቲ ጋዜጣ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ እቲ ሰራዊት ዓብዪ ሓደጋ ከብጽሕ ዝኽእልን ኣብ ጥቕሚ ከይውዕል ዝተኸልከለን ከሚካላዊ ኣጽዋር ውግእ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ኣብ ረብሓ ውዒሉ ዝብል ይርከቦ።

እቲ ጸብጻብ ወሲኹ’ውን፡ ብጻዕዳ ፎስፎረስ ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ዘዛረባ ኾይኑ፡ እዚ ድማ ልዑል ‘ገበናት ኲናት’ ከስዕብ ዝኽእል ፍጻመ ምዃኑ የረድእ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግን እቲ ጸብጻብ ቅድሚ ምውጽኡ እውን፡ ሓድነት እታ ሃገር ንምክፍፋል ዝዓለመ ‘ሓደገኛን ሓላፍነት ዝጎደሎን ጸብጻብ ይስራሕ ኣሎ’ ክብል ወቒሱ ነይሩ።

እቲ መግለጺ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ብምንጻግ ሰላማውያን ሰባት ብከሚካል ተቓጺሎም ዝብል ጸብጻብ ሓሶት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

እቲ ጸብጻብ እንታይ እዩ ዝብል?

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ ብኣንጻሩ ‘‘ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ናይ ቀመማዊ ኣጽዋር ድንጋገታት ስለእተኽብር፡ ዝተኸልከሉ መሳርሒታት ኲናት ኣይተጠቐመትን፤ ኣይትጥቀምን እውን’’ ዝብል መልሲ ሂቡ፡፡

ናይ ቴሌግራፍ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ንጹሃት ዜጋታት ብጻዕዳ ፎስፎረስ ናይ ምቅጻል ሓደጋ በጺሕዎም እዩ፡፡

እቲ ጸብጻብ መሰኻኽር ዓይንን ግዳያትን ብምጥቃስ ‘‘ወታሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንጹሃት ኣብ ዝነብሩሎም ከባቢታት፡ ሓያል ባርዕ ዝፈጥሩ ኣጽዋራት ከምዝተጠቐሙ የመላኽት’’ ዝብል ሓበሬታ ኣቃሊሑ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ንናይ ቴሌግራፍ ክሲ ውዱቕ ብምግባር ‘‘ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ዝበጸሓ ሃገር ስለዝኾነት፡ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ኣብ ዝኾነ ኣካል፣ ኣብ ዝኾነ ሃገር ኣብ ጥቕሚ ምውዓሉ ትቃወም’’ ይብል፡፡

ዘ ቴሌግራፍ ኣብቲ ኣብ ድህረ ገጹ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ መሰኻኽር ገይሩ ካብ ዝጠቐሶም ሰባት ሓንቲ ቕሳነት ዝተባህለት ጓል 13 ዓመት ህጻን እያ፡፡

ንቕሳነት ብስልኪ ከምዘዘራረብዋን፡ እቲ ምቅጻል ምስአጋጠማ ናብ ሆስፒታል ከይዳ ዝተስኣለቶ ፎቶ፡ ናይ ኢዳ፣ እግራን ገጻን ምቅጻል ከምዘርእይን ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግልጺ ‘‘ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ግጉያትን ሓላፍነት ዝጎደሎምን ጸብጻባት፡ ወጥሪ ካብ ምግዳድ ዝሓለፈ ተራ ከምዘይብሎም ንማሕበረሰብ ዓለም ኣፍሊጥና ኢና’’ ዝብል መልሲ ሂቡ፡፡

እቲ ጸብጻብ ኣካል እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እዩ ድማ ኢሉ፡፡

ጸብጻብ ቴሌግራፍ ብወገኑ፡ ስምምዕ ጀኔቫ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ቀመማዊ ኣጽዋር ኲናት ምጥቃም ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ከምዝኾነ ይገልጽ፡፡

ብተወሳኺ ብኬሚካላዊ ኣጽዋር ናይ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት በዓል ሞያ ንዝኾነ ውልቀ ሰብ ከምዘዘራረበን፡ እቶም ኣብ ስእሊ ዝረኣዮም ምስሊታት ኣብ ሰሜን ምብራቕን ሰሜን ምዕራብን ሶርያ ብጻዕዳ ፎስፎረስ ምስዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ከምዝመሳሰሉ ከምዘረጋገጸን ቴሌግራፍ ጠቒሱ፡፡

ኣሜሪካ ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝተፈጸመ ይኸሳ፡፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህቡ ዓለም ለኻዊ ትካላት እውን ናብ ኩሉ ከባቢታት እቲ ክልል ሓገዝ ክገብሩ ከምዘይከኣሉ ገሊጾም እዮም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ነዞም ክሲታት ኣይቕበሎምን፤ ኣሜሪካ ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢደን የእትዋ ከምዘለዋ እውን ይገልጽ፡፡

መንግስቲ፡ ብዝተፈላለየ መልክዑ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝግበር ፈተነ ከምዘይቕበል ምፍላጡ ይዝከር፡፡

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ኣባላት ሰራዊትን ድሕነትን፣ ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ኣምሓራን ኣባላት ህወሓትን ናይ ጉዕዞ እገዳ ከምዘንበረ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