ሃዋርያ ለውጢ፡ ሊቅ ነጋድራስ ገብረሂወት ባይከዳኝ መን'ዩ?

ነጋድራስ ገብረሂወት ባይከዳኝ

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ነጋድራስ ገብረሂወት ባይከዳኝ

ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ’ቶም ካብ ዞባና ዝመንጨዉ ፈሊጣን ዳርጋ ኣይጽሓፍን’ዩ፣ ዛንትኦምን ኣበርክቶኦምን ኣይንገረሎምን’ዩ። ሓደ ካብ’ቶም ምኽንያታት ‘ካብ ንጉስ መን ኣብሊጹ ይፈልጥ?’ ካብ ዚብል ሓሳብ ዝመንጨወ ከይኰነ ኣይተርፍን።

እቲ ዝተወርሰ ባህሊ ንነገስታት ኢትዮጵያ፡ ሰማይ ብምስቃልን ነቶም ናይ ሓቂ ሃዋርያ ለውጢ ንክኾኑ ዝበቕዑ ዜጋታት ድማ ብምጕሳይ‘ዩ ክዝንቶ ጸኒሑ።

ብሓፈሻኡ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ትንተና እቶም ዝሓለፉ ጕልታዊ ስርዓታት ድሑራትን’ዮም ነይሮም ተባሂሉ’ዩ ብድብድቡ ዝስገር።

“ንኣብነታውያን ሃዋርያ-ለውጢ ሃሰው ኣብ እንብለሉ እዋን ብዛዕባ ህይወት ናይ’ቶም ትምህርቲ ጸጊቦም ንሃገሮም ዘበርከቱ ምሁራን ሃገራውያን ኣሰሮም ንኽንክተል ቅኑዕ ኰይኑ እረኽቦ” ይብል ፕሮፈሰር ባህሩ ዘውዴ።

ሓቁ’ዩ፣ ምልስ ኢልና ከነስትብህለሎምን ክንመሃረሎምን ዝግብኣና ጕዳያት ኣሎዉ፣ ሓደ ካብ’ኦም ኣብ’ቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ሓሓሊፎም ሃዋርያ ለውጢ ነይሮም’ዮም፣ ሓደ ካብ’ኦም፡ ፕሮፈሰር ባህሩ ዘውዴ'ውን ከም ዝመስከረሉ፡ ነጋድራስ ገብረሂወት ባይከዳኝ ነበረ።

ብነጋድራስ ዝፍለጥ ሽመት እንታይ ማለት’ዩ? መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ምውድኡ ነጋድራስ ኣገዳሲ ስልጣን ነበሮ፣ ናይ ሓደ ከተማ ምንቅስቓሳት ንግዲ፡ ምሕደራ ግምሩኽ፡ ቀረጽ ምእካብ ዘኣመሰሉ ስርሓት ኣብ ሲቪላዊ ስርዓት ኰይኑ ብመንግስቲ ዝተሓርየ ሰብ ናይ ነገድራስ ሽመት ይወሃቦ ነበረ። ድሓር’ዩ ብዝሓሸን ዝሓየለን ኣገባብ ብከንቲባነት ዝተተክአ።

ነጋድራስ ገብረሂወት ባይከዳኝ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ወጸኢ ከይዶም ክመሃሩ ዕድል ዝረኸቡ ዕውቀተኛ ነበረ። ሓኪም፡ ተመራማሪ ስነ-ቍጠባ ኰይኑ ብሓፈሻዊ ፍልጠት ዝተዓደለ ኣዝዩ በሊሕ ሰብ ነበረ። ብዕድመ ግን ኣይተዓደለን።

ፕሮፈሰር ባህሩ ዘውዴ ንህይወት ነጋድራስ ገብረሂወት ባይከዳኝ ግርም ገይሩ ኣብ ኢትዮጵያ-ኤንሳይክሎፐድያ ብዘስፈሮ ዓንቀጽ ኣቢሉ ይገልጾ።

‘ኣብ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ኣገባብ ስራሕ ንከታኣታቱ ህርድግ ዝብል ዝነበረ ምሁር ነበረ’ ኢሉ ይገልጾ።

ሓጺር ድሕረ-ባይታ ነጋድራስ ከመይ ይመስል?

