ኣብ ትግራይ ዝነበራ ሽድሽተ ማእኸላት ሕክምና ኮሮናቫይረስ ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኲናት ዓንየን ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, MSF
ሽድሽተ ማእኸላት ሕክምና ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ትግራይ ኣብ እዋን ኲናት ከምዝዓነዋን ንብረተን ከምዝተወረረን ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ምክልኻል ኮቪድ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን ኣብቲ ክልል ምስ ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዘድልይ ስራሕ ይስራሕ ብዘይምህላዉ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣተሓባባሪ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ዶክተር ሓርነት ኣድሃና ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ይስዕብ።
ቢቢሲ፡ ኲናት ትግራይ ሽድሽተ ኣዋርሕ ሓሊፍዎ’ሎ፤ ኣብ ውሽጢ እቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ምስ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ እንታይ ስራሕቲ ክስርሑ ጸኒሖም? መጠን ለበዳ እቲ ቫይረስ ይውስኽ’ዶ ይንኪ ይህሉ?
ዶክተር ሓርነት፡ ብርግጽ ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ወሲኹ’ዶ ኣይወሰኸን ዝብል ምፍላጥ ኣይከኣለን፡ ምኽንያቱ ምስቲ ካብ 24 ጥቅምቲ [ኣ.ኢ] ጀሚሩ ምስ ዘጋጠመ ጸገም ጸጥታ ብዝተሓሓዝ እቲ ዝርግሓ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ዝስራሕ ዝነበረ ስራሕቲ’ውን ተቛሪጹ’ዩ። ካብ ለካቲት ዝኾነ ዓይነት ክትትልን ምንቅስቓስን ኣይነበረን።
ካብ 23 መጋቢት [ኣ.ኢ] ጀሚርና ኢና ኣብ ዞባ መቐለ ጥራይ ነቲ ስራሕ ጀሚርናዮ። ኣብ መቐለ ጥራሕ ክንሰርሕ ዝተገደድናሉ ምኽንያት ድማ ምስቲ ዝነበረ ናይ ጸጥታ ኩነታት ናብተን ካልኦት ማእኸላት ክንበጽሕ ብዘይምኽኣልናን ብምዕናወንን እዩ።
ስለዚ ካብቲ ስራሕ ዝጀመርናሉ 23 መጋቢት ክሳብ 5 ግንቦት ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ መቐለ ጥራሕ 1,560 ሰባት መርሚርና። ካብዚኦም ድማ 545 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም። ካብቶም ዝተረኸቦም እቶም 75 ግድድ ዝበለ ምልክታት ስለዘለዎም ናብ ጥዕና ትካል ክኣትዉ ዝተገበረ ኮይኑ፤ ሸሞንተ ሞይቶሞም።
ኣብዚ ሓደ ነገር ንምውሳኽ ዝኣክል ናብ ትካል ጥዕና ዘይመጽአ ማለት ዘይተመርመረ፤ ኮቪድ ኣለዎ’ዶ የብሉን ከይፈለጠ ኣብ ገዝኡ ዝመውት ከምዘሎ ዝበጽሓና ሓበሬታት ኣሎ። ካብ ናይ ቀረባ ቤተሰብ እውን ‘ብኮቪድ ከምዝሞተ ንጥርጥር ኢና’ ዝብሉ ኣለዉ። ስለዚ ብደረጃ መቐለ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኢና ዘለና።
ቢቢሲ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ዝነበረን ሕዚ’ውን ዝቕጽል ዘሎን ኩነታት ጸጥታ ሕብረተሰብ ነቲ ሕማም ኣብ ዝህቦ ዝነበረ ቆልሕታ ኮነ ሰብ ሞያ ምስ ምክልኻል እቲ ለበዳ ኣብ እትሰርሕዎ ዝነበርኩም ስራሕቲ ዘሕደሮ ጽልዋ ከመይ ትገልጾ?
