እስልምና፡ ዒድ እንታይ'ዩ? መዓስ'ከ ይኽበር?

2021፡ ኣብ ግላስጎው ዝነበረ ስነ ስርዓት ጸሎት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, 2021፡ ኣብ ግላስጎው ዝነበረ ስነ ስርዓት ጸሎት

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣብ ዓለም ዘለው ተኸተልቲ እምነት እስልምና፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ከኽብሩ'ዮም።

ዒድ፡ ኣስላም ብዝለዓለ ድምቀት ካብ ዘብዕሉዎም ሃይማኖታዊ በዓላት ሓደ'ዩ።

ዒድ ኣልፈጥር እንታይ'ዩ?

ናይ ጾምን ጸሎትን ወርሒ ዝኾነ ረመዳን ክውዳእ እንከሎ፡ ዒድ ይኽበር።

"ዒድ ኣልፈጥር" ጾም ምፍታሕ ዝብል ትርጉም ኣለዎ።

ልክዕ ከምቲ ረመዳን ክጅመር እንከሎ ዘሎ ስርዓት፡ ዒድ ንክብዓል'ውን መጀመርታ ሓዳሽ ወርሒ ክትርአ ኣለዋ።

ኣብ እዋን ዒድ እንታይ ይግበር?

ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ብዙሓት እስላም ኣብ መሳጊዶም ዝካየድ ስነ ስርዓት ጸሎት ዒድ ክሳተፉ'ዮም።

ኣብዚ ዕለት፡ ሓድሽ ክዳን ተኸዲንካ ናብ መስጊድ ምኻድ ልሙድ ኮይኑ፡ ከም ተምሪ ዝበሉ ጣዕሚ ዘለዎም መግቢታት ምብላዕ፣ ጸሎት ምግባር ከኣ ይዝውተር።

ቅድሚ'ቲ ናይ ዒድ ጸሎት፡ እስላም ንድኻታት ንምሕጋዝ 'ዘካ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሓገዝ ገንዘብ የዋጽኡ።

ብዙሓት እስላም ከኣ፡ ምስ መሓዙትካን ቤተሰብካን እክብ ኢልካ ምብላዕ፣ ገንዘብን ውህብቶን ምልውዋጥ ይፈትው።

ኣብ ብዙሓት እስላም ሃገራት ከኣ፡ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ህዝባዊ በዓል'ዩ።

ኣብ በዓል ዒድ ንሓደ ሰብ ሰናይ ተምኒት ክትገልጽሉ እንተደሊኹም፡ "ዒድ ሙባረክ" በሉዎ።

ረመዳን እንታይ'ዩ?

ረመዳን፡ ናይ ዓረብ ቃል ኮይኑ መጸውዒ ናይታ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ሃይማኖት እስልምና ዘላ ታሸዐይቲ ወርሒ'ዩ።

እታ ዝተቐደሰት እስላማዊት ወርሒ ተገይራ ኸኣ ትውሰድ።

ሓንቲ ካብቶም ሓሙሽተ ዓንድታት እስላም'ውን እያ። ተኸተልቲ እስልምና፡ ፈጣሪ ዝኣዘዞም ሓሙሽተ መትከላት ኣለው ኢሎም ይኣምኑ።

እዚኦም፥

  • ኣብ ሃይማኖት እስልምና ከም እትኣምንን ብኽብርታቱ ከም እትግዛእን ምእማን'
  • መዓልታዊ ሓሙሽተ ግዜ ጸሎት ምግባርን ምስጋድን
  • ጾመ ረመዳን ናይ ግድን ምጿም
  • ካብ ዘለካ ትሕዝቶ ንድኻታትን ነዳያንን ምጽዋት ምሃብ
  • ዓቕምን ትሕዝቶን ኣብ ዝረኸብካሉ እዋን ኣብ ዕድሜኻ ሓንሳብ ናብ መካን መዲናን ምብጻሕ [ንግደት ሓጅ] እየን።
1px transparent line
ዒድ ዘኽብሩ ህጻናት

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ብኻልእ ወገን፡ እስላም ነብዪ መሓመድ ቅዱስ ቁርዓን ኣብዚ ወርሒ'ዩ ተገሊጽሉ ኢሎም'ውን ይኣምኑ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብዚ ወርሒ ቁርዓን ብብዝሒ ይንበብ።

ጾም ከኣ፡ መግለጺ ኣምልኾን ምስጋናን ተገይሩ ስለ ዝውሰድ፡ ኣብዚ ወርሒ ብዝህሉ ናይ ጾም መዓልታት ናብ ፈጣሪኦም ቀሪቦም መንፈሳዊ ጥዕናን ስርዓትን ከም ዘጠናኽሩ ይኣምኑ።

እቲ ስርዓት እንታይ ይመስል?