ነጋድራስ ገብረሂወት፡ ብ30/7/1886 ኣብ ማይ ምሻም፡ ወረዳ ዓድዋ ተወልደ፣እቲ ዜሕዝን ግን ብዕለት 1/7/1919 ኣብ ሰዊት ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ተፈልየ።

ነጋድራስ ገብረሂወት ኣብቲ ህይወቱ ሰሲኑሉ ዝነበረ ዕድሚኡ’ዩ ተዀሊፉ። ከምኡ ዘኣመሰለ ጐብለል ክሳብ ዕድሜ ዝጸግብ ጸኒሑ እንተ ዝነብርሲ ክንደይ’ኮን ንሃገሩ መበርከተ ነይሩ ኢልና ክንሓስብ ድማ ናይ ግድን’ዩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ሕማም ኢንፍሉወንዛ (ስፓኒሽ-ፍሉ) ኣብ ኤውሮጳን እስያን ልሒሙ፡ ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ብዓለሙ ዝተላባዓሉ እዋን ነበረ፣ ኢትዮጵያ ኸኣ ኣብ ዓዘቕቲ’ቲ ሕማም ዝኣተወትሉ እዋን ነበረ። ነጋድራስ ገብረሂወት ከኣ ኣብ 33 ዕድሜኡ ኣብ ሃረር፡ ምሕደራ ኣታውን-ወጻእን ንግዲ እናኣታተወ፡ እቲ ምሕደራ’ቲ ኸኣ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ንምዝርጋሕ መደብ እናውጽአ ኢዩ ዓሪፉ።

ብዘመኑ ሓደ ካብ’ቶም ኣዝዮም ምሁራት ሰባት ከምዝነበረ ሰነዳት ታሪኽ ደጋጊሞም ይምስክሩሉ፣ እኳድኣ፡ ኣብ ፈለማ 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ማሕበራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ጽገና ንክትኣታቶ ብግብሪ ዝፈተነ፡ ሓሳቡ ኸኣ ኣብ ጽሑፍ ብመልክዕ መጽሓፍ ዘስፈረ ክኢላ ነበረ ይብልፕሮፈሰር ባህሩ ዘውዴ።

ኣቦኡ፡ ሸቃ ባይከዳኝ፡ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ነገስታት ሃጸይ ዮውሃንስ ኰይኖም ኣብ መተማ እናተዋግኡ ወደቑ፣ እዚ ብ9 መጋቢት 1889 ነበረ።

በቲ ናይ ሽዑ ጥሜት ዝትኣታተወ ቅልውላው (1888-1892)፡ ከምኡ’ውን ሞት ሃጸይ ዮውሃንስ (1889) ኣብቲ ዞባ፡ ምናዳ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ፡ ሓያል ነውጺ ኣኸተለ፣ ገብረሂወት ባይከዳኝ ኸኣ ኣብ ሸውዓተ ዕድሚኡ፡ ካብቲ ነውጺ ንምህዳም ምስ ሒዶት ብጾቱ ኰይኑ ንኤርትራ ኣምርሐ።

ኣብ ኤርትራ ምስ በጽሐ፡ ናብ’ቲ ናይ ሚስዮናውያን ሽወደናውያን መካነ-ካምፖ - ኣብ ጥቓ እምኩሉ ዝበሃል ኣብ ገምገም ኤርትራ ዝነበረ ነቝጣኦም - ገጹ ተጓዕዘ፣ ኣብኡ ኸኣ ተዓቝበ። እቲ መካነ-ካምፖ ኣብ ሞንጎ እምኩሉን ሕጥብሎን ጥቓ ወደብ ባጽዕ ስለ ዝነበረ ሓደ መዓልቲ መራኽብ ባሕሪ ንኽርኢ ንባጽዕ ወረደ።

ገብረሂወት ባይከዳኝ ኣብ ባጽዕ ምስ በጽሐ ህይወቱ ንቅጽበት ዝተለወጠትሉ መዓልቲ ነበረት።

ገብረሂወት ኣብ ኤውሮጳ

ገብረሂወት ባይከዳኝ ኣብ ባጽዕ ዝበጽሓሉ እዋን ሓንቲ ዓባይ ናይ ንግዲ መርከብ-ጀርመን መልሕቕ ተኺላ ጸንሓቶ። ፕሮፈሶር ባህሩ ዘውዴ ከም ዝብሎ፡ ገብረሂወትን ኣዕሩኽቱን ንካፕተን ናይታ መርከብ ፍቓድ ሓቲቶም ነታ መርከብ ንክድህስሱ ደየቡ። ዑደቶም ምስ ወድኡ ገብረሂወት ኣብ ዉሽጢ’ታ መርከብ ተደቢቑ ተረፈ።