ዶክተር ሓርነት፡ እወ ዘሕደሮ ጽልዋ ኣሎ። ቅድሚ እቲ ጸገም ጸጥታ ዝተፈጠረሉ እዋን ኣብ ትግራይ ዝግበር ዝነበረ ክትትል ካብ ምሉእ ኢትዮጵያ ዝጠንከረ እዩ ነይሩ። ኣዕርዩ ጽቡቕ ዝበሃል ስራሕቲ ዝስርሓሉ ዝነበረ እዋን’ዩ።
ሕብረተሰብ እውን ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ግንዛበ ሃልይዎ ኣብ ምክልኻልን ሕክምናን ንቑሕ ተሳትፎ ነይርዎ። ዝተጠርጠሩ ናብ መወሸቢ ማእኸላት ክኣትዉ ከምኡ’ውን መኻይን ኣብ ዝኣትዉሎም ኬላታት ትግራይ ክምርመሩ ይግበር ነይሩ።
ብድሕሪ 24 ጥቅምቲ [ኵናት ትግራይ ዝጀመረሉ] ግን ኮሮናቫይረስ ከምዘሎ ተረሲዑ እቲ ሕብረተሰብ ምሉእ ቀልቡ ናብቲ ኲናት ዝኾነሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ። ‘ሓወይ ኣሎ’ዶ፤ እገለ ተሪፉ’ዶ? እዚ ተፈጢሩ’ ዝብል ኣብ ርእሱ ጭንቀት ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ ከኣ ልዕሊ 170 ሽሕ ተመዛበልቲ ናብ መቐለ ኣትዮም ኣለዉ።
ስለዚ ብሓፈሻ እቲ ሎሚ ዘሎ ግንዛበ ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ክተነጻጽሮ ከለኻ ዝተሓተ እዩ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ ኣብዚ እዋን እቲ ሕብረተሰብ ቀንዲ ስግኣተይ ዝብሎ ንኮቪድ ዘይኮነስ ነቲ ኲናትን ጥምየትን ከምኡ ድማ ንኻልኦት ሕማማት ክረኽቦ ዘይከኣለ ኣገልግሎት ሕክምና እዩ።
ንሕና’ውን ቅድሚ ሕዚ ብደረጃ ትግራይ ኢና ክትትል ኮሮናቫይረስ ንገብር ኔርና። ኣብዚ እዋን ግን ኣብ መቐለ ጥራሕ ኢና ንሰርሕ ዘለና። ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ሓንቲ ዞባ ጥራሕ እዩ ተሓጺሩ ዘሎ። ኣብታ ሓንቲ ዞባ እውን ምሉእ ግልጋሎት ይህብ ኣሎ ወይ ምሉእ መሕከሚ ማእኸል ኣሎ ማለት ኣይኮን።
ኣብ መቐለ ልዕሊ 1600 ዓራት ዝነበሮ ማእኸል ሕክምና ኮቪድ - መለስ ኣካዳሚ - ኣብዚ እዋን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይኑ ይርከብ። ዓንዩ፣ ተወሪሩን ጥርሑ ተሪፉን እዩ። ሕዚ ኣብተን ዘለዋና ትካላት ጥዕና ኢና ንሕክም ዘለና። ተንቀሳቒስካ ንምስራሕ እውን ኣጸጋሚ ኩነታት እዩ ዘሎ።
ቢቢሲ፡ ካብዚ ብምብጋስ እቲ ናታትኩም ስግኣት ወይ ስክፍታ እንታይ እዩ? እቲ ለብዒ በዚ ኩነታት ናብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ከምርሕ ከምዝኽእል ትግምግሙ?
ዶክተር ሓርነት፡ ብዋናነት ናይ ዓቕሚ ሕጽረት ኣለና። ኣብዚ እዋን ከኣ ብምኽንያት ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኣዋጅ እቶ እቶ [ሰዓታት እቶ እቶ] ከምድላይካ ተንቀሳቒስካ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን። ቅድም ክብል ኣብ ትግራይ ሽድሽተ ማእኸላት ሕክምና ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ነይረናና፤ ሕዚ ግን ኣገልግሎት ይህባ የለዋን።
ምሉእ ብምሉእ ዓንየን እየን። ናብተን ማእኸላት ተላኢኹ ዝነበረ ናውቲ’ውን ተዘሚቱ፤ ሓይሊ ሰበን ድማ ተፈናቒሉ።