ተኸተልቲ እምነት እስልምና፡ ኣብ እዋን ጾም ረመዳን ወጋሕታ ቅድሚ ምዃኑ 'ስሑር' ወይ 'ሰህሪ' ኢሎም ዝጽውዑዎ ናይ ወጋሕታ ሰነ ስርዓት መግቢ ኣለዎም።

ኣጋ ምሸት ከኣ ጾም ይፈትሑ፤ እዚ 'ኢፍጣር' ይብሃል።

ኢፍጣር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ረመዳን፡ እስላም ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ዘዘውትርሉ፣ ምስ ፈጣሪኦም ዘለዎም ዝምድና ዘጠናኽርሉ፣ ትዕግስትን ልግስን ዘርእይሉ ወርሒ'ዩ ተባሂሉ'ውን ይእመን።

ኣብዚ ወርሒ፡ ኣመንቲ 'ታራዌህ' ኢሎም ዝጽውዑዎ ተወሳኺ ናይ ለይቲ ስነ ስርዓት ጸለቶም ንምብጻሕ ናብ መስጊድ ይኸዱ። እዚ ኣብ ወርሒ ረመዳን ጥራሕ ዝካየድ እዩ።

ናይዚ ዓመት ረመዳን ብምንታይ ይፍለ?

እዚ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርአ ንነጀው ዝኽበር ዘሎ ሳልሳይ ረመዳን እዩ።

ቅድም ኢሉ ብምኽንያት ዝርግሐ እዚ ቫይረስ፡ ብዙሓት ኣመንቲ እስልምና ዓለም ኣብዚ ቅዱስ ወርሒ ዘዘውትሩዎም ዝነበሩ ልማዳዊ ፍጻሜታት ክቕይሩ ተገዲዶም ጸኒሖም።

መኣዲ ኢፍጣር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ መሓዙትካን ኣባላት ስድራኻን ዝቐርብ እዩ።

ብምኽንያት ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝተወስዱ ስጉምታት ዕጽዋን ኣካላዊ ርሕቐትን ግን ከምዚኦም ዝበሉ ምትእኽኻባት ክተርፉ ገይሮም ነይሮም።

ብዙሓት ብኣካል ክራኸቡ ዘይክኣሉ ድማ፡ ብከም 'ዙም' ዝበሉ ናይ መራኸቢ መገዲታት ክራኸቡን ሃይማኖታዊ ስርዓታት ክፍጽሙን ተራእዮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ተዓጽዮም ዝነበሩ መሳጊድ ስነ ስርዓት ጸሎት ከካይዱ ተፈቒዱሎም ኣሎ።

ኣቆጻጽራ ዘመን ረመዳንን ዒድን

መቑጸሪ ዘመን [ካላንደር] እስላም፡ ሉናር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣቆጻጽራ 12 ኣዋርሕ ዝኽተል ኮይኑ፡ ታሽዐይቲ ወርሒ ረመዳን እያ።

መእተዊት ናይታ ዓሽረይቲ ወርሒ [ሻዋል] ከኣ ዒድ ይብዓለላ።

ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብዑደት ወርሒ ዝግዛእ ኮይኑ፡ ክሳብ 20 ወይ 30 መዓልታት ይጸንሕ።

ወርሒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጸገም ጥዕና ካብ ዘለዎ ሰብ ወጻእ ከኣ ኩሉ ኣማኒ ጾመ ረመዳን ክጸውም ግድን'ዩ።

እቶም ዘይጾሙ፥

  • ዝሓመሙን ኩነታት ጥዕንኦም ብምኽንያት እቲ ጾም ክዛባዕ ዝኽእልን ሰባት
  • ህጻናት
  • ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት
  • ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ'ውን ተጉዓዝቲ'ዮም።

ዒድ ኣልኣድሃ ድማ፡ እስላም ናብ መካ ዝገብሩዎ ንግደት ሓጅ ስዒቡ ዝኽበር በዓል'ዩ።