እታ መርከብ ነቐለት፡ ንኤውሮጳ ገጻ ኸኣ ጕዕዞኣ ጀመረት። እቶም ባሕረኛታት ንገብረሂወት ኣብ ዉሽጢ’ታ መርከብ ምስ ረኸብዎ ክመልስዎ ከም ዘይክእሉ ተረዲኡዎም ንኤውሮጳ ምስኦም ክጐዓዝ ገደፉዎ።

እታ መርከብ ኣብ መድረሻኣ ምስ በጽሐት እቲ ካፕቴን ንገብረሂወት ኣብ ዑቝባ ሓደ ርኹብ ስድራ-ቤት - ካብ ኦስትሪያ ምዃኖም’ዩ - ኣረከቦ።

ገብረሂወት ዕድል ገይሩ፡ እቶም ስድራ ብጽቡቕ ተቐበልዎ፣ ከም ዉሉዶም ንከዕብይዎ ኸኣ ወሰኑ።

ገብረሂወት ኣይሓመቐን፣ ኣብ ትምህርቱ ነፍዐ፣ ክብል-ክብል ከኣ ቋንቋ ጀርመን ክመልኽ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ክብ ዝበለ ደረጃ ትምህርቲ በጽሐ።

እቶም ስድራ ኸኣ ናይ ሕክምና ትምህርቲ ንክምሃር ናብ ዩኒቨርሲቲ-በርሊን ለኣኽዎ።

ትምህርቱ ምስ ኣጠናቀቐ ገብረሂወት ኣብ ኤውሮጳ ኣይተረፈን፣ እንታይ ድኣ፡ ብፍቓዱ ናብ ሃገሩ ተመልሰ። ናብ ኢትዮጵያ ዝተመልሰሉ እዋን ብቀዳምነት እቲ ዝቐሰሞ ትምህርቲ፡ ቀጺሉ ኸኣ ቋንቋ ጀርመን፡ መጠነኛ ፈረንሳይኛ፡ ከምኡ’ውን እቲ ዘይረስዖ ቋንቋ ኣዲኡ - ትግርኛ - ሒዙ’ዩ ተመሊሱ።

ፕሮፈሰር ባህሩ ከም ዝብሎ፡ ገብረሂወት ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ተመልሰ ቋንቋ ኣምሓርኛ ንክምሃር ናይ ግድን ኰነ፣ ብደገዝማቲ የጋዙ በሃብተ ኣቢሉ ኸኣ ሓደ ንፉዕ መምህር ኣምሓርኛ ረኸበ፣ ንኣምሓርኛ ኸኣ መለኾ፡ ካብ ደቀባት ኣብሊጹ ተማህሮ።

እኳድኣ ብኣምሓርኛ ኣዝዩ ምዕቡል ዝኾነ ናይ ምጽሓፍ ዓቕሚ ኣጥረየ። ብዓቕሙን ብልጫታቱን ተመሪጹ ኸኣ ንንጉስ ዳግማዊ ምኒልክ ናይ ቀረባ ኣገልጋሊ ንክኸውን ተመርጸ።

ብጊዜ ዉግእ-ዓድዋ ገብረሂወት ወዲ ዓሰርተ ዓመት፡ ኣብ ኤውሮጳ በጽሒ ተማሃራይ’ዩ ነይሩ።

ኣበርክቶ ነጋድራስ

ነጋድራስ ገብረሂወት ባይከዳኝ ክልተ ዓበይቲ ስርሓት’ዩ ኣበርኪቱ - ብኣምሓርኛ - 1) ‘መንግስትና የህዝብ ኣስተድደር’፣ 2) ‘ኣጼ ምነሊክና ኢትዮጵያ’ ዘርእስተን መጻሕፍቲ።

እታ ቀዳመይቲ መጽሓፍ ብ1995 ኣብ ቋንቋ እንግሊዘኛ ተተርጒማ ኣብ ትሕቲ “State and Economy of Early 20th Century Ethiopia" ዚብል ኣርእስቲ ተሓትመት።

እታ ካልአይቲ ኸኣ ብ1993 ብፈረንሳይኝ ("L’Empereur Menelik et L’Ethiopie" ) ተተርጕማ ቀረበት። ንምዃኑ ‘መንግስትና የህዝብ ኣስተድደር’ ድሕሪ ሞቱ’ያ ተሓቲማ።