ስለዚ ብሓደ ገጽ ሕጽረት ሓይሊ ሰብን ንብረትን ኣሎ፤ ብኻል ገጽ ብዝሒ ተመዛበልቲ ኣሎ፤ ብሳልሳይ ደረጃ ድማ እቲ ቅድሚ ሕዚ ብደረጃ ትግራይ ኮነ ኢትዮጵያ ዝነበረ ደረጃ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ሎሚ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ’ሎ።
ሕዚ ኣብ መቐለ ካብ ዝመርመርናዮም 1,560 ሰባት ኣብቶም 545 ኮሮናቫይረስ ተረኺቡ ማለት እቲ ተቓላዕነት ዝለዓለ ምዃኑ እዩ ዘርእይ። ልዕሊ 40 ሚኢታዊት እዮም ተታሒዞም ዘለዉ። እዚ ሰፊሕ ዝርግሐ ከምዘሎ እዩ ዘመልክት። ስለዚ እቲ ሓደግኡ ግልጺ እዩ።
ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ክልተ ወይ ሰለስተ ሽሕ ተመዛበልቲ ኣለዉ። ኣብ ሓደ መምሃሪ ክፍሊ ካብ 40 ክሳብ 70 ሰባት ሰባት ድዮም ዝድቅሱ ዘለዉ። ካብቶም 545 ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም እቶም 31 ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዘዕቖቡ ተመዛበልቲ እዮም። ክንድዚ ዝኣክል ቁጽሪ ካብ ተፈናቐልቲ ተረኺቡ ማለት እቲ ዝርግሐ ዝኸፍአ ከምዝኾነ እዩ ዘርእይ። ስለዚ ኣብ ሓደጋ ኢና ዘለና።
እቲ ኮማንድ ፖስት [ሓይሊ ዕማም] ዝተነበረ ሰዓታት እቶ እቶ እውን ካልእ ፈተና እዩ፤ ምኽንያቱ ኮቪድ ሰዓታት ዝመርጽ ኣይኮነን። ኦክስጂን ወይ ካልእ ህጹጽ ሕክምና ዘድልዮ ሰብ ክህሉ ይኽእል’ዩ። ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ምስቲ ዘሎ ጊዚያዊ መንግስቲ ተቐራሪቡ ዝሰርሓሉ ኩነታት ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ሰብ ሞያ ጥዕና ብሰንኪ ስግኣት ካብ ዝሰርሑሎም ትካላት ጥዕና ከምዝተፈናቐሉ ወይ ናበይ ከምዝኸዱ ዘይፍለጠሉ ኩነታት ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ። በዚ ምኽንያት ሕጽረት ሰብ ሞያ ኣየጋጥመኩምን?
ዶክተር ሓርነት፡ ብርግጽ ኣብ መቐለ ዝነበሩ ሰብሞያ ጥዕና ኣይተመዛበሉን። ምኽንያቱ ኣብ መቐለ ዘሎ ጸጥታ ዝሓሸ እዩ። ካብ ዞባታት ምዕራብን ደቡብን ዝተመዛበሉ ሰብሞያ’ውን ኣብ መቐለ እዮም ዘለዉ ስለዚ ከም መቐለ ሕጽረት የብልናን። ብግዚያውነት ናብተን ኣብዚ ዘለዋ ትካላት ጥዕና ብምምዳብ ነቲ ዘሎ ጸቕጢ ንምቅላል ፈቲንና ኢና።
እቲ ቀንዲ ጸገም ግን ካብ ዞባ መቐለ ናብተን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ንኣብነት ናብ ውቕሮ፣ ዓዲግራት፣ ኣኽሱምን ሽረን ብፍላይ ከኣ ሽረ ብዙሓት ተመዛበልቲ ስለዘለዉዋ እቲ ንህቦ ግልጋሎት ናብኡ ንምስፋሕ ኣብ እንገብሮ ጻዕርታት ዘጋጥመና ዘሎ ጸገም እዩ።
ናብተን ከተማታት ዝለኣኽናዮ ናውቲ ሕክምና፣ መድሓኒትን ሰብ ሞያን መገዲ ክሓልፉ ኣይከኣሉን። መገዲ ተዓጽይዎም ደው ኢሎም እዮ ዘለዉ። ሰብ ሞያ ንምልኣኽ ኣብዚ ክልተ ሰለስተ ሰሙናት ትልሚ ኣውጺእና ክሳብ ሕዚ ግን መገዲ ተዓጽይዎም ኣሎ። ‘ክትሓልፉ ኣይትኽእሉን’ ተባሂሎም። በዚ ምኽንያት እቲ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ክበጽሕ ኣይከኣለን።
ቢቢሲ፡ መን’ዩ ምሕላፍ ከልኪሉ ዘሎ? ነዚ ምስዝገበረ ተረዳዲእኹም መገዲ ንምሕላፍ ዝገበርኩምዎ ጻዕሪ ኣሎ’ዶ?
