ቅልውላዉ ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ‘ተደራደሩ’ ዝብል ሕቶ ከምዘይቅበል ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, MOFA/ETH
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘቕርባሉ ዘለዋ 'ምስ ህወሓት ተደራደሩ' ዝብል ሓሳብ ከምዘይቅበል ኣፍሊጡ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቲ ብቐጻሊ ምስ መሓዙት ሃገራት ምስራሕ ከም ዝቕጽል እኳ እንተገለጸ፡ ኢድ ንምጥዋይ ዝጽዕሩ መንግስታት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡን ሉእላውነት ሃገር ከኽብሩን ኣለዎም ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኢዶም የእትው ኣለው ዝበሎም መንግስታት ሃገራት ወጻኢ ብምኹናን: መሓዙት ሃገራት ኢትዮጵያ ዘላትሉ ጭቡጥን ኣጸጋምን ኩነታት ኣብ ክንዲ ምርዳእ እቲ ጸገም ከጋድዱዎ'ዮም ተራእዮም ክብል ከሲሱ።
እዘን ብሽም ዘይጠቐሰን ሃገራት ብናይ ሓሶት ሚዲያታት ተመሪሖም ናብ ግጉይ ኣንፈትን መደምደምታን ከም ዝኸዱ ይጠቅስ።
ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ኣብ ሓሙሽተ ጉዳያት መልእኽቱ ከሕልፍ ከም ዘድሊ ብምግላጽ፡ ብቐንዱ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝፍጸሙ ዘለው ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል፣ ምስ ህወሓት ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲን ምዝርራብን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ ኣሎ።
ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ
መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዘለዎ ድልውነት ብምዝኽኻር ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ንማሕበረሰብ ዓለም ሙሉእ ምትሕብባር ብምግባር ኣብ ትግራይ ኣትዮም ክሰርሑ ኣፍቂዱ'ዩ ይብል።
ይኹን'ምበር ሕጂ'ውን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘብጽሑ ዓለማዊ ትካላት ናብቲ ክልል ክንበጽሕ ኣይክኣልናን ምባሎም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ዩ ኢሉ።
ስግኣት ድሕነት ብምህላዉ ገለ ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ምቹኣት ከም ዘይኮኑን መንግስቲ ነዚ ከም ዝግንዘብ ዝሕብር እቲ መግለጺ፡ እንተኾነ ዓለም ለኻዊ ወሃብቲ ሓገዝ ተመሳሳሊ ቅሬታ ምቕራቦም ከም ዘሕዘኖ ይጠቅስ።
ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት
ኣብ ዙርያ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝቐርቡ ቅርታታት ንምጽራይ ዓቃቢ ሕግን ፖሊስ ፌደራልን ዝመርሑዎ ጉጅለ መርመራ ከም ዝተጣየሰ፣ መርመራ ንምግባር ናብ ትግራይ ከም ዝተጉዓዘን ዝገልጽ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ውጽኢት እቲ መርመራ ወግዓዊ ኮይኑ'ዩ ኢሉ።
በዚ መሰረት ገበነኛታት ተሓተትቲ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ምስ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር መርመራ ከካይድ ተሰማሚዑ ምዃኑ ኣልዒሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕድመ ዝገበረሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዓርሱ ዝኸኣለ መርመራ ይገብር ከም ዘሎ'ውን ሓቢሩ።
እንተኾነ ኢትዮጵያ ተገዳስነት ከም ዘይብላ ሃገር ምኽሳስን ፖለቲካዊ ጸቕጢ ንምሕዳርን ብምሕሳብ ዝግበር ድፍኢት ኣሎ ክብል ነተን ብሽም ዘይጠቐሰን ሃገራት ከሲሱ።
ኲናት ደው ይበል
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ: ብፍላይ ጎንጺ ደው ክብል ኣብ ስምምዕ ንክብጻሕን ሃገራዊ ዘተ ክካየድን ብዝብል ካብ ሃገራት ወጻኢ ንዝቐርቡ ዘለው ሓሳባት ኮኒኑዎም ኣሎ።
ሃገራዊ ምርድዳእ ንክፍጠር ምስ ስቪል ማሕበራት፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሙሁራትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ቐጻሊ ዘተ የካይድ ምህላው ብምግላጽ፡ ይኹን'ምበር መንግስታት ወጻኢ ምስ ህወሓት ዝርርብ ክጅመር ጸቕጢ ምግባሮም ተቐባልነት የብሉን ኢሉ።
ህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ክወጽእን ዝርርብ ክጅመርን ዝሓቱ መንግስታት ሕቶኦም ፈጺሙ ከም ዘይቕበል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣፍሊጡ።
"ህወሓት ዘይሕጋዊ ጉጅለ እዩ። ሉእላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእተወን ሕገ መንግስትን ዝጥሓሰን ጉጅለ እዩ። በዚ ምኽንያት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መዝገብ ሽበራ ክኣቱ ገይሩ'ዩ። ነዚ'ዩ መንግስቲ መሓዙት ሃገራት ጎንጺ ደው ኢሉ ምስ ህወሓት ተደራደሩ ዝብል ጻውዒት ፈጺሙ ኣይቕበሎን" ይብል እቲ መግለጺ።
መንግስታት ወጻኢ ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዶም ምእታው ደው ከብሉ ኣለዎም ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ብፍላይ ሓይልታት ኣምሓራ ዝምልከት ዝለዓሉ ሓሳባት ከም ዘይቕበሎም ሓቢሩ።
"ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ሓይሊ ጸጥታን ሰራዊትን ኣብ ዝደለየቶ ግዝኣታ ክተውፍር ትኽእል'ያ። በዚ መገዲ'ዩ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ትግራይ ተዋፊሩ" ይብል።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