ፕሮፈሰር ባህሩ ዘውዴ ከም ዝብሎ፡ ነጋድራስ ገብረሂወት፡ ትሕዝቶ ናይ’ታ ካልአይቲ መጽሓፉ ንኽትትግበር ተስፋ ኣንቢሩላ ነበረ።

እዚ ማለት፡ ዳግማዊ ምኒሊክ ምስ ዓረፉ ዝተክኦም ንጉስ - ኢያሱ 5ይ - ተገዲሱ ነቶም እማመታት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዘመናዊ ስልጣኔ ኣብ ኢትዮጵያ ከተኣታቱ’ዩ ዝብል ተስፋን እምነትን ነበሮ፣ ኣይኰነን ግን።

ነጋድራስ ገብረሂወት ኣይተሓጐሰን፡ ግናኸ ጻዕሩ ቀጸለ። ኣብ ጽሑፉ ከም ዝርአ በቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ትካላት ብቑዓት ብዘይምንባሮም ይሻቐል ከም ዝነበረ ክንርኢ ንኽእል።

ከምኡ’ውን ብዛዕባ ቅርጺ ቍጠባ ሃገር፡ ዘይምዕሩይ ኣታዊ ዜጋታት፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ምዕቡላት ሃገራትን ዝነበረ ንቍጠባ ሃገር ዝሃሲ ዘይምዕሩይ ንግዲ ... ወዘተ. ኣብሪሁ ጽሒፉ’ዩ፣ ብሓቂ ቅድሚ ዘመኑ ዝነበረ ምሁር።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ዳግማዊ ምነሊክ ሓሚሞምሉ ዝነበረ እዋን፡ ገብረሂወት ምስ እቴጌ ጣይቱ ስኒት ከም ዘይነበሮም ፕሮፈሰር ባይሩ ዘውዴ ይገልጽ፣ ብእኡ ምኽንያት ከኣ ገብረሂወት ብ1909 ኣብታ ብእንግሊዝ ትግዛእ ዝነበረት ሱዳን ንሓጺር እዋን ተዓቚቡ ነበረ።

ገብረሂወት ካብ ሱዳን ንሃገሩ ክምለስ ከሎ ብሕማም ተጠቒዑ ኣብ ባጽዕ ንኽዕቈብ ተገደደ። ኣብ ባጽዕ ሕክምኑ ኣጠናቒቑ ንሃገሩ ተመልሰ።

ንሃገሩ ምስ ተመልሰ እቲ ኣብ ሱዳን ዜስተብሃለሉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ’ታ ብጣልያን ትግዛእ ዝነበረት ኤርትራ ዝረኣዮም ምዕባሌታት ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኵነታት ብምምዛን ንናጻ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ምዕባሌ ክምነየላ ጀመረ፣ ኣስዒቡ ቀልቡ ኢትዮጵያ ብከመይ ኣገባብ ከም እትምዕብለ ኣብ ሓሳቡን ስራሑን ማእከላይ ቦታ ከም ዝሓዘ ፕሮፈሰር ባይሩ የዘንቱ።

ገብረሂወት፡ ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ፡ ድሕሪ ዉግእ ዓድዋ ዳግማዊ ምነሊክ ዜድሊ ለውጥታት ከተኣታትዉ ኣይከኣሉን ካብ ዚብል ሓሳብ ነቒሉ፡ ተስፋኡ ኣብ ልጅ ኢያሱ ኣሕደረ። ልጅ ኢያሱ ግን እቲ ዝተገብረሎም ትጽቢት ኣየማልኡን፣ እቲ ለውጢ ብተፈሪ መኰነን (ድሓር ብስም ሃጸይ ሃይለስላሴ ኣብ ስልጣን ዝደየቡ) ክተኣታቶ ተስፋ ተነብረሉ።

ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ብቕዓት ገብረሂወት ርእዮም ኣብ ክብ ዝበለ ሓላፍነት ዘሎዎ ስራሕ መንግስቲ ቆጸርዎ።

ነጋድራስ ገብረሂወት ከም ዋና-ተቘጻጻሪ ናይቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንጁቡቲ ዝህነጽ ዝነበረ ሓዲድ ባቡር፡ ከምኡ’ውን ብ1917 ነጋድራስ ዲረዳዋ ኰይኑ እናገልገለ ኣብ 33 ዕድሚኡ ካብዛ ዓለም ተፈልየ።

ድሕሪ ሞቱ፡ እቶም ንሱ ዘቕርቦም ዝነበሩ ንቝጠባ ሃገር ዘርእዩ ሓሳባት ንዝሰዓቡ ምህሩን ወለዶታት ጸልዩዎም’ዩ፣ ምናዳ እቶም ኣብ ፈለማ 70ታት ዝነበሩ ኣብዮታውያን።