ዶክተር ሓርነት፡ ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ዝስራሑ ስራሕቲ በቢእዋኑ ምምሕያሻት ዝግበረሎም እዮም። ውድብ ጥዕና ዓለም በቢእዋኑ መምርሕታቱ የመሓይሽ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ንሕና’ውን ኣብ ምሉእ ትግራይ ስልጠናታት ክንህብ፣ መድሓኒታትን ናውቲ ሕክምናን ክበጽሕ ክንገብር ግድን’ዩ። በዚ መሰረት ዝለኣኽናዮ እዩ ኣብ መገዲ ክሓልፍ ዘይከኣለ።
እቲ መገዲ ዝኸልከለ ኣካል ፍሉጥ’ዩ፤ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እዩ ኣይትሓልፉን ኢሉ ዘሎ። ኣብ ከባቢ ውቕሮ እዩ ተዓጽዩ። ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ቢሮ ጥዕና ምስ ሓይሊ ዕማም ብምዝርራብ ንኽፈትሕዎ ጻዕርታት ይግበር ኣሎ።
ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዝበሉ ጸገማት ከጋጥሙ ከለዉ ብምዝርራብ ይፍትሑ ነይሮም። ከምዚ ናይ ሕዚ ግን ጠቕሊሉ ዝተዓጸወሉ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ኣይፈልጥን። በዚ ምኽንያት ኣብኡ ጠጠው ኢለን ዝተረፋ መኻይን ኣለዋ፤ ገሊኤን ድማ ተመሊሰን።
ቢቢሲ፡ ብወገን ፌደራል ሚንስተር ጥዕና ንትግራይ ዝግበር ደገፋት ከመይ ቀጺሉ’ሎ? ብሰንኪ እቲ ኲናት ከቢድ ዕንወት ስለዘጋጠመ ዝተፈለየ ሓገዝ ይግበረልኩም’ዶ?
ዶክትር ሓርነት፡ ነቲ ምስ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዝስራሕ ስራሕ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዳግም ክነጀምሮ ከለና ሓድሽ ትልሚ ኣውጺእና ኢና። ነቲ ትልሚ ኣብ ዘውጸኣናሉ እዋን ድማ ካብ ሚንስተር ጥዕናነን ኢንስቲትዩት ጥዕና ማሕበረሰብን ኪኢላታት መጺኦምና ነይሮም። ብሓባር ኢና ነቲ ትልሚ ኣውጺእናዮ።
ሽዑ ትልሚ ክነውጽእ ከለና “ሽድሽተ ማእኸላት ሕክምና ኮሮናቫይረስ ስለዝዓነወ ናብ ባዶ ወሪዱ እዩ። ተወሪሩ፣ ዓንዩን ካብ ስራሕ ወጻእ ኮይኑን። ስለዚ ትልምና ካብ ባዶ ዝብገስ ክኸውን ኣለዎ” ብዝብል ኢና ተረዳዲእና። በዚ መሰረት ሚንስተር ጥዕናን ኢንስቲትዩት ጥዕና ማሕበረሰብን ክሕግዙና ኢና ትልሚ ሒዝና።
ሚንስተር ጥዕና ነተን ማእኸላት ሕክምና ክሃንጸን ኢንስቲትዩት ጥዕና ማሕበረሰብ ድማ ንሰብ ሞያ ስልጠናታት ብምሃብን ናውቲ ሕክምና ብምቕራብን ክሕግዘና ኢና ተሰማሚዕና ኔርና። ግን ድማ ብመሰረት እቲ ዝበጻሕናዮ ስምምዕ ኣይኮነን ዝኸይድ ዘሎ።
ማእኸላትና ናብ ዜሮ ወሪደን ኣብ ዘለዋሉ እዋን ኣብ ክንዲ ፍሉይ ሓገዝ ዝግበረልና ልክዕ በቲ ቅድሚ እቲ ኲናት ምጅማሩ ዝነበረ ኣሰራርሓ ማዕረ ምስተን ካልኦት ክልላት እዩ ሓገዝ ዝግበረልና።
ምስተን ካልኦት ክልላት ብማዕረ ኣሰራርሓ መድሓኒታትን ናውቲ ሕክምናን ይበጽሓና ኣሎ። ስምምዕና ግን ‘ዋላ ሓደ ነገር ስለዘይብልና ፍልይ ብዝበለ ብዝሒ ዘለዎ መድሓኒት፣ ናውቲ ሕክምናን ምስ በጀት ይወሃበና’ ዝብል ሕቶ ኢና ኣቕሪብና ኔርና።
ነቲ ትልሚ ኣብ ዘውጻእናሉ እዋን ምሳና ስለዝነበሩ ‘ካብ ባዶ ተበገሱ፤ ነተን ማእኸላት ሕክምና ኣብ ምጥያሽ ክንሕግዘኩም ኢና፤ ፍሉይ ሓገዝን በጀትን ክነቕርበልኩም ኢና’ ብዝብል ቃል ኣትዮምልና ግን ከኣ ብመሰረት እቲ ዝኣተውዎ ቃል ኣይኮነን ዝፍጸም ዘሎ። ነቲ ኣብ ኲናት ዝዓነወ ዝትክእ ደገፍ ክሳብ ሎሚ ኣይረኸብናን።
ቢቢሲ፡ ዶክተር ሓርነት ነመስግን
ዶክተር ሓርነት፡ ኣነ’ውን የቐንየለይ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